bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Leviticus 15
Leviticus 15
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴን ንኣሮንን ከምዙይ በሎም፦
2
ንደቂ እስራኤል ከምዙይ በልዎም፦ ሓደ ሰብ ካብ ሰብነቱ ፈሳሲ ነገር እንተ ፈሰሶ ረኺሱ እዩ።
3
እቲ ፈሳሲ ነገር ይፍሰስ ኣይፍሰስ ኣብ ሰብነቱ ኽሳዕ ዘሎ እቲ ሰብ እቱይ ረኺሱ እዩ።
4
እቲ ፈሳሲ ነገር ዘለዎ ሰብ ዝደቀሰሉ ዅሉ መደቀሲ ረኺሱ እዩ፤ ኵሉ ዝተቐመጠሉውን ርኹስ እዩ።
5
ኵሉ ንመደቀሲኡ ዝነኽአ ኽዳውንቱ ይሕፀብ፤ ብማይ ድማ ይተሓፀብ፤ ክሳዕ ምሸትውን ርኹስ እዩ።
6
ንሱ ኾፍ ኣብ ዝበሎ ኣቕሓ ኾፍ ዝብል ሰብ እውን፥ ክዳውንቱ ይሕፀብ፤ ብማይ ከዓ ይተሓፀብ፤ ክሳዕ ምሸት እውን ዝረኸሰ ይኸውን።
7
ነቲ ፈሳሲ ነገር ዝፈሰሶ ሰብ ዝነኽአ ድማ ኽዳውንቱ ይሕፀብ፤ ብማይ ከዓ ይተሓፀብ፤ ክሳዕ ምሸት እውን ዝረኸሰ ይኸውን።
8
እቲ ፈሳሲ ዝፈሰሶ ሰብ፥ ንሓደ ንፁህ ሰብ እንትፍ እንተበለሉ ኸዓ፥ እቲ እንትፍ ዝተብሃለሉ ሰብ ኽዳውንቱ ይሕፀብ፤ ብማይ ድማ ይተሓፀብ፤ ክሳዕ ምሸት እውን ዝረኸሰ ይኸውን።
9
ንሱ ዝተቐመጦ ዝኾነ ኾረቻ ኸዓ ዝረኸሰ ይኸውን።
10
ኣብ ትሕቲ ኮፍ ዝበለሉ ንዝነበረ ዅሉ ነገር ዝነኽአውን ክሳዕ ምሸት ዝረኸሰ ይኸውን፤ ነዙይ ዘልዓለ ኸዓ ኽዳውንቱ ይሕፀብ፤ ብማይ ድማ ይተሓፀብ፤ ክሳዕ ምሸት እውን ዝረኸሰ ይኸውን።
11
እቲ ሰብኣይ ኢዱ እንተይተሓፅበ ዝነኽኦ ሰብ ክዳውንቱ ይሕፀብ፤ ብማይ ከዓ ይተሓፀብ፤ ክሳዕ ምሸት እውን ዝረኸሰ ይኸውን።
12
ንሱ ዝነኽኦ ሻኽላ ይሰበር፤ ኵሉ ብዕንፀይቲ ዝተሰርሐ ኣቕሓ ኸዓ ብማይ ይተሓፀብ።
13
እቲ ዝፈስሶ ዝነበረ ምስ ሓደጎ ድማ እቲ ሰብኣይ ሸውዓተ መዓልቲ ይፀበ፤ ክዳውንቱ ኸዓ ይሕፀብ፤ ሰብነቱ ድማ ብፈልፋሊ ማይ ይተሓፀብ፤ ንፁህውን ይኸውን።
14
ኣብ ሻምነይቲ መዓልቲ ድማ ኽልተ ባሪቶ ወይ ክልተ ርግቢ ይውሰድ፤ ናብ ኣፍ ደገ እቲ መራኸቢ ድንኳን ናብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ይምፃእ፤ ነቲ ኻህን ከዓ ይሃቦ።
15
እቲ ኻህን ድማ፥ ነታ ሓንቲ ምእንቲ ሓጢኣት፥ ነታ ሓንቲ ድማ ንዝቃፀል መስዋእቲ ይሰውኣየን። ስለ እቲ ዝፈሰሶ ነገር ከዓ እቲ ኻህን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር የስተስርየሉ።
16
ሰብኣይ፥ ዘርኢ እንተ ፈሰሶ ዅሉ ሰብነቱ ብማይ ይተሓፀብ፤ ክሳዕ ምሸት እውን ዝረኸሰ ይኸውን።
17
እቲ ዘርኢ ዝነኽኦ ኽዳውንትን ማእስን ኵሉ ብማይ ይተሓፀብ፤ ክሳዕ ምሸት ከዓ ዝረኸሰ ይኸውን።
18
ሰብኣይ ምስ ሰበይቲ እንተ ደቀሰ፥ ዘርኢ ኸዓ እንተ ፈሰሶ፥ ክልቲኦም ብማይ ይተሓፀቡ፤ ክሳዕ ምሸት ከዓ ዝረኸሱ ይኾኑ።
19
ሰበይቲ ድማ፥ ኣብ እዋን ወርሓዊ ፅገኣ፥ ደም ካብ ሰብነታ እንተ ፈሰሰ፥ ንሸውዓተ መዓልቲ ርኽስቲ እያ፤ ዝነኽኣ ዅሉ ኸዓ ኽሳዕ ምሸት ዝረኸሰ ይኸውን።
20
ኣብ እዋን ወርሓዊ ፅገኣ ዝደቀሰትሉ ዅሉ ዝረኸሰ ይኸውን፤ ኮፍ ዝበለቶውን ዝረኸሰ ይኸውን።
21
ኵሉ መደቀሲኣ ዝነክአ ድማ ኽዳውንቱ ይሕፀብ፤ ብማይ ከዓ ይተሓፀብ፤ ክሳዕ ምሸት እውን ዝረኸሰ ይኸውን።
22
ንሳ ኾፍ ዝበለቶ ዅሉ ዝነኽአ ሰብ ድማ፥ ክዳውንቱ ይሕፀብ፤ ብማይ ከዓ ይተሓፀብ፤ ክሳዕ ምሸት እውን ዝረኸሰ ይኸውን።
23
ነቲ መደቀሲኣ ወይ ኮፍ ኢላቶ ዝነበረት ኣቕሓ ዝነክአ ሰብ፥ ክሳዕ ምሸት ዝረኸሰ ይኸውን።
24
ሰብኣይ ምስኣ ደቂሱ ደም ፅገኣ እንተ ነኽኦ፥ ንሸውዓተ መዓልቲ ዝረኸሰ ይኸውን፤ ኵሉ ንሱ ዝድቅሰሉ ኸዓ ዝረኸሰ ይኸውን።
25
ሰበይቲ፥ በቲ ጊዜ ፅገኣ ዘይኮነ፥ ነዊሕ መዓልቲ ደም እንተ ፈሰሳ፥ ወይ ሕልፊ ኻብቲ ጊዜ ፅገኣ እንተ ፈሰሳ፥ ምፍሳስ ወርሓዊ ፅገኣ ኽሳዕ ዘሎ፥ ከምቲ ብመዓልቲታት ፅገኣ ትኹን፤ ርኽስቲ እያ።
26
እቲ ምፍሳስ ደማ ኽሳዕ ዘሎ፥ ኵሉ መዓልቲታት ዝኾነ እትድቅሰሉ ዅሉ መደቀሲ ኸዓ ኸምቲ ብእዋን ፅገኣ እትድቅሰሉ መደቀሲ ዝረኸሰ ይኸውን። ኮፍ እትብሎ ዅሉውን ከምቲ ርኽሰት ፅገኣ ዝረኸሰ ይኸውን።
27
ኵሉ ነዙይ ዝነኽኦ ኸዓ ርኹስ እዩ፤ ክዳውንቱ ድማ ይሕፀብ፤ ብማይ ከዓ ይተሓፀብ፤ ክሳዕ ምሸትውን ዝረኸሰ ይኸውን።
28
ካብ ምፍሳስ ደማ እንተ ፀርያ ግና ንሸውዓተ መዓልቲ ትፅናሕ፤ ድሕሪኡ ንፅህቲ ትኸውን።
29
ኣብ ሻምነይቲ መዓልቲ ኸዓ ኽልተ ባሪቶ ወይ ክልተ ርግቢ ትውሰድ፤ ናብ ኣፍ ደገ እቲ መራኸቢ ድንኳን ድማ ተምፅኣዮ።
30
እቲ ኻህን ድማ ነታ ሓንቲ ምእንቲ ሓጢኣት፥ ነታ ሓንቲ ኸዓ ንዝቃፀል መስዋእቲ ይሰውኣየን። ካብ ርኽሰታ ምእንቲ ኽትነፅህ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር የስተስርየላ።
31
ነታ ኣብ ማእኸሎም ዘላ ማሕደረይ ብምርካሶም ብርኽሰቶም ከይሞቱስ፥ ንደቂ እስራኤል ካብ ዘርክሶም ነገር ከምዙይ ጌርኩም ፍለይዎም።
32
ብዛዕባ እቲ ኻብ ሰብነቱ ፈሳሲ ነገር ዘለዎ ሰብን፥ ናይቲ ዘርኡ ዝፈሰሶ እሞ፥ ብእኡ ዝረኸሰን፥ ብዛዕባ እታ ወርሓዊ ፅገ ዝኾነት ሰበይትን፥ ብዛዕባ ሰብኣይ ምስ ሰበይቲ ደቂሱ ዘርኢ እንተ ፈሰሶን፥ ብዛዕባ ምስ ዝረኸሰት ሰበይቲ ዝድቅስ ሰብኣይን ዝተሰርዐ ሕጊ እዙይ እዩ።
← Chapter 14
Chapter 16 →