bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Luke 18
Luke 18
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ኢየሱስ፥ እንተይሰልከዩ ዅልሻዕ ክፅልዩ ኸም ዝግብኦም ንኸረድእ፥ ከምዙይ ኢሉ ብምስላ ተዛረቦም፦
2
“ኣብ ሓንቲ ኸተማ ንእግዚኣብሄር ዘይፈርሕ፥ ንሰብ ድማ ዘይሓፍር፥ ሓደ ፈራዲ ነበረ።
3
ኣብታ ኸተማ እቲኣ ድማ፥ ሓንቲ መበለት ነበረት፤ ናብኡ እናመፀት ከዓ፥ ‘ምስ ተፃራርየይ ፍረደለይ’ ትብሎ ነበረት።
4
ንሱ ድማ ብዙሕ መዓልቲ ኣበያ። ብድሕሪኡ ግና ብልቡ ‘ንእግዚኣብሄር እኳ እንተ ዘይፈራሕኹ፥ ንሰብውን እንተ ዘይሓፈርኩ፥
5
እዛ መበለት እዚኣ ኣሸጊራትኒ እያ እሞ፥ መመሊሳ እናመፀት ከይተትክረኒ፥ ክፈርደላ ደኣ’ በለ።”
6
ጐይታ ኸዓ ኸምዙይ በለ፦ “እዝ ዓመፀኛ ፈራዲ ዝብሎ ዘሎ ስምዑ።
7
እግዚኣብሄር ግዳ፥ ነቶም ለይትን መዓልትን ናብኡ ዝምህለሉ ሕሩያቱ፥ ኣይፈርደሎምንዶ? ወይ ዝድንጕዮምዶ ይመስለኩም?
8
ቀልጢፉ ኽፈርደሎም እዩ እብለኩም ኣለኹ። እንተ ኾነ፥ ወዲ ሰብ ምስ መፀስ፥ ኣብ ምድሪ እምነትዶ ኽረክብ ይኸውን?”
9
ኢየሱስ ነቶም ፃድቃን ከም ዝኾኑ፥ ብባዕልቶም ዝምክሑ ንኻልኦት ግና፥ ዝንዕቑ ዝነበሩ፥ ከምዙይ ኢሉ መሰለሎም፦
10
“ክልተ ሰባት፥ ክፅልዩ ናብ ቤተ መቕደስ ደየቡ። እቲ ሓደ ፈሪሳዊ፥ እቲ ኻልኣይ ድማ፥ ተቐባሊ ቀረፅ ነበሩ።
11
እቲ ፈሪሳዊ ደው ኢሉ ብልቡ ‘ኦ እግዚኣብሄር፥ ከምቶም ካልኦት፥ ከተርቲ፥ ዓመፅቲ፥ ዘመውቲ ሰባት፥ ወይ ከምዝ ተቐባሊ ቀረፅ እዙይ ስለ ዘይኮንኩ፥ አመስግነካ ኣለኹ።
12
ኣብ ሰሙን ክልተ መዓልቲ እፀውም፤ ካብ ኵሉ ዘጥረኹዎውን ኣስራት ኣውፅእ’ እናበለ ፀለየ።
13
እቲ ተቐባሊ ቀረፅ ግና፥ ኣብ ርሑቕ ደው ኢሉ፥ ዓይኑ ናብ ሰማይ ቈላሕ ከብል እኳ እንተይደፈረ፥ ‘ኦ ኣምላኽ፥ ንኣይ ንሓጢኣተኛ መሓረኒ’ እናበለ፥ ኣፍ ልቡ ይወቅዕ ነበረ።
14
ካብቲ ፈሪሳዊ፥ እቲ ተቐባሊ ቀረፅ፥ ፀዲቑ ናብ ገዛኡ ኸም ዝተመለሰ እብለኩም ኣለኹ፤ ኵሉ ንባዕሉ ልዕል ልዕል ዘብል፥ ክዋረድ፥ ኵሉ ንባዕሉ ዘትሕት ግና፥ ልዕል ክብል እዩ።”
15
ኢየሱስ ንህፃናት ኢዱ ኸንብረሎም፥ ናብኡ ኣምፅእዎም፤ እቶም ደቀ መዛሙርቱ ኸዓ፥ እዙይ ሪኦም ነቶም ሰባት ገሰፅዎም።
16
ኢየሱስ ግና ፀዊዑ፥ “መንግስቲ እግዚኣብሄር ንኸምዚኣቶም ዝበሉ እያ እሞ፥ ህፃናት ናባይ ክመፁ ኣይትኸልክልዎም።
17
ንመንግስቲ እግዚኣብሄር፥ ከም ህፃን ኮይኑ ዘይቕበላ፥ ከቶ ኸም ዘይኣትዋ፥ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ” በሎም።
18
ሓደ ኻብቶም ኣሕሉቕ ድማ “ኦ ሕያዋይ መምህር፥ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኽወርስ፥ እንታይ ክገብር?” ኢሉ ጠየቖ።
19
ኢየሱስ ከዓ፥ “ንምንታይ ሕያዋይ ትብለኒ? ብዘይ ሓደ እግዚኣብሄር፥ ሕያዋይ የለን።
20
ነተን ‘ኣይትቕተል፤ ኣይትዘሙ፤ ኣይትስረቕ፤ ብሓሰት ኣይትመስክር፤ ኣቦኻን እኖኻን ኣኽብር’ ዝብላ ትእዛዛት ትፈልጠን ኢኻ” በሎ።
21
ንሱ ኸዓ “ነዙይ ኵሉስ፥ ካብ ንእስነተይ ጀሚረ ሓልየዮ እየ” በለ።
22
ኢየሱስ ድማ እዙይ ምስ ሰምዐ፥ “እምበኣር ሓንቲ ተሪፋትካ ኣላ፤ ዘለካ ዅሉ ሼጥኻ፥ ንድኻታት ሃብ፤ ኣብ ሰማይ ሃብቲ ኽትረክብ ኢኻ፤ ነዓ ተኸተለኒ” በሎ።
23
ንሱ ኸዓ ነዙይ ምስ ሰምዐ፥ የመና ሃብታም ስለ ዝነበረ፥ ብዙሕ ሓዘነ።
24
ኢየሱስ ብዙሕ ምሕዛኑ ሪኡ፥ “ሃብቲ ንዘለዎም፥ ናብ መንግስቲ እግዚኣብሄር ምእታው ክንደይ ጭንቂ እዩ።
25
ሃብታም፥ ናብ መንግስቲ እግዚኣብሄር ካብ ዝኣቱስ፥ ግመል ብዓይኒ መርፍእ ክሓልፍ ይቐልል” በለ።
26
እቶም ዝሰምዑ ድማ “መን ደኣ ኾን ክድሕን ይኽእል?” በሉ።
27
ንሱ ኸዓ “እቲ ንሰብ ዘይከኣሎ፥ ንእግዚኣብሄር ይከኣሎ እዩ” በሎም።
28
ሽዑ ጴጥሮስ “እንሆ ንሕና ዅሉ ሓዲግና፥ ተኸቲልናካ ኣለና” በሎ።
29
ንሱ ኸዓ “ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፥ ምእንቲ መንግስቲ እግዚኣብሄር ኢሉ፥ ቤት ኮነ ወይ ሰበይቲ፥ ወይ ኣሕዋት፥ ወይ ወለዲ፥ ወይ ውሉድ ዝሓደገ፥
30
ኣብዝ ዓለም እዙይ ብዙሕ ካዕበት፥ ኣብታ እትመፅእ ዓለም ከዓ፥ ናይ ዘለኣለም ህይወት ዘይረክብ የለን” በሎም።
31
ኢየሱስ ነቶም ዓሰርተ ኽልተ ደቀ መዛሙርት ናብኡ ወሲዱ “እንሆ ናብ ኢየሩሳሌም ንድይብ ኣለና፤ ኵሉ እቲ ብዛዕባ ወዲ ሰብ፥ ብነቢያት ዝተፅሓፈ ኽፍፀም እዩ።
32
ንኣህዛብ ኣሕሊፎም ክህብዎ፥ ከላግፁሉ፥ ክፀርፍዎ፥ እንትፍውን ክብሉሉ፥
33
ገሪፎም ድማ ኽቐትልዎ እዮም። ብሳልሰይቲ መዓልቲ እውን፥ ክትስእ እዩ” በሎም።
34
ንሳቶም ግና፥ ካብዝ ነገር እዙይ ሓደኳ ኣየስተውዓሉን፤ እዝ ዘረባዙይ ተሰዊርዎም ስለ ዝነበረ፥ ነቲ ዝተዛረቦ ኣየስተውዓልዎን ነበሩ።
35
ናብ ኢያሪኮ ምስ ቀረበ፥ እንሆ ሓደ ዕውር ሰብኣይ፥ ኣብ ጥቓ መንገዲ ተቐሚጡ ይልምን ነበረ።
36
ህዝቢ ብእኡ ኽሓልፍ እንተሎ ድምፂ ሰሚዑ፥ “እዝ ዝሰምዖ ዘለኹ እንታይ እዩ?” ኢሉ ጠየቐ።
37
ንሳቶም ከዓ “እቲ ናይ ናዝሬት ኢየሱስ ይሓልፍ ኣሎ” ኢሎም ነገርዎ።
38
ሽዑ ንሱ፥ ድምፁ ዓው ኣቢሉ “ኦ ኢየሱስ ወዲ ዳዊት፥ ራህርሀለይ!” በለ።
39
እቶም ቅድሚት ይኸዱ ዝነበሩ፥ ስቕ ክብል ገሰፅዎ፤ ንሱ ግና ብዝበለፀ ዓው ኢሉ “ኦ ኢየሱስ ወዲ ዳዊት፥ ራህርሀለይ!” በለ።
40
ኢየሱስ ከዓ ደው ኢሉ፥ ናብኡ ኸምፅእዎ ኣዘዘ። ናብኡ ምስ ቀረበ ድማ ኢየሱስ “እንታይ ክገብረልካ ትደሊ?” ኢሉ ጠየቖ።
41
እቲ ዕዉር ከዓ “ጐይታ! ኣዒንተይ ክሪኣ” በለ።
42
ኢየሱስ ድማ “ረአ፥ እምነትካ እያ ኣሕውያትካ” በሎ።
43
ሽዑ ንሽዑ ድማ ረአየ እሞ፥ ንእግዚኣብሄር እናመስገነ ተኸተሎ፤ ኵሎም እቶም ህዝቢ እውን ነዙይ ምስ ረአዩ፥ ንእግዚኣብሄር ኣመስገንዎ።
← Chapter 17
Chapter 19 →