bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Leviticus 18
Leviticus 18
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦
2
ንደቂ እስራኤል ከምዙይ በሎም፦ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ።
3
ከም ግብሪ እታ ዝነበርኩምዋ ምድሪ ግብፂ ኣይትግበሩ። ከም ግብሪ እታ ኣነ ናብኣ ዘእትወኩም ሃገር ከነዓን ድማ ኣይትግበሩ፤ ብስርዓቶም እውን ኣይትንበሩ።
4
ብሕግጋተይ ንበሩ፤ ትእዛዛተይ ከዓ ሓልዉ፤ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ።
5
ሕግጋተይን ትእዛዛተይን ሓልዉ፤ እቲ ንኣኣተን ዝሕሉ ሰብ ብኣኣተን ብህይወት ክነብር እዩ፤ ኣነ እግዚኣብሄር እየ።
6
ሓደ ሰብ፥ ቀረባ ዘመዱ ንዝኾነት፥ ሕፍረታ ኽቐልዕ ኢሉ ኣይቕረባ፤ ኣነ እግዚኣብሄር እየ።
7
ሕፍረት ኣቦኻን ሕፍረት እኖኻን ኣይትቕላዕ፤ እኖኻ እያ እሞ ሕፍረታ ኣይትቕላዕ።
8
ሕፍረት ሰበይቲ ኣቦኻ ኣይትቕላዕ፤ ሕፍረት ኣቦኻ እዩ።
9
ሕፍረት ሓፍትኻ ኣይትቕላዕ፤ ጓል ኣቦኻ ወይ ጓል እኖኻ ኣብ ቤት እተወለደት ወይ ኣብ ወፃኢ እተወለደት ሕፍረታ ኣይትቕላዕ።
10
ናይ ጓል ወድኻ ወይ ናይ ጓል ጓልካ ሕፍረት ስጋ ኣይትቕላዕ፤ ሕፍረት ስጋኻ እዩሞ።
11
ሕፍረት ጓል ሰበይቲ ኣቦኻ ኣይትቕላዕ፤ ጓል ሰበይቲ ኣቦኻ ሓፍትኻ እያ እሞ።
12
ሕፍረት ሓፍቲ ኣቦኻ ኣይትቕላዕ፤ ንሳ ቐረባ ዘመድ ኣቦኻ እያ።
13
ሕፍረት ሓፍቲ እኖኻ ኣይትቕላዕ፤ ንሳ ቐረባ ዘመድ እኖኻ እያ።
14
ሕፍረት ሰበይቲ ሓው ኣቦኻ ኣይትቕላዕ፤ ዘመድካ እያሞ። ንሳ ሓፍቲ ኣቦኻ እያ።
15
ሕፍረት ሰበይቲ ወድኻ ኣይትቕላዕ፤ ንሳ ሰበይቲ ወድኻ እያ።
16
ሕፍረት ሰበይቲ ሓውካ ኣይትቕላዕ፤ ሕፍረት ሓውካ እዩ።
17
ሕፍረት እኖን ጓልን ኣይትቕላዕ፤ ሕፍረት ጓል ጓላን ሕፍረት ጓል ወዳንውን ኣይትቕላዕ፤ ንሳተን ቀረባ ኣዝማድ እየን እሞ ዝሙት እዩ።
18
ሰበይትኻ ብህይወታ እንተላ ሓፍታ ኽተቕንኣ፥ ሕፍረት ሓፍታ ኣይትቕላዕ።
19
ሰበይቲ ብፅገኣ ረኺሳ እንተላ ብግብረ ስጋ ኣይትራኸባ።
20
ንርእስኻ በኣኣ ኸይትረክስ፥ ሕፍረት ሰበይቲ ብፃይካ ኣይትቕላዕ።
21
ካብ ደቅኻ ንጣዖት ሞሎኽ ክስዋእ ኣሕሊፍካ ኣይተሃብ፤ ስም ኣምላኽካውን ኣይተርክስ፤ ኣነ እግዚኣብሄር እየ።
22
ምስ ሰበይቲ ኸም እትድቅስ፥ ምስ ሰብኣይ ኣይትደቅስ፤ እዙይ ርኽሰት እዩ።
23
ከይትረክስ ምስ ዝኾነ እንስሳ ኣይትራኸብ። ሰበይቲ ድማ ኽትራኸብ ኢላ ኣብ ቅድሚ እንስሳ ደው ኣይትበል፤ እዙይ ነውሪ እዩ።
24
እቶም ኣነ ኻብ ቅድሜኹም ዝሰጎም ህዝብታት በዝ ዅሉ ተግባራት እዙይ ረኺሶም እዮምሞ፥ በዙይ ኵሉ ኣይትርከሱ።
25
እታ ምድሪ በዙይ ረኸሰት፤ ስለዙይ ኣነ ኸዓ ንሓጢኣታ ኣብ ርእሳ ኽመልስ እየ። እታ ምድሪ ድማ ነቶም ዝነብርዋ ተፍአቶም።
26
ንስኻትኩም ግና ሕግጋተይን ትእዛዛተይን ሓልዉ፤ ወዲ ዓዲ ኾነ ወይ ኣብ መንጎኹም ዝነብር ጓና፥ ካብ ኵሉ እዝ ርኽሰት እዙይ ሓደኳ ኣይትግበሩ።
27
እዝ ዅሉ ርኽሰት እዙይ እቶም ቅድሜኹም ኣብኣ ዝነበሩ ህዝቢ ገይሮምዎ እዮም፤ ስለዙይ እታ ምድሪ ረኸሰት።
28
ነታ ምድሪ እንተ ደኣ ኣርኪስኩምዋ፥ ነቶም ቅድሜኹም ዝነበሩ ኸም ዝተፍአቶም፥ ንኣኻትኩምውን ክትተፍአኩም እያ።
29
ካብዝ ዅሉ ርኽሰት እዙይ ዝገበረ ሰብ፥ ካብ ህዝቡ ይወገድ።
30
ስለዙይ እቶም ቅድሜኹም ዝነበሩ ሰባት ዝገብርዎ ዝነበሩ ዝረኸሰ ስርዓታት ከይትገብሩ፤ ብእኡ ኸዓ ኸይትረኽሱ፤ እቲ ኽትሕልውዎ ኢለ ዝኣዘዝኩኹም ሓልዉ፤ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ።
← Chapter 17
Chapter 19 →