bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Leviticus 19
Leviticus 19
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦
2
ንዅሎም ማሕበር ደቂ እስራኤል ከምዙይ በሎም፦ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ቅዱስ እየ እሞ፥ ንስኻትኩምውን ቅዱሳን ኩኑ።
3
ነፍሲ ወከፍኩም እኖኡን ኣቦኡን ይፍራሕ። ሰናብተይ ከዓ ሓልዉ። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ።
4
ናብ ጣዖታት ኣይተግልሱ፤ ብፍሲ ዝተሰርሑ ኣማልኽቲ ድማ ኣይትግበሩ፤ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ።
5
ንኣይ ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ምስጋና ክትስውኡለይ እንተለኹም ደስ ከም ዘብለኒ ጌርኩም ሰውኡለይ።
6
በታ እትስውኡላ መዓልትን ንፅባሒታን ይበላዕ። እቲ ኽሳዕ ሳልሰይቲ መዓልቲ ዝተረፈ ግና ብሓዊ ይቃፀል።
7
ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ እንተ ተበልዐ ዘፀይፍ እዩ እሞ እቲ መስዋእቲ ኣይቅቡልን እዩ።
8
እቲ ዝበልዖ ድማ፥ እቲ ንእግዚኣብሄር ዝተቐደሰ ኣርኪሱ እዩሞ፥ ሓጢኣቱ ኽስከም እዩ፤ ካብ ህዝቡ ኸዓ ይወገድ።
9
እኽልኻ ኽትዓፅድ እንተለኻ፥ ነቲ ደረት ግራትካ ፈፂምካ ኣይትዕፀዶ። ነቲ ቐሪም ዓፂድካ ኣይትቐርም።
10
ቀሪም ወይንኻውን ኣይትቐርም። ነቲ ዝወደቐ ቐሪም ከዓ ኣይትእረዮ፤ ንድኻን ንስደተኛን ደኣ ሕደጎ፤ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ።
11
ኣይትስረቕ፤ ኣይትኽሓድ፤ ንስንሳትኩም ሕሶት ኣይትነጋገሩ።
12
ስም ኣምላኽካ ኸይተርክስ፥ ብስመይ ብሓሰት ኣይትምሓል፤ ኣነ እግዚኣብሄር እየ።
13
ንብፃይካ ኣይትዓምፆ፤ ወይ ኣይትኽተሮ፤ ደመወዝ ሰራሕተኛ ንሓደ ለይቲ እኳ ምሳኻ ኣይሕደር።
14
ንፀማም ኣይትፅረፎ፤ ኣብ ቅድሚ ዕዉር ድማ መዐንቀፊ ኣይተንብር፤ ንኣምላኽካ ደኣ ፍራሕ፤ ኣነ እግዚኣብሄር እየ።
15
ፍርዲ ኣይተቐይንን፤ ንዅሉ ብቕንዕና ደኣ ፍረድ እምበር ንድኻ ገፁ ርኢኻ ኣይተዳሉ፤ ንሃብታምውን ገፁ ርኢኻ ኣይተኽብሮ።
16
ኣብ ማእኸል ህዝብኻ ሓሜት ክትነዝሕ ኢልካ ኣይትዙር፤ ኣብ ልዕሊ ደም ብፃይካ ኣይትቑም፤ ኣነ እግዚኣብሄር እየ።
17
ንሓውካ ብልብኻ ኣይትፅልኣዮ፤ ብምኽንያት በደል ብፃይካ፥ ሓጢኣት ከይኾነካ ገስፆ።
18
ንሓደ ኻብ ህዝብኻ ሕነ ኣይትፍደን ኣይትቀየምን፤ ንብፃይካስ ከም ርእስኻ ደኣ ኣፍቅሮ፤ ኣነ እግዚኣብሄር እየ።
19
ሕግጋተይ ሓሉ፤ ንሓደ እንስሳ ምስ ካልእ ዓይነት እንስሳ ኣይተዳቕል። ኣብ ግራትካ ኽልተ ዓይነት ዘርኢ ኣይትዝራእ። ብኽልተ ዓይነት ዝተኣልመ ኽዳን ኣይትከደን።
20
ሓደ ሰብ ምስ ሓንቲ ዋጋ ሓርነታ ዘይተኸፍለላ፥ ወይ ሓርነት ዘይተውሃባ፥ ንሓደ ሰብኣይ ዝተሓፅየት ባርያ ዝኾነት ጓል፥ ደቂሱ እንተ ተረኽበ ኽልቲኦም ይቀፅዑ። ሓራ ስለ ዘይወፀት ግና ኣይቀተሉ።
21
ግና እቲ ሰብኣይ ክንዲ በደሉ ዝስዋእ ሓደ ማጕላ ናብ እግዚኣብሄር፥ ናብቲ መራኸቢ ድንኳን የምፅእ።
22
ስለ እቲ ዝገበሮ ሓጢኣቱ ኸዓ እቲ ኻህን በቲ ኽንዲ በደል ዝስዋእ ማጕላ ገይሩ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር የስተስርየሉ፤ እቲ ዝገበሮ ሓጢኣቱ ድማ ይቕረ ኽበሃለሉ እዩ።
23
ናብታ ምድሪ ምስ ኣተኹም፥ ኵሉ ዓይነት ዝብላዕ ኦም ድማ ምስ ተኸልኩም፥ ነቲ ፍረኡ ኸም ዘይተገርዘ ጌርኩም ረአይዎ። ሰለስተ ዓመት ከም ዘይተገርዘ ይኹንኩም፤ ኣይበላዕውን።
24
ፍረ እታ ራብዐይቲ ዓመት ግና ንምስጋና እግዚኣብሄር ዝተቐደሰ ይኹን።
25
ኣብ ሓምሸይቲ ዓመት ግና ፍረኡ ብልዑ፤ ስለዙይ ከዓ በዚሑ ኽፈርየልኩም እዩ፤ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ።
26
ምስ ደሙ ዘሎ ስጋ ኣይትብልዑ። ኣይትጠንቍሉ፤ ኣይተማርቱውን።
27
ፀጕሪ ርእስኻ ዙርያኡ ኣይተሕፅር፤ ፅሕምኻ እውን ዙርያኡ ኣይትቝረፅ።
28
ሰብ እንተ ሞተኩም ስጋኹም ኣይትባሕጭሩ፤ ብውቃጦ ድማ ምልክት ኣይትግበሩ፤ ኣነ እግዚኣብሄር እየ።
29
እቲ ህዝቢ ኸየመንዝር፥ ብርኽሰት ድማ ኸይመልእ፥ ንጓልካ ኣመንዝራ ጌርካ ኣይተርክሳ።
30
ሰናብተይ ሓልዉ፤ መቕደሰይ ከዓ ኣኽብሩ፤ ኣነ እግዚኣብሄር እየ።
31
ናብቶም ፀዋዕቲ መናፍስትን ምውታንን ናብ ጠንቈልትን ኣይትኺዱ። ብኣኣቶም ከይትረኽሱውን ኣይትድለይዎም፤ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ።
32
ኣብ ቅድሚ ኣረጋዊ ተስእ፤ ንሽማግለውን ኣኽብር፤ ንኣምላኽካ እውን ፍራሕ፤ ኣነ እግዚኣብሄር እየ።
33
ጓና ምሳኻትኩም ኣብ ሃገርኩም እንተ ተቐመጠ ኣይትግፍዕዎ።
34
ንስኻትኩም እውን ኣብ ምድሪ ግብፂ ጓኖት ኔርኩም ኢኹም እሞ፥ እቲ ምሳኻትኩም ዝነብር ጓና ኣባኻትኩም ከም ወዲ ዓዲ ይኹን፤ ከም ርእስኹምውን ፍተውዎ፤ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ።
35
ብፍርዲ ኾነ፥ ክትዕቅን፥ ክትመዝን፥ ክትሰፍር እንተለኻ ኣይትዓምፅ።
36
ቅኑዕ መለክዒ፥ ቅኑዕ ሚዛን፥ ቅኑዕ መስፈሪ ይሃሉኹም። ካብ ምድሪ ግብፂ ዘውፃእኩኹም ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ።
37
እምበኣርከስ ኵሉ ሕግጋተይን ኵሉ ትእዛዛተይን ሓልዉ፤ ግበርዎውን፤ ኣነ እግዚኣብሄር እየ።
← Chapter 18
Chapter 20 →