bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Luke 19
Luke 19
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ኢየሱስ ኣብ ኢያሪኮ ኣትዩ ብኣኣ ይሓልፍ ነበረ።
2
እንሆ ሓለቓ ተቐበልቲ ቐረፅ ዝኾነ፥ ዘኬዎስ ዝስሙ ሃብታም ሰብኣይ፥
3
ኢየሱስ ኣየናይ ምዃኑ ንምፍላጥ፥ ክሪኦ ይደሊ ነበረ። ቁመቱ ሓፂር ስለ ዝነበረ ግና፥ ካብ ብዝሒ እቲ ህዝቢ ዝተልዓለ፥ ክሪኦ ኣይከኣለን።
4
በታ መንገዲ እቲኣ ይሓልፍ ስለ ዝነበረ ኸዓ፥ ክሪኦ ንቕድሚት ጐይዩ፥ ናብ ሳግላ ደየበ።
5
ኢየሱስ ድማ ኣብታ ቦታ ምስ በፅሐ፥ ቅንዕ ኢሉ ጠሚቱ፥ “ዘኬዎስ፥ ሎሚ ኣብ ገዛኻ ኽውዕል እየሞ፥ ቀልጢፍካ ውረድ” በሎ።
6
ቐልጢፉ ወረደ፤ እናተሓጐሰውን ተቐበሎ።
7
እዙይ ምስ ረአዩ ድማ “ኣብ እንዳ ሓጢኣተኛ ሰብ ክውዕል ኣትዩ” ኢሎም፥ ኵላቶም ኣጕረምረሙ።
8
ዘኬዎስ ከዓ ተሲኡ ንጐይታ “ኦ ጐይታ! እንሆ ፍርቂ ጥሪተይ፥ ንድኻታት እህብ፤ ዝዓመፅክዎ እንተ ሃልዩውን ኣርባዕተ ዕፅፊ እፈድዮ” በሎ።
9
ኢየሱስ ድማ “ሎሚ ነዝ ገዛ እዙይ፥ ድሕነት ኮነሉ፤ ንሱውን ወዲ ኣብርሃም እዩሞ።
10
ወዲ ሰብ ዝመፀ፥ ንዝጠፍአ ኽደልን ከድሕንን እዩ እሞ” በሎ።
11
ንሳቶም እዙይ ክሰምዑ እንተለዉ ድማ፥ ናብ ኢየሩሳሌም ቀሪቡ ነበረ እሞ፥ መንግስቲ እግዚኣብሄር ሽዑ እትገሃድ ይመስሎም ስለ ዝነበረ፥ ወሲኹ ብምስላ ተዛረበ።
12
ከምዙይ ድማ በለ፦ “ሓደ ኽቡር ሰብ፥ መንግስቲ ተቐቢሉ ኽምለስ፥ ናብ ርሑቕ ሃገር ከደ።
13
ንዓሰርተ ኣገልገልቱ ፀዊዑ ኸዓ ‘ክሳዕ ዝመፅእ በዙይ ንገዱ’ ኢሉ፥ ዓሰርተ ምናን ሃቦም።
14
ደቂ ዓዱ ግና ፀልእዎ እሞ ‘እዙይ ኣብ ልዕሌና ኽነግስ ኣይንደልን ኢና’ ኢሎም፥ ደድሕሪኡ ልኡኻት ሰደዱ።
15
መንግስቲ ተቐቢሉ ምስ ተመለሰ ድማ፥ ክንደይ ዝኣክል ነጊዶም ከም ዘትረፉ ኽፈልጥ ደልዩ፥ ነቶም ምናን ዝሃቦም ክፅውዑሉ ኣዘዘ።
16
እቲ ቐዳማይ መፂኡ ‘ኦ ጐይታ፥ እታ ምናንካ፥ ካልእ ዓሰርተ ትርፊ ረኺበላ’ በሎ።
17
ንሱ ኸዓ ‘ኣታ ሕያዋይ ኣገልጋሊ፥ ፅቡቕ ገበርካ፤ ብውሑድ እሙን ኴንካ ኢኻ እሞ፥ ኣብ ዓሰርተ ኸተማታት ሸይመካ ኣለኹ’ በሎ።
18
“እቲ ኻልኣይ ድማ፥ ‘ኦ ጐይታ፥ እታ ምናንካ፥ ካልእ ሓሙሽተ ትርፊ ረኺበላ’ እናበለ ቐረበ።
19
ነዙይ ድማ ‘ንኣኻውን ኣብ ሓሙሽተ ኸተማታት ሸይመካ ኣለኹ’ በሎ።
20
እቲ ሳልሳይ ድማ ‘ኦ ጐይታ፥ ዘየንበርካዮ እተልዕል፥ ዘይዘራእኻዮ እትዓፅድ ጨካን ሰብ ምዃንካ ስለ ዝፈልጥ፥ ፈሪሐ፥ እዛ ኣብ ቍራፅ ዓለባ ቛፂረ ዘፅናሕክዋ ምናን እኒሃትልካ’ እናበለ ቐረበ።
22
ንሱ ድማ ‘ኣታ ኽፉእ ኣገልጋሊ፥ ከም ቃልካ ኽፈርደካ እየ። ኣነ ዘየንበርክዎ ዘልዕል፥ ዘይዘራእኽዎ ዝዓፅድ፥ ጨካን ሰብ ምዃነይ እናፈለጥካ ደኣ
23
ስለ ምንታይ ነቲ ገንዘበይ፥ ኣብ ባንኪ ዘየእተኻዮ? ኣነ መፂአ ምስ ወለዱ ምወሰድክዎ ነይረ’ በሎ።
24
ነቶም ኣብኡ ደው ኢሎም ዝነበሩ ሰባት ከዓ ‘እታ ምናን ኣሕድግዎ እሞ፥ ነቲ ዓሰርተ ዘለዎ ሃብዎ’ በሎም።
25
ንሳቶም ከዓ፥ ‘ኦ ጐይታ፥ ንሱስ ዓሰርተ ምናን ኣለዎ’ በልዎ።
26
ንሱ ድማ ‘ንዘለዎ ይወሃቦ፤ ነቲ ዘይብሉ ግና፥ እታ ዘላቶ እኳ ኸሕድግዎ እዮም፥ እብለኩም ኣለኹ።
27
ነዞም ኣነ ኣብ ልዕሊኣቶም ክነግስ ዘይደለዩ ፀላእተይ ግና፥ ናብዙይ ኣምፂእኹም፥ ኣብ ቅድመይ ቅተልዎም’ ” በለ።
28
ኢየሱስ እዙይ ምስ ተዛረበ ናብ ኢየሩሳሌም ክድይብ ቀቅድሚኣቶም ከደ።
29
ጥቓ ደብረ ዘይት ዝበሃል እምባ ናብ ዝርከባ ቤተ ፋጌን ቢታንያን ምስ ቀረበ፥ ንኽልተ ኻብ ደቀ መዛሙርቱ ኸምዙይ ኢሉ ለኣኸ፦
30
“ናብዛ ኣብ ቅድሜኹም ዘላ ዓዲ ኺዱ፤ ኣብኣ ምስ ኣተኹም፥ ሰብ ዘይተቐመጦ እሱር ገልገል ኣድጊ ኽትረኽቡ ኢኹም፤ ፈቲሕኹም ኣምፅእዎ።
31
ዝኾነ ሰብ፥ ‘ስለ ምንታይ ትፈትሕዎ ኣለኹም?’ ኢሉ እንተ ጠየቐኩም ከዓ፥ ‘ጐይታ ይደልዮ ኣሎ’ በልዎ።”
32
እቶም ዝተልኣኹ ኸይዶም ከምቲ ዝበሎም ረኸቡ።
33
ንሳቶም ነቲ ገልገል ኣድጊ ኽፈትሕዎ እንተለዉ፥ ዋናታቱ “ነዝ ገልገል ኣድጊ ስለ ምንታይ ትፈትሕዎ ኣለኹም?” በልዎም።
34
ንሳቶም ድማ “ጐይታ ይደልዮ ኣሎ” በልዎም።
35
ናብ ኢየሱስውን ኣምፅእዎ። ልዕሊ እቲ ገልገል ኣድጊ፥ ክዳውንቶም ምስ ጐዝጐዙሉ ኸዓ፥ ንኢየሱስ ኣብኡ ኣቐመጥዎ።
36
ንሱ ክኸይድ እንተሎ፥ ክዳውንቶም ኣብ መንገዲ ኣንፀፉ።
37
ናብ ቝልቍል ደብረ ዘይት ምስ ቀረበ፥ ኵሎም እቶም ንኢየሱስ ዝኽተልዎ ዝነበሩ፥ በቲ ዅሉ ዝረአይዎ ሓይልታት ክሕጐሱን፥ ንእግዚኣብሄር ብዓብዪ ድምፂ ኸመስግንዎን ጀመሩ።
38
“እቲ ብስም እግዚኣብሄር ዝመፅእ ንጉስ ቡሩኽ እዩ። ሰላም ኣብ ሰማይ፥ ክብሪ ኣብ ኣርያም!” እውን ይብሉ ነበሩ።
39
ኣብ ማእኸል እቲ ህዝቢ ዝነበሩ ገሊኣቶም ፈሪሳውያን ግና “መምህር፥ ንደቀ መዛሙርትኻ ገስፆም” በልዎ።
40
ንሱ ድማ “እዚኣቶም ስቕ እንተ በሉ እኳ፥ እዞም ኣእማን ዓው ኢሎም ድምፂ ኸስምዑ እዮም፥ እብለኩም ኣለኹ” ኢሉ መለሰሎም።
41
ኢየሱስ ናብታ ኸተማ ቐረበ፤ ምስ ረአያ ኸዓ፥ ከምዙይ ኢሉ በኸየላ፦
42
“ኣየ ንስኺ! በዝ መዓልቲ እዙይ ንሰላምኪ ዝኸውን ፈሊጥክዮ እንተ እትኾኒ! ሕዚ ግና ኻብ ዓይንኺ ተኸዊሉ ኣሎ፤
43
ፀላእትኺ ኣብ ዙርያኺ ሓፁር ሓፂሮም፥ ከቢቦም በዙይን በቱይን፥ ንኣኺ ዘጨንቑሉ መዓልቲ ኽመፅእ እዩ።
44
ዘመን ድሕነትኪ ሰኣን ምፍላጥኪ፥ ንኣኽን ኣባኺ ንዝነብሩ ደቅኽን፥ ምስ ሓመድ ክሓዋውሱኺ እዮም፤ እምኒ ኣብ ልዕሊ እምኒውን ኣይሓድጉልክን እዮም።”
45
ኢየሱስ ናብ ቤተ መቕደስ ኣትዩ፥ ነቶም ዝሸጡን ዝዕድጉን ዝነበሩ፥
46
“ ‘ቤተይ ቤተ ፀሎት ክበሃል እዩ’ ዝብል ተፅሒፉ ኣሎ፤ ንስኻትኩም ግና በዓቲ ጐሓሉ ገበርኩምዎ” እናበለ ኸውፅኦም ጀመረ።
47
ዕለት ዕለትውን ኣብ ቤተ መቕደስ ይምህር ነበረ። ሊቃነ ካህናትን መምህራንን ዓበይቲ ህዝብን ግና፥ ክቐትልዎ ይደልዩ ነበሩ።
48
ኵሉ እቲ ህዝቢ ግና፥ ብተመስጦ ይሰምዖ ስለ ዝነበረ፥ ዝገብርዎ ሰኣኑ።
← Chapter 18
Chapter 20 →