bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Leviticus 6
Leviticus 6
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦
2
ዝኾነ ሰብ ሓጢኣት እንተ ሰርሐ፥ ንብፃዩ ብምጥፍፋእ ንእግዚኣብሄርውን እንተ በደለ፥ ብፃዩ ዘቐመጠሉ ሕድሪ ወይ ዘትሓዞ እንተ ጠለመ፥ ወይ እንተ ኸተረ ወይ እንተ ዓመፀ፥
3
ወይ ዝኾነ ዝጠፍአ ረኺቡ እንተሎ ኣሉ እንተበለ፥ ብሓሰት እውን እንተ መሓለ፥ ወይ ብዝኾነ ነገር፥ ሰብ ክገብሮ ዝኽእል ሓጢኣት እንተ ገበረ፥ በታ ሓንቲኳ እንተ በደለ፥
4
በዝ ኸምዙይ ብምብዳሉ ሓጢኣተኛ እንተ ኾነ፥ ነቲ ዝኸተሮ፥ ወይ ነቲ ዝዓመፆ፥ ወይ ነቲ ዝጠለሞ ሕድሪ፥ ወይ ነቲ ጠፊኡ ዝረኸቦ፥
5
ወይ ነቲ ብዝኾነ ነገር ሓስዩ ዝመሓለሉ ይምለሶ። ብምሉኡ ይምለሶ፤ ኣብ ልዕሊኡ ኸዓ ሓምሻይ ኢድ ይወስኸሉ። በታ ኽንዲ በደሉ መስዋእቲ ዘቕርበላ መዓልቲ ነቲ ዋናኡ ይምለሰሉ።
6
ክንዲ በደሉ ዝቐርብ መስዋእቲ ድማ ኻብ መጓሰ ኣባጊዕ፥ ከም ዝገመትካሉ ጐደሎ ዘይብሉ ማጕላ ኽንዲ በደሉ ዝኸውን መስዋእቲ ንእግዚኣብሄር ናብ ካህን የምፅእ።
7
እቲ ኻህን ከዓ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሓጢኣቱ የስተስርየሉ፤ እቲ በዳሊ ዝገበሮ ዅሉ በደል ብእኡ ይቕረ ኽበሃለሉ እዩ።
8
እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦
9
ንኣሮንን ንደቁን ከምዙይ ኢልካ ኣዝዞም፦ ሕጊ እቲ ዝቃፀል መስዋእቲ ኸምዙይ እዩ፦ እቲ ዝቃፀል መስዋእቲ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ መሰውኢ ዝቃፀል ዕንፀይቲ ምሉእ ለይቲ ኽሳዕ ዝወግሕ ኣብኡ ይኹን፤ እቲ ሓዊ መሰውኢውን ኵልሻዕ ይንደድ።
10
እቲ ኻህን ብሃሪ ዝተሰርሐ ቐሚሽን ብሃሪ ዝተኣልመ ስረን ኣብ ልዕሊ ስጋኡ ይልበስ። ነቲ ሓሙዅሽቲ ናይቲ ኣብ መሰውኢ ብሓዊ ዝቃፀል ናይ መስዋእቲ ሓሙዅሽቲ ሓፊሱ፥ ኣብ ጐድኒ መሰውኢ የፍስሶ።
11
ደሓር ክዳውንቱ የውፅእ፤ ካልእ ኽዳውንቲ ድማ ይከደን፤ ነቲ ሓሙዅሽቲ ኸዓ ኻብቲ ሰፈር ናብቲ ንፁህ ዝኾነ ቦታ የውፅኣዮ።
12
እቲ ኣብ ልዕሊ መሰውኢ ዘሎ ሓዊ ዅልሻዕ ይንደድ፤ ኣይጥፋእውን። እቲ ኻህን ከዓ ንግሆ ንግሆ ኣብ ልዕሊኡ ዕንፀይቲ ይወስኸሉ። ኣብ ልዕሊኡ ድማ እቲ ዝቃፀል መስዋእቲ የንብር፤ ኣብ ልዕሊኡ ኸዓ ስብሒ መስዋእቲ ምስጋና የቃፅል።
13
እቲ ሓዊ ዅልሻዕ ኣብ ልዕሊ መሰውኢ ይንደድ፤ ኣይጥፋእውን።
14
ስርዓት ኣቀራርባ ቝርባን እኽሊ ኸምዙይ እዩ፦ ደቂ ኣሮን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ናብ ቅድሚ እቲ መሰውኢ የቕርብዎ።
15
እቲ ኻህን ካብኡ፥ ካብቲ ናይ ቍርባን እኽሊ ልሑም ሕሩጭ ብሓደ ኢዱ ዓዂቱ የልዕል፤ ካብ ዘይቲ ድማ ምስቲ ኣብ ልዕሊ ቝርባን እኽሊ ዘሎ ዅሉ ዕጣን ገይሩ ንመዘከሪ ንእግዚኣብሄር ባህ ዘብል ጥዑም ጨና ምእንቲ ክኸውን ኣብ መሰውኢ የቃፅሎ።
16
እቲ ኻብኡ ዝተረፈ ድማ ኣሮንን ደቁን ይብልዕዎ። ቅጫ ኾይኑ ኣብ ቅዱስ ቦታ ይበላዕ። ኣብ ቅፅሪ እቲ መራኸቢ ድንኳን ኮይኖም ይብልዕዎ።
17
ብዘይ መባዅዕቲ ይሰንከት። እዙይ ካብቲ ብሓዊ ዝተቓፀለ ቝርባን ዝተውሃበ ግደኦም እዩ። ከምቲ ምእንቲ ሓጢኣት ዝቐርብ መስዋእትን ክንዲ በደል ዝቐርብ መስዋእትን ቅዱሰ ቅዱሳን እዩ።
18
ካብ ደቂ ኣሮን ተባዕታይ ዝኾነ ዅሉ ይብልዓዮ። እዙይ ካብቲ ንእግዚኣብሄር ብሓዊ ዝቃፀል መስዋእትታት ንውሉድ ወለዶኹም ናይ ዘለኣለም ግደኦም ይኹን። ነፍሲ ወከፍ ዝነኽኦውን ቅዱስ ይኸውን።
19
እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦
20
በታ ኣሮንን ደቁን ዝቕብኡላ መዓልቲ ንእግዚኣብሄር ዘቕርብዎ መስዋእቲ እዙይ እዩ፦ ከምቲ ዅልሻዕ ዘቕርብዎ ቝርባን እኽሊ፥ ሓደ ኺሎ ልሑም ሕሩጭ ይኹን። ፍርቁ ጊሓት፥ ፍርቁ ኸዓ ምሸት፥
21
ብዘይቲ ለዊስካ ኣብ መቝሎ ሰንክቶ። ንእግዚኣብሄር ደስ ዘብለኒ ጥዑም ዝጨናኡ ቝርባን እኽሊ ምእንቲ ክኸውን፥ ቈራሪስካ ኣቕርቦ።
22
እቲ ኻብ ደቂ ኣሮን ክንዲ ኣቦኡ ተተኪኡ ዝቕባእ ካህን ድማ የቕርቦ። ብምሉኡ ንእግዚኣብሄር ይቃፀል፤ እዙይ ንዘለኣለም ዝፀንዕ ስርዓት ይኹን።
23
ኵሉ እቲ ኻህን ዘቕርቦ ቝርባን እኽሊ ብምሉኡ ፈፂሙ ይቃፀል፤ ኣይበላዕውን።
24
እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦
25
ንኣሮንን ንደቁን ከምዙይ በሎም፦ ሕጊ እቲ ምእንቲ ሓጢኣት ዝቐርብ መስዋእቲ እዙይ እዩ፦ እቲ ምእንቲ ሓጢኣት ዝስዋእ እንስሳ ኣብታ ዝቃፀል መስዋእቲ ዝሕረደላ ቦታ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ይተሓረድ፤ ንሱ ቅዱሰ ቅዱሳን እዩ።
26
እቲ ምእንቲ ሓጢኣት ዝስውኦ ካህን ይብልዓዮ፤ ኣብቲ ቅዱስ ቦታ፥ ኣብ ቅፅሪ እቲ መራኸቢ ድንኳን ይበላዕ።
27
ነፍሲ ወከፍ ነቲ ስጋ ዝነኽኦ ቅዱስ ይኸውን። ዝኾነ ልብሲ ደም እንተ ተነፀጎ፥ ነቲ ዅሉ ዝተነፀጎ ኣብ ቅዱስ ቦታ ዄንካ ሕፀቦ።
28
እቲ ዝበሰለሉ ቝራዕ ድማ ይሰበር፤ ኣብ ድስቲ ነሃስ እንተ በሰለ ኸዓ ይፈግፈግ፤ ብማይውን ይተሓፀብ።
29
ካብ ስድራ ኻህን ተባዕታይ ዝኾነ ይብልዓዮ፤ ንሱ ቅዱሰ ቅዱሳን እዩ።
30
ደሙ ንስርየት ሓጢኣት ኣብ መቕደስ፥ ኣብቲ መራኸቢ ድንኳን ዝኣቱ ምእንቲ ሓጢኣት ዝቐርብ ኵሉ መስዋእቲ፥ ብሓዊ ይቃፀል እምበር ኣይበላዕ።
← Chapter 5
Chapter 7 →