bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Leviticus 26
Leviticus 26
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ነኣኻትኩም ጣዖታት ኣይትግበሩ፤ ምስሊ፥ ወይ ሓወልቲ ኣይተቑሙ፤ ክትሰግዱሉ ኢልኩም ድማ ዝተወቕረ እምኒ ኣብ ምድሪኹም ኣይትግበሩ፤ ኣምላኽኩም ኣነ እግዚኣብሄር እየ።
2
ሰናብተይ ሓልዉ፤ መቕደሰይ እውን ኣኽብሩ፤ ኣነ እግዚኣብሄር እየ።
3
ብሕግጋተይ እንተ ኼድኩም፥ ትእዛዛተይ ከዓ እንተ ሓሊኹም፥
4
ኣነ ዝናም ብጊዜኡ ኽህበኩም እየ። ምድሪ ድማ እኽላ ኽትህብ እያ። ኣእዋም በረኻ ኸዓ ፍረአን ክህባ እየን።
5
መኼዳኹም ክሳዕ ምቝራፅ ዘለላ ወይኒ ይፀንሕ፤ ምቝራፅ ዘለላ ወይኒ ኸዓ ኽሳዕ ዘርኢ ይፀንሕ፤ እንጀራኹም በሊዕኹም ክትፀግቡ፥ ኣብ ምድሪኹም ከዓ ብህድኣት ክትነብሩ ኢኹም።
6
ኣብ ምድሪኹም ሰላም ክህብ እየ፤ ንስኻትኩም ከዓ ብዘይ ስግኣት ትድቅሱ፤ ዘፍርሐኩም እውን ኣይህሉን እዩ። ንሕሱማት ኣራዊት ካብታ ምድሪ ኸጥፍኦም እየ። ሰይፊ ድማ ብልዕሊ ምድሪኹም ኣይሓልፍን።
7
ንፀላእትኹም ተሳጕጉዎም፤ ንሳቶም ድማ ብሰይፊ ኣብ ቅድሜኹም ይወድቁ።
8
ሓሙሽተ ኻባኻትኩም ንሚእቲ የሳጕጉዎም፤ ሚእቲ ኻባኻትኩም ንዓሰርተ ሽሕ የሳጕጉዎም፥ ፀላእትኹም ብሰይፊ ኣብ ቅድሜኹም ይወድቁ።
9
ኣነ ኽባርኸኩም እየ እሞ፥ ከፍርየኩምን ከብዝሐኩምን እየ፤ ኪዳነይ ከዓ ምሳኻትኩም ከቕውም እየ።
10
ንነዊሕ ጊዜ ዝተዓቝረ ነባር እኽሊ ኽትበልዑ ምስ ፀናሕኹም፥ ነቲ ሓድሽ እኽሊ ስፍራ ምእንቲ ኽትረኽቡሉ ነቲ ዕቑር ተውፅእዎ።
11
ማሕደረይ ኣብ ማእኸልኩም ክገብር እየ፤ ኣነ ኸዓ ኣይፅየፈኩምን እየ።
12
ኣብ ማእኸልኩም እነብር፤ ኣምላኽኩምውን እኸውን፥ ንስኻትኩም ከዓ ህዝበይ ትኾኑኒ።
13
ምእንቲ ባሮቶም ከይትኾኑ ኻብ ግብፂ ዘውፃእኹኹም ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ፤ ኣርዑት ባርነትኩም ድማ ሰበርኩ፤ ርእስኹም ኣቕኒዕኹም ከም እትኸዱ እውን ገበርኩኹም።
14
ግና እንተ ዘይሰማዕኹምኒ፥ ነዝ ዅሉ ትእዛዛተይውን እንተ ዘይፈፂምኩም፥
15
ሕግጋተይ ድማ እንተ ነዓቕኩም፥ እሞ ዅሉ ትእዛዛተይ ከይትፍፅሙ ፍርድታተይ እንተ ዘይተቐቢልኩም፥ ኪዳነይ ከዓ እንተ ኣፍሪስኩም፥
16
ኣነ ድማ ኸምዙይ ክገብረኩም እየ፦ ሽብርን ዘመንምንን ነዒንቲ ዘሕምቕን ንሰብነት ዘድክም ረስንን ክሰደልኩም እየ። ዘርእኹም ንኸንቱ ትዘርኡ፤ ፀላእትኹም ክበልዕዎ እዮም እሞ።
17
ኣነ ኽፀልአኩም እየ፤ ፀላእትኹም ድማ ኽስዕሩኹምን ክሰጕኹምን እዮም፤ ዝሰጐጐኩም ዘየለ ድማ ኽትሃድሙ ኢኹም።
18
ድሕሪ እዝ ዅሉ ገና እንተ ዘይሰሚዕኹምኒ፥ ብሓጢኣትኩም ሸውዓተ ዕፅፊ ገይረ ኽቐፅዐኩም እየ።
19
ንሓይሊ ትዕቢትኩም ክሰብሮ እየ፤ ንሰማይኩም ከም ሓፂን፥ ንምድሪኹም እውን ከም ነሃስ ክገብሮ እየ።
20
ምድሪኹም እኽላ ኣይትህብን፤ ኦም ምድሪ እውን ፍረኣ ኣይትህብን እያ እሞ፥ ሓይልኹም ብኸንቱ ይውዳእ።
21
እንተ ተፃሪርኩምኒ፥ ክትሰምዑኒ እውን እንተ ዘይፈቲኹም፥ ከምቲ ሓጢኣትኩም መሊሰ ሸውዓተ ዕፅፊ ገይረ ኽቐፅዐኩም እየ።
22
ንደቅኹም ዝቐትሉ፥ ንእንስሳኹም ዘጥፍኡ፥ መንገድኹም ክሳዕ ዝባድም ንቝፅርኹም ዘውሕዱ ኣራዊት ክሰደልኩም እየ።
23
በዝ ነገር እዙይ እንተ ዘይተቐፃዕኹም፥ ንኣይውን ብምፅራር እንተ ፀኒዕኹም፥
24
ኣነ ኸዓ ንኣኻትኩም ክፃረረኩም እየ፤ ብሓጢኣትኩም እውን ሸውዓተ ዕፅፊ ገይረ ኽቐፅዐኩም እየ።
25
ኪዳነይ ስለ ዘፍረስኩም ንመቕፅዒኹም ውግእ ከምፅእ እየ፤ ኣብ ከተማታትኩም እንተ ተሓቢእኹም ከዓ ናብ ማእኸልኩም ሕማም ፌራ ኽሰድድ እየ፤ ኣብ ኢድ ፀላኢኹም እውን ክትወድቁ ኢኹም።
26
እንጀራ ኽኽልክለኩም እንተለኹ ዓሰርተ ኣንስቲ ኣብ ሓደ እቶን ክስንክታ እየን። እንጀራኹም ድማ ብመቝነን ክወሃበኩም እዩ፤ በሊዕኹም ከዓ ኣይትፀግቡን ኢኹም።
27
ድሕሪ እዝ ዅሉ እንተ ዘይሰሚዕኹምኒ እሞ እናተፃረርኩምኒ እንተ ኸድኩም፥
28
ኣነ ድማ ብቝጥዓ እናተፃረርኩኹም እኸይድ እሞ፥ ብሓጢኣትኩም ሸውዓተ ዕፅፊ ኽቐፅዐኩም እየ።
29
ስጋ ኣወዳትኩምን ስጋ ኣዋልድኩምን ክትበልዑ ኢኹም።
30
ናይ ኰረብታ መስገዲኹም ከፍርሶ እየ፤ ናይ ፀሓይ ኣዕምድኹም ክሰብር እየ፤ ንሬሳኹም ድማ ናብ ልዕሊ እቶም ህይወት ዘይብሎም ዝወደቑ ጣዖታትኩም ክድርብዮ እየ፤ ኣነ ኸዓ ኽፅየፈኩም እየ።
31
ንኸተማታትኩም ከዕንወን እየ፤ ንመቕደሳትኩም እውን ከፍርሰን እየ፤ ደጊም በቲ ጥዑም ጨና ዕጣንኩም ደስ ኣይብለንን እዩ።
32
ነታ ሃገር ድማ ኣነ ኸባድማ እየ፤ ነቶም ኣብኣ ዝነብሩ ፀላእትኹምውን ከስደምሞም እዩ።
33
ንኣኻትኩም ከዓ ኣብ ማእኸል ህዝብታት ፋሕ ከብለኩም እየ፤ ደድሕሬኹም ውግእ ከልዕለልኩም እየ፤ ሃገርኩም ድማ ኽትባድም እያ፤ ከተማታትኩም እውን ክዓንዋ እየን።
34
ሽዑ እታ ሃገር በቲ ዅሉ ዑና ኾይና እትነብረሉ ዘመን፥ ንስኻትኩም ድማ ኣብ ሃገር ፀላእትኹም እንተለኹም፥ ብዓመታት ዕረፍታ ደስ ክብላ፥ ሽዑ እታ ምድሪ ኽትዓርፍ ብዕረፍታ ኸዓ ደስ ክብላ እዩ።
35
እቲ ንስኻትኩም ኣብኣ ኽትነብሩ እንተለኹም ዘይረኸበቶ ዕረፍቲ፥ በቲ ዑና ኾይና እትነብረሉ ዘመን ክትረኽቦ እያ።
36
ነቶም ካባኻትኩም ዝተረፉ ድማ ኣብ ሃገር ፀላእቶም እንተለዉ፥ ናብ ልቦም ራዕዲ ኸእቱ እየ፤ ጠሸም ዝበለ ቘፅሊ ኸዓ የህድሞም፤ ካብ ኲናት ከም ዝሃድም ይሃድሙ፤ ዝኾነ እንተየሳጐጎምውን ይወድቁ።
37
ሓደ እኳ እንተየሳጐጎም፥ ካብ ቅድሚ ሰይፊ፥ ከም ዝሃድሙ ንስንሳቶም ይሰነኻኸሉ፤ ስለዙይ ኣብ ቅድሚ ፀላእትኹም ደው ክትብሉ ኣይትኽእሉን ኢኹም።
38
ኣብ ማእኸል ህዝብታት ትጠፍኡ፤ ምድሪ ፀላእትኹም ድማ ትውሕጠኩም።
39
እቶም ካባኻትኩም ዝተረፉ ድማ ኣብ ምድሪ ፀላእትኹም ብሓጢኣቶም ይምንምኑ፤ ብሓጢኣት ኣቦታቶምውን ምስኣቶም ይምንምኑ።
40
በቲ ዝበደሉንን በቲ ዝገብርዎ ኽፍኣቶምን ክፍኣት ኣቦታቶምን ክናዘዙ እዮም። ንሳቶም ስለ ዝተፃረሩንን ስለ ዝኸድዑንን፥
41
ኣነ እግዚኣብሄር ከዓ ተፃረርክዎም፤ ናብ ምድሪ ፀላእቶምውን ኣእተኹዎም። ሽዑ እቲ ዘይግሩዝ ልቦም እንተ ኣዋረዱ፥ ቅፅዓት ሓጢኣቶም እውን እንተ ተቐበሉ፥
42
ኣነ እግዚኣብሄር ድማ እቲ ምስ ያእቆብን ምስ ይስሓቅን ምስ ኣብርሃምን ዝኣተኹዎ ኺዳነይ እዝክር፤ ነታ ሃገር እውን እዝክራ።
43
ነታ ሃገር ክሓድግዋ እዮም እሞ፥ ንሳቶም ብዘየለውሉ ዓንያ እንተላ ብዕረፍታ ደስ ይብላ፤ ንሳቶም ከዓ ፍርድታተይ ስለ ዘቃለሉን፥ ሕግጋተይ ስለ ዝተፀየፉን፥ ቅፅዓት ሓጢኣቶም ክፆሩ እዮም።
44
ንሳቶም እኳ ኣብ ምድሪ ፀላእቶም እንተለዉ፥ ፈፂመ ኸጥፍኦም ኢለ ኣይገድፎምን እየ፤ ኣይፅየፎምን ድማ እየ። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኾም እየ እሞ፥ ነቲ ምስኣቶም ዝኣተኹዎ ኺዳን ኣየፍርሶን እየ።
45
ኣምላኾም ምእንቲ ክኸውን ኢለ፥ ነቲ ኻብ ግብፂ ኣብ ቅድሚ ህዝብታት ከውፅኦም እንተለኹ ምስ ኣቦታቶም ዝኣተኹዎ ኺዳን ክዝክር እየ፤ ኣነ እግዚኣብሄር እየ።
46
እቲ እግዚኣብሄር ኣብ መንጎኡን ኣብ መንጎ ደቂ እስራኤልን፥ ብኢድ ሙሴ ኣብ ደብረ ሲና ዝሃቦ ትእዛዛትን ሕግጋትን እዙይ እዩ።
← Chapter 25
Chapter 27 →