bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Leviticus 25
Leviticus 25
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
እግዚኣብሄር ንሙሴ ኣብ ደብረ ሲና ኸምዙይ ኢሉ ተዛረቦ፦
2
ንደቂ እስራኤል ከምዙይ ኢልካ ንገሮም፦ ኣብታ ኣነ ዝህበኩም ምድሪ ምስ ኣተኹም፥ ኣብ ሻውዐይቲ ዓመት እታ ምድሪ ንእግዚኣብሄር ሰንበት ተኽብር።
3
ሽዱሽተ ዓመት ግራትካ ዝራእ፥ ሽዱሽተ ዓመት ከዓ ወይንኻ ጠጥፍ፤ ፍረኣ ድማ ኣክብ።
4
በታ ሻውዐይቲ ናይ ዕረፍቲ ዓመት ግና እታ ምድሪ ንእግዚኣብሄር ሰንበት ትኹን። ግራትካ ኣይትዝራእ፥ ወይንኻ እውን ኣይትቝረፅ።
5
ነቲ እንተይተዘርአ ባዕሉ ዝበቊል ኣይትዕፀዶ፤ ነቲ እንተይገረዝካዮ ዝፈረየ ኣስካል ወይንኻ ድማ ኣይትቐንጥቦ። ነታ ምድሪ ዓመት ዕረፍቲ ሰንበት ይኹን።
6
እታ ምድሪ በታ ዓመት እቲኣ እንተ ዘይተሓርሰት እኳ ንኣኻን ንኣገልጋሊኻን ንኣገልጋሊትካን ንዕሱብካን ግዙእኻን ንግዝእትኻን ነቲ ምሳኻ ዝነብር ስደተኛን ምግብኹም ክትህብ እያ።
7
ኵሉ ፍረኣ ንእንስሳኻን ኣብ ምድርኻ ንዘለዉ ኣራዊትን ቀለብ ይኹን።
8
ሸውዓተ ሻዕ ሸውዓተ ዓመት ቍፀር፤ ድምሩ ኣርብዓን ትሽዓተን ዓመት ይኹነልካ።
9
ብዓስረይቲ መዓልቲ ናይታ ሻውዐይቲ ወርሒ፥ ብመዓልቲ ስርየት ሓጢኣት፥ ኣብ ኵላ ሃገርኩም መለኸት ንፍሑ።
10
ነታ መበል ሓምሳ ዓመት ቀድስዋ፤ ኣብታ ምድሪ ንዝነብሩ ዅሎም ከዓ ነፃነት ኣውጁ። እዚኣ ዓመት ኢዮቤልዩ ትኹነልኩም። ኵሉ ሰብ ነናብ ርስቱን ነናብ ወገኑን ይመለስ።
11
እዛ መበል ሓምሳ ዓመት እዚኣ ዓመት ኢዮቤልዩ ትኹነልኩም፤ ኣይትዝርኡ፤ እቲ ባዕሉ ኣብኣ ዝበቘለ ኸዓ ኣይትዕፀዱ፤ እቲ ዘይተጠጠፈ ወይኒ ድማ ኣይትቐንጥቡ።
12
እዚኣ ዓመት ኢዮቤልዩ ስለ ዝኾነት ቅድስቲ ትኹነልኩም፤ ግራት ባዕላ ዘፍረየቶ ጥራሕ ብልዑ።
13
በዛ ዓመት ኢዮቤልዩ፥ ዝኾነ ዝተሸጠ ርስቲ ናብ ናይ ቅድም ዋናኡ ይመለስ።
14
ንብፃይካ መሬት እንተ ሸጥካሉ፥ ወይ ካብ ብፃይካ እንተ ዓዲግካ፥ ሰብ ንብፃዩ ኣየታልል።
15
ካብ ብፃይካ መሬት ክትዕድግ እንተለኻ፥ ክሳዕ እታ እትመፅእ ዓመት ኢዮቤልዩ ዘሎ ቝፅሪ ዓመታት ቈፂርካ ዓድግ፤ ንሱ ድማ ብመጠን እታ ምድሪ እተፍርየለን ዓመታት ይሽጠልካ።
16
ብቝፅሪ ዓመታት መጠን እተፍርዮ ፍረ እዩ ዝሸጠልካ እሞ፥ ብመጠን ምብዛሕ ዓመታት ዋጋ ኣብዝሕ፤ ብመጠን ምውሓድ ዓመታት ድማ ዋጋ ኣውሕድ።
17
ሓደ እኳ ንብፃዩ ኣይዓምፅ፤ ንኣይ ንኣምላኽኩም ደኣ ፍርሑ፤ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ።
18
ሕግጋተይን ትእዛዛተይን ሓልዉን ግበርዎን፤ ኣብታ ሃገር ድማ ብህድኣት ክትነብሩ ኢኹም።
19
እታ ምድሪ ኸዓ ፍረኣ ትህብ እሞ፥ በሊዕኹም ትፀግቡ፤ ኣብኣ እውን ብደሓን ትነብሩ።
20
እንተ ዘይዘራእናን ፍረ ድማ እንተ ዘየእተናን ደኣ በታ ሻውዐይቲ ዓመት እንታይ ክንበልዕ ኢና? እንተ በልኩም፥
21
በታ ሻድሸይቲ ዓመት በረኸተይ ክእዝዘልኩም እየ፤ ምድሪ ኸዓ ንሰለስተ ዓመት ዝኸውን ፍረ ኸተፍርየልኩም እያ።
22
በታ ሻምነይቲ ዓመት ድማ ኽትዘርኡ ኢኹም፤ ካብ ነባር እኽሊ ኸዓ ኽትበልዑ ኢኹም። እታ ታሽዐይቲ ዓመት፥ ፍሪኣ ኽሳዕ ዝኣቱ፥ እቲ ነባር ክትበልዑ ኢኹም።
23
ምድሪ ናተይ እያ፤ ንስኻትኩም ከዓ ኣብ ምድረይ እትነብሩ ጓኖት ኢኹም እሞ፥ ምድሪ ንሓዋሩ ኣይትሸየጥ።
24
መሬት ክሽየጥ እንተሎ እቲ ናይ ቅድም ዋናኡ መሊሱ ኽዕድጎ ግቡእ ኸም ዝኾነ ይፈለጥ።
25
ሓደ እስራኤላዊ ሓውካ ተሸጊሩ ኻብ ርስቱ እንተ ሸጠ፥ ዝቐርቦ ዘመዱ ነቲ ሓዉ ዝሸጦ ርስቲ ኸፊሉ ይምለሶ።
26
መሊሱ ዝዕድጎ ዘመድ እንተ ዘይብሉ፥ ደሓር ግና እንተ ሃብተመ፥ ንመኽፈሊ ዝኣክል እውን እንተ ረኸበ፥
27
እቲ መሬት ዝተሸጠሉ ዓመታት ይቝፀር እሞ፥ እቲ ዝተረፎ ነቲ ዝዓደገ ሂቡ፥ ናብ ርስቱ ይመለስ።
28
ንመምለሲኡ ዝኣክል ኣብ ኢዱ እንተ ዘይረኸበ ግና፥ እቲ ዝተዓደገ ኽሳዕ ዓመት ኢዮቤልዩ ኣብ ኢድ ዓዳጊኡ ይፅናሕ፤ በታ ዓመት ኢዮቤልዩ ሓራ ይውፃእ፤ ንሱ ድማ ናብ ርስቱ ይመለስ።
29
ሓደ ሰብ ኣብ ዝተቐፀረት ከተማ ዘላ ገዛ እንተ ሸጠ፥ እታ ዝሸጠላ ዓመት ክሳዕ እትመልእ ከም ብሓድሽ ክዕድጋ ይኽእል እዩ።
30
ክሳዕ ምሉእ ዓመት እንተ ዘይዓደጋ ግና እታ ኣብ ዝተዓረደት ከተማ ዘላ ቤት ንሓዋሩ ነቲ ዝዓደጋ ንውሉድ ወለዶኡ ትኹን፤ ብዓመት ኢዮቤልዩ እውን ኣይትውፃእ።
31
ኣብ ዙርያአን ቅፅሪ ኣብ ዘይብለን ዓድታት ዘለዋ ኣባይቲ ግና ኸም ግራውቲ ሃገር ይተሓሰባ፤ እቲ ዋና መሊሱ ኽዕድገን ይኽእል እዩ፤ ብዓመት ኢዮቤልዩ ድማ ሓራ የውፅኣ።
32
ብዛዕባ ኸተማታት ሌዋውያን ግና፥ ነተን ኣብ ከተማታት ርስቶም ዘለዋ ኣባይቲ ኣብ ዝኾነ ጊዜ ኸፊሎም ክመልስወን ይኽእሉ እዮም።
33
ሓደ ሌዋዊ ኻብዘን ኣብ ከተማታት ሌዋውያን ዘለዋ ኣባይቲ፥ ቤት እንተ ሸጠ፥ መሊሱ ኽዕድጋ ድማ እንተ ዘይከኣለ፥ እታ ቤት ብዓመት ኢዮቤልዩ ሓራ ትውፃእ። እተን ኣብ ከተማታት ሌዋውያን ዘለዋ ኣባይቲ ኣብ ማእኸል ደቂ እስራኤል ርስቲ ሌዋውያን እየንሞ።
34
ኣብ ዙርያ ኸተማታቶም ዘለዋ ግራውቲ ግና፥ ናይ ዘለኣለም ርስቶም እየን እሞ ኣይሸየጣ።
35
ሓውካ እንተ ደኸየ እሞ ምሳኻ እናሃለወ እንተ ሰኣነ፥ ከም ጓናን ከም ጋሻን ጌርካ ምሳኻ ኣንብሮ።
36
ካብኡ ሃረፃ ወይ ወለድ ኣይትውሰድ። ንእግዚኣብሄር ንኣምላኽካ ደኣ ፍራሕ፤ ሓውካ ኸዓ ምሳኻ ይንበር።
37
ገንዘብካ ብሃረፃ ኣይተለቅሓዮ፤ እኽልኻውን ብወለድ ኣይትሃቦ።
38
ኣምላኽ ክኾነኩምን ምድሪ ከነዓን ክህበኩምን ካብ ግብፂ ዘውፃእኹኹም ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ።
39
ሓውካ ምሳኻ እንተሎ እንተ ደኸየ፥ ባዕሉ ንባዕሉ እንተ ሸጠልካ፥ ከም ባርያ ጌርካ ኣይትግዝኣዮ።
40
ከም በዓል ዓስብን ከም ስደተኛን ምሳኻ ይንበር። ክሳዕ ዓመት ኢዮቤልዩ ድማ የገልግልካ።
41
ሽዑ ንሱን ደቁን ካባኻ ሓራ ይውፅኡ፤ ናብ ዓሌቶምን ናብ ርስቲ ኣቦታቶምን ከዓ ይመለሱ።
42
ደቂ እስራኤል ካብ ግብፂ ዘውፃእኽዎም ኣገልገልተይ እዮም እሞ ኸም ባርያ ኣይሸየጡ።
43
ኣጨኒቕካ ኣይትግዝኣዮም፤ ንኣምላኽካ ደኣ ፍራሕ።
44
ንኣኻትኩም ዝኾኑ ተባዕታይ ባርያን ኣንስተይቲ ባርያን ግና ኣብ ዙርያኹም ካብ ዘለዉ ህዝብታት ግዝኡ።
45
ካብ ደቂ እቶም ምሳኻትኩም ዝነብሩ ጓኖትን ኣብ ሃገርኩም ካብ ዝተወለዱ ዓሌቶምን ዓድጉ እሞ፥ ጥሪት ይኹኑኹም።
46
ብድሕሬኹም ድማ ንደቅኹም ከም ጥሪት ርስቲ ኣውርስዎም፤ ንሳቶም ንውሉድ ወለዶ ኸገልግሉኹም እዮም። ነሕዋትኩም ደቂ እስራኤል ግና ንሓደ እኳ ኣጨኒቕኩም ኣይትግዝእዎ።
47
ኣብ ማእኸልኩም ዝነብር ጓና ወይ ጋሻ እንተ ሃብተመ፥ ሓደ እስራኤላዊ ሓውኩም ከዓ እንተ ደኸየ እሞ፥ ኣብ ሓደ ኣብ ማእኸልኩም ንዝነብር ጓና ወይ ኣብ ሓደ ኻብ ዓሌት ጓና ባዕሉ ንባዕሉ እንተ ሸጠ፥
48
ሓራ ኽወፅእ ይኽእል እዩ እሞ ሓደ ኻብ ኣሕዋቱ ይቤዘዎ።
49
ሓወቦኡ ወይ ወዲ ሓወቦኡ ወይ ካብ ዓሌቱ ሓደ ዘመዱ ይቤዘዎ፤ ወይ ኣብ ኢዱ እንተ ረኸበ፥ ንባዕሉ ይቤዘዎ።
50
ካብታ ዝተሸጠላ ዓመት ክሳዕ ዓመት ኢዮቤልዩ ምስቲ ዝዓደጎ ኾይኑ ይፀብፅብ፤ ዋጋ ሓርነቱ ብመጠን ቍፅሪ እተን ተሪፈን ዘለዋ ዓመታት ኮይኑ፥ በቲ ንሓደ ዕሱብ ዝኽፈሎ ውዕለት ይገምገም።
51
ገና ብዙሕ ዓመታት ተሪፉ እንተ ሃልዩ ግና ሓራ ኽወፅእ ብመጠን እተን ዓመታት ካብቲ ዝተሸጠሉ ገንዘብ ይምለስ።
52
ክሳዕ ዓመት ኢዮቤልዩ ቑሩብ ዓመታት እንተ ተሪፉ፥ ምስቲ ዝዓደጎ ፀብፂቡ ኸም መጠን ዓመታቱ ዋጋ መቤዘዊኡ ይምለስ።
53
ከም ዕሱብ ዓመት ዓመት ከም ዝተቘፀረ ጌርካ ይገመት፤ እቲ ጐይታኡ ኣጨኒቑ ኣይግዝኣዮ።
54
በዝ ኸምዙይ ሓራ እንተ ዘይወፀ ግና፥ ንሱን ደቁን ብዓመት ኢዮቤልዩ ሓራ ይውፅኡ፤
55
ደቂ እስራኤል ባሮተይ እዮም እሞ። ንሳቶም ካብ ግብፂ ዘውፃእኽዎም ባሮተይ እዮም፤ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ።
← Chapter 24
Chapter 26 →