bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Leviticus 7
Leviticus 7
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ሕጊ መስዋእቲ በደል ድማ እዙይ እዩ፦ ንሱ ቅዱሰ ቕዱሳን እዩ።
2
ነቲ መስዋእቲ በደል ኣብታ ንዝቃፀል መስዋእቲ ዝሓርዱላ ቦታ ይሕረድዎ። እቲ ደሙ ኸዓ ኣብቲ መሰውኢ ብዅሉ ወገኑ ይነፀግ።
3
ኵሉ ስብሑ፥ ሕልሕሉን ቃንጡጡን፥
4
ክልቲአን ኵላሊት፥ ምስቲ ኣብ ዙርያአን ኣብ ጥቓ ሽምጢ ዘሎ ስብሕን፥ እቲ ኻብ ጥቓ ዅላሊት ዝፈልዮ ስብሒ ኸብድን ንመስዋእቲ ይቕረብ።
5
እቲ ኻህን ድማ ነዝ ንእግዚኣብሄር ብሓዊ ዝቐርብ መስዋእቲ ኣብ መሰውኢ የቃፅሎ፤ እዙይ ክንዲ በደል ዝቐርብ መስዋእቲ እዩ።
6
ካብ ስድራ ኻህን ተባዕታይ ዝኾነ ይብልዓዮ፤ ኣብ ቅዱስ ቦታ ይብልዕዎ፤ ንሱ ቅዱሰ ቅዱሳን እዩ።
7
እቲ ኽንዲ በደል ዝቐርብ መስዋእትን፥ ክንዲ ሓጢኣት ዝስዋእ መስዋእትን፥ ሕጉ ሓደ እዩ፤ እቲ ስጋ ብፅሒት ናይቲ ስርየት ሓጢኣት ዝገብር ካህን እዩ።
8
ናይ ዝኾነ ሰብ ዝቃፀል መስዋእቲ እንስሳ፥ ቈርበቱ ተገፊፉ ነቲ መስዋእቲ ዘቕርብ ካህን ይወሃብ።
9
ኣብ እቶን ዝተሰንከተ ኾነ ኣብ ቍራዕ ዝበሰለ ወይ ኣብ መቝሎ ዝተሰንከተ ዅሉ መስዋእቲ እኽሊ፥ ነቲ ዘቕርቦ ኻህን ይኹን።
10
ኵሉ ዘይቲ ዝተሓወሶ ወይ ንቑፅ መስዋእቲ እኽሊ ግና፥ ንዅሎም ደቂ ኣሮን ማዕረ ይወሃብ፤ ንዅሎምውን ይኸውን።
11
ሰብ እቲ ንእግዚኣብሄር ዘቐርቦ መስዋእቲ ምስጋና፥ ድማ ሕጉ እዙይ እዩ፦
12
ንምስጋና ኢሉ እንተ ኣቕረቦ፥ ምስቲ መስዋእቲ ምስጋና፥ ዘይቲ ዝተሓወሶ ዘይበዅዐ ቕጫታት፥ ዘይቲ ዝተለኽየ ዘይበዅዐ ረቂቕ ቅጫታትን ካብ ልሑም ሕሩጭ ዝተለወሰ ዘይቲ ዝተሓወሶ ቕጫታትን የቕርብ።
13
ነቲ ንምስጋና ኢሉ ዘቕርቦ ናይ ምስጋና መስዋእቲ ምስ ዝበዅዐ ሕብስቲ የቕርቦ።
14
ካብ ነፍሲ ወከፍ መስዋእቲ ሕብስቲ፥ ሓደ ሕብስቲ ኣልዒሉ ንእግዚኣብሄር የቕርብ። እዙይ ንደም እቲ ኣብ መስዋእቲ ምስጋና ዝሕረድ እንስሳ ዝነፅግ ካህን ይኹን።
15
ስጋ ናይቲ ንምስጋና ዘቕርቦ ኣብ መስዋእቲ ምስጋና፥ በታ ዝተሰውአላ መዓልቲ ይበላዕ፤ ካብኡ ሓደ እኳ ንፅባሒቱ ኣይሕደር።
16
እቲ ዝቐርብ መስዋእቲ ናይ መብፅዓ ወይ ናይ ፍቓድ እንተ ኾይኑ ኸዓ፥ በታ መስዋእቱ ዘቕረበላ መዓልቲ ይበላዕ፤ እቲ ኻብኡ ዝተረፈ ድማ ንፅባሒቱ ይበላዕ።
17
ካብቲ ንመስዋእቲ ዝቐረበ እንስሳ ኽሳዕ ሳልሰይቲ መዓልቲ ዝተረፈ ስጋ ግና ብሓዊ ይቃፀል።
18
ካብቲ ንመስዋእቲ ምስጋና ዝተሓርደ ስጋ ኣብ ሳልሳይ መዓልቲ እንተ ተበልዐ፥ እቲ መስዋእቲ ቕቡል ኣይኮነን፤ ዝረኸሰ ስለ ዝኾነ፥ ፍንፉን ይኸውን እምበር፥ ነቲ ዘቕረቦ ሰብ ቅቡል ኮይኑ ኣይቝፀረሉን እዩ። እቲ ኻብኡ ዝበልዐ ሰብ ከዓ ሓጢኣቱ ይሽከም።
19
ዝረኸሰ ነገር ዝነኽኦ ስጋ ኣይበላዕ፤ ብሓዊ ደኣ ይቃፀል። ንፁህ ዝኾነ ዅሉ ሰብ ግና ካብቲ ስጋ ይብላዕ።
20
እቲ ረኺሱ እንተሎ ኻብቲ ንእግዚኣብሄር ዝቐረበ ስጋ መስዋእቲ ምስጋና ዝበልዐ ሰብ ካብ ህዝቡ ይወገድ።
21
ሓደ ሰብ ዝረኸሰ ነገር እንተ ነኽአ፥ ኣብ ሰብ ንዘሎ ዘርክስ፥ ወይ ዝረኸሰ እንስሳ ወይ ዝኾነ ፅዩፍ ርኽሰት እንተ ነኽአሞ፥ ካብቲ ንእግዚኣብሄር ዝቐረበ ስጋ መስዋእቲ ምስጋና ከዓ እንተ በልዐ፥ እቲ ሰብ እቱይ ካብ ህዝቡ ይወገድ።
22
እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦
23
ንደቂ እስራኤል ከምዙይ ኢልካ ተዛረቦም፦ ስብሒ ብዕራይ ኮነ ስብሒ በጊዕ ወይ ስብሒ ጤል ኣይትብልዑ።
24
ስብሒ ዝበኸተን ስብሒ ኣራዊት ዝቐተሎ እንስሳኹምን ንዝኾነ ስራሕ ኣውዕልዎ፤ ምብላዕ ግና ኣይትብልዕዎ።
25
ካብ ስብሒ እቲ ንእግዚኣብሄር ብሓዊ ተቓፂሉ ዝቐርብ እንስሳ ዝበልዐ ሰብ፥ ካብ ህዝቡ ይወገድ።
26
ኣብ ዅሉ እትነብርዎ ኸዓ ናይ ዒፍ ኮነ ናይ እንስሳ ደም ኣይትብልዑ።
27
ዝኾነ ሰብ ደም እንተ በልዐ፥ እቲ ሰብ እቱይ ካብ ህዝቡ ይወገድ።
28
እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦
29
ንደቂ እስራኤል ከምዙይ በሎም፦ እቲ ናይ ምስጋና መስዋእቲ ንእግዚኣብሄር ዘቕርብ ሰብ፥ ካብቲ ናይ ሰላም መስዋእቲ ንእግዚኣብሄር የምፅእ።
30
ነቲ ናባይ ብሓዊ ዝቐርብ መስዋእቲ በእዳዉ የምፅኣዮ። እቲ ሓኸለ ናባይ እናወዝወዝካ ኸም ዝቐርብ መስዋእቲ ምእንቲ ኽቐርብስ፥ ነቲ ስብሑን ሓኸለኡን የምፅአዮ።
31
እቲ ኻህን ድማ ነቲ ስብሒ ኣብ ልዕሊ መሰውኢ የቃፅሎ፤ እቲ ሓኸለ ግና ብፅሒት ኣሮንን ደቁን እዩ።
32
ካብቲ ናይ ሰላም መስዋእትኹም ብፅሒቱ ስለ ዝኾነ ነቲ ኻህን የማነይቲ እግሪ ሃብዎ።
33
የማነይቲ እግሪ፥ ነቲ ኻብ ደቂ ኣሮን ደምን ስብሕን ናይቲ ኣብ መስዋእቲ ምስጋና ዝሕረድ እንስሳ ዘቕርብ ግደ ይኹን።
34
ካብ መስዋእቲ ምስጋና ደቂ እስራኤል ነቲ ናባይ ናብ እግዚኣብሄር እናወዝወዝካ ዝቐርብ ሓኸለን ናባይ ዝቐርብ እግርን ወሲደ ንኣሮንን ንደቁን ንዘለኣለም ዝነብር ስርዓት ገይረ ሂበዮም ኣለኹ።
35
እዙይ በታ ንእግዚኣብሄር ካህናት ኮይኖም ከገልግሉ ዝቐረቡላ መዓልቲ፥ ደቂ እስራኤል ካብቲ ንእግዚኣብሄር ዘቕርብዎ ብሓዊ ዝቃፀል መስዋእቲ ኽህብዎም እግዚኣብሄር ዝኣዘዞም ግደ ኣሮንን ደቁን እዩ።
36
በታ ዝተቐብኡላ መዓልቲ እግዚኣብሄር ንደቂ እስራኤል እዝ ብፅሒት እዙይ ክህብዎም ኣዘዘ። እዙይ ከዓ ንውሉድ ወለዶ ዝነብር ስርዓት ዘለኣለም እዩ።
37
እምበኣር ሕጊ ዝቃፀል መስዋእትን፥ ሕጊ መስዋእቲ ምቕባል ክህነትን፥ ሕጊ መስዋእቲ እኽልን፥ ሕጊ ምእንቲ ሓጢኣት ዝቐርብ መስዋእትን፥ ሕጊ ኽንዲ በደል ዝቐርብ መስዋእትን፥ ሕጊ መስዋእቲ ምስጋናን እዙይ እዩ።
38
እዝ ሕጊ እዙይ፥ በታ እግዚኣብሄር ንደቂ እስራኤል መስዋእቶም ኣብ ምድረ በዳ ሲና ኸቕርቡ ዝኣዘዘላ መዓልቲ፥ እግዚኣብሄር ንሙሴ ኣብ ደብረ ሲና ዝኣዘዞ እዩ።
← Chapter 6
Chapter 8 →