bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Luke 14
Luke 14
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ኢየሱስ ብሰንበት፥ ሓደ ኻብ ኣሕሉቕ ፈሪሳውያን ናብ ዝኾነ ሰብ፥ እንጀራ ኽበልዕ ምስ ኣተወ፥ ፈሪሳውያን ይፀናፀንዎ ነበሩ።
2
እንሆ፥ ከብዱ ዝተነፍሐ ሰብኣይ ኣብ ቅድሚኡ ነበረ።
3
ኢየሱስ ንሊቃውንቲ ሕግን ፈሪሳውያንን “ብሰንበት ምፍዋስስ ግቡእ ድዩ ወይ ኣይግቡእን?” ኢሉ ጠየቖም።
4
ንሳቶም ከዓ ኣፅቀጡ፤ ንሱ ግና ኣሕውዩ ሰደዶ።
5
መሊሱ ድማ፦ “ካባኻትኩምከ ኣድጉ ወይ ብዕራዩ ናብ ጕድጓድ እንተ ወደቐ፥ ሽዑ ንሽዑ ብመዓልቲ ሰንበት ዘየውፅኦ መን ኣሎ?” ኢሉ ጠየቖም።
6
ነዝ ነገርዙይውን መልሲ ሰኣኑሉ።
7
ነቶም ንምሳሕ ዝተዓደሙ ድማ፥ ዝለዓለ መቐመጢ እንትመርፁ ምስ ረአየ፥ ከምዙይ ኢሉ ብምስላ ነገሮም።
8
“ሓደ ናብ መርዓ እንተ ዓደመካ፥ ኣብቲ ዝለዓለ መንበር ኣይትቀመጥ። ምናልባሽ ካባኻ ዝኸብር ካልእ ተዓዲሙ ኸይኸውን እሞ፥
9
እቲ ንእኡን ንኣኻን ዝዓደመ መፂኡ፥ ‘እዛ ስፍራ እዚኣ ነዙይ ሕደገሉ’ ኸይብለካ፤ ሽዑ እናሓፈርካ ናብ ታሕተዋይ መቐመጢ ኸይትወርድ።
10
ምስ ተዓደምካ፥ ኬድካ ኣብ ዝተሓተ መቐመጢ ተቐመጥ። ሽዑ እቲ ዝዓደመካ መፂኡ ‘ዓርከይ፥ ናብቲ ዝለዓለ መቐመጢ ደይብ’ ይብለካ፤ ሽዑ ኣብ ቅድሚ እቶም ኵሎም ዕዱማት መቓምጥኻ፥ ክብሪ ክኾነካ እዩ።
11
ዅሉ ንባዕሉ ዘኽብር ክዋረድ እዩ፤ ንባዕሉ ዘትሕት ግና፥ ክኸብር እዩ እሞ።”
12
ኢየሱስ ድማ ነቲ ዝፀውዖ ሰብኣይ ከምዙይ በሎ፦ “ምሳሕ ወይ ድራር እንተ ገበርካ፥ መሊሶም ከይፅውዑኻ እሞ፥ ልቓሕ ምምላስ ከይኾነካ፥ ኣዕርኽትኻ ወይ ኣሕዋትካ፥ ኣዝማድካ ወይ ሃብታማት ጐረባብትኻ ኣይትፀውዕ።
13
ምሳሕ እንተ ገበርካስ፥ ድኻታትን ቈራያትን ሓንካሳትን ዕዉራትን ደኣ ፀውዕ።
14
ዝፈድዩኻ የብሎምን እሞ ብፁእ ክትከውን፥ ብትንሳኤ ፃድቃንውን ክትፍደዮ ኢኻ” በሎ።
15
ሓደ ኻብቶም ኣብ ማእዲ ተቐሚጦም ዝነበሩ ነዙይ ምስ ሰምዐ “ኣብ መንግስተ ሰማያት፥ እንጀራ ዝበልዕ ብፁእ እዩ” በለ።
16
ኢየሱስ ከዓ ኸምዙይ በሎ፦ “ሓደ ሰብኣይ ዓብዪ ድራር ገበረ፤ ንብዙሓትውን ዓደመ።
17
ጊዜ ድራር ምስ ኮነ ድማ፥ ነቶም ዕዱማት፥ ‘ኵሉ ተዳልዩ እዩ እሞ ንዑ’ ኽብሎም ሓሽከሩ ለኣኸ።
18
ኵሎም ከዓ ሓቢሮም ከመኻንዩ ጀመሩ። እቲ ቐዳማይ፥ ‘ግራት ዓዲገ ኣለኹ እሞ፥ ናብኣ ወፊረ ኽሪኣ ግድን ስለ ዘድለየኒ፥ ይቕረታ ኽትገብረለይ እልምነካ ኣለኹ’ በሎ።
19
እቲ ኻልኣይ ድማ ‘ሓሙሽተ ፅምዲ ብዕራይ ዓዲገ ኣለኹ፤ ክፍትኖም ክኸይድ እየ እሞ፥ በይዛኻ ይቕረታ ክትገብረለይ እልምነካ ኣለኹ’ በሎ።
20
እቲ ሳልሳይ ከዓ ‘ሰበይቲ ኣእትየ ኣለኹ እሞ፥ ክመፅእ ኣይክእልን እየ’ በሎ።
21
እቲ ሓሽከር ተመሊሱ፥ ነዝ ነገራትዙይ ንጐይታኡ ነገሮ፤ ሽዑ እቲ በዓል ገዛ ተቘጢዑ ነቲ ሓሽከሩ ‘ናብ ኣደባባይን ናብቲ መተሓላለፊ ኸተማታትን ቀልጢፍካ ኺድ፤ ድኻታትን ቈራያትን ዕውራትን ሓንካሳትን፥ ናብዙይ ኣምፅእ’ በሎ።
22
እቲ ሓሽከር ከዓ ‘ጐይታይ፥ ከምቲ ዝኣዘዝካኒ ገይረ ኣለኹ፤ ይኹን እምበር ገና ቦታ ኣሎ’ በሎ።
23
እቲ ጐይታ ድማ ነቲ ሓሽከሩ ኸምዙይ በሎ፦ ‘ናብ መንገድታትን ፀግዒ ቕፅርታትን ኪድ እሞ፥ ገዛይ ምእንቲ ኽመልእ፥ ግድን ከም ዝመፁ ግበሮም።
24
ካብቶም ዝተዓደሙ ሰባት፥ ሓደኳ ንድራረይ ኣይጥዕሞን እዩ፥ እብለኩም ኣለኹ።’ ”
25
ብዙሓት ሰባት ምስኡ ክኸዱ እንተለዉ ድማ፥ ምልስ ኢሉ ኸምዙይ በሎም፦
26
“ናባይ ክመፅእ ዝደሊ ኣቦኡን እኖኡን ሰበይቱን ደቁን ኣሕዋቱን ኣሓቱን፥ ህይወቱውን ከይተረፈ እንተ ዘይፀሊኡ፥ ደቀ መዝሙረይ ክኸውን ኣይኽእልን እዩ።
27
መስቀሉ ፆይሩ ደድሕረይ ዘይኽተል፥ ደቀ መዝሙረይ ክኸውን ኣይኽእልን እዩ።
28
ካባኻትኩምከ፥ ሓደ ኣዳራሽ ክሰርሕ ዝደሊ እሞ፥ ንምውድኡ ዝኣኽሎ ገንዘብ እንተ ሃልይዎ፥ ኣቐዲሙ ዘይፅብፅብ መን እዩ?
29
እንተ ዘይኮነ መሰረት ምስ ሰረተ፥ ምውዳእ እንተ ሰኣነ፥ ኵሎም ዝረአይዎ ‘እዝ ሰብ እዙይ ህንፃ ጀሚሩስ፥ ክፍፅም ኣይከኣለን’ እናበሉ ኽሕጭጩሉ ይጅምሩ።
31
ወይ ምስ ካልእ ንጉስ ክዋጋእ ክኸይድ ዝደሊ እሞ፥ ነቲ ብዕስራ ሽሕ ዝመፆ፥ ብዓሰርተ ሽሕ ክዋግኦ ዝኽእል እንተ ኾይኑ፥ ተቐሚጡ ኣቐዲሙ ዘይመክር ኣየናይ ንጉስ እዩ?
32
እንተ ዘይኮነ፥ ገና ኣብ ርሑቕ እንተሎ፥ ልኡኻት ናብኡ ሰዲዱ ዕርቂ ይጥይቕ።
33
ከምኡ ድማ ነፍሲ ወከፍ ካባኻትኩም፥ ዘለዎ ዅሉ ዘይሓደገ፥ ደቀ መዝሙረይ ክኸውን ኣይኽእልን እዩ።
34
ጨው ፅቡቕ እዩ፤ ጨው መቐረቱ እንተ ኣጠፍአኸ፥ ብምንታይ የመቅርዎ?
35
ንመሬት ኾነ ንድዅዒ ስለ ዘይጠቅም፥ ናብ ደገ ይድርብይዎ፤” ዝሰምዕ እዝኒ ዘለዎ ይስማዕ!
← Chapter 13
Chapter 15 →