bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Leviticus 20
Leviticus 20
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ ኢሉ ተዛረቦ፦
2
ንደቂ እስራኤል ከምዙይ በሎም፦ ዝኾነ እስራኤላዊ፥ ወይ ኣብ እስራኤል ካብ ዝነብሩ ጓኖት፥ ካብ ደቁ ንጣዖት ሞሎኽ ዝህብ ይቀተል፤ ህዝቢ እስራኤል ከዓ ብእምኒ ቐጥቂጦም ይቕተልዎ።
3
መቕደሰይ ከርክስን ቅዱስ ስመይ ከዓ ኸሕስርን፥ ካብ ደቁ ንጣዖት ሞሎኽ ሂቡ እዩ እሞ፥ ብኣይ ፅሉእ ክኸውን እዩ፤ ካብ ህዝቡ ድማ ኸጥፍኦ እየ።
4
እቲ ሰብ እቱይ ካብ ደቁ ንጣዖት ሞሎኽ ክህብ እንተሎ፥ እቶም ህዝቢ ኽንዲ ዝቐትልዎ ሸለል እንተ በልዎ፥
5
እቲ ሰብ እቱይን ስድራኡን ብኣይ ፅሉኣት ክኾኑ እዮም። ንእኡን ነቶም ንኣይ ጠሊሞም ንሞሎኽ ከምልኹ ዝስዕብዎ ዅሎምን ካብ ህዝቦም ፈልየ ኸጥፍኦም እየ።
6
ንፀዋዕቲ መናፍስትን ንጠንቈልትን ምእንቲ ምስኣቶም ከመንዝር ዝስዕብ ሰብ፥ ብኣይ ፅሉእ ክኸውን እዩ፤ ካብ ህዝቡ ድማ ፈልየ ኸጥፍኦ እየ።
7
ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ቅዱስ እየሞ፥ ስለዙይ ንስኻትኩምውን ቅዱሳን ኩኑ።
8
ሕግጋተይ ሓልዉ፤ ፈፅምዎውን፤ ዝቕድሰኩም ኣነ እግዚኣብሄር እየ።
9
ዝኾነ ሰብ ነቦኡ ወይ ንኖኡ ዝፀረፈ ብሞት ይቀፃዕ። ንኖኡን ነቦኡን ፀሪፉ እዩ እሞ፥ ደሙ ኣብ ልዕሊኡ እዩ።
10
ምስ ሰበይቲ ሰብኣይ ዝዘመወ ሰብ፥ ምስ ሰበይቲ ብፃዩ ስለ ዝዘመወ፥ እቲ ዝዘመወን እታ ዝዘመወትን ይቀተሉ።
11
ምስ ሰበይቲ ኣቦኡ ዝደቀሰ ሰብ፥ ንሕፍረት ኣቦኡ ቐሊዑ እዩ እሞ፥ ክልቲኦም ይቀተሉ፤ ደሞም ኣብ ልዕሊኣቶም እዩ እሞ።
12
ምስ ሰበይቲ ወዱ ዝደቐሰ ሰብ፥ ክልቲኦም ይቀተሉ፤ ነውሪ ገይሮም እዮም እሞ፥ ደሞም ኣብ ልዕሊኣቶም እዩ።
13
ሰብኣይ ከም ምስ ሰበይቲ ምስ ሰብኣይ እንተ ደቀሰ፥ ክልቲኦም ነውሪ ገይሮም እዮም እሞ ይቀተሉ፤ ደሞም ኣብ ልዕሊኣቶም እዩ።
14
ሓደ ሰብ፥ ንኖኣን ንጓላን እንተ ኣእተወን፥ እዙይ ርኽሰት እዩ እሞ ንሱን ንሳተንን ብሓዊ ይቃፀሉ። ከምዙይ ዝበለ ርኽሰት ኣብ ማእኸልኩም ኣይረኸብ።
15
ሰብ ምስ እንስሳ እንተ ተራኸበ ይቀተል። ነታ እንስሳ እውን ቅተልዋ።
16
ሰበይቲ ድማ ኽትራኸቦ ኢላ ናብ ሓደ እንስሳ እንተ ቐረበት፥ ነታ ሰበይትን ነቲ እንስሳን ቅተልዎም፤ ደሞም ኣብ ልዕሊኣቶም እዩ እሞ ይቀተሉ።
17
ዝኾነ ሰብ ንጓል ኣቦኡ ወይ ንጓል እኖኡ ሓፍቱ ዝኾነት እንተ ኣእተወ፥ ሕፍረታ ድማ እንተ ቐልዐ ንሳውን ሕፍረቱ እንተ ቐልዐት፥ እዙይ ነውሪ እዩ እሞ፥ ኣብ ቅድሚ ህዝቦም ይቀተሉ። ንሱ ሕፍረት ቐሊዑ እዩሞ ሓጢኣቱ ኽስከም እዩ።
18
ዝኾነ ሰብ፥ ኣብ ፅገ ምስ ዝኾነት ሰበይቲ እንተ ደቀሰ፥ ሕፍረታ እንተ ቐልዐ፥ ፈሳሲኣ ቐሊዑ እዩሞ፥ ንሳ ኸዓ ፈሳሲኣ ኣቕሊዓ እያሞ፥ ካብ ማእኸል ህዝቦም ይወገዱ።
19
ናይ ሓፍቲ እኖኻን ወይ ናይ ሓፍቲ ኣቦኻን ሕፍረት ኣይትቕላዕ። እዙይ ዝገብር ናይ ቀረባ ዘመድ ሕፍረት ቀሊዑ እዩሞ፥ ክልቲኦም ሓጢኣቶም ክስከሙ እዮም።
20
ዝኾነ ሰብ ምስ ሰበይቲ ሓወቦኡ ብግብረ ስጋ እንተ ተራኸበ፥ ንሓወቦኡ ስለ ዘዋረዶ፥ በደለኛታት እዮም እሞ፥ ሓድጊ ዘይብሎም ይቀተሉ።
21
ዝኾነ ሰብ ሰበይቲ ሓዉ እንተ ኣእተወ፥ እዙይ ርኽሰት እዩ፤ ሕፍረት ሓዉ ስለ ዝቐልዐ ብዘይ ውሉድ ይቀተሉ።
22
እታ ኽትነብሩላ ኢለ ኣነ ናብኣ ዘእትወኩም ምድሪ ኸይትተፍአኩምስ፥ ኵሉ ሕግጋተይን ኵሉ ትእዛዛተይን ሓልዉን ፈፅሙን።
23
ብልማድ እቶም ኣነ ኻብ ቅድሜኹም ዝሰጎም ህዝቢ ኣይትኺዱ፤ እዝ ዅሉ ስለ ዝገበሩ እየ ዝፈንፈንክዎም።
24
ንስኻትኩም ግና ምድሮም ክትወርሱ ኢኹም፤ ኣነ ኸዓ “ነታ ፀባን መዓርን እተውሕዝ ምድሪ ንርስትኹም ክህበኩም እየ” በልኩኹም። ካብ ህዝብታት ዝፈለኹኹም ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ።
25
እምበኣርከስ ኣብ መንጎ ንፁሃትን ርኹሳትን እንስሳት፥ ኣብ መንጎ ርኹሳትን ንፁሃትን ኣዕዋፍ ፍለዩ። በቶም ርኹሳት ገይረ ዝፈለኹልኩም እንስሳን ኣዕዋፍን ኣብ ምድሪ ለመም ዝብልን፥ ርእስኹም ኣይተርክሱ።
26
ኣነ እግዚኣብሄር ቅዱስ እየ እሞ፥ ቅዱሳን ኩኑ፤ ናተይ ክትኮኑ ኸዓ ኻብ ህዝብታት ፈልየኩም እየ።
27
ሰብኣይ ወይ ሰበይቲ፥ መንፈስ ምውታን ዝፅውዑ፥ ወይ ጠንቈልቲ እንተ ኾይኖም ብእምኒ ተቐጥቂጦም ይቀተሉ፤ ደሞም ኣብ ልዕሊኣቶም እዩ።
← Chapter 19
Chapter 21 →