bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Leviticus 8
Leviticus 8
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ ኢሉ ተናገሮ፦
2
“ንኣሮንን ንደቁን ናብ ኣፍ ደገ እቲ መራኸቢ ድንኳን ውሰዶም። ኣልባስን መቕብኢ ዘይትን፥ እቲ ምእንቲ ሓጢኣት ዝስዋእ ዝራብዕን፥ እቶም ክልተ ማጓሉን፥ እቲ ቕጫ ዝሓዘ መሶብን ድማ ተማላእ፤
3
ንዅሉ እቲ ማሕበር ኣብኡ ኣክቦም” በሎ።
4
ሙሴ ድማ ኸምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ገበረ። ኵሉ እቲ ማሕበር ከዓ ኣብ ኣፍ ደገ እቲ መራኸቢ ድንኳን ተኣከበ።
5
ሙሴ ድማ ነቶም ህዝቢ “እቲ እግዚኣብሄር ክግበር ዝኣዘዞ ነገር እዙይ እዩ” በሎም።
6
ሙሴ ኸዓ ንኣሮንን ንደቁን ኣቕሪቡ ብማይ ሓፀቦም።
7
ንኣሮን ድማ ቐሚሽ ኸደኖ፤ ቅናት እውን ኣቐነቶ፤ ካባ ደሪቡ ኸዓ ኣብ ልዕሊኡ ኤፉድ ገበረሉ፤ በቲ ብብልሓት ዝተሰርሐ ቕናት ኤፉድ ድማ ኣቐነቶሞ፥
8
ኣብ ልዕሊኡውን የማነ ፀጋም ኣፍ ልቢ ገበረሉ፤ ናብቲ የማነ ፀጋም ኣፍ ልቢ ድማ ፍቓድ እግዚኣብሄር ዝግለፀሎም ኡሪምን ቱሚምን ዝበሃሉ ገበረሉ።
9
ኣብ ርእሱ ኸዓ መጠምጠምያ ገበረሉ። ኣብ ልዕሊ እቲ መጠምጠምያ ድማ ብወገን ቅድሚት፥ ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ብወርቂ ዝተሰርሐ ገይፂ፥ ቅዱስ ኣኽሊል ገበረሉ።
10
ሙሴ ድማ መቕብኢ ዘይቲ ወሲዱ ነቲ ድንኳንን ነቲ ኣብኡ ዝነበረ ዅሉን ቀቢኡ ቐደሶ።
11
ካብቲ ዘይቲ ወሲዱ ኸዓ ናብ ልዕሊ መሰውኢ ሸውዓተ ሻዕ ነፀገ፤ ምእንቲ ኽቕድሶውን ንመሰውእን ንዅሉ ኣቕሑኡን ነቲ ሸሓነ ምስ ናይ ኣጋሮኡን ቀብኦ።
12
ናብ ርእሲ ኣሮን ድማ ኻብቲ መቕብኢ ዘይቲ ኣፍሰሰሉ፤ ምእንቲ ኽቕድሶ ኸዓ ቐብኦ።
13
ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ድማ፥ ሙሴ ንደቂ ኣሮን ኣቕረቦም፤ ቀማውሽ ኸዲኑ ኸዓ ቕናውቲ ኣቐነቶም፤ መጠምጠምያታት እውን ገበረሎም።
14
ሙሴ ነቲ ምእንቲ ሓጢኣት ዝስዋእ ዝራብዕ ኣቕረቦ፤ ኣሮንን ደቁን ከዓ ኣእዳዎም ኣብ ልዕሊ ርእሲ እቲ ኽንዲ ሓጢኣት ዝስዋእ ዝራብዕ ኣንበሩ።
15
ሙሴ ድማ፥ ነቲ ደም ወሲዱ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣቕርንቲ መሰውኢ ኣብ ዙርያኡ በፃብዑ ቐብኦ እሞ፥ ነቲ መሰውኢ ኣንፅሆ። ነቲ ደም ከዓ ኣብ እግሪ እቲ መሰውኢ ኣፍሰሶ። ከስተስርየሉ ድማ ኣንፅሆን ቀደሶን።
16
ንዅሉ ኣብ ናይ ውሽጢ ኣካላት ዝነበረ ስብሕን ቃንጡጥ ከብድን ክልቲኡ ዅላሊትን ምስ ስብሑን ወሲዱ ድማ ኣብ ልዕሊ መሰውኢ ኣቃፀሎ።
17
ነቲ ዝራብዕ ግና ምስ ቈርበቱን ስጋኡን ፈርሱን፥ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ፥ ኣብ ወፃኢ ሰፈር ብሓዊ ኣቃፀሎ።
18
ሙሴ ድማ ነቲ ዝቃፀል መስዋእቲ ዝኸውን ማጕላ ኣቕረቦ። ኣሮንን ደቁን ከዓ ኣእዳዎም ኣብ ልዕሊ ርእሲ እቲ ማጕላ ኣንበሩ።
19
ሓሪዱ ድማ ነቲ ደም ኣብቲ መሰውኢ ብዅሉ ወገኑ ነፀጎ።
20
ነቲ ማጕላ ድማ በብኽፍሉ ቘራረፆ፤ ነቲ ርእስን ነቲ ዝተቘራረፀ ስጋን ነቲ ስብሕን ከዓ ኣቃፀሎ።
21
ነቲ ናይ ውሽጢ ኣካላት ከብድን ነቲ ኣእጋርን ብማይ ሓፀቦ። ንዅሉ ስጋ እቲ ማጕላ ድማ ኣብ መሰውኢ ኣቃፀሎ። እዙይ ንእግዚኣብሄር ደስ ዘብል ጥዑም ጨና ብሓዊ ዝቃፀል መስዋእቲ እዩ። እዙይ ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ፥ ንእግዚኣብሄር ብሓዊ ዝቐርብ መስዋእቲ እዩ።
22
ሙሴ ንቕድስና ዝኸውን ካልእ ማጕላ ኣቕረበ። ኣሮንን ደቁን ድማ ኣእዳዎም ኣብ ልዕሊ ርእሲ እቲ ማጕላ ኣንበሩ።
23
ሙሴ ድማ ሓሪዱ ኻብ ደሙ ወሲዱ፥ ንኣሮን፥ ኣብ መስቈር የማነይቲ እዝኑን ኣብ ዓባይቶ የማነይቲ ኢዱን ኣብ ዓባይቶ የማነይቲ እግሩን ለኸዮ።
24
ንደቂ ኣሮን ድማ ኣቕረቦም። ካብቲ ደም ወሲዱ ኣብ መስቈር የማናይ ኣእዛኖምን ኣብ ዓባይቶ የማነይቲ ኣእዳዎምን፥ ኣብ ዓባይ ዓባይቶ የማናይ ኣእጋሮምን ለኸዮም። ነቲ ደም ከዓ ኣብቲ መሰውኢ ብዅሉ ወገኑ ነፀጎ።
25
ነቲ ስብሕን ሕልሕልን ኵሉ እቲ ኣብ ናይ ውሽጢ ኣካላት ከብዲ ዘሎ ቓንጡጥን፥ ስብሒ ኸብድን፥ ክልቲአን ኵላሊት ምስ ስብሐንን የማነይቲ እግርን ወሰደ።
26
ካብቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዝነበረ ዘይበዅዐ ቕጫ ዝሓዘ መሶብ ድማ፥ ሓደ ቕጫን ሓደ ብዘይቲ ዝተሰንከተ ሕብስትን ሓደ ረቂቕ ቅጫን ወሲዱ ኣብ ልዕሊ እቲ ስብሕን የማነይቲ እግርን ኣንበሮ።
27
ነዝ ዅሉ ኣብ ኣእዳው ኣሮንን ኣብ ኣእዳው ደቁን ኣንበሮ፤ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ከዓ እናወዝወዝካ ዝቐርብ መስዋእቲ ገይሩ ወፈዮ።
28
ሙሴ ድማ ኻብ ኣእዳዎም ወሲዱ ኣብቲ መሰውኢ ኣብ ልዕሊ እቲ ዝቃፀል መስዋእቲ ኣቃፀሎ። እዙይ ንእግዚኣብሄር ደስ ዘብል ጥዑም ዝጨናኡ ብሓዊ ዝቃፀል መስዋእቲ እዩ።
29
ሙሴ ድማ ነቲ ሓኸለ ወሲዱ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር እናወዝወዝካ ዝቐርብ መስዋእቲ ገይሩ ወፈዮ። ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ፥ ካብቲ ኣብ ምቕባል ክህነት ዝሕረድ ማጕላ፥ እዙይ ብፅሒት ሙሴ ነበረ።
30
ሙሴ ድማ ኻብቲ መቕብኢ ዘይትን ካብቲ ኣብ ልዕሊ መሰውኢ ዝነበረ ደምን ወሲዱ፥ ኣብ ልዕሊ ኣሮንን ኣብ ልዕሊ ኣልባሱን ኣብ ልዕሊ ደቁን ኣብ ልዕሊ ኣልባስ ደቁን ነፀገ። ንኣሮንን ንኣልባሱን ንደቁን ነልባሳት ደቁን ከዓ ኸምዙይ ገይሩ ቐደሰ።
31
ሙሴ ድማ ንኣሮንን ንደቁን “ከምቲ እግዚኣብሄር ነቲ ስጋ፥ ‘ኣሮንን ደቁን ይብልዕዎ’ ኢሉ ዝኣዘዞ፥ ኣብ ኣፍ ደገ እቲ መራኸቢ ድንኳን ኴንኩም ኣብስልዎ እሞ፥ በቲ ኣብ ምቕባል ክህነት ዝቐርብ መሶብ ዘሎ ሕብስቲ ጌርኩም ኣብኡ ብልዕዎ።
32
ነቲ ኻብ ስጋን ሕብስትን ዝተረፈ ኸዓ ብሓዊ ኣቃፅልዎ።
33
ምቕባል ክህነትኩም ንሸውዓተ መዓልቲ ኽፀንሕ እዩ እሞ፥ እተን ክህነት እትቕበሉለን መዓልቲታት ክሳዕ ዝመልኣ፥ ንሸውዓተ መዓልቲ ኻብ ኣፍ ደገ እቲ መራኸቢ ድንኳን ኣይትውፅኡ።
34
እዝ ሎሚ ዝተገብረ፥ ስርየት ሓጢኣት ምእንቲ ኽትረኽቡ እግዚኣብሄር ግበርዎ ኢሉ ዝኣዘዞ እዩ።
35
እግዚኣብሄር ኣዚዙኒ እዩሞ፥ ምእንቲ ኸይትሞቱ ሸውዓተ መዓልቲ፥ ለይትን መዓልትን ኣብቲ መራኸቢ ድንኳን ኣፍ ደገ ተቐሚጥኩም፥ ትእዛዝ እግዚኣብሄር ሓልዉ” በሎም።
36
ኣሮንን ደቁን ድማ ነቲ ዅሉ እግዚኣብሄር ብሙሴ ገይሩ ዝኣዘዞ ገበሩ።
← Chapter 7
Chapter 9 →