bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Leviticus 27
Leviticus 27
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
እግዚኣብሄር ንሙሴ ኸምዙይ ኢሉ ተዛረቦ፦
2
ንደቂ እስራኤል ከምዙይ ኢልካ ንገሮም፦ ዝኾነ ሰብ፥ ቤዛ ነፍሱ ንእግዚኣብሄር ክህብ እንተ ተመባፅዐ፥ ንስኻ ኸም እትግምቶ ዋጋ እቲ ሰብ ይኸፍል። ከፊሉ ኽቢዘዎ እንተ ደለየ፥ ከምዝ ዝስዕብ ይኽፈል፦
3
ብሚዛን ቤተ መቕደስ፥ ካብ ዕስራ ዓመት ክሳዕ ስሳ ዓመት ዝዕድመኣቶም፥ ንሰብኣይ ሓምሳ ሰቕሊ ብሩር ይኹን።
4
ንሰበይቲ ሰላሳ ብሩር ይኽፈል።
5
ካብ ሓሙሽተ ዓመት ክሳዕ ዕስራ ዓመት ዝዕድመኣቶም፥ ንወዲ ዕስራ ሰቕሊ ብሩር፥ ንጓል ድማ ዓሰርተ ሰቕሊ ብሩር ይኹን፤
6
ካብ ሓደ ወርሒ ኽሳዕ ሓሙሽተ ዓመት ዝዕድመኣቶም፥ ንወዲ ሓሙሽተ ሰቕሊ ብሩር፥ ንጓል ከዓ ሰለስተ ሰቕሊ ብሩር ይኹን።
7
ልዕሊ ስሳ ዓመት ዝዕድመኣቶም፥ ንሰብኣይ ዓሰርተ ሓሙሽተ ሰቕሊ ብሩር፥ ንሰበይቲ ድማ ዓሰርተ ሰቕሊ ብሩር ይኹን።
8
እቲ ዝተመባፅዐ ነዙይ ክኸፍል ዘይኽእል ድኻ እንተ ኾይኑ፥ ነቲ ብመብፅዓ ዝተወፈየ ሰብ ኣብ ቅድሚ ኻህን ደው የብሎ። እቲ ኻህን ከዓ ዓቕሙ ሪኡ ዝኽእሎ ዋጋ ይገምግመሉ።
9
እቲ ዝተመባፅዖ ንእግዚኣብሄር ክቐርብ ዝኽእል ካብ እንስሳ እንተ ኾይኑ፥ እቲ ንእግዚኣብሄር ዝተውሃበ ቅዱስ እዩ።
10
ነቲ ሰናይ ብሕማቕ፥ ነቲ ሕማቕ ድማ ብሰናይ ኣይለውጥ፤ ወይ ኣይተክእ። ሓደ እንስሳ ብሓደ እንስሳ እንተ ለወጠ ግና፥ እቲ ቐዳማይን እቲ መላውጡን ዝተቐደሱ ይኾኑ።
11
እቲ ዝተመባፅዖ ኻብቶም ንእግዚኣብሄር ዘይቐርቡ ርኹሳት ዝኾኑ እንስሳ እንተ ኾነ ኸዓ፥ ነቲ እንስሳ ኣብ ቅድሚ ኻህን ደው የብሎ።
12
እቲ ኻህን ድማ፥ ንፁህ እንተ ኾይኑ ወይ ዝረኸሰ እንተ ኾይኑ፥ ይገምግሞ። ዋጋኡ ኸዓ ኸምቲ ንሱ ዝገመቶ ይኹን።
13
ክብይዘዎ እንተ ደለየ ድማ ሓምሻይ ኢድ ናይቲ ዋጋኡ ወሲኹ ይቤዘዎ።
14
ሓደ ሰብ ገዛኡ ንእግዚኣብሄር ክትከውን እንተ ቐደሳ፥ እቲ ኻህን ነታ ገዛ ፅባቐኣ ወይ ምሕማቓ ይገምግማ። ዋጋኣ ኸዓ ኸምቲ ኻህን ዝገመታ ይኹን።
15
እቲ ገዛኡ ንእግዚኣብሄር ክኸውን ዝሃባ፥ መሊሱ ኽዕድጋ እንተ ደለየ ኣብቲ ዋጋኣ ሓምሻይ ኢድ ይወስኽ እሞ ናቱ ትኹን።
16
ሓደ ሰብ ካብ ርስቱ ንእግዚኣብሄር እንተ ቐደሳ፥ ዋጋኡ በቲ ዝውድኦ ዘርኢ ይገመት፤ ብመስፈሪ ሆሜር ስገም ሓምሳ ሰቕሊ ብሩር ይኽፈል።
17
ነታ ግራቱ ድሕሪ ዓመት ኢዮቤልዩ ንእግዚኣብሄር ክህብ እንተ ቐደሳ፥ ዋጋኣ ኸም ናይ ቅድሙ ይኹን እምበር ኣይለወጥ።
18
ዓመት ኢዮቤልዩ ምስ ሓለፈ ግራቱ ንእግዚኣብሄር ክህብ እንተ ተመባፅዐ፥ እቲ ኻህን ብቝፅሪ እተን ክሳዕ ዓመት ኢዮቤልዩ ተሪፈን ዘለዋ ዓመታት ዋጋኣ ይሕሰበሉ፤ ካብቲ ዋጋኣ ድማ ይጕደል።
19
እቲ ግራቱ ብመብፅዓ ንእግዚኣብሄር ዝሃበ፥ መሊሱ ኽዕድጋ እንተ ደለየ፥ ኣብቲ ዋጋኣ ሓምሻይ ኢድ ይወስኽ እሞ ናቱ ትኹን።
20
ነታ ግራት መሊሱ ኽዕድጋ እንተ ዘይደለየ እሞ ናብ ካልእ ሰብ እንተ ሸጣ ብድሕሪኡ መሊሱ ኽዕድጋ ኣይኽእልን እዩ።
21
ብዓመት ኢዮቤልዩ ሓራ ምስ ወፀት፥ እታ ግራት ንእግዚኣብሄር ዝተወፈየት ቅድስቲ ትኹን፤ ርስቲ ኻህናት ከዓ ትኹን።
22
ሓንቲ ኻብ ርስቱ ዘይኮነት፥ ግና ዝዓደጋ ግራት ብመብፅዓ ንእግዚኣብሄር እንተ ወፈየ ድማ፥
23
ሽዑ እቲ ኻህን ብቝፅሪ እተን ክሳዕ ዓመት ኢዮቤልዩ ተሪፈን ዘለዋ ዓመታት ዋጋኣ ይሕሰበሉ፤ በታ መዓልቲ እቲኣ ኸዓ ይኽፈል። እቲ ገንዘብ ናይ እግዚኣብሄር እዩ።
24
ብዓመት ኢዮቤልዩ ግና እታ ግራት ናብቲ ዝሸጣ፥ ናብቲ በዓል ርስቲ ትመለስ።
25
ኵሉ ኣገማምታኻ ብሚዛን ሰቕሊ መቕደስ ይኹን። ሓደ ሰቕሊ ዕስራ ጌራ እዩ።
26
በዅሪ እንስሳ ዝኾነ ናተይ ናይ እግዚኣብሄር ስለ ዝኾነ፥ ብመብፅዓ ንእግዚኣብሄር ኣይውፈን እዩ። በዅሪ ብዕራይ ኮነ በዅሪ በጊዕ ኵሉ ናተይ ናይ እግዚኣብሄር እዩ።
27
በዅሪ ዝረኸሰ እንስሳ እንተ ኾነ ግና፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ዋጋኡ ሓምሻይ ኢድ ወሲኹ ይዓድጎ። እንተ ዘይዓደጎ ግና ብዋጋኡ ይሸየጥ።
28
ሰብ ብመብፅዓ ንእግዚኣብሄር ይኹን ኢሉ ዝወፈዮ ዅሉ፥ ብገንዘብ ወይ ሰብ ወይ እንስሳ ወይ ግራት ርስቱ ኣይሸየጥ፤ ኣይቤዘዎውን። ዝተወፈየ ዅሉ ንእግዚኣብሄር ቅዱሰ ቅዱሳን እዩ።
29
ካብ ሰብ ሕሩም ዝኾነውን ካሳዕ ዝሞት ኣይቤዘውን።
30
ኵሉ ዓስራት ምድሪ፥ ወይ ዘርኢ ምድሪ ወይ ፍረ ኦም፥ ንእግዚኣብሄር ዝተቐደሰ እዩ።
31
ሰብ ነቲ ዓስራት ክቢዘዎ እንተ ደለየ፥ ኣብ ልዕሊ ዋጋኡ ሓምሻይ ኢድ ወሲኹ ይቤዘዎ።
32
ካብ ኵሉ ኸፍቲ ኻብ ዓሰርተ ሓደ፥ ካብቲ ትሕቲ በትሪ እቲ ጓሳ ዝሓልፍ፥ በጊዕን ጤልን ድማ ኻብ ዓሰርተ ሓደ ንእግዚኣብሄር ዝተቐደሰ ይኸውን።
33
ፅቡቕ ወይ ክፉእ ኢሉ ኣይመርምር፤ ኣይለውጥ። እንተ ለወጠ ግና፥ ንሱን እቲ መላውጡን ንኣይ ዝተቐደሱ ይኹኑ። ክቢዘዎውን ኣይኽእልን እዩ።
34
እቲ እግዚኣብሄር ንደቂ እስራኤል፥ ኣብ ደብረ ሲና ንሙሴ ዝሃቦም ትእዛዛት እዚኣቶም እዮም።
← Chapter 26