bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Luke 21
Luke 21
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ኢየሱስ ቅንዕ ኢሉ፦ እቶም ሃብታማት ኣብቲ ሙዳየ ምፅዋት፥ መባእ እንተእትዉ ረአየ።
2
ሓንቲ ድኻ መበለትውን፥ ኣብኡ ኽልተ ሳንቲም ክተእቱ እንተላ ረአየ።
3
“እዛ ድኻ መበለት እዚኣ፥ ካብ ኵላቶም ኣብዚሓ ኸም ዝሃበት፥ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ።
4
እዚኣቶም ኵላቶምስ፥ ካብ ተረፎም እዮም መባእ ዝሃቡ፤ እዚኣ ግና ስእንቲ እንተላ፥ ኵላ እታ ዘለታ እያ ዝሃበት” በለ።
5
ካብ ደቀ መዛሙርቱ ገሊኣቶም፥ ብዛዕባ ቤተ መቕደስ፥ ብፅቡቕ ኣእማንን፥ ንመባእ ብዝተውሃበ ሽልማትን፥ ኣጊፁ ኸም ዘሎ ኽዛረቡ እንተለዉ፥
6
ኢየሱስ፥ “እዝ እትሪእዎ ዘለኹም፥ እምኒ ኣብ ልዕሊ እምኒ እንተይፈረሰ ዘይተርፈለን መዓልቲታት ክመፃ እየን” በለ።
7
ንሳቶም ከዓ፥ “ኦ መምህር! እዙይ መኣዝ እዩ ዝኸውን? እዙይ ዝኾነሉ ጊዜኸ፥ ምልክቱ እንታይ እዩ?” ኢሎም ጠየቕዎ።
8
ንሱ ድማ ኸምዙይ በሎም፦ “ከየስሕቱኹም ተጠንቀቑ! ብዙሓት ‘ኣነ ክርስቶስ እየ፤ እቲ ዘመን ከዓ ቐሪቡ እዩ’ እናበሉ፥ ብስመይ ክመፁ እዮም እሞ ኣይትከተልዎም።
9
ብዛዕባ ውግእን ህውከትን እንተ ሰማዕኹምውን፥ ኣይትደንግፁ፤ ኣቐዲሙ እዙይ ክኸውን ግድን እዩ እሞ፥ እንተ ኾነ፥ እቲ ፍፃሜ ሽዑ ንሽዑ ኣይኸውንን እዩ።”
10
ኣስዒቡውን ኸምዙይ በሎም፦ “ህዝቢ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ፥ መንግስቲ እውን ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኽለዓል እዩ።
11
ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት፥ ብርቱዕ ምንቅጥቃጥ ምድርን ጥሜትን ፌራን ክኸውን እዩ፤ ኣብ ሰማይውን ዘርዕድን፥ ዓብዪ ምልክትን ክኸውን እዩ።
12
ቅድሚ እዝ ዅሉ ግና፥ ክሕዙኹምን ከሳጕጉኹምን እዮም። ምእንቲ ስመይ ከዓ፥ ናብ ቤተ ፀሎት ኣይሁድን፥ ናብ ቤት ማእሰርትን ክወስዱኹም፥ ናብ ነገስታትን ሹመኛታትን ከብፅሑኹም እዮም።
13
እዙይ ንምስክርነት ክኾነልኩም እዩ።
14
እንታይ ኢልኩም ከም እትምልሱ፥ ኣቐዲምኩም ክትሓስቡ ኸም ዘይብልኩም፥ ኣብ ልብኹም ኣሕድርዎ።
15
እቶም ኣብ ልዕሌኹም ዝለዓሉ፥ ምምላስን ምቅዋምን ዘይኽእልዎ ኣንደበትን ጥበብን፥ ኣነ ኽህበኩም እየ።
16
ወለድኹም፥ ኣሕዋትኩም፥ ኣዝማድኩም፥ ኣዕርኽትኹም፥ እንተይተረፉ ኣሕሊፎም ክህቡኹም፥ ካባኻትኩምውን ንገሊኣቶም ክቐትሉ እዮም።
17
ስለ ስመይ ከዓ፥ ብዅሉ ዝተፀላእኹም ክትኮኑ ኢኹም።
18
ግና ኻብ ርእስኹም፥ ሓንቲ ፀጕሪ እኳ ኣይትጠፍእን እያ።
19
ንነፍስኹም ከዓ፥ ብትዕግስትኹም ክተጥርይዋ ኢኹም።
20
“ኢየሩሳሌም ብሰራዊት ተኸቢባ እንተ ርኢኹም፥ ሽዑ ዕንወታ ኸም ዝቐረበ ፍለጡ።
21
ሽዑ እቶም ኣብ ይሁዳ ዘለዉ፥ ናብ እምባ ይህደሙ፤ እቶም ኣብ ውሽጣ ዘለዉውን፥ ካብኣ ይውፅኡ፤ እቶም ኣብ ዙርያኣ ዘለዉ ድማ፥ ናብኣ ኣይእተዉ።
22
እዙይ ከዓ ዅሉ እቲ ዝተፅሓፈ ምእንቲ ኽፍፀምስ፥ እዋን ምፍዳይ ሕነ እዩ።
23
በተን መዓልቲታት እቲኣተን ግና፥ ንጥኑሳትን ንዘጥብዋን ወይለአን! ኣብ ምድሪ ብርቱዕ መከራ ክኸውን እዩ፤ ኣብ ልዕሊ እዝ ህዝቢ እዙይ ድማ፥ መዓት ክወርድ እዩ እሞ።
24
ብስሕለት ሰይፊ ኽወድቁ፥ ተማሪኾም ድማ፥ ናብ ኵሎም ኣህዛብ ክውሰዱ እዮም፤ ዘመን ኣህዛብ ክሳዕ ዝፍፀምውን፥ ኢየሩሳሌም ብኣህዛብ ክትርገፅ እያ።
25
“ኣብ ፀሓይን ወርሕን ከዋኽብትን ከዓ፥ ምልክት ክኸውን እዩ፤ ኣብ ምድሪ እውን፥ ብድምፂ ባሕርን ማዕበልን ኣህዛብ ክጭነቑን ክህወኹን እዮም።
26
በቲ ጊዜ እቱይ ሓይላት ሰማያት ክናወፁ እዮም፤ ኣብ ዓለም ክመፅእ ዘለዎ ብምፅባይን ብፍርሓትን ድማ፥ ሰባት ልቦም ክጠልሞም እዩ።
27
ሽዑ ንወዲ ሰብ፥ ምስ ብዙሕ ሓይልን ግርማን፥ ብደመና ሰማይ ክመፅእ እንተሎ ኽሪእዎ እዮም።
28
እዙይ ክኸውን ምስ ጀመረ፥ ምድሓንኩም ቀሪቡ እዩ እሞ፥ ርእስኹም ኣቕኒዕኹም ንላዕሊ ተመልከቱ።”
29
ብምስላ ድማ ኸምዙይ በሎም፦ “ንኦም በለስን፥ ንዅሉ ኣእዋምን ተመልከቱ፤
30
ክጥጥዑ እንተለዉ ምስ ረአኹም፥ ሓጋይ ከም ዝቐረበ ትፈልጡ ኢኹም።
31
ከምኡ ኸዓ እዙይ ክኸውን ክትሪኡ እንተለኹም፥ መንግስቲ እግዚኣብሄር ከም ዝቐረበት ፍለጡ።
32
እዝ ዅሉ ኽሳዕ ዝኸውን፥ እዝ ትውልዲ እዙይ ከም ዘይሓልፍ፥ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ።
33
ሰማይን ምድርን ክሓልፍ እዩ፤ ቃለይ ግና ኣይሓልፍን።
34
“እታ መዓልቲ እቲኣ፥ ብድንገት ከይትመፀኩምስ፥ ብስስዐን ብስኽራንን፥ ብናይ ናብራ ሓሳብን፥ ልብኹም ከይኸብድ ንርእስኹም ተጠንቀቑ!
35
እታ መዓልቲ እቲኣ፥ ንዅሎም ኣብ ገፅ ምድሪ ዝነብሩ፥ ከም መፈንጠር ክትበፅሖም እያ እሞ።
36
እምበኣርከስ ካብቲ ዅሉ ክኸውን ዘለዎ ነገራት ምእንቲ ኽተምልጡን፥ ኣብ ቅድሚ ወዲ ሰብውን፥ ደው ምባል ምእንቲ ኽትክእሉን፥ ኵልሻዕ ተጊህኹም ፀልዩ።”
37
ኢየሱስ መዓልቲ መዓልቲ ኣብ ቤተ መቕደስ ይምህር፥ ለይቲ ለይቲ ኸዓ፥ ደብረ ዘይት ኣብ ዝበሃል እምባ ደዪቡ ይሓድር ነበረ።
38
ኵሉ እቲ ህዝቢ ድማ፥ ንእኡ ኽሰምዕ፥ ናብ ቤተ መቕደስ ይግስግስ ነበረ።
← Chapter 20
Chapter 22 →