bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Leviticus 9
Leviticus 9
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ከምዙይ ድማ ኾነ፦ ብሻምነይቲ መዓልቲ ሙሴ ንኣሮንን ንደቁን ንዓበይቲ እስራኤልን ፀውዖም።
2
ንኣሮን ከዓ ኸምዙይ በሎ፦ “ምእንቲ ሓጢኣት ዝስዋእ፥ ጐደሎ ዘይብሉ ተባዕታይ ጣዕዋን፥ ንዝቃፀል መስዋእቲ ዝኸውን፥ ጐደሎ ዘይብሉ ሓደ ማጕላን ወሲድካ ናብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣቕርቦም።
3
ንደቂ እስራኤል ከዓ፥ ሎሚ እግዚኣብሄር ክግለፀልኩም እዩሞ፦ ምእንቲ ሓጢኣት ዝስዋእ ሓደ ጤል፥ ንዝቃፀል መስዋእቲ ዝኾኑ ድማ ዓመት ዝገበሩ ጐደሎ ዘይብሎም ሓደ ጣዕዋን ሓደ ጡበት በጊዕን፥
4
ንመስዋእቲ ምስጋና ሓደ ዝራብዕን ሓደ ማጕላን፥ ዘይቲ ዝፈሰሶ መስዋእቲ እኽልን ወሲድኩም፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሰውኡ በሎም።”
5
እቲ ሙሴ ዝኣዘዞ ኸዓ ናብ ቅድሚ እቲ መራኸቢ ድንኳን ኣምፅኡ። ኵሎም ህዝቢ እስራኤል ድማ ቐሪቦም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ደው በሉ።
6
ሙሴ ኸዓ “ክብሪ እግዚኣብሄር ምእንቲ ኽግለፀልኩም፥ እቲ እግዚኣብሄር ክትገብርዎ ኢሉ ዝኣዘዞ ነገር እዙይ እዩ” በሎም።
7
ሙሴ ድማ ንኣሮን “ናብ መሰውኢ ቐሪብካ ኽንዲ ሓጢኣት ዝቐርብ መስዋእትኻን ዝቃፀል መስዋእትኻን ሰውእ፤ ንርእስኻን ነቲ ህዝብንውን ስርየት ኣስተስሪ። ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ድማ፥ ናይ ህዝቢ ቝርባን ኣቕርብ። ሓጢኣቶምውን ኣስተስርየሎም” በሎ።
8
ሽዑ ኣሮን ናብቲ መሰውኢ ቐሪቡ ነቲ ምእንቲ ሓጢኣቱ ዝስዋእ ጣዕዋ ሓረዶ።
9
ደቁ ድማ ነቲ ደም ኣቕረቡሉ፤ ንሱ ኸዓ ኣፃብዕቱ ኣብቲ ደም ጠሚዑ ኣቕርንቲ መሰውኢ ለኸየ። ነቲ ዝተረፈ ደም ከዓ ኣብ እግሪ እቲ መሰውኢ ኣፍሰሶ።
10
ናይቲ ምእንቲ ሓጢኣት ዝስዋእ እንስሳ ስብሕን ኵላሊትን ቃንጡጥ ከብድን ግና ኸምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ፥ ኣብ ልዕሊ መሰውኢ ኣቃፀሎ።
11
ስጋኡን ቈርበቱን ከዓ ኣብ ወፃኢ ሰፈር ብሓዊ ኣንደዶ።
12
ነቲ ንዝቃፀል መስዋእቲ ዝኸውን ድማ ሓረደ። ደቁ ኸዓ ነቲ ደም ኣምፅኡሉ፤ ንሱ ድማ ኣብቲ መሰውኢ ብዅሉ ወገኑ ነፀጎ።
13
ነቲ ንዝቃፀል መስዋእቲ ዝኸውን በብኽፍሉ ቘራሪፆም ምስ ርእሱ ኣምፅኡሉ፤ ንሱ ኸዓ ኣብ ልዕሊ መሰውኢ ኣቃፀሎ።
14
ንውሽጣዊ ኣካላት ከብድን ነእጋርን ሓፂቡ ድማ፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ዝቃፀል መስዋእቲ ኣብ መሰውኢ ኣቃፀሎ።
15
ሽዑ ኣሮን ነቲ ህዝቢ መስዋእቲ ኣቕረበ። ነቲ ጤል ድማ ምእንቲ ሓጢኣት ህዝቢ ሓረዶ። ከምቲ ቐዳማይ ከዓ ምእንቲ ሓጢኣት ሰውኦ።
16
ነቲ ዝቃፀል መስዋእቲ ድማ ኸምቲ ዝተሓገገ ስርዓት ገይሩ ኣቕረቦ።
17
ክንዲ እቲ ጊሓት ዝቐርብ ዝቃፀል መስዋእቲ ድማ፥ መስዋእቲ እኽሊ ኣቕረበ፤ ካብኡ ምሉእ ሕፍኒ ወሲዱ ኸዓ ኣብ ልዕሊ እቲ መሰውኢ ኣቃፀሎ።
18
ነቲ ዝራብዕን ነቲ ማጕላን ድማ ምእንቲ ህዝቢ ንመስዋእቲ ምስጋና ሓረዶም። ደቁ ኸዓ ነቲ ደም ኣምፅኡሉ፤ ንሱ ድማ ኣብቲ መሰውኢ ብዅሉ ዙርያኡ ነፀጎ።
19
ስብሕታት እቲ ዝራብዕን ናይቲ ማጕላ ሕልሕልን ንናይ ውሽጢ ኣካላት ከብዲ ዝጕልብብ ቃንጡጥን ኵላሊትን፥ ስብሒ ኸብድን ወሲዶም፥
20
ኣብ ልዕሊ ሓኸለታት ገበርዎ፤ ኣሮን ከዓ ነቲ ስብሕታት ኣብ መሰውኢ ኣቃፀሎ።
21
ኣሮን ድማ ነተን ሓኸለታትን የማነይቲ እግርን፥ ከምቲ ሙሴ ዝኣዘዞ ናብ እግዚኣብሄር እናወዝወዝካ ኸም ዝቐርብ መስዋእቲ ገይሩ ወዝወዞ።
22
ኣሮን ድማ ኣእዳዉ ናብቶም ህዝቢ ዘርጊሑ ባረኾም። ምእንቲ ሓጢኣት ዝቐርብ መስዋእትን ዝቃፀል መስዋእትን መስዋእቲ ምስጋናን ምስ ሰውአ ድማ ወረደ።
23
ሙሴን ኣሮንን ድማ ናብቲ መራኸቢ ድንኳን ኣተዉ። ወፂኦም ከዓ ነቶም ህዝቢ ባረኽዎም። ክብሪ እግዚኣብሄር ድማ ንዅሎም እቶም ህዝቢ ተገለፀሎም።
24
ሓዊ ኸዓ ኻብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ወፂኡ፥ ነቲ ኣብ ልዕሊ መሰውኢ ዝነበረ ዝቃፀል መስዋእትን ነቲ ስብሕታትን በልዖ። ኵሎም እቶም ህዝቢ ምስ ረአይዎ፥ ዕልል በሉ፤ ብግንባሮም ተደፊኦም ድማ ሰገዱ።
← Chapter 8
Chapter 10 →