bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Luke 11
Luke 11
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ኢየሱስ ኣብ ሓንቲ ስፍራ ኽፅሊ ፀኒሑ ምስ ወድአ፥ ሓደ ኻብ ደቀ መዛሙርቱ፥ “ኦ ጐይታ! ከምቲ ዮሃንስ ንደቀ መዛሙርቱ ፀሎት ዝመሃሮም፥ ፀሎት መሃረና” በሎ።
2
ንሱ ኸዓ በሎም፦ “ክትፅልዩ እንተለኹም ከምዙይ በሉ፦ ‘ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና፥ ስምካ ይቀደስ፤ መንግስትኻ ትምፃእ፤ ፍቓድካ ኸምቲ ኣብ ሰማይ ዝኾነ፥ ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ ይኹን።
3
ናይ ዕለት ምግብና በብዕለቱ ሃበና።
4
ንሕና ንዝበደሉና ይቕረ ኸም እንብለሎም፥ ሓጢኣትና ይቕረ በለልና፤ ካብ ክፉእ ኣድሕነና እምበር፥ ናብ ፈተና ኣይተእትወና።’ ”
5
ከምዙይ ከዓ በሎም፦ “ካባኻትኩም ሓደ ዓርኪ ዘለዎ እሞ፥ ፍርቂ ለይቲ ናብኡ ኸይዱ ‘ዓርከይ፥ ፈታዊየይ ገይሹ መፂኡንስ፥ ዘቕርበሉ ስኢነ እሞ፥ በይዛኻ ሰለስተ እንጀራ ኣለቅሐኒ’ እንተ በሎ፥
7
እቲ ዓርኩ ኸዓ ኻብ ውሽጢ መሊሱ ‘ኣይተሸግረኒ፤ ሕዚ ማዕፆ ተሸጕሩ እዩ፤ ደቀይውን ምሳይ ኣብ ዓራት ደቂሶም ኣለዉ፤ ተሲአ ኽህበካ ኣይክእልን’ ዘይብሎ መን እዩ?
8
ይኹን እምበር፥ ዓርኩ ስለ ዝኾነ፥ ተሲኡ ኽህቦ እኳ እንተ ዘይደለየ፥ ምእንቲ ኸየትክሮ ኢሉ፥ ተሲኡ ዝደለዮ ኸም ዝህቦ እብለኩም ኣለኹ።
9
ኣነውን ‘ለምኑ፥ ክወሃበኩም እዩ፤ ድለዩ፥ ክትረኽቡ ኢኹም፤ ማዕፆውን ኳሕዅሑ፥ ክኽፈተልኩም እዩ’ እብለኩም ኣለኹ።
10
ኵሉ ዝለመነ፥ ይቕበል፤ ዝደሊ ድማ ይረክብ፤ ማዕፆ ንዝዃሕዅሐ ይኽፈተሉ እዩ እሞ።
11
ካባኻትኩምከ እንታዋይ ኣቦ እዩ፥ ወዱ እንጀራ እንተ ለመኖ፥ እምኒ ዝህቦ? ወይ ዓሳ እንተ ለመኖ፥ ክንዲ ዓሳ ተመን ዝህቦ?
12
ወይ እንቍላሊሕ እንተ ለመኖ፥ ዕንቅርቢት ዝህቦ?
13
እምበኣር ንስኻትኩም እኳ ኽፉኣት እንተለኹም፥ ንደቅኹም ሰናይ ውህብቶ ምሃብ ካብ ፈለጥኩም፥ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦኻትኩም ግዳ፥ ንዝልምንዎ ኽንደይ ኣብሊፁ፥ መንፈስ ቅዱስ ዘይህቦም!”
14
ኢየሱስ ንበሃም ጋኔን የውፅእ ነበረ፤ እቲ ጋኔን ምስ ወፀ፥ እቲ በሃም ዝነበረ ሰብ ተዛረበ፤ እቶም ህዝቢ ኸዓ ተገረሙ።
15
ካብኣቶም ድማ “ንኣጋንንቲ ብብኤል ዜቡል፥ ብሓለቓ ኣጋንንቲ እዩ ዘውፅኦም ዘሎ” በሉ።
16
ካልኦት ድማ ኽፍትንዎ፥ ካብኡ ኻብ ሰማይ ምልክት ይደልዩ ነበሩ።
17
ንሱ ግና ሓሳባቶም ፈሊጡ ኸምዙይ በሎም፦ “ንስንሳታ ዝተፈላለየት መንግስቲ ትጠፍእ፤ ንስንሳታ ዝተፈላለየት ቤትውን ትወድቕ።
18
ንኣይ ‘ንኣጋንንቲ፥ ብብኤል ዜቡል እዩ ዘውፅኦም ዘሎ’ እትብሉንስ፥ መንግስቲ ሰይጣን ንስንሳታ እንተ ተፈላለየት ደኣ፥ እታ መንግስቱ ኸመይ ኢላ ትቐውም?
19
ኣነ ንኣጋንንቲ፥ ብብኤል ዜቡል ዘውፅኦም እንተ ኾይነ ደኣ፥ ደቅኹም ብመን የውፅእዎም ኣለዉ? ስለዙይ ንሳቶም ፈረድትኹም ክኾኑ እዮም።
20
ኣነ ንኣጋንንቲ፥ ብሓይሊ እግዚኣብሄር ዘውፅኦም ካብ ኮንኩ ግና፥ መንግስቲ እግዚኣብሄር ናባኻትኩም መፂኣ እያ።
21
እቲ ሓያል ሰብ፥ ኣፅዋሩ ዓጢቑ ቤቱ እንተ ሓለወ፥ ኵሉ ጥሪቱ ብሰላም ይነብር።
22
ካብኡ ዝሕይል መፂኡ እንተ ሰዓሮ ግና፥ ነቲ ዝእመኖ ዝነበረ ኣፅዋሩ ይምንዝዖ፤ ነቲ ዝማረኾውን የማቕል።
23
እቲ ምሳይ ዘይኮነ፥ ንሱ መፃርርተይ እዩ፤ እቲ ምሳይ ዘይእክብ ድማ ይብትን።
24
“ርኹስ መንፈስ ካብ ሰብ ምስ ወፀ፥ ዕረፍቲ ደልዩ፥ ማይ ናብ ዘይብሉ ኣፃምእ ቦታ ይኸይድ እሞ፥ እንተ ዘይረኸበ፥ ‘ናብታ ዝወፃእኹላ ገዛይ ደኣ ኽምለስ’ ይብል።
25
ምስ መፀ ድማ፥ ተዀስቲሩን ተመዓራርዩን ይፀንሖ።
26
ብድሕሪዙይ ንሱ ይኸይድ፤ ካብኡ ዝገደዱ ኻልኦት ሸውዓተ መናፍስቲ እውን፥ ምስኡ ይማላእ፤ ኣትዮም ከዓ ኣብኡ ይሰፍሩ። ነቲ ሰብ እቱይ፥ ካብ ቀዳማዩ ዳሕረዋዩ ዝገደደ ይኸውን።”
27
ኢየሱስ እዙይ እናተዛረበ እንተሎ፥ ካብቶም ህዝቢ፥ ሓንቲ ሰበይቲ ድምፃ ዓው ኣቢላ፥ “ዝፆረትካ ማህፀንን ዝጠቦኻየን ኣጥባትን ብፁኣት እየን” በለቶ።
28
ንሱ ግና፥ “ብፁኣንስ፥ እቶም ንቓል እግዚኣብሄር ዝሰምዕዎን ዝሕልውዎን እዮም” በላ።
29
ብዙሓት ሰባት ተኣኪቦም እንተለዉ ኸምዙይ ክብሎም ጀመረ፦ “እዝ ትውልዲ እዙይ፥ ክፉእ ትውልዲ እዩ፤ ምልክትውን ይደሊ ኣሎ፤ ብዘይ ምልክት ነቢይ ዮናስ ድማ፥ ምልክት ኣይወሃቦን እዩ።
30
ከምቲ ዮናስ፥ ንሰብ ነነዌ ምልክት ዝኾኖም፥ ከምኡ ድማ ወዲ ሰብ፥ ነዝ ትውልዲ እዙይ፥ ምልክት ክኾኖ እዩ።
31
ንግስተ ኣዜብ፥ ጥበብ ሰሎሞን ክትሰምዕ፥ ካብ ወሰን ምድሪ መፂኣ እያ እሞ፥ ብመዓልቲ ፍርዲ፥ ምስ ሰባት እዝ ትውልዲ እዙይ ተሲኣ፥ ክትኵንኖም እያ፤ እንሆ ኻብ ሰሎሞን ዝዓቢ ግና ኣብዙይ ኣሎ።
32
ሰብ ነነዌ፥ ብስብከት ዮናስ ተነሲሖም እዮም እሞ፥ ብመዓልቲ ፍርዲ ምስ እዝ ትውልዲ እዙይ ተሲኦም፥ ክዅንንዎ እዮም። ካብ ዮናስ ዝዓቢ ግና፥ እንሆ ኣብዙይ ኣሎ።
33
“ንመብራህቲ ኣብሪሁ፥ እቶም ዝኣትዉ ብርሃኑ ምእንቲ ኽሪኡ፥ ኣብ በሪኽ መቐመጢኡ እምበር፥ ኣብ ከውሊ ወይ ኣብ ትሕቲ ኸፈር፥ ዘንብሮ ሓደኳ የለን።
34
ናይ ሰብነትካ መብራህቲ፥ ዓይንኻ እያ። ዓይንኻ ጥዕይቲ እንተ ኾይና፥ ኵሉ ሰብነትካ ብሩህ ይኸውን፤ ዓይንኻ ሕምምቲ እንተ ኾይና ግና፥ ኵሉ ሰብነትካ ፀልማት ይኸውን።
35
እምበኣርከስ፥ እቲ ኣባኻ ዘሎ ብርሃን፥ ፀልማት ከይኸውን ተጠንቀቕ።
36
ኵሉ ሰብነትካ ፈፂሙ ፀልማት ዘይብሉ ብሩህ እንተ ኾነ፥ ከምቲ መብራህቲ ብምድማቑ ዘብርሀልካ፥ ኵሉ ሰብነትካ ድማ ብሩህ ክኸውን እዩ።”
37
ኢየሱስ እዙይ ክዛረብ እንተሎ፥ ሓደ ፈሪሳዊ ምስኡ ኽመስሕ ፀውዖ፤ ኣትዩ ኸዓ ኣብ ማእዲ ተቐመጠ።
38
እቲ ፈሪሳዊ፥ ኢየሱስ ቅድሚ ምሳሕ፥ ኢዱ ኸም ዘይተሓፀበ ምስ ረአየ ተገረመ።
39
ጐይታ ግና ኸምዙይ በሎ፥ “እንሆ ንስኻትኩም ፈሪሳውያን፥ ንዋንጫን ፃሕልን ላዕሊ ላዕሉ ተፅርዩ፤ ውሽጥኹም ግና፥ ከትርን ክፍኣትን ዝመልአ እዩ።
40
ኣቱም ግብዛት፥ እቲ ላዕሊ ላዕሉ ዝፈጠረ፥ ነቲ ውሽጡስ ኣይፈጠረንዶ?
41
ግና ነቲ ኣብ ውሽጢ ዘሎ ንምፅዋት ሃቡ፤ ድሕሪዙይ ኵሉ ነገር ፅሩይ ክኾነልኩም እዩ።
42
“ኣቱም ፈሪሳውያን፥ ካብ ሽላንን ጨና ኣዳምን ኵሉ ኣሕምልትን ዕሽር እተውፅኡ፥ ፍትሕን ፍቕሪ እግዚኣብሄርን ግና፥ ሸለል እትብሉ ኢኹም እሞ ወይለኹም! ነቱይ እንተይሓደግኩምስ፥ ነዙይውን ክትገብሩ እዩ ዝግብአኩም ነይሩ።
43
ኣቱም ፈሪሳውያን፥ ኣብ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ ዝለዓለ መቐመጢ፥ ኣብ ዕዳጋውን ኢድ ክነስኡልኩም ትደልዩ ኢኹም እሞ ወይለኹም!
44
ኣቱም መምህራን ሕግን ፈሪሳውያንን ከምቲ ሰብ እንተይፈለጠ ረጊፅዎ ዝሓልፍ፥ ዘይረአ መቓብር ኢኹም እሞ ወይለኹም!”
45
ሽዑ ሓደ ኻብቶም ሊቃውንቲ ሕጊ መሊሱ “መምህር፥ ከምዙይ ክትብል እንተለኻስ ንኣናውንኮ ትፀርፈና ኢኻ ዘለኻ” በሎ።
46
ንሱ ኸዓ ኸምዙይ በሎ፥ “ንስኻትኩም ኣቱም ሊቃውንቲ ሕጊ እውን፥ ንሰብ ከቢድ ፆር እተሰክምዎ፥ ንባዕልኻትኩም ግና፥ ነቲ ፆር ብሓንቲ ኣፃብዕትኹም እኳ ኣይትነኽእዎን ኢኹም እሞ ወይለኹም!
47
ናይቶም ኣቦታትኩም ዝቐተልዎም ነቢያት መቓብር እትሃንፁ ኢኹም እሞ ወይለኹም!
48
ንሳቶም ቀተልዎም፤ ንስኻትኩም ድማ መቓብሮም ትሃንፁ ኢኹም እሞ፥ ንስኻትኩም ተሓባበርትን መሰኻኽሮምን ኢኹም።
49
ስለዙይ ድማ ጥበብ እግዚኣብሄር ከምዙይ በለት፦ ‘ነቢያትን ሃዋርያትን ናብኣቶም ክልእኽ እየ፤ ካብኣቶም ከዓ ንብዙሓት ክቐትልዎምን ከሳጕጉዎምን እዮም።’
50
እቲ ዓለም ካብ ዝፍጠር ጀሚሩ፥ ዝፈሰሰ ደም ኵሎም ነቢያት፥ ካብ ደም ኣቤል ጀሚሩ፥ ክሳዕ እቲ ኣብ መንጎ መሰውእን ቤተ መቕደስን ዝቐተልዎ ደም ዘካርያስ፥ ካብዝ ትውልዲ እዙይ ክድለ እዩ። እወ፥ ካብዝ ትውልዲ እዙይ ክድለ እዩ እብለኩም ኣለኹ።
52
ኣቱም ሊቃውንቲ ሕጊ፥ መርሖ ፍልጠት ሒዝኩም እንተለኹም፥ ንባዕልትኹም ኣይኣተኹምን፤ ነቶም ክኣትዉ ዝደልዩ ድማ፥ ትኽልክሉ ኢኹም እሞ ወይለኹም!”
53
ኢየሱስ እዙይ ምስ ተዛረበ፥ እቶም መምህራን ሕግን ፈሪሳውያንን፥ ብፅኑዕ ክቃወምዎን፥ ብዛዕባ ብዙሕ ነገር ክጥይቕዎን ጀመሩ።
54
ምእንቲ ክኸስዎ ድማ፥ ካብ ኣፉ ዝኾነ ዘረባ ደልዮም ይፀናፀንዎ ነበሩ።
← Chapter 10
Chapter 12 →