bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Luke 15
Luke 15
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
እንሆ፥ ኵሎም ተቐበልቲ ቐረፅን ሓጥኣንን፥ ክሰምዕዎ ናብ ኢየሱስ ቀረቡ።
2
ፈሪሳውያንን መምህራን ሕግን ድማ “እዙይስ ንሓጥኣን ይቕበል፤ ምስኣቶምውን ይበልዕ” እናበሉ ኣጕረምረሙ።
3
ሽዑ ኸምዙይ ኢሉ መሰለሎም፦
4
“ካባኻትኩም ሚእቲ ኣባጊዕ ዘለዋኦ እሞ፥ ካብኣተን ሓንቲ እንተ ጠፍአቶ፥ ነተን ተስዓን ትሽዓተን ኣብ በረኻ ሓዲጉ፥ ነታ ዝጠፍአት ክሳዕ ዝረኽባ፥ ክደሊ ዘይኸይድ ኣየናይ ሰብ እዩ?
5
ምስ ረኸባ ድማ፥ ተሓጒሱ ኣብ ማእገሩ ይሕንግራ።
6
ናብ ገዛኡ ምስ ተመለሰ ድማ፥ ነዕርኽቱን ንጐረባብቱን ብሓባር ፀዊዑ፥ ‘እታ ዝጠፍአትኒ በጊዐይ ረኺበያ እየ እሞ፥ ምሳይ ተሓጐሱ’ ይብሎም።
7
ከምኡ ኸዓ ንስሃ ኻብ ዘይደልዩ ተስዓን ትሽዓተን ፃድቃን፥ ብዝንሳሕ ሓደ ሓጥእ፥ ኣብ ሰማይ ዓብዪ ሓጐስ ክኸውን እዩ፥ እብለኩም ኣለኹ።
8
“ከምኡውን ዓሰርተ ቐለበት ብሩር ዘለዋሞ፥ ሓንቲ ቐለበት ብሩር እንተ ጠፍአታ፥ መብራህቲ ኣብሪሃ ገዛኣ ዘይትዅስትር፥ ክሳዕ እትረኽባ ድማ፥ ብጥንቃቐ ዘይትደሊ ኣየነይቲ ሰበይቲ እያ?
9
ምስ ረኸበታ ድማ፥ ‘እታ ዝጠፍአትኒ ብሩረይ ረኺበያ እየ እሞ፥ ምሳይ ተሓጐሳ’ እናበለት ንመሓዙታን ንጐረባብታን ትፅውዕ።
10
ከምኡ ኸዓ ብሓደ ዝንሳሕ ሓጥእ፥ ኣብ ቅድሚ መላእኽቲ እግዚኣብሄር፥ ሓጐስ ክኸውን እዩ እብለኩም ኣለኹ።”
11
ከምዙይ ድማ በሎም፦ “ንሓደ ሰብኣይ ክልተ ደቂ ነበርዎ።
12
እቲ ንእሽተይ ነቦኡ ‘ኣቦይ፥ ካብ ገንዘብካ እቲ ዝብፅሐኒ ግደይ ሃበኒ’ በሎ፤ ንሱ ኸዓ፥ ነቲ ገንዘቡ መቒሉ ሃቦ።
13
ድሕሪ ቑሩብ መዓልቲ ድማ እቲ ንእሽተይ ወዲ፥ ኵሉ ገንዘቡ ኣኪቡ፥ ናብ ርሑቕ ሃገር ከደ። ኣብኡ ድማ ነቲ ገንዘቡ፥ ብስድነትን ብስኽራንን በተኖ።
14
ኵሉ ገንዘቡ ምስ ወድአ፥ ኣብታ ሃገር ብርቱዕ ጥሜት ኮነ፤ ንሱውን ተፀገመ።
15
ከይዱውን ካብቶም ደቂ እታ ሃገር፥ ኣብ ሓደ ተቘፀረ፤ ንሱ ድማ ሓሰማታት ክጓሲ ናብ ወፍሩ ሰደዶ።
16
ካብቲ ሓሰማታት ዝቕለባኦ ዝነበራ ቛርፍ ክበልዕ ድማ፥ ሃረር ይብል ነበረ፤ እንተ ኾነ ሓደኳ ዝህቦ ኣይረኸበን።
17
ሽዑ ናብ ልቡ ተመሊሱ ‘እንጀራ ዝተርፎም ኣገልገልቲ ኣቦይ ክንደይ እዮም፤ ኣነ ግና ኣብዙይ ብጥሜት እመውት ኣለኹ።’
18
ተሲአ ደኣ ናብ ኣቦይ ክኸይድ እሞ፦ ኣቦይ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄርን ኣብ ቅድሜኻን፥ ሓጢኣት ገይረ እየ።
19
‘ደጊም ወድኻ ኽበሃል ኣይግብአንን እዩ፤ ካብቶም ሓሻኽርካ ኸም ሓደ ቝፀረኒ ኽብሎ እየ’ በለ።
20
ተሲኡ ድማ ናብ ኣቦኡ ተመለሰ፤ ኣቦኡ ኸዓ፥ ገና ኣብ ርሑቕ እንተሎ ረአዮ እሞ ራህርሀሉ፤ ጐይዩ ድማ ኽሳዱ ሓቝፉ ሰዓሞ።
21
እቲ ወዱ ድማ፥ ‘ኣቦይ! ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄርን ኣብ ቅድሜኻን፥ ሓጢኣት ገይረ እየ፤ ደጊምስ ወድኻ ኽበሃል ኣይግብአንን’ በሎ።
22
ኣቦኡ ግና ንሓሻኽሩ ‘ዝበለፀ ኽዳን ብቕልጡፍ ኣምፂእኹም ክደንዎ፤ ቀለበት ኣብ ኣፃብዕቱ፥ ኣሳእንውን ኣብ ኣእጋሩ ግበሩሉ፤
23
ስቡሕ ዝራብዕ ኣምፂእኹም ሕረዱሞ፥ ንብላዕ፤ ንተሓጐስ፤
24
እዝ ወደይ ሞይቱ ነይሩ፥ ሓውዩ፤ ጠፊኡ ነይሩውን፥ ተረኺቡ እዩ እሞ’ በሎም። ክሕጐሱ ድማ ጀመሩ።
25
“እቲ ዓብዪ ወዱ ግና፥ ኣብ ወፍሪ ነበረሞ፥ መፂኡ ኣብ ጥቓ ገዛ ምስ ቀረበ፥ ሙዚቃን ጐይላን ሰምዐ።
26
ካብቶም ሓሻኽር ኣቦኡ ንሓደ ፀዊዑ ‘እዝ ዝሰምዖ ዘለኹ እንታይ እዩ?’ ኢሉ ጠየቖ።
27
ንሱ ኸዓ፥ ‘እቲ ሓውካ ስለ ዝመፀ እሞ፥ ኣቦኻ ብዳሕንኡ ስለ ዝረኸቦ፥ ስቡሕ ዝራብዕ ሓሪዱሉ’ በሎ።
28
ንሱ ግና ዀርዩ ምእታው ኣበየ፤ ኣቦኡ ኸዓ ወፂኡ ለመኖ።
29
ንሱ ግና ነቦኡ፦ ‘እንሆ ኽንድዙይ ዝኣክል ዓመታት ኣገልጊለካ፤ ካብ ትእዛዝካውን ፈፂመ ኣይሓለፍኩን፤ እንተ ኾነ ንኣይ ምስ ኣዕርኽተይ ዝሕጐሰሉ፥ ሓደ ማሕሲእ እኳ ኣይሃብካንን።
30
እዝ ምስ ኣመንዝራታት ገንዘብካ ዝበተነ ወድኻ ምስ መፀ ግና፥ ስቡሕ ዝራብዕ ሓሪድካሉ’ በሎ።
31
ኣቦኡ ኸዓ፥ ‘ወደይ፥ ንስኻስ ኵልሻዕ ምሳይ ኣለኻ፤ ናተይ ዝኾነ ዅሉ ድማ፥ ናትካ እዩ።
32
እዝ ሓውካ ግና ሞይቱ ነይሩ፥ ሓውዩ፤ ጠፊኡ ነይሩውን፥ ተረኺቡ እዩ እሞ፥ ክንሕጐስን ደስ ኽብለናን ይግብአና እዩ’ በሎ።”
← Chapter 14
Chapter 16 →