bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Leviticus 5
Leviticus 5
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ዝኾነ ሰብ ቃል ማሕላ ሰሚዑ ንሱ ብዝረአዮ ወይ ብዝፈለጦ ምስክር ኮይኑ እንተ ዘይገለፆ ብእኡ ሓጢኣት ገይሩ እዩሞ፥ በደሉ ይፀውር።
2
ዝኾነ ሰብ እንተይፈለጠ ዝረኸሰ ነገር፥ ገምቢ ዝረኸሰ ኣራዊት፥ ወይ ገምቢ ዝረኸሰ እንስሳ፥ ወይ ገምቢ ዝረኸሰ ብለመምታ ዝንቀሳቐስ እንተ ነኽአ፥ ንሱ ረኺሱ እዩ እሞ ምስ ተፈለጦ በዳሊ እዩ።
3
ዝኾነ ሰብ ነቲ ብዝኾነ ይኹን ከርክሶ ዝኽእል ኣብ ሰብ ንዘሎ ዘርክስ ነገር እንተ ነኽአ፥ ምስ ተፈለጦ በዳሊ እዩ።
4
ዝኾነ ሰብ ፅቡቕ ወይ ክፉእ ንምግባር፥ ከምቲ ገሊኣቶም ሰባት ብዘይ ምስትውዓል ዝምሕልዎ፥ እንተይፈለጠ እንተ መሓለ፥ ምስ ተፈለጦ ብሓደ ኻብዝ ነገር በዳሊ እዩ።
5
ሓደ ሰብ ካብዝ ነገር እዙይ ብሓደ ነገር እንተ በደለ፥ በቲ ዝገበሮ ሓጢኣት ይናዘዝ።
6
በቲ ዝገበሮ ሓጢኣት ካብ መጓሰኡ ምእንቲ ሓጢኣት እትስዋእ ሓንቲ በጊዕ ወይ ሓንቲ ጤል ንእግዚኣብሄር የቕርብ። እቲ ኻህን ከዓ ንኣኣ ሰዊኡ ሓጢኣቱ የስተስርየሉ።
7
ንበጊዕ ዝኣክል ዓቕሚ እንተ ዘይብሉ ኸዓ ኽንዲ እቲ ዝገበሮ በደል ኽልተ ባሪቶ ወይ ክልተ ርግቢ፥ ሓንቲ ምእንቲ ሓጢኣት እትስዋእ፥ ሓንቲ ድማ ንዝቃፀል መስዋእቲ እትኸውን ንእግዚኣብሄር የቕርብ።
8
ናብ ካህን የምፅኣየን፤ ንሱ ኸዓ ቕድም ነታ ምእንቲ ሓጢኣት መስዋእቲ እትኸውን የቕርባ፤ ርእሳ እንተይቈረፀ፥ ክሳዳ ጠውዩ ይቖልዕማ።
9
ካብ ደም ናይቲ ምእንቲ ሓጢኣት ዝስዋእ እንስሳ፥ ጐድኒ መሰውኢ ይንፀግ፤ ነቲ ዝተረፈ ደም ከዓ ኣብ እግሪ መሰውኢ የፍስሶ። እዙይ ምእንቲ ሓጢኣት ዝቐርብ መስዋእቲ እዩ።
10
ነታ ኻልአይቲ ኸዓ ኸምቲ ናይ ዝቃፀል መስዋእቲ ስርዓት ገይሩ የቕርባ። እቲ ኻህን ድማ በቲ ዝበደሎ ሓጢኣቱ ኸምዙይ ገይሩ ስርየት ሓጢኣቱ የስተስርየሉ፤ ሽዑ ይቕረ ኽበሃለሉ እዩ።
11
ንኽልተ ባሪቶ ወይ ንኽልተ ርግቢ ዝኸውን ዓቕሚ እንተ ዘይብሉ ግና፥ ስለ እቲ ዝገበሮ ሓጢኣት ዝስውኦ፥ ዓስራይ ክፍሊ መስፈሪ ኢፍ ልሑም ሕሩጭ የምፅእ። ምእንቲ ሓጢኣት ዝቐርብ መስዋእቲ ስለ ዝኾነ ዘይቲ ኣየፍስሰሉ፤ ዕጣን እውን ኣይግበረሉ።
12
ናብቲ ኻህን ድማ የምፅኣዮ፤ እቲ ኻህን ከዓ ብምሉኡ ናብ እግዚኣብሄር ከም ዝተሰውአ ምእንቲ ኸርኢ ኻብኡ ብሓደ ኢዱ ዓዂቱ፥ ኣብ መሰውኢ፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ንእግዚኣብሄር ብሓዊ ዝግበር መስዋእቲ የቃፅሎ። እዙይ ምእንቲ ሓጢኣት ዝቐርብ መስዋእቲ እዩ።
13
ካብዝ ነገር እዙይ ብሓዲኡ ንዝበደለ፥ እቲ ኻህን ሓጢኣቱ የስተስርየሉ፤ ሽዑ ይቕረ ኽበሃለሉ እዩ። እቲ ዝተረፈ ድማ ኸምቲ ናይ ቍርባን እኽሊ ንኻህናት ይኹን።
14
እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦
15
ሓደ ሰብ፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ንእግዚኣብሄር ዝተቐደሰ ነገር እንተይፈለጠ በደል እንተ በደለ፥ ክንዲ በደሉ መስዋእቲ ዝቐርብ ካብ መጓሰ ኣባጊዕ፥ ብሚዛን ቤተ መቕደስ ዝተገመተ ሰቕሊ ብሩር፥ ጐደሎ ዘይብሉ ማጕላ ንመስዋእቲ በደል ንእግዚኣብሄር የምፅእ።
16
በቲ ኣብቲ ቕዱስ ነገር ዝገበሮ ሓጢኣት ይኽሓስ፤ ሓምሻይ ኣፍ ከዓ ይወስኸሉ፤ ንኻህን ድማ ይሃቦ። እቲ ኻህን ከዓ በቲ ኽንዲ በደል ዝስዋእ ማጕላ ገይሩ ሓጢኣቱ የስተስርየሉ፤ ሽዑ ይቕረ ኽበሃለሉ እዩ።
17
ሓደ ሰብ ካብቲ ዅሉ ኣነ እግዚኣብሄር ኣይትግበርዎ፥ ኢለ ዝኣዘዝክዎ ሓንቲ ብምጥሓሱ እንተ በደለ፥ እንተይፈለጠ እኳ እንተ ኾነ በዲሉ እዩ እሞ ሓጢኣተኛ እዩ።
18
ክንዲ በደል ዝቐርብ መስዋእቲ ኸም ዝገመትካሉ፥ ካብ መጓሰ ኣባጊዕ ጐደሎ ዘይብሉ ናብ ካህን የምፅእ። ስለ እቲ ብዘይ ፍልጠት ዝገበሮ ጌጋ፥ እቲ ኻህን ከምዙይ ገይሩ ሓጢኣቱ የስተስርየሉ። ሽዑ ኸዓ ይቕረ ኽበሃለሉ እዩ።
19
ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር በደለኛ እዩ እሞ፥ እዙይ ክንዲ በደል ዝቐርብ መስዋእቲ እዩ።
← Chapter 4
Chapter 6 →