bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Luke 9
Luke 9
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ኢየሱስ ነቶም ዓሰርተ ኽልተ ሃዋርያት ብሓባር ፀዊዑ፥ ሕሙማት ንኸሕውዩ፥ ኣብ ልዕሊ ኣጋንንቲ ዅሉ ሓይልን ስልጣንን ሃቦም።
2
መንግስቲ እግዚኣብሄር ክሰብኩን፥ ሕሙማት ከሕውዩን ከዓ ለኣኾም።
3
ከምዙይውን በሎም፦ “ንመገሻ በትሪ ኾነ ሳንጣ፥ እንጀራ ኾነ ገንዘብ ኣይትማልኡ፤ ክልተ ኽዳውንቲ እውን ኣይትሓዙ።
4
ኣብታ ዝኣተኹምዋ ገዛ ተቐመጡ፤ ክሳዕ እትወፁ ኸዓ፥ ኣብኣ ፅንሑ።
5
እንተ ዘይተቐበሉኹም ግና፥ ካብታ ኸተማ እቲኣ ወፂእኹም፥ ንኣኣቶም ምስክር ምእንቲ ክኸውን፥ ሓመድ ኣእጋርኩም ንገፉ።”
6
ንሳቶም ድማ ወፂኦም፥ ካብ ዓዲ ናብ ዓዲ እናዞሩ ወንጌል ይሰብኩ፥ ኣብ ኵሉውን ሕሙማት የሕውዩ ነበሩ።
7
ንጉስ ሄሮድስ፥ ብዛዕባ እቲ ብኢየሱስ ዝተገብረ ኵሉ ነገር ሰሚዑ ተደናገፀ። ምኽንያቱ ገሊኣቶም ሰባት “ዮሃንስ ካብ ሞት ተሲኡ” ይብሉ ነበሩ፤
8
ገሊኣቶም ድማ “ኤልያስ ተርእዩ” ገሊኣቶምውን “ሓደ ኻብቶም ቀዳሞት ነቢያት ተሲኡ እዩ” ይብሉ ነበሩ።
9
ሄሮድስ ግና “ንዮሃንስ ኣነ ርእሱ ኣሰይፈዮ ነይረ፤ እዝ ብዛዕባኡ ኸምዙይ ዝበለ ነገር ዝሰምዕ ዘለኹ ደኣ መን እዩ?” በለ፤ ክሪኦውን ይደሊ ነበረ።
10
ሃዋርያት ምስተመለሱ፥ ኵሉ ዝገበርዎ ነገርዎ፤ ንበይናቶም ድማ፥ ቤተ ሳይዳ ናብ እትበሃል ከተማ ሒዙዎም ከደ።
11
እቶም ህዝቢ ኸዓ እዙይ ሰሚዖም ሰዓብዎ፤ ንሱ ድማ ተቐበሎም፤ ብዛዕባ መንግስቲ እግዚኣብሄርውን ነገሮም፤ ነቶም ክሓውዩ ደልዮም ዝመፁውን ኣሕወዮም።
12
ሽዑ ኽመሲ እንትብል፥ እቶም ዓሰርተ ኽልተ ደቀ መዛሙርት ቀሪቦም፥ “ኣብዙይ ኣብ በረኻ ኢና ዘለና እሞ፥ እዞም ህዝቢ ኣብ ከባቢና ናብ ዘለዉ ኸተማታትን ቍሸታትን ከይዶም ክሓድሩ፥ ዝብላዕውን ምእንቲ ኽረኽቡ ኣፋንዎም” በልዎ።
13
ኢየሱስ ከዓ “ንስኻትኩም ዝበልዕዎ ሃብዎም” በሎም። ንሳቶም ድማ “ንሕና ኼድና፥ ነዝ ዅሉ ህዝቢ ዝብላዕ ክንዕድግ እንተ ዘይኮይኑ፥ ምሳና ዘሎስ ካብ ሓሙሽተ እንጀራን ክልተ ዓሳን፥ ኣይበዝሕን እዩ” በልዎ።
14
እቶም ሰባት ከዓ ኣስታት ሓሙሽተ ሽሕ ይኾኑ ነበሩ፤ ንሱ ኸዓ ንደቀ መዛሙርቱ “በብሓምሳ እናሰራዕኹም ኣቐምጥዎም” በሎም።
15
ንሳቶም ድማ ኸምቲ ዝኣዘዞም ገበሩ፤ ንዅሎምውን ኣቐመጥዎም።
16
ነተን ሓሙሽተ እንጀራን ክልተ ዓሳን ኣልዒሉ፥ ናብ ሰማይ ኣንቃዕሪሩ ጠመተ እሞ፥ ባሪኹ ቘረሰ፤ ነቶም ህዝቢ ኸቕርቡሎም ከዓ፥ ንደቀ መዛሙርቱ ሃቦም።
17
ኵሎም ድማ በሊዖም ፀገቡ፤ ዝተረፈ ቝርስራስውን፥ ዓሰርተ ኽልተ መሶብ ምሉእ ኣልዓሉ።
18
ኢየሱስ ንበይኑ ኽፅሊ እንተሎ፥ ደቀ መዛሙርቱ ምስኡ ነበሩ። ንሱ ድማ “ሰባት መን እዩ ይብሉኒ?” ኢሉ ጠየቖም።
19
ንሳቶም ከዓ “መጥምቕ ዮሃንስ እዩ ዝብሉኻ ኣለዉ፤ ኤልያስ እዩ ዝብሉኻ ኣለዉ፤ ካብቶም ቀዳሞት ነቢያት ሓደ፥ ተሲኡ እዩ ዝብሉውን ኣለዉ” ኢሎም መለሱሉ።
20
ንሱ ኸዓ “ንስኻትኩምከ መን እዩ ትብሉኒ?” በሎም። ጴጥሮስ ድማ “ንስኻ እቲ ናይ እግዚኣብሄር መሲሕ ኢኻ” ኢሉ መለሰሉ።
21
ንሱ ግና ነዝ ነገር እዙይ ንሓደኳ ኸይነግሩ ኣጠንቀቖም፤ ኣዘዞምውን።
22
“ወዲ ሰብ ብዙሕ መከራ ኽረክብ፥ ብዓበይትን ብሊቃነ ካህናትን ብመምህራን ሕግን ድማ፥ ክከሓድን ክቕተልን፥ ብሳልሰይቲ መዓልቲ እውን ክትስእ ግድን እዩ” በሎም።
23
ንዅሎም ድማ ኸምዙይ በሎም፦ “ደድሕረይ ክኽተለኒ ዝደሊ ሰብ ንባዕሉ ይኽሓድ፤ መስቀሉ ተሰኪሙውን መዓልቲ መዓልቲ ይከተለኒ።
24
እቲ ንነፍሱ ኸድሕና ዝደሊ ኸጥፍኣ እዩ፤ እቲ ንነፍሱ ምእንታይ ዘጥፍኣ ግና፥ ከድሕና እዩ።
25
ሰብ ኣብ ዓለም ብዘሎ ዅሉ ረቢሑ፥ ነፍሱ እንተ ኣጥፍአ እንታይ ይጠቕሞ?
26
ኵሉ ብኣይን ብቓለይን ዝሓፍር፥ ‘ወዲ ሰብ’ ብግርማኡን ብግርማ ኣቦኡን ምስ ቅዱሳን መላእኽቱ ኽመፅእ እንተሎ፥ ብእኡ ኽሓፍር እዩ።
27
ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፥ ካብዞም ኣብዚኣ ደው ኢሎም ዘለዉ ሰባት፥ ንመንግስቲ እግዚኣብሄር ክሳዕ ዝሪእዋ፥ ዘይሞቱ ኣለዉ።”
28
ድሕሪ እዝ ዘረባ እዙይ ብሻምናይ መዓልቲ ኣቢሉ፥ ንጴጥሮስን ንዮሃንስን ንያእቆብን ተማሊኡ፥ ክፅሊ ናብ እምባ ደየበ።
29
ክፅሊ እንተሎ ትርኢት ገፁ ተለወጠ፤ ክዳውንቱውን ዘንፀባርቕ ፃዕዳ ኾነ።
30
እንሆ ኸዓ ኽልተ ሰባት ሙሴን ኤልያስን፥ ምስኡ ይዘራረቡ ነበሩ።
31
እዞም ብኽብሪ ዝተገለፁ እዚኣቶም፥ ብዛዕባ እቲ ኣብ ኢየሩሳሌም ክፍፀም ዘለዎ ሞቱ፥ ምስኡ ይዘራረቡ ነበሩ።
32
ጴጥሮስን እቶም ምስኡ ዝነበሩን ግና፥ ድቃስ ከቢድዎም ነበረ፤ ምስ ተበራበሩ ድማ ግርማኡን፥ ምስኡ ደው ዝበሉ ኽልተ ሰባትን ረአዩ።
33
እቶም ምስኡ ዝነበሩ ኻብኡ ኽፍለዩ እንተለዉ፥ ጴጥሮስ ንኢየሱስ “መምህር፥ ንኣና ኣብዙይ ምንባር ፅቡቕ እዩ። ሓደ ንኣኻ፥ ሓደ ንሙሴ፥ ሓደ ንኤልያስ፥ ሰለስተ ዳስ ንስራሕ” በሎ። ዝብሎውን ኣይፈልጥን ነበረ።
34
ንሱ እዙይ ክዛረብ እንተሎ፥ ደመና መፂኡ ኸወሎም፤ ናብቲ ደመና ምስ ኣተዉ ድማ ፈርሑ።
35
ካብቲ ደመናውን፥ “እቲ ዝሓረኽዎ ወደይ እዙይ እዩ፤ ንእኡ ስምዕዎ” ዝብል ድምፂ መፀ።
36
እቲ ድምፂ ምስ ተሰምዐ፥ ኢየሱስ በይኑ ተረፈ፤ ንሳቶም ከዓ ነቲ ሽዑ ዝረአይዎ ነገር፥ ንሓደኳ እንተይነገሩ ስቕ በሉ።
37
ኢየሱስ ንፅባሒቱ፥ ካብቲ እምባ ምስ ወረደ፥ ብዙሓት ህዝቢ ተቐበልዎ።
38
እንሆ ኸዓ ኻብቶም ህዝቢ ሓደ ሰብኣይ ዓው ኢሉ ኸምዙይ በለ፥ “ኦ መምህር! ውላደይ ሓደ ንሱ እዩ፤ ነዝ ወደይ ክትሪአለይ እልምነካ ኣለኹ።
39
እንሆ ርኹስ መንፈስ ብድንገት ይሕዞሞ የእውዮ፤ የውድቖ፤ ፈርፈር የብሎ፤ የዕፍሮ፤ ኣንቀጥቂጡ ድማ ብጭንቂ ይሓድጎ።
40
ንደቀ መዛሙርትኻ ኸውፅእዎ ለሚነዮምስ፥ ከውፅእዎ ኣይከኣሉን።”
41
ኢየሱስ ከዓ “ኣታ እምነት ዝጐደሎ ቐይናን ትውልዲ፥ ክሳዕ መኣዝ ምሳኻትኩም ክነብር እየ? ኽሳዕ መኣዝከ ኽዕገሰኩም እየ? በል ንወድኻ ናብዙይ ኣምፅኣዮ” በሎ።
42
እቲ ወዲ ናብ ኢየሱስ ምስ ቀረበ፥ እቲ ጋኔን ኣብ ምድሪ ፃሕ ኣቢሉ ኣንገርገሮ፤ ኢየሱስ ግና ነቲ ርኹስ መንፈስ ገሰፆ። ነቲ ቘልዓውን ኣሕውዩ ነቦኡ ሃቦ።
43
ዅሎም ከዓ ብዕብየት ሓይሊ እግዚኣብሄር ተገረሙ። ኵላቶም በቲ ዅሉ ኢየሱስ ዝገበሮ እናተደነቑ እንተለዉ ድማ፥ ንደቀ መዛሙርቱ፦
44
“ንወዲ ሰብ፥ ኣብ ኢድ ሰብ ኣሕሊፎም ክህብዎ እዮም እሞ፥ ንስኻትኩም ነዝ ቓል እዙይ ኣብ ልብኹም ዕቘርዎ” በሎም።
45
ንሳቶም ግና ነዝ ነገር እዙይ ኣየስተውዓልዎን። ካብኣቶም ተሰዊሩ ስለ ዝነበረውን ኣይተረድኦምን። ብዛዕባ እዝ ነገር እዙይ ከይጥይቕዎ ድማ ፈርሑ።
46
ካብ መንጎኦም መን ከም ዝዓቢ፥ ኣብ ማእኸሎም ክትዕ ተልዓለ።
47
ኢየሱስ ድማ ሓሳብ ልቦም ፈሊጡ፥ ንሓደ ህፃን ወሲዱ፥ ኣብ ጥቓኡ ደው ኣበሎ።
48
“ነዝ ህፃን እዙይ ብስመይ ዝቕበል፥ ንኣይ ይቕበል፤ እቲ ንኣይ ዝቕበል ከዓ ነቲ ዝለኣኸኒ ይቕበል፤ እቲ ኻብ ኵልኻትኩም ዝንእስ፥ ንሱ ኻብ ኵልኻትኩም ዝዓቢ ክኸውን እዩ” በሎም።
49
ዮሃንስ ከዓ “መምህር፥ ሓደ ሰብኣይ ብስምካ ኣጋንንቲ ኸውፅእ እንተሎ ርኢናዮስ፥ ምሳና ስለ ዘይተኸተለካ ኸልኪልናዮ” በሎ።
50
ኢየሱስ ከዓ “እንተ ደኣ ዘይቃወመኩም ኮይኑ፥ ወገንኩም እዩ እሞ ኣይትኸልክልዎ” በሎም።
51
ኢየሱስ ዝዓርገሉ መዓልቲ ምስ ቀረበ፥ መንገዱ ናብ ኢየሩሳሌም ኣቢሉ ኣምርሐ።
52
ንኸሰናድዉሉውን ቀቅድሚኡ ልኡኻት ሰደደ፤ ንሳቶም ድማ ናብ ሓንቲ ዓዲ ናብ ሰማርያ ኣተዉ።
53
እቶም ህዝቢ ግና፥ መንገዱ ናብ ኢየሩሳሌም ንምኻድ ኣምሪሑ ስለ ዝነበረ ኣይተቐበልዎን።
54
ደቀ መዛሙርቱ ያእቆብን ዮሃንስን ነዙይ ምስ ረአዩ “ጐይታ! ሓዊ ኻብ ሰማይ ወሪዱ ኸጥፍኦም ክንእዝዝዶ ትፈቕደልና ኢኻ?” በልዎ።
55
ኢየሱስ ምልስ ኢሉ፦ “ናይ ኣየናይ መንፈስ ምዃንኩም ኣይትፈልጡን ኢኹም።
56
ወዲ ሰብ ህይወት ሰብ ከድሕን እምበር፥ ከጥፍእ ኣይመፀን” ኢሉ ገሰፆም። ናብ ካልእ ዓዲ ኸዓ ኸዱ።
57
ኣብ መንገዲ እናኸዱ እንተለዉ ሓደ ሰብኣይ “መምህር፥ ናብ ዝኸድካዮ ክኽተለካ እየ” በሎ።
58
ኢየሱስ ከዓ “ንወኻሩ ጕድጓድ፥ ነዕዋፍ ሰማይውን ሰፈር ኣለወን፤ ንወዲ ሰብ ግና፥ ርእሱ ዘፀግዐሉ ስፍራ የብሉን” በሎ።
59
ንሓደ ኻልእ ከዓ “ተኸተለኒ” በሎ፤ ንሱ ድማ፥ “ኦ ጐይታ! ቅድም ከይደ ነቦይ ክቐብር ፍቐደለይ” በሎ።
60
ኢየሱስ ድማ “ምውታን፥ ንምውታኖም ይቕበሩ ሕደጎም፤ ንስኻ ግና ኺድ፥ መንግስቲ እግዚኣብሄር ኣብስር” በሎ።
61
ካልእ ሓደ ሰብ ድማ “ኦ ጐይታ! ክኽተለካ እየ፤ ግና ቕድም ንስድራ ቤተይ ክሰናበት ፍቐደለይ” በሎ።
62
ኢየሱስ ግና “ዕርፊ ሒዙ ንድሕሪት ዝርኢ፥ ንመንግስቲ እግዚኣብሄር ኣይበቅዕን እዩ” በሎ።
← Chapter 8
Chapter 10 →