bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Luke 12
Luke 12
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ኣእላፋት ህዝቢ፥ ንስንሳቶም ክሳዕ ዝፀቓቐጡ ናብኡ ምስ ተኣከቡ፥ ኢየሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ኸምዙይ ክብሎም ጀመረ፦ “ካብ ማይ ብሒቝ ፈሪሳውያን፥ ንሱውን ካብ ግብዝና፥ ርእስኹም ሓልዉ።
2
ዘይቕላዕ ክዱን፥ ዘይፍለጥ ሕቡእ የለን።
3
ስለዙይ እቲ ዅሉ ኣብ ፀልማት ዝተዛረብኩምዎ፥ ኣብ ብርሃን ክስማዕ እዩ፤ እቲ ኣብ ውሽጢ ገዛ፥ ኣብ እዝኒ ብሕሹኽሹኽ ዝተዛረብኩምዎ ድማ፥ ኣብ ናሕስታት ክስበኽ እዩ።
4
“ንኣኻትኩም ነዕርኽተይ እብለኩም ኣለኹ፤ ስጋ ንዝቐትሉ፥ ብድሕሪኡ ኻብኡ ሓሊፎም፥ ሓደ እኳ ኽገብሩ ንዘይኽእሉ ኣይትፍርሑ።
5
ኣነ ግና፥ ንመን ከም እትፈርሑ ኸርእየኩም እየ፤ ነቲ ምስ ቀተለ፥ ናብ ገሃነም ክድርቢ ስልጣን ዘለዎ፥ ንእኡ ፍርሑ። እወ፥ ንእኡ ፍርሕዎ እብለኩም ኣለኹ።
6
ሓሙሽተ ኣዕዋፍ፥ ብኽልተ ሳንቲምዶ ኣይኮናን ዝሽየጣ? ካብኣተን ሓንቲ እኳ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣይትርሳዕን እያ።
7
ንስኻትኩምስ፥ ኵለን ፀጕሪ ርእስኻትኩምውን ቍፁራት እየን። እምበኣርከስ፥ ካብ ብዙሓት ኣዕዋፍ ትበልፁ ኢኹም እሞ፥ ኣይትፍርሑ።
8
“ኣብ ቅድሚ ሰብ ንዝምስክረለይ፥ ኣነውን ኣብ ቅድሚ መላእኽቲ እግዚኣብሄር፥ ክምስክረሉ እየ።
9
እቲ ኣብ ቅድሚ ሰብ ዝኽሕደኒ ግና፥ ኣብ ቅድሚ መላእኽቲ እግዚኣብሄር ክኽሕዶ እየ።
10
ኵሉ ኣብ ልዕሊ ወዲ ሰብ፥ ዝኾነ ቓል ዝዛረብ ክሕደገሉ እዩ፤ ንመንፈስ ቅዱስ ዝፀርፍ ግና፥ ኣይሕደገሉን እዩ።
11
ናብ ቤተ ፀሎት ኣይሁድን ገዛእትን ሰብ ስልጣንን እንተ ወሰዱኹም፥ ከመይ ወይ እንታይ ከም እትምልሱ ወይ እንታይ ከም እትናገሩ ኣይትጨነቑ።
12
“በታ ሰዓት እቲኣ፥ እንታይ ከም ትምልሱን፥ እንታይ ከም ትናገሩን፥ መንፈስ ቅዱስ ክገልፀልኩም እዩ እሞ።”
13
ሓደ ኻብቶም ህዝቢ ድማ “መምህር፥ ንሓወይ ርስቲ ኽመቕለኒ ተዛረበለይ” በሎ።
14
ኢየሱስ ከዓ “ኣታ ሰብኣይ፥ ኣባኻትኩምከ ዳኛን መማቐልን ገይሩ መን ሸመኒ?” በሎ።
15
ኣስዒቡውን “ህይወት ሰብ፥ ብብዝሒ ገንዘብ ኣይኮነትን እሞ ተጠንቀቑ፤ ካብ ኵሉ ስስዐውን ተዓቀቡ” በሎም።
16
ከምዙይ ኢሉውን ምስላ መሰለሎም፦ “ገራሁኡ ብዙሕ ዝፈረየሉ፥ ሓደ ሃብታም ሰብኣይ ነበረ፤
17
‘እኽለይ ዝእክበሉ ማዕኸን የብለይን፤ እንታይ ደኣ ኽገብር?’ ኢሉ ብልቡ ሓሰበ።
18
ከምዙይ ድማ በለ፦ ‘እቲ ናይ ቅድም፥ ማዕኸነይ ኣፍሪሰ፥ ኣግፊሐ ኽሰርሖ እየ፤ ኣብኡ ድማ ዅሉ እኽለይን ሃብተይን ክእክብ እየ።
19
ንነፍሰይ ከዓ፦ ኦ ነፍሰይ! ንብዙሕ ዓመታት ዝኣክል፥ ብዙሕ ዝተኣከበ ሃብቲ ኣለኪ እሞ ኣዕርፊ፤ ብልዒ፤ ስተዪ፤ ተሓጐሲ፤ ክብላ እየ’ በለ።
20
እግዚኣብሄር ግና፥ ‘ኣታ ዓሻ! በዛ ለይቲ እዚኣ፥ ንነፍስኻ ኻባኻ ኽወስድዋ እዮም፤ እዝ ዝኣከብካዮ ደኣ ንመን ክኸውን እዩ?’ በሎ።
21
እቲ ንባዕሉ ሃብቲ ዝእክብ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ግና ሃብታም ዘይኮነ፥ ከምኡ እዩ።”
22
ኢየሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ኸምዙይ በሎም፦ “ካብ ምግቢ፥ ህይወት ትዓቢ፤ ካብ ክዳንውን፥ ሰብነት እዩ ዝዓቢ፤ ስለዙይ ንህይወትኩም ብትበልዕዎ ወይ ንሰብነትኩም ብትኽደንዎ፥ ኣይትጨነቑ እብለኩም ኣለኹ።
24
እስኪ ናብ ኳዃት ተመልከቱ፤ እግዚኣብሄር ይቕልቦም እምበር ኣይዘርኡ፤ ኣይዓፅዱ፤ ማዕኸን ወይ ቆፎ የብሎምን፤ ካብ ኣዕዋፍስ ንስኻትኩምዶ ግዳ፥ እምብዛ ኣይትበልፁን!
25
ካባኻትኩምከ ተጨኒቑ፥ ኣብ ቁመቱ ሓንቲ እመት ክውስኽ ዝኽእል መን ኣሎ?
26
እዝ ቀሊል ነገር ምግባር ካብ ዘይትኽእሉ ደኣ፥ ንምንታይ ብኻልእ ነገር እትጭነቑ?
27
ዕምበባታት ከመይ ኢሎም ከም ዝዓብዩ ኣስተብህሉ፤ ኣይፅዕሩ ኣይፈትሉ፤ ኣነ ግና እብለኩም ኣለኹ፤ ሰሎሞን እኳ በቲ ዅሉ ኽብሩ፥ ካብኣቶም ከም ሓደ ኣይተኸደነን።
28
እግዚኣብሄር ነዝ ሎሚ ዘሎ ፅባሕ ግና፥ ናብ እቶን ዝድርበ ሳዕሪ በረኻ፥ ከምዙይ ገይሩ ዝኸድኖ ኻብ ኮነ፥ ኣቱም እምነት ዝጐደለኩም፥ ንኣኻትኩም ግዳ ኸመይ ኣብዚሑ ዘይኸድነኩም?
29
ንስኻትኩም ከዓ ‘እንታይ ክንበልዕ ኢና? እንታይከ ኽንሰቲ ኢና?’ ኢልኩም ኣይትሸበሩን ኣይትጨነቑን።
30
ነዝ ዅሉስ ኣህዛብ ዓለም ይደልይዎ እዮም፤ ንኣኻትኩም ግና፥ እዝ ዅሉ ኸም ዘድልየኩም፥ ሰማያዊ ኣቦኻትኩም ይፈልጥ እዩ።
31
ንስኻትኩምስ፥ መንግስቲ እግዚኣብሄር ደኣ ድለዩ፤ እዝ ዅሉ ድማ ክውሰኸልኩም እዩ።
32
“ኣቱም ንኡስ መጓሰ፥ ኣቦኻትኩም መንግስቲ ኽህበኩም ፈትዩ ኣሎ እሞ፥ ኣይትፍርሑ።
33
ጥሪትኩም ሼጥኩም ምፅዋት ሃቡ። ሰራቒ ኣብ ዘይረኽቦ፥ ነቐዝ ኣብ ዘየባላሽዎ፥ ዘይበሊ ሙዳይን፥ ዘይጐድል ሃብትን፥ ኣብ ሰማይ ኣዋህልሉ።
34
ሃብትኻትኩም ኣብ ዘለዎ፥ ልብኹም ኣብኡ ኣሎሞ።
35
“ሕቘኻትኩም ዕጡቕ፥ መብራህትኻትኩም ብሩህ ይኹን።
36
ንስኻትኩምውን፥ ከምቶም ጐይታኦም ካብ መርዓ ኽሳዕ ዝምለስ ዝፅበይዎ እሞ፥ መፂኡ ምስ ኳሕዅሐ፥ ሽዑ ንሽዑ ዝኸፍቱሉ ሰባት ኩኑ።
37
እቶም ጐይታኦም ክምለስ እንተሎ፥ ነቒሖም ዝረኽቦም መገልገልቲ ብፁኣን እዮም። ተዓጢቑ ኣብ ማእዲ ኸም ዘቐምጦም፥ ቀሪቡውን ከም ዘገልግሎም ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ።
38
ኣብ ካልአይቲ ወይ ኣብ ሳልሰይቲ ኽፍለ ጊዜ ናይ ለይቲ፥ መፂኡ ነቒሖም ዝረኽቦም መገልገልቲ ብፁኣን እዮም።
39
ግና እዙይ ፍለጡ፤ በዓል ቤት፥ ነታ ሰራቒ ዝመፀላ ጊዜ እንተ ዝፈልጣስ፥ ምነቕሐ፤ ገዛኡ ኽኰዓት እንተሎውን ስቕ ኣይምበለን ነይሩ።
40
ንስኻትኩምውን፥ ወዲ ሰብ፥ ብዘይሓሰብኩምዎ ጊዜ ኽመፅእ እዩ እሞ፥ ተዳሊኹም ንበሩ።”
41
ጴጥሮስ ከዓ “ኦ ጐይታ! እዝ ምስላ እዙይስ፥ ንኣና ዲኻ እትምስሎ ዘለኻ ወይ ከዓ ንዅሉ ኢኻ?” በሎ።
42
ጐይታ ድማ ኸምዙይ በለ፦ “እቲ ቐለቦም በብጊዜኡ ኽህቦም፥ ጐይታኡ ኣብ ቤተሰቡ ዝሸሞ እሙንን መስተውዓልን መጋቢ መን እዩ?
43
እቲ ጐይታኡ ኽምለስ እንተሎ፥ ከምዙይ እናገበረ ዝረኽቦ ኣገልጋሊ ብፁእ እዩ።
44
ኣብ ልዕሊ ዅሉ ጥሪቱ ኸም ዝሸሞ፥ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ።
45
እቲ ኣገልጋሊ ብልቡ ‘ምምፃእ ጐይታይ ገና ኽድንጕ እዩ’ ኢሉ፥ ነቶም ሓሻኽርን ኣግራድን ክገርፍ፥ ክበልዕ፥ ክሰትን ክሰክርን እንተ ጀመረ ግና፥
46
ጐይታ እቲ ኣገልጋሊ እቱይ፥ ንሱ ብዘይተፀበያ መዓልትን ብዘይፈለጣ ሰዓትን፥ መፂኡ ኽቐፅዖ፥ ዕድሉ ኸዓ ምስቶም ዘይኣምኑ ኽገብሮ እዩ።
47
እቲ ፍቓድ ጐይታኡ ፈሊጡ ዘይተዳለወ፥ ከምታ ፍቓዱውን ዘይገበረ ኣገልጋሊ፥ ብዙሕ መቕፃዕቲ ኽቕፃዕ እዩ።
48
እቲ እንተይፈለጠ ንመቕፃዕቲ ዘብፅሕ ግብሪ ዝገበረ ግና፥ መቕፃዕቱ ኽቐለሉ እዩ፤ ብዙሕ ንዝሃብዎ፥ ካብኡ ብዙሕ ይደልዩ፤ ብዙሕ ሓደራ ንዝሃብዎ ድማ፥ ካብኡ ኣብዚሖም ይፅበዩ።
49
“ሓዊ ኸምፅእ እየ ናብ ምድሪ ዝመፃእኹ፤ ሕዝኸ ዝነደደ ኻብ ኮነ፥ እንታይ እደሊ?
50
ግና ዝጥመቖ ጥምቀት ኣለኒ፤ ክሳዕ እትፍፀም ድማ ኸመይ ዘይጭነቕ?
51
ናብ ምድሪ ሰላም ከምፅእ ዝመፃእኹዶ ይመስለኩም? እብለኩም ኣለኹ ኣይፋሉን፤ ምፍልላይ ደኣ እምበር።
52
ካብ ሕዚ ንደሓር፥ ሓሙሽተ ኣብ ሓንቲ ቤት እንተ ሃለዉ፥ ሰለስተ ኣብ ልዕሊ ኽልተ፥ ክልተ ድማ ኣብ ልዕሊ ሰለስተ ተልዒሎም ክፈላለዩ እዮም።
53
ኣቦ ኣብ ልዕሊ ወዱ፥ ወዲውን ኣብ ልዕሊ ኣቦኡ፥ እኖ ኣብ ልዕሊ ጓላ፥ ጓልውን ኣብ ልዕሊ እኖኣ፥ ሓማት ኣብ ልዕሊ ሰበይቲ ወዳ፥ ሰበይቲ ወዲውን ኣብ ልዕሊ ሓማታ፥ ተልዒሎም ክፈላለዩ እዮም።”
54
ነቶም ህዝቢ ድማ በሎም፦ “ደመና ብወገን ምዕራብ፥ ድብንብን እንትብል ምስ ረአኹም፥ ሽዑ ዝናም ክዘንም እዩ ትብሉ፤ ከምኡ ድማ ይኸውን።
55
ንፋስ ደቡብ ክነፍስ ምስ ረአኹምውን፥ ሃሩር ክኸውን እዩ ትብሉ፤ ከምኡ ድማ ይኸውን።
56
ኣቱም ግብዛት፥ ምምርማር ገፅ ሰማይን ምድርን ትፈልጡ፤ ከመይ ደኣ ነዝ ዘመን እዙይ፥ መርሚርኩም ዘይትፈልጥዎ?
57
“ስለ ምንታይከ ባዕልኻትኩም ሓቂ ዘይትፈርዱ?
58
መባእስትኻ ናብ ቤት ፍርዲ እንተ ወሰደካ፥ ኣብ ፈራዲ ኸየብፅሐካ፥ እቲ ፈራዲ ኸዓ፥ ንወታደር ኣሕሊፉ ኸይህበካ፥ እቲ ወታደርውን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኸይድርብየካስ፥ ኣብ መንገዲ እንተለኻ፥ ምስ መባእስትኻ ንምትዕራቕ ፀዓር።
59
እንተ ዘይኮነ፥ እታ መወዳእታ ሳንቲም ክሳዕ እትዓዲ፥ ካብኣ ኸም ዘይትወፅእ እነግረካ ኣለኹ።”
← Chapter 11
Chapter 13 →