bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Luke 20
Luke 20
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ሓደ መዓልቲ ኢየሱስ፥ ኣብ ቤተ መቕደስ ንህዝቢ ኽምህርን፥ ወንጌል ክሰብኽን እንተሎ፥ ሊቃነ ካህናትን መምህራን ሕግን፥ ምስ ዓበይቲ ህዝቢ ኾይኖም ናብኡ መፂኦም፥
2
“በየናይ ስልጣን ኢኻ፥ እዙይ እትገብር ዘለኻ? እዝ ስልጣን እዙይከ መን ሃበካ? እስኪ ንገረና?” ኢሎም ጠየቕዎ።
3
ንሱ ድማ፦ “ኣነውን ሓንቲ ነገር ክጥይቐኩም ንገሩኒ።
4
ጥምቀት ዮሃንስ፥ ካብ ሰማይ ዲዩ ወይ ካብ ሰብ?” በሎም።
5
ንሳቶም ከዓ “ ‘ካብ ሰማይ’ እንተ በልናዮ ‘ከመይ ደኣ ዘይኣመንኩምዎ?’ ኽብለና እዩ።
6
‘ካብ ሰብ’ እንተ በልናዮ፥ ኵሉ ህዝቢ ዮሃንስ ነቢይ ምዃኑ ይኣምን እዩ እሞ፥ ብእምኒ ኽቕጥቅጠና እዩ” ኢሎም ብልቦም ሓሰቡ።
7
ካበይ ምዃኑ ኸም ዘይፈልጡውን መለሱሉ።
8
ኢየሱስ ከዓ “ኣነውን በየናይ ስልጣን እዙይ ከም ዝገብር ኣይነግረኩምን እየ” በሎም።
9
ኢየሱስ፥ ነቶም ህዝቢ እዝ ምስላ እዙይ ክነግሮም ጀመረ፦ “ሓደ ሰብኣይ ኣታኽልቲ ወይኒ ተኸለ፤ ንሓረስቶት ብብላዕ ሂቡ፥ ናብ ካልእ ዓዲ ኸደ፤ ንነዊሕ ጊዜውን ፀንሐ።
10
ኣብ ጊዜ ፍርያት ድማ፥ ካብቲ ፍረ ወይኒ ኽልእኹሉ፥ ሓሽከሩ ናብቶም ሓረስቶት ለኣኸ። እቶም ሓረስቶት ግና፥ ቀጥቂጦም ጥራሕ ኢዱ ሰደድዎ።
11
ከምኡውን ካልእ ሓሽከሩ ለኣኸ፤ ንእኡውን ወቒዖም፥ ኣዋሪዶም ጥራሕ ኢዱ ሰደድዎ።
12
መሊሱ ኸዓ ሳልሳይ ሓሽከር ለኣኸ፤ ንእኡውን ኣቝሲሎም ንወፃኢ ኣባረርዎ።
13
ሽዑ እቲ ዋና ኣታኽልቲ ወይኒ ‘እንታይ ደኣ ኽገብር እየ? ነዝ ዘፍቅሮ ወደይ ደኣ ኽልእኽ፤ ንእኡስ ይሓፍርዎ ግዲ ይኾኑ’ በለ።
14
እቶም ሓረስቶት ግና ምስ ረአይዎ ንስንሳቶም፥ ‘እዙይ እቲ ወራሲኡ እዩ፤ ርስቱ ምእንቲ ኽንወርስ፥ ንዑ ንቕተሎ’ ተበሃሃሉ።
15
ካብቲ ኣታኽልቲ ወይኒ፥ ንደገ ኣውፂኦም ድማ ቐተልዎ። እቲ ዋና ኣታኽልቲ ወይኒ ምስ መፀ፥ እንታይ ኮን ክገብሮም እዩ?
16
መፂኡ ነቶም ሓረስቶት ይቐትሎም፤ ነቲ ኣታኽልቲ ወይኒ እውን፥ ንኻልኦት ይህቦ” በሎም። እዙይ ምስ ሰምዑ “ከምዙይስ ኣይኹን” በሉ።
17
ንሱ ግና ናብኣቶም እናጠመተ “ ‘እቲ ነደቕቲ ዝነዓቕዎ እምኒ፥ ንሱ ርእሲ መኣዝን ኮነ’ ዝብል ፅሑፍ፥ እንታይ ማለት ድዩ?
18
ኵሉ ኣብቲ እምኒ እቱይ ዝወደቐ ኽስበር፥ እቲ እምኒ እቱይ ኣብ ልዕሊኡ ዝወደቖ ድማ፥ ክጭፍለቕ እዩ” በሎም።
19
ሊቃነ ካህናትን መምህራን ሕግን ከዓ፥ ነዝ ምስላ እዙይ ብዛዕባኣቶም ከም ዝተዛረቦ ስለ ዝፈለጡ፥ በታ ሰዓት እቲኣ ኽሕዝዎ ደለዩ፤ ግና ነቶም ህዝቢ ፈርሑ።
20
ተፀናፂኖም ብዘረባኡ ኸጋግይዎ እሞ፥ ናብቲ ሮማዊ በዓል ስልጣን ንፍርዲ ኣሕሊፎም ምእንቲ ኽህብዎ፥ ቅኑዓት መሲሎም ዝፀናፀኑ ሰለልቲ ሰደዱሉ።
21
እቶም ሰለልቲ ኸዓ፥ “መምህር፥ ብቕኑዕ፥ መንገዲ እግዚኣብሄር ከም እትምህር ደኣ እምበር፥ ንዝኾነ ገፅ ሰብ ርኢኻ ኸም ዘይተዳሉን፥ ሓቂ ኸም እትዛረብን ከም እትምህርን ንፈልጥ ኢና።
22
ንቄሳር ግብሪ ኽንከፍል ግቡእ ድዩ ወይ ኣይኮነን?” ኢሎም ጠየቕዎ።
23
ኢየሱስ ግና ተንኰሎም ፈሊጡ፥ “ንምንታይከ ትፍትኑኒ ኣለኹም?
24
እስኪ እቲ ዲናር ኣርእዩኒ፤ ምስሉን ፅሕፈቱን ናይ መን እዩ?” በሎም። ንሳቶም ከዓ “ናይ ቄሳር” በልዎ።
25
ንሱ ድማ “እቲ ናይ ቄሳር ንቄሳር፥ እቲ ናይ እግዚኣብሄር ድማ ንእግዚኣብሄር ሃቡ” በሎም።
26
ኣብ ቅድሚ እቲ ህዝቢ፥ ብዘረባኡ ኣጋግዮም ክሕዝዎ ስለ ዘይከኣሉ፥ በቲ መልሱ ተገሪሞም ስቕ በሉ።
27
ካብቶም ትንሳኤ ሙታን የለን ዝብሉ ሰዱቃውያን ገሊኣቶም ናብኡ መፂኦም፥
28
“ኦ መምህር ‘ሰበይቲ ዘላቶ ሓደ ሰብ፥ ውሉድ ከይሓደገ እንተ ሞተ፥ ሓዉ ነታ ሰበይቱ ይውረሳ እሞ፥ ንሓዉ ዘርኢ የቑመሉ’ ኢሉ ሙሴ ፅሒፉልና ኣሎ።
29
እምበኣር ኣባና ሸውዓተ ኣሕዋት ነይሮም፤ እቲ ቐዳማይ ሰበይቲ ኣእቲዩ እንተይወለደ ሞተ።
30
እቲ ኻልኣይ ድማ ኣእተዋ፥ ንሱውን እንተይወለደ ሞተ።
31
እቲ ሳልሳይ ድማ ኣእተዋ፥ ከምኡውን ሸውዓቲኦም ኣእትዮምዋስ፥ ውሉድ እንተይሓደጉ ሞቱ።
32
ድሕሪ ዅሎም ድማ፥ እታ ሰበይቲ ሞተት።
33
እምበኣርከስ ሸውዓቲኦም ኣእትዮምዋ ነይሮም እዮም እሞ፥ እታ ሰበይቲ እቲኣ፥ ብትንሳኤ ሙታን፥ ሰበይቲ ኣየንኦም ክትከውን እያ?” ኢሎም ጠየቕዎ።
34
ኢየሱስ ከዓ “ደቂ እዛ ዓለም እዚኣ፥ የውስቡን ይዋሰቡን እዮም።
35
እቶም ነታ ዓለም እቲኣን፥ ንትንሳኤ ሙታን ንምውራስን ዝበቕዑ ግና፥ ኣየውስቡን ኣይዋሰቡን እዮም።
36
ከም መላእኽቲ ክኾኑ እዮምሞ፥ ድሕሪኡ ኣይሞቱን፤ ደቂ ትንሳኤ ስለ ዝኾኑ ድማ፥ ደቂ እግዚኣብሄር እዮም።
37
ምውታን ከም ዝትስኡ ግና፥ ሙሴ ብዛዕባ እቲ ኣብ ቈጥቋጥ፥ ንእግዚኣብሄር ‘ኣምላኽ ኣብርሃም፥ ኣምላኽ ይስሓቅ፥ ኣምላኽ ያእቆብ’ ብምባሉ ኣፍለጠ።
38
እግዚኣብሄር፥ ኣምላኽ ህያዋን እምበር፥ ኣምላኽ ሙታን ኣይኮነን፤ ንእኡ ዅሎም ህያዋን እዮም እሞ” በሎም።
39
ገሊኣቶም መምህራን ሕጊ ድማ “መምህር ፅቡቕ ተዛሪብካ” ኢሎም መለሱሉ።
40
ካብኡ ንደሓር ግና፥ ሓንቲ እኳ ኽጥይቕዎ ኣይደፈሩን።
41
ድሕሪዙይ ኢየሱስ ከምዙይ በሎም፦ “ከመይ እዩ ‘ክርስቶስ ወዲ ዳዊት እዩ’ ዝብሉ?
42
ዳዊት ባዕሉ፥ ኣብ መፅሓፍ መዝሙር ‘ጐይታ ንጐይታይ፥ ንፀላእትኻ ትሕቲ መርገፂ እግርኻ ኽሳዕ ዝገብሮም፥ ኣብ የማነይ ተቐመጥ በሎ’ ይብል።
44
እምበኣር ባዕሉ ዳዊት ‘ጐይታይ’ ካብ በሎ ደኣ፥ ከመይ ኢሉ ወዱ ይኾኖ?”
45
ኢየሱስ ኵሉ እቲ ህዝቢ እናሰምዐ እንተሎ ንደቀ መዛሙርቱ፦
46
“ነዊሕ ቀሚሽ ተኸዲኖም ክዞሩ ኻብ ዝደልዩ፥ ኣብ ዕዳጋ ሰብ ኢድ ክነስአሎም፥ ኣብ ቤተ ፀሎት ኣውራ መቐመጢ፥ ኣብ ምሳሕውን ዝለዓለ ስፍራ ዝፈትዉ፥
47
ኣብያተ መበለታት ዝብዝብዙ፥ ንምኽንያትውን ፀሎት ካብ ዘንውሑ መምህራን ሕጊ ተጠንቀቑ፤ ንሳቶም ብርቱዕ ቅፅዓት ክረኽቡ እዮም” በሎም።
← Chapter 19
Chapter 21 →