bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Luke 16
Luke 16
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ኢየሱስ መሊሱ ንደቀ መዛሙርቱ ኸምዙይ በሎም፦ “መጋቢ ዝነበሮ፥ ሓደ ሃብታም ሰብኣይ ነበረ። ንእኡ ኸዓ ገንዘብካ ይብትነልካ ኣሎ፤ እናበሉ ነገርዎ።
2
እቲ ጐይታኡ ድማ ፀዊዑ ‘እዝ ብዛዕባኻ ዝሰምዖ ዘለኹ እንታይ እዩ? ደጊም መጋቢ ኽትኮነኒ፥ ኣይትኽእልን ኢኻ እሞ፥ ፀብፃብ መጋብነትካ ሃበኒ’ በሎ።
3
እቲ መጋቢ ድማ ብልቡ፥ ‘ጐይታይ ካብዛ ሽመተይ ክስዕረኒ እዩ፤ ከይባሩ፥ ኣይክእልን፤ ከይልምን ድማ፥ ኣሓፍር፤ እንታይ ደኣ ኽገብር እየ?
4
ካብ መጋብነተይ ምስተስዓርኩ፥ ኣብ ገዛውቶም ምእንቲ ኽቕበሉኒ፥ ዝገብሮ ሕዚ ፈሊጠ ኣለኹ’ በለ።
5
ነቶም ሰብ ዕዳ ጐይታኡ በብሓደ ፀዊዑ፥ ነቲ ቐዳማይ ‘ንጐይታይ እትፈድዮ ዕዳ ኽንደይ ኣለካ?’ በሎ።
6
ንሱ ኸዓ ‘ሚእቲ ዕትሮ ዘይቲ’ በሎ። ሽዑ ንሱ ‘እንካ ፅሕፈት ዕዳኻ ተቐበል፤ ቀልጢፍካ ተቐመጥ እሞ፥ ሓምሳ ኢልካ ፀሓፍ’ በሎ።
7
ነቲ ኻልኣይ ድማ ‘ንስኻኸ ዕዳኻ ኽንደይ እዩ?’ በሎ፤ ንሱውን ‘ሚእቲ ፅዕነት ስርናይ’ በሎ። ሽዑ ንሱ ‘እንካ ፅሕፈት ዕዳኻ ተቐበል እሞ፥ ሰማንያ ኢልካ ፀሓፍ’ በሎ።
8
ነቲ ዓመፀኛ መጋቢ፥ ብጥበብ ስለ ዝገበረ፥ ጐይታኡ ነኣዶ፤ ካብ ደቂ ብርሃንስ፥ ደቂ እዛ ዓለም እዚኣ፥ ኣብ ናብራ ዓለም ይበላሓቱ እዮም እሞ።
9
“ኣነ ኸዓ፥ ገንዘብ ምስ ተወድአኩም፥ ኣብ ናይ ዘለኣለም ገዛውቲ ምእንቲ ኽቕበሉኹምስ፥ ብገንዘብ ዓመፃ፥ ንባዕልትኹም ኣዕርኽቲ ግበሩ እብለኩም ኣለኹ።
10
ብውሑድ እሙን ዝኾነ፥ ብብዙሕውን እሙን እዩ፤ እቲ ብውሑድ ዝዕምፅ ድማ፥ ብብዙሕውን ዓማፂ እዩ።
11
እምበኣርከስ ብገንዘብ ዓመፃ፥ እንድሕር እሙናት ዘይኴንኩም፥ በቲ ናይ ሓቂ ሃብቲ፥ መን ይኣምነኩም?
12
ብናይ እማትኩም ሃብቲ፥ እንድሕር እሙናት ዘይኮንኩምከ፥ ናይ ባዕልኻትኩም ዝኾነ መን ይህበኩም?
13
“ሓደ መገልገሊ፥ ንኽልተ ጐይቶት ከገልግል ኣይኽእልን፤ ነቲ ሓደ ይፈቱ፤ ነቲ ሓደ ይፀልእ፤ ወይ ነቲ ሓደ የኽብር፤ ነቲ ሓደ ድማ ይንዕቕ። እምበኣር ንእግዚኣብሄርን ንገንዘብን፥ ክትግዝኡ ኣይትኽእሉን ኢኹም።”
14
እቶም ፈሪሳውያን ድማ፥ ፍቕሪ ገንዘብ ስለ ዝነበሮም ነዝ ዅሉ ሰሚዖም ሓጨጩሉ።
15
ንሱ ድማ ኸምዙይ በሎም፦ “ንስኻትኩም ኣብ ቅድሚ ሰብ፥ ንርእስኹም ተመፃድቑ ኣለኹም፤ ንልብኹም ግና እግዚኣብሄር ይፈልጦ እዩ፤ እቲ ኣብ ቅድሚ ሰብ ክቡር ዝኾነ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሕሱር እዩ እሞ።”
16
“ሕግን ነቢያትን ክሳዕ ዮሃንስ ነበሩ፤ ካብ ሽዑ ናብዙይ ግና፥ መንግስቲ እግዚኣብሄር ትብሰር ኣላ፤ ኵሉ ድማ ይዳፍአላ ኣሎ።
17
ካብ ሕጊ ሓንቲ ሕንፃፅ ካብ እትወድቕስ፥ ሰማይን ምድርን ክሓልፍ ይቐልል።
18
እቲ ንሰበይቱ ፈቲሑ፥ ካልአይቲ ዘእቱ ዅሉ ይዝሙ፤ እቲ ኻብ ሰብኣያ ንዝተፈትሐት ሰበይቲ ዘእቱውን ይዝሙ።”
19
ቀይሕ ክዳንን ፃዕዳ ሃርን ዝኽደን፥ ኵሉ መዓልቲ እውን እናጋየፀ ዝሕጐስ ሃብታም ሰብኣይ ነበረ።
20
ኵሉ ሰብነቱ ብቝስሊ ዝተወረረ፥ ኣብ ኣፍ ደገ እቲ ሃብታም ተደርቢዩ ዝነብር፥ ኣልኣዛር ዝስሙ ሓደ ድኻ ሰብኣይውን ነበረ።
21
ካብቲ ማእዲ እቲ ሃብታም ዝወድቕ ርፍራፍ ክፀግብ ድማ፥ ሃረር ይብል ነበረ፤ ኣኽላባት እናመፁ ድማ ቝስሉ ይልሕሱ ነበሩ።
22
ብድሕሪዙይ እቲ ድኻ ሞተ፤ መላእኽቲ ናብ ሕቝፊ ኣብርሃም ወሰድዎ። እቲ ሃብታምውን ሞተ፤ ተቐበረውን።
23
ኣብ ሲኦል፥ ኣብ ስቓይ ኮይኑ፥ ዓይኑ ቘላሕ እንተበለ፥ ካብ ርሑቕ ንኣብርሃም ረአዮ፤ ንኣልኣዛርውን ኣብ ሕቝፉ።
24
ፀዊዑ ኸዓ “ኦ ኣቦይ ኣብርሃም፥ በዝ ነበልባል እዙይ፥ እሳቐ ኣለኹ እሞ ራህርሀለይ፤ ጫፍ ኣፃብዕቱ ኣብ ማይ ጠሚዑ፥ መልሓሰይ ከዝሕለለይውን፥ ንኣልኣዛር ስደደለይ” በሎ።
25
ኣብርሃም ድማ “ወደይ፥ ንስኻስ ብህይወትካ እንተለኻ፥ ኣብ ምቾት ከም ዝነበርካ፥ ኣልኣዛር ግና ኣብ ስቓይ ከም ዝነበረ ዘክር። ሕዚ ንሱ ኣብዙይ ይሕጐስ ኣሎ፤ ንስኻ ግና ትሳቐ ኣለኻ።
26
ምስ እዝ ዅሉ ድማ፥ ካብዙይ ናባኻትኩም ከይሓልፉ፥ ኣብኡ ዘለዉውን ናባና ኸይሳገሩስ፥ ኣብ መንጎናን መንጎኹምን፥ ዓብዪ ፀድፊ ኣሎ” በሎ።
27
ንሱ ድማ “ኦ ኣቦይ፥ እምበኣርከስ ሓሙሽተ ኣሕዋት ኣለዉኒ እሞ፥ ንሳቶምውን ናብዛ ስፍራ ስቓይ እዚኣ ኸይመፁ ኸጠንቅቖም፥ ንኣልኣዛር ናብ እንዳ ኣቦይ ክትሰዶ፥ እልምነካ ኣለኹ” በሎ።
29
ኣብርሃም ድማ “ሕጊ ሙሴን ነቢያትን ኣለዉዎም፤ ንኣኣቶም ይስምዑ” በሎ።
30
ንሱ ኸዓ “ኣይፋሉን፤ ኣቦይ ኣብርሃም፥ ካብ ምዉታን ተሲኡ፥ ሓደ ናብኣቶም ከይዱ እንተ ነጊርዎም ክንስሁ እዮም” በሎ።
31
ንሱ ድማ “ንሙሴን ንነቢያትን ዘይሰምዑ እንተ ኾይኖም፥ ካብ ምዉታን ሓደ እንተ ተስአውን፥ ከቶ ኣይኣምኑን እዮም” በሎ።
← Chapter 15
Chapter 17 →