bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Luke 13
Luke 13
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
በቲ ወርሓት እቱይ፥ ሰባት መፂኦም ብዛዕባ እቶም ጲላጦስ ቀቲሉ፥ ደሞም ምስ መስዋእቶም ዝሓዋወሶ ገሊላውያን ነገርዎ።
2
ኢየሱስ መሊሱ ኸምዙይ በሎም፦ “ነዞም ገሊላውያን እዚኣቶም፥ እዝ መከራ እዙይ ዝረኸቦምስ፥ ካብ ኵሎም ገሊላውያን ዝገደዱ ሓጢኣተኛታት ስለ ዝነበሩዶ ይመስለኩም?
3
ኣይኮነን፤ እንተ ዘይተነሲህኹምስ፥ ኵልኻትኩምውን ከምኣቶም ክትጠፍኡ ኢኹም እብለኩም ኣለኹ።
4
ወይ እቶም ኣብ ሰሊሆም መንደቕ ዝወደቖም እሞ፥ ዝቐተሎም ዓሰርተ ሸሞንተኸ፥ ካብቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነብሩ ዅሎም ሰባት፥ ዝበዝሐ ሓጢኣት ዝነበሮምዶ ይመስለኩም?
5
ኣይኮነን፤ እንተ ዘይተነሲህኹምስ፥ ኵልኻትኩም ከምኣቶም ክትጠፍኡ ኢኹም” በሎም።
6
ኢየሱስ ነዝ ምስላዙይ ድማ ነገሮም፦ “ሓደ ሰብኣይ፥ ኣብ ቦታ ኣታኽልቲ ወይኑ ዝተተኽለት በለስ ነበረቶ። ፍረ ደልዩ ናብኣ ኸደ፤ ግና ኣይረኸበላን።
7
ነቲ ሓላዊ ኣታኽልቲ ወይኒ ኸዓ፥ ‘እንሆ፥ ካብዛ በለስ እዚኣ ፍረ ደልየ፥ ሰለስተ ዓመት ተመላሊሰ ኣይረኸብኩላን። እምበኣር ቍረፃ፤ ንምንታይከ መሬት እተፅርዕ?’ በሎ።
8
ንሱ ግና፥ ‘ጐይታ! ወሰን ወሰና ኽሳዕ ዝዅስኵሳ፥ ድዅዒውን ኽሳዕ ዝድኵዓ፥ ነዛ ዓመት እዚኣ ሕደጋ።
9
ንዓመታ እንተ ፈረየት ፅቡቕ፤ እንተ ዘይኮነ ግና፥ ሽዑ ኽትቈርፃ ኢኻ’ ” ኢሉ መለሰሉ።
10
ኢየሱስ ብሰንበት፥ ኣብ ሓንቲ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ ኮይኑ እናመሃሮም እንተሎ፥
11
እንሆ፥ ዓሰርተ ሸሞንተ ዓመት ርኹስ መንፈስ ዘድከማ ሰበይቲ ነበረት፤ ስለ ዝጐበጠትውን ፈፂማ ኽትቀንዕ ኣይትኽእልን ነበረት።
12
ኢየሱስ ምስ ረአያ ፀዊዑ “ኣቲ ሰበይቲ! ኻብ ሕማምኪ ተፈቲሕኺ ኢኺ” በላ።
13
ኢዱውን ኣንበረላ፤ ሽዑ ንሽዑ ኸዓ ቐንዐት፤ ንእግዚኣብሄር ድማ ኣመስገነት።
14
እቲ መራሒ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ ግና፥ ኢየሱስ ብሰንበት ስለ ዘሕወየ ተቘጢዑ፥ ነቶም ህዝቢ “ክስርሐለን ዝግባእ ሽዱሽተ መዓልቲታት ኣለዋኹም። እምበኣር በተን ዕለታት እቲኣተን መፂእኹም ተፈወሱ እምበር፥ ብዕለተ ሰንበት ኣይኮነን” ኢሉ ተዛረቦም።
15
ጐይታ ኸዓ፦ “ኣቱም ግብዛት፥ ነፍሲ ወከፍ ካባኻትኩም ንብዕራዩ ወይ ንኣድጉ፥ ብሰንበት ካብ መእሰሪኡ ፈቲሑ፥ ማይ ከስትዮዶ ኣይወስዶን ኢዩ?
16
እንሆ እዛ ዓሰርተ ሸሞንተ ዓመት፥ ሰይጣን ዝኣሰራ ጓል ኣብርሃምከ፥ ካብዝ ማእሰርቲ እዙይ ብዕለተ ሰንበት ክትፍታሕዶ ኣይግብኣን?” ኢሉ መለሰሉ።
17
እዙይ ምስ በለ፥ ኵሎም እቶም ዝቃወምዎ ዝነበሩ ሓፈሩ፤ እቶም ህዝቢ ኸዓ በቲ ዅሉ ብኢየሱስ ዝተገብረ፥ ዘደንቕ ግብርታት ተሓጐሱ።
18
ድሕሪዙይ ኢየሱስ ከምዙይ በለ፦ “መንግስቲ እግዚኣብሄር፥ እንታይ ትመስል? ብምንታይከ ኽምስላ እየ?
19
ሰብ ወሲዱ ኣብ ስፍራ ኣታኽልቱ ዝዘርኣ፥ ፍረ ኣድሪ እያ እትመስል። ዓበየት፤ ዓባይ ኦምውን ኮነት፤ ኣዕዋፍ ሰማይ ከዓ፥ ኣብ ጨናፍራ ሰፈረን ሰርሓ።”
20
መሊሱ ድማ፥ “ንመንግስቲ እግዚኣብሄር ብምንታይ እየ ዝምስላ?
21
ሰበይቲ ወሲዳ፥ ኵሉ ኽሳዕ ዝበኵዕ፥ ኣብ ሰለስተ መስፈሪ ሕሩጭ ዝለወሰቶ፥ ማይ ብሒቝ እያ እትመስል” በለ።
22
ድሕሪዙይ ኢየሱስ ናብ ኢየሩሳሌም ክኸይድ እንተሎ፥ ኣብ ከተማታትን ዓድታትን እናመሃረ ይሓልፍ ነበረ።
23
ሓደ ሰብኣይ ከዓ፥ “ኦ ጐይታ! እቶም ዝድሕኑስ ውሑዳት ድዮም?” በሎ።
24
ንሱ ድማ፥ “በታ ፀባብ ኣፍ ደገ፥ ንምእታው ፀዓሩ፤ ክኣትዉ ዝደልዩ ብዙሓት እዮም፤ ግና ኣይኽእሉን እብለኩም ኣለኹ።
25
በዓል ገዛ ተሲኡ ማዕፆኡ ምስ ሸጐረ፥ ሽዑ ኣብ ወፃኢ ደው ምባል ክትጅምሩ፥ ‘ጐይታ፥ ጐይታ፥ ክፈተልና’ እናበልኩምውን ማዕፆ ኽትኵሕዅሑ ኢኹም። ንሱ ኸዓ ‘ካበይ ምዃንኩም ኣይፈልጠኩምን እየ’ ኢሉ ኽምልሰልኩም እዩ።
26
ሽዑ ‘ምሳኻ በሊዕናን ሰቲናን፤ ንስኻውን ኣብ ኣደባባያትና ምሂርካ’ ምባል ክትጅምሩ ኢኹም።
27
ንሱ ኸዓ ‘ኣቱም ገበርቲ ዓመፃ፥ ኵልኻትኩም ካባይ ረሓቑ፤ ካበይ ምዃንኩም ኣይፈልጠኩምን እየ’ ኽብል እዩ።
28
ንኣብርሃምን ይስሓቅን ያእቆብን ንዅሎም ነቢያትን፥ ኣብ መንግስቲ እግዚኣብሄር ምስ ረአኹምዎም፥ ንስኻትኩም ግና ኣብ ወፃኢ ተደርቢኹም ምስ ተረፍኩም፥ ኣብኡ ብኽያትን ምሕርቃም ኣስናንን ክኸውን እዩ።
29
ካብ ምብራቕን ምዕራብን ካብ ሰሜንን ደቡብን ድማ ኽመፁ፥ ኣብ መንግስቲ እግዚኣብሄርውን፥ ኣብ ማእዲ ኽቕመጡ እዮም።
30
እንሆ ድማ ቐዳሞት ዳሕረዎት፥ ዳሕረዎት ከዓ ቐዳሞት ክኾኑ እዮም” በሎም።
31
በታ ጊዜ እቲኣ ገሊኣቶም ሰባት ካብ ፈሪሳውያን፥ ናብ ኢየሱስ መፂኦም፥ “ሄሮድስ ክቐትለካ ይደሊ ኣሎ እሞ፥ ካብዙይ ወፂእኻ ኺድ” በልዎ።
32
ንሱ ግና፥ “ኬድኩም ነዛ ውኻርያ ‘እንሆ፥ ሎምን ፅባሕን ኣጋንንቲ ኣውፅእ፤ ሕሙማት ኣሕዊ ኣለኹ፤ ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ ኸዓ ኽፍፅም እየ’ በልዋ፤
33
ሎምን ፅባሕን ድሕሪ ፅባሕን ግና፥ ናብ ኢየሩሳሌም ክድይብ ይግብአኒ እዩ፤ ነቢይ ኣብ ኢየሩሳሌም እምበር፥ ኣብ ወፃኢ ኽመውት ኣይግባእን እዩ እሞ።”
34
“ኢየሩሳሌም፥ ኢየሩሳሌም፥ ንነቢያት እትቐትሊ፥ ናባኺ ንዝተልኣኹውን ብእምኒ እትቕጥቅጢ፥ ከምቲ ደርሆ ንጨቓውታ፥ ኣብ ትሕቲ ኣኽናፋ እትእክቦም፥ ክንደይሻዕኸ ንደቅኺ ኽእክቦም ዘይደለኹ! ንስኻትኩም ግና ኣበኹም።
35
እንሆ ገዛኹም ክዓኑ እዩ እብለኩም ኣለኹ፤ ‘ብስም እግዚኣብሄር ዝመፅእ ቡሩኽ እዩ’ ኽሳዕ እትብሉ፥ ኣይትሪኡንን ኢኹም” በሎም።
← Chapter 12
Chapter 14 →