bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Luke 10
Luke 10
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ድሕሪዙይ ጐይታ ኻልኦት ሰብዓን ክልተን መረፀ። በብኽልተ ገይሩ፥ ናብቲ ንሱ ክኸዶ ዘለዎ ኸተማን ስፍራን ቀቅድሚኡ ለኣኾም።
2
ከምዙይ ድማ በሎም፦ “ኣዝመራኡ ብዙሕ እዩ፤ ሰራሕተኛታት ግና ውሑዳት እዮም። ስለዙይ ነቲ ጐይታ ኣዝመራ፥ ነዝመራኡ ተወሰኽቲ ሰራሕተኛታት ክልእኽ ለምንዎ።
3
ደጊም ኪዱ፤ እንሆ ኣነ ኸም ኣባጊዕ፥ ናብ ማእኸል ተዃሉ እሰደኩም ኣለኹ።
4
ሳንጣ ወይ ከረጢት ወይ ኣሳእን ኣይትሓዙ፤ ኣብ መንገዲውን ንሓደ እኳ ሰላም ኣይትበሉ።
5
ኣብ እትኣትዉዋ ገዛ ኣቐዲምኩም ‘ነዝ ገዛ እዙይ ሰላም ይኹን’ በሉ።
6
ኣብኡ ናይ ሰላም ሰብ እንተ ሃልዩ፥ ሰላምኩም ኣብኡ ኽሓድር እዩ። እንተ ዘይሃልዩ ግና፥ ሰላምኩም ናባኻትኩም ክምለስ እዩ።
7
ኣብታ ገዛ ኸዓ ተቐመጡ፤ ንሰራሕተኛ ዓስቡ ይግብኦ እዩ እሞ፥ ዘቕረቡልኩም ብልዑን ስተዩን። ካብ ገዛ ናብ ገዛ ኣይትኺዱ።
8
ኣብ እትኣትዉዎ ኸተማውን እንተ ተቐበሉኹም፥ ዘቕረቡልኩም ብልዑ።
9
ኣብኣ ንዘለዉ ሕሙማት ኣሕውዩ፤ ‘መንግስቲ እግዚኣብሄር ናባኻትኩም ቀሪባ ኣላ’ እውን በልዎም።
10
ኣብታ እትኣትዉዋ ኸተማ፥ ሰብ እታ ኸተማ እቲኣ እንተ ዘይተቐበሉኹም ግና፥ ናብ ኣደባባያ ወፂእኹም፥
11
‘እቲ ኻብ ከተማኹም፥ ኣብ ኣእጋርና ዝለገበ ሓመድ እኳ፥ ንነግፈልኩም ኣለና። እንተ ኾነ ግና፥ መንግስቲ እግዚኣብሄር፥ ናባኻትኩም ከም ዝቐረበት ፍለጡ’ በልዎም።
12
ብመዓልቲ ፍርዲ፥ ካብ ነታ ኸተማ እቲኣስ፥ ንሰዶም ከም ዝቐለላ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ።
13
“ወይለኺ ኮራዚን! ወይለኺ ቤተ ሳይዳ! እቲ ኣባኻትክን ዝተገብረ ተኣምራት፥ ኣብ ጢሮስን ሲዶናን ተገይሩ እንተ ዝኸውንስ፥ ወጮ ተኸዲነን፥ ኣብ ሓሙዅሽቲ ተቐሚጠን፥ ቀደም ምተነስሃ ነይረን።
14
ብመዓልቲ ፍርዲ ግና፥ ካባኻትክን ንጢሮስን ንሲዶናን ክቐለለን እዩ።
15
ኣቲ ቅፍርናሆምውን፥ ክሳዕ ሰማይዶ ልዕል ትብሊ ኣለኺ? ክሳዕ ሲኦል ክትወርዲ ኢኺ።
16
እቲ ንኣኻትኩም ዝሰምዕ፥ ንኣይ እዩ ዝሰምዕ፤ እቲ ንኣኻትኩም ዘይቕበል፥ ንኣይ እዩ ዘይቕበል፤ እቲ ንኣይ ዘይቕበል ድማ፥ ነቲ ዝለኣኸኒ እዩ ዘይቕበል።”
17
እቶም ሰብዓን ክልተን ልኡኻት ድማ “ጐይታ! ኣጋንንቲ እኳ፥ ብስምካ ተገዚኦምልና” እናበሉ ብሓጐስ ተመለሱ።
18
ኢየሱስ ድማ፦ “ሰይጣን ከም መብረቕ፥ ካብ ሰማይ ክወድቕ እንተሎ ረአኽዎ።
19
እንሆ፥ ተመንን ዕንቅርቢትን ኵሉ ሓይሊ ፀላእን ክትረግፁ፥ ስልጣን ሂበኩም ኣለኹ፤ ዝጐድአኩምውን ከቶ የለን።
20
ግና፥ ስምኩም ኣብ ሰማይ ስለ ዝተፅሓፈ ደኣ ተሓጐሱ እምበር፥ ርኹሳን መናፍስቲ ስለ ዝተገዝኡልኩም፥ ኣይትተሓጐሱ” በሎም።
21
በታ ጊዜ እቲኣ፥ ኢየሱስ ብመንፈስ ቅዱስ ተሓጕሱ ኸምዙይ በለ፤ “ኦ ኣቦይ! ጐይታ ሰማይን ምድርን፥ ነዙይ ካብ ብልህታትን ካብ ለባማትን ስለ ዝሓባእኻዮ፥ ንህፃናት ድማ ስለ ዝገለፅካዮ፥ አመስግነካ ኣለኹ። እወ፥ ኦ ኣቦ! እዙይ ከምዙይ ክኸውን፥ ፍቓድካ ኾይኑ እዩ እሞ።
22
ኵሉ ኻብ ኣቦይ ተውሂቡኒ እዩ። ንወልድ ብዘይ ኣብ፥ መን ምዃኑ ዝፈልጦ ሓደኳ የለን። ንኣብውን ብዘይ ወልድን፥ እቲ ወልድ ክገልፀሉ ዝደለየን እንተ ዘይኮይኑ፥ ኣብ፥ መን ምዃኑ ዝፈልጦ ሓደኳ የለን።”
23
ናብቶም ደቀ መዛሙርቱ ግልፅ ኢሉ ኸዓ፥ ንበይናቶም፦ “ነዝ ንስኻትኩም እትሪእዎ ዘለኹም፥ ዝሪኣ ኣዒንቲ ብፁኣት እየን።
24
ብዙሓት ነቢያትን ነገስታትን፥ ነዝ ንስኻትኩም እትሪእዎ ዘለኹም ክሪኡ ተመነዩ፤ ግና ኣይረአዩን፤ ነዝ ንስኻትኩም እትሰምዕዎ ዘለኹምውን፥ ክሰምዑ ተመነዩ፤ ግና ኣይሰምዑን እብለኩም ኣለኹ” በሎም።
25
እንሆ ኸዓ ሓደ ምሁር ሕጊ ኽፍትኖ ተሲኡ፥ “መምህር፥ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኽወርስስ፥ እንታይ ክገብር?” በሎ።
26
ንሱ ኸዓ “ኣብ ሕጊ ሙሴ እንታይ ተፅሒፉ ኣሎ? እንታይከ ተንብብ?” በሎ።
27
ንሱ ድማ “ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ፥ ብምሉእ ልብኻን፥ ብምሉእ ነፍስኻን፥ ብምሉእ ሓይልኻን፥ ብምሉእ ሓሳብካን ኣፍቅሮ፤ ንብፃይካ ድማ ኸም ነፍስኻ ኣፍቅር” ኢሉ መለሰሉ።
28
ኢየሱስ ከዓ፥ “ፅቡቕ መሊስካ፤ ከምኡ ግበር እሞ፥ ብህይወት ክትነብር ኢኻ” በሎ።
29
ንሱ ግና ንባዕሉ ኽመፃደቕ ደልዩ፥ “ብፃየይከ መን እዩ?” በሎ።
30
ኢየሱስ ድማ ኸምዙይ በለ፦ “ሓደ ሰብኣይ ካብ ኢየሩሳሌም፥ ናብ ኢያሪኮ ኽወርድ እንተሎ፥ ኣብ ኢድ ከተርቲ ወደቐ። ንሳቶም ገፈፍዎን ቀጥቀጥዎን እሞ፥ ኣብ መንጎ ህይወትን ሞትን ሓዲጎምዎ ኸዱ።
31
ሓደ ካህን ድማ፥ በታ መንገዲ እቲኣ ኽወርድ እንተሎ ሪእዎ፥ ዘወር ኢሉ ሓለፈ።
32
ከምኡውን ሓደ ሌዋዊ፥ ኣብታ ቦታ እቲኣ ምስ በፅሐ፥ ሪእዎ ዘወር ኢሉ ሓለፈ።
33
ሓደ ሓላፊ መንገዲ ሳምራዊ ግና ናብኡ መፀ፤ ምስ ረአዮ ድማ ራህርሀሉ።
34
ናብኡ ቐሪቡውን ዘይትን ወይንን፥ ኣብ ቍስልታቱ ኣፍሲሱ ኣሰረሉ፤ ኣብ ኣድጉ ፅዒኑ ድማ፥ ናብ መሕደሪ ኣጋይሽ ወሲዱ ተኸናኸኖ።
35
ንፅባሒቱ ድማ ኽልተ ዲናር ኣውፂኡ፥ ነቲ ሓላዊ መሕደሪ ኣጋይሽ ሃቦ እሞ፥ ‘በዝ ገንዘብ እዙይ ተኸናኸኖ፤ ንእኡ ኢልካ፥ ካብዙይ ንላዕሊ እተውፅኦ ዅሉ፥ ምስ ተመለስኩ ክኸፍለካ እየ’ በሎ።
36
ነቲ ኣብ ኢድ ከተርቲ ዝወደቐ፥ ካብ ሰለስቲኦም ብፃይ ዝኾኖ፥ መን ይመስለካ?”
37
ንሱ ድማ “እቲ ሰናይ ዝገበረሉ” በሎ፤ ኢየሱስ ከዓ “እምበኣር ኪድሞ፥ ንስኻውን ከምኡ ግበር” በሎ።
38
ክኸዱ እንተለዉ ድማ፥ ኢየሱስ ናብ ሓንቲ ዓዲ ኣተወ፤ ማርታ ዝስማ ሓንቲ ሰበይቲ ኸዓ፥ ኣብ ገዛኣ ተቐበለቶ።
39
ማርያም እትብሃል ሓፍቲ ድማ ነበረታ፤ ንሳ፥ ኣብ ትሕቲ እግሪ ኢየሱስ ተቐሚጣ፥ ቃሉ ትሰምዕ ነበረት።
40
ማርታ ግና ብዙሕ ብምድላው ትደክም ነበረት። ናብኡ ቐሪባ፥ “ኦ ጐይታ! ሓፍተይ ሓዲጋትኒ በይነይ እናሰራሕኹስ፥ ኣየሕዝነካን ድየ? ክትሕግዘኒ እንዶ ንገራ?” በለቶ።
41
ኢየሱስ ድማ “ማርታ! ማርታ! ንምንታይ ብብዙሕ ትጭነቒን ትህወኺን ኣለኺ?
42
እቲ ዘድሊ ግና፥ ሓደ ጥራሕ እዩ። ማርያምስ ነቲ ዝበለፀ ግደ መሪፃ ኣላ፤ ካብኣ ዝወስደላ ሓደኳ የለን” ኢሉ መለሰላ።
← Chapter 9
Chapter 11 →