bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Leviticus 10
Leviticus 10
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ደቂ ኣሮን፥ ናዳብን ኣብዩድን፥ ፀፅንሃሆም ሓዙ፤ ፍሕሚ ድማ ገበሩሉ፤ ኣብ ልዕሊኡ ኸዓ ዕጣን ገበሩሉ፤ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄርውን ንሱ ዘይኣዘዞም ካልእ ሓዊ ኣቕረቡ።
2
ካብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሓዊ ወፂኡ ድማ በልዖም፤ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ከዓ ሞቱ።
3
ሽዑ ሙሴ ንኣሮን፦ “በቶም ዝቐርቡኒ ኽቕደስ እየ፤ ኣብ ቅድሚ ዅሉ ህዝቢ ኸዓ ክኸብር እየ” ኢሉ እግዚኣብሄር ዝተዛረቦ እዙይ እዩ በሎ፤ ኣሮን ድማ ስቕ በለ።
4
ሙሴ ድማ ንሚሳኤልን ንኤልፃፋንን፥ ደቂ ዑዝኤል፥ ሓወቦኡ ንኣሮን፥ ፀዊዑ “ንዑ እሞ ነሕዋትኩም ካብ መቕደስ ናብ ወፃኢ ሰፈር ውሰድዎም” በሎም።
5
ንሳቶም ድማ መፂኦም ከምቲ ሙሴ ዝበሎም፥ ብኽዳውንቶም ካብቲ ሰፈር ናብ ወፃኢ ፆይሮም ኣውፅእዎም።
6
ሙሴ ድማ ንኣሮንን ንደቁን፥ ንኣልኣዛርን ንኢታምርን “ከይትሞቱ፥ ነዝ ህዝቢ እውን እግዚኣብሄር ከይቝጥዖ፥ ብሓዘን፥ ፀጕሪ ርእስኹም ኣይትላፅዩ፤ ክዳውንትኹምውን ኣይትቕደዱ፤ በዝ እግዚኣብሄር ዘቃፀሎ ምቅፃል ኣሕዋትኩም ድማ፥ ኵሉ ህዝቢ እስራኤል ይብከ።
7
እቲ ናይ እግዚኣብሄር መቕብኢ ዘይቲ ኣብ ልዕሌኹም እዩ እሞ፥ ከይትሞቱስ ካብ ኣፍ ደገ እቲ መራኸቢ ድንኳን ኣይትውፅኡ” በሎም። ከምቲ ሙሴ ዝበሎ ኸዓ ገበሩ።
8
እግዚኣብሄር ድማ ንኣሮን ከምዙይ በሎ፦
9
“ኣብቲ መራኸቢ ድንኳን ክትኣትዉ እንተለኹም ምእንቲ ኸይትሞቱ ንስኻን ደቅኻን ወይንን ዘስክር መስተን ኣይትስተዩ። እዙይ ንውሉድ ወለዶኹም ንዘለኣለም ዝነብር ሕጊ እዩ።
10
ኣብ መንጎ ቅዱስን ዘይቅዱስን፥ ኣብ መንጎ ንፁህን ርኹስን ክትፈልዩ ኢኹም፤
11
እግዚኣብሄር ብቓል ሙሴ ዝነገሮም ኵሉ ስርዓት ንደቂ እስራኤል ክትምህሩ ኢኹም።”
12
ሙሴ ድማ ንኣሮንን ነቶም ዝተረፉ ደቁ ኣልኣዛርን ኢታምርን፥ “ካብቲ ብሓዊ ሓሊፉ ንእግዚኣብሄር ዝቐርብ መስዋእቲ፥ ነቲ ዝተረፈ መስዋእቲ እኽሊ ወሲድኩም ቅጫ ግበርዎ፤ ቅዱሰ ቅዱሳን እዩ እሞ ኣብ ጥቓ መሰውኢ ዄንኩም ብልዕዎ።
13
እዙይ ካብቲ ብሓዊ ሓሊፉ ንእግዚኣብሄር ዝቐርብ መስዋእቲ ግቡእኻን ግቡእ ደቕኻን እዩ እሞ፥ ኣብ ቅዱስ ቦታ ዄንኩም ብልዕዎ፤ እግዚኣብሄር ከምኡ ኣዚዙኒ እዩ እሞ።
14
ካብቲ ደቂ እስራኤል ዘቕርብዎ መስዋእቲ ምስጋና ድማ እቲ ናብ እግዚኣብሄር እናወዝወዝካ ኸም መስዋእቲ ዝቐርብ ሓኸለን እግርን ግቡእኻን ግቡእ ደቅኻን ኮይኑ ተውሂቡ እዩ እሞ፥ ንስኻን ኣወዳትካን ኣዋልድካን ኣብ ንፁህ ቦታ ዄንኩም ብልዕዎ።
15
ምስ እቲ ብሓዊ ዝስዋእ ስብሕታት ከዓ ነቲ ዝቐርብ እግርን ዝውዝወዝ ሓኸለን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር እናወዝወዝካ ኸም መስዋእቲ ምእንቲ ኽቐርብ የምፅእዎ። እዙይ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ንኣኻን ንደቅኻን ንዘለኣለም ዝነብር ግቡእ ይኹን” በሎም።
16
ሙሴ ድማ ነቲ ምእንቲ ሓጢኣት ዝስዋእ ጤል ደለዮ፤ ተቓፂሉ ምስ ረኸቦ ኸዓ ነቶም ዝተረፉ ደቂ ኣሮን፥ ኣልኣዛርን ኢታምርን ተቘጢዑ፥
17
“ስለ ምንታይ ኢኹም ነቲ ምእንቲ ሓጢኣት ዝቐርብ መስዋእቲ ኣብ ቅዱስ ቦታ ዄንኩም ዘይበላዕኹምዎ? ንሱ ቅዱሰ ቅዱሳን እዩ፤ በደል ህዝቢ እስራኤል ፆይርኩም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሓጢኣቶም ክተስተስርዩሎም ኣምላኽ ሂቡኩም እዩ።
18
ደሙ ናብ ውሽጢ መቕደስ ኣየእተኹምዎን፤ ከምቲ ዝኣዘዝክዎ፥ ኣብ መቕደስ ኴንኩም ክትበልዕዎ ምተገብአኩም ነይሩ” በሎም።
19
ኣሮን ድማ ንሙሴ “እንሆ ምእንቲ ሓጢኣት ዝቐርብ መስዋእቶምን ዝቃፀል መስዋእቶምን ሎሚ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣቕሪቦም እዮም፤ ንኣይ ከዓ ኸምዙይ ዝበለ በፅሐኒ፤ ሎሚ ኽንዲ ሓጢኣት ዝቐረበ መስዋእቲ በሊዐ እንተ ዝኸውንከ ንእግዚኣብሄር ደስዶ መበሎ ነይሩ?” ኢሉ ንሙሴ ተዛረቦ።
20
ሙሴ እዙይ ሰሚዑ ባህ በሎ።
← Chapter 9
Chapter 11 →