bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Leviticus 14
Leviticus 14
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦
2
ብመዓልቲ ምንፃህ እቲ ዝሓመመ ሰብ ዝፍፅሞ ሕጊ እዙይ እዩ፦ ናብ ካህን የምፅእዎ።
3
እቲ ኻህን ከዓ ናብ ወፃኢ እቲ ሰፈር ከይዱ ይመርምሮ፤ እንሆ ኸዓ፥ እቲ ሕሙም ካብ ሕማም ለምፂ ሓውዩ እንተ ፀንሐ፥
4
ሽዑ እቲ ኻህን ስለ እቲ ዝነፅህ ሰብ፥ ብህይወተን ዘለዋ ኽልተ ንፁሃት ኣዕዋፍን ዕንፀይቲ ፅሕድን ውፁእ ቀይሕ ፈትልን ስምዕዛን ከምፅኡ ይኣዝዝ።
5
ከምኡ ኸዓ እቲ ኻህን ካብተን ኣዕዋፍ ሓዲአን ኣብ ልዕሊ እቲ ኻብ ፈልፋሊ ዝተቐድሐ ማይ ኣብ ዘለዎ ኣቕሓ መሬት ገይሮም ክሓርድዋ ይኣዝዝ።
6
ነታ ብህይወታ ዘላ ዒፍን ነቲ ዕንፀይቲ ፅሕድን ነቲ ውፁእ ቀይሕ ፈትልን ነቲ ስምዕዛን ይውሰድ እሞ ኣብ ደም እታ ኣብ ልዕሊ እቲ ፈልፋሊ ማይ ዝተሓርደት ዒፍ የጥልቆ።
7
ኣብ ልዕሊ እቲ ኻብ ሕማም ለምፂ ዝነፅህ ሰብ ከዓ ሸውዓተ ሻዕ ይንፀገሉ እሞ፥ ንፁህ ምዃኑ ይንገር፤ ነታ ብህይወታ ዘላ ዒፍ ድማ ንበረኻ ኽትከይድ ይስደዳ።
8
እቲ ዝነፅሀ ሰብ ክዳውንቱ ይሕፀብ፤ ኵሉ ፀጕሩ ድማ ይላፀ፤ ብማይ እውን ይተሓፀብ፤ ሽዑ ይነፅህ፤ ድሕሪዙይ ድማ ናብ ሰፈር ይእቶ፤ ግና ኣብ ወፃኢ ድንኳን ሸውዓተ መዓልቲ ይቀመጥ።
9
ኣብ ሻውዐይቲ መዓልቲ ድማ ዅሉ ፀጕሩ ይላፀ፤ ርእሱን ጭሕሙን ከበሮ ዓይኑን ኵሉ ፀጕሩን ይላፀ፤ ክዳውንቱ ይሕፀብ፤ ሰብነቱ ድማ ብማይ ይተሓፀብ፤ ሽዑ ንፁህ ይኸውን።
10
ኣብ ሻምነይቲ መዓልቲ ድማ ጐደሎ ዘይብሎም ክልተ ጡበታት ኣባጊዕን፥ ጐደሎ ዘይብላ ዓመት ዝገበረት ሓንቲ በጊዕን፥ ንመስዋእቲ እኽሊ ዝኸውን ብዘይቲ ዝተለወሰ ሰለስተ ኺሎ ልሑም ሕሩጭን ሓደ ሲሶ ሊትሮ ዘይትን የምፅእ።
11
እቲ ዘንፅህ ካህን ድማ ነቲ ዝነፅህ ሰብን ነቲ ንመስዋእቲ ዘምፅኦን፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር፥ ኣብ ኣፍ ደገ እቲ መራኸቢ ድንኳን የቕርቦም።
12
እቲ ኻህን ድማ ነቲ ሓደ ጡበት በጊዕ ምስቲ ሓደ ሲሶ ሊትሮ ዘይቲ ወሲዱ ኽንዲ በደል ይሰውኣዮ፤ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር እናወዝወዝካ ኸም ዝቐርብ መስዋእቲ ገይሩ ኸዓ የወፍዮ።
13
እቲ ምእንቲ ሓጢኣት ዝስዋእ ነቲ ኻህን ከም ዝኾነ፥ እቲ ኽንዲ በደል ዝስዋእ ከዓ ኸምኡ እዩ እሞ፥ እቲ ጡበት በጊዕ ኣብቲ ምእንቲ ሓጢኣት ዝስዋእን ንዝቃፀል መስዋእቲ ዝኸውንን ዝሕረዱላ ቦታ፥ ኣብ ቅዱስ ቦታ ይተሓረድ፤ ንሱ ቅዱሰ ቅዱሳን እዩ እሞ።
14
እቲ ኻህን ድማ ኻብ ደም እቲ ኽንዲ በደል ዝስዋእ ጡበት በጊዕ ይውሰድ፤ ነቲ ዝነፅህ ሰብ ከዓ የማነይቲ መስቈር እዝኑን ዓባይቶ የማነይቲ ኢዱን ዓባይቶ የማነይቲ እግሩን ይቕብኣዮ።
15
ካብቲ ሓደ ሲሶ ሊትሮ ዘይቲ ወሲዱ ድማ ኣብ ግናዕ ፀጋመይቲ ኢዱ የፍስሶ።
16
የማነይቲ ኣፃብዕቱ ኣብቲ ኣብ ፀጋመይቲ ኢዱ ዘፍሰሶ ዘይቲ ይጥማዕ እሞ ኻብቲ ዘይቲ በፃብዕቱ ሸውዓተ ሻዕ ናብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ይንፀግ።
17
ኣብ ልዕሊ ደም እቲ ኽንዲ በደል ዝስዋእ ጡበት በጊዕ ዝተለኽዮ ድማ፥ እቲ ኻህን ካብቲ ኣብ ኢዱ ዝተረፈ ዘይቲ ነቲ ዝነፅህ ሰብ ኣብ የማነይቲ መስቈር እዝኑን ኣብ ዓባይቶ የማነይቲ ኢዱን ኣብ ዓባይቶ የማነይቲ እግሩን ይቕብኣዮ።
18
ነቲ ኣብ ግናዕ ኢዱ ዝተረፈ ዘይቲ ኸዓ፥ ናብ ርእሲ እቲ ዝነፅህ ሰብ ይግበሮ፤ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ድማ የስተስርየሉ።
19
ሽዑ እቲ ኻህን ምእንቲ ሓጢኣት ዝስዋእ መስዋእቲ የቕርብ እሞ፥ ነቲ ኻብ ርኽሰቱ ዝነፅህ የስተስርየሉ። ብድሕሪኡ ድማ ንዝቃፀል መስዋእቲ ይሕረድ።
20
እቲ ኻህን ዝቃፀል መስዋእትን ናይ እኽሊ ቝርባንን ብሓደ ገይሩ ኣብ ልዕሊ መሰውኢ የቕርቦ። ነቲ ዝነፅህ ሰብ የስተስርየሉ፤ ንሱውን ንፁህ ይኸውን።
21
እቲ ዝነፅህ ሰብ ድኻ እንተ ኾይኑ፥ ኣብ ኢዱውን ገንዘብ እንተ ዘይብሉ ስርየት ሓጢኣት ምእንቲ ኽረክብ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር እናወዝወዘ ዝውፍዮ፥ ክንዲ በደል ዝስዋእ ሓደ ጡበት በጊዕ የምፅእ። ንቝርባን እኽሊ ዝኸውን ከዓ ሓደ ኺሎ ብዘይቲ ዝተለወሰ ልሑም ሕሩጭን ሓደ ሲሶ ሊትሮ ዘይትን የምፅእ።
22
ከምኡውን ሓንቲ ምእንቲ ሓጢኣት እትስዋእ፥ ሓንቲ ኸዓ ንዝቃፀል መስዋእቲ እትኸውን፥ ክልተ ባሪቶ ወይ ክልተ ርግቢ ኸም ዓቕሙ የምፅእ።
23
በታ ምንፃሁ ዝፍፀመላ ሻምነይቲ መዓልቲ ነዝ ነገር እዙይ ናብ ካህን፥ ናብ ኣፍ ደገ እቲ መራኸቢ ድንኳን፥ ናብ ቅድሚ እግዚኣብሄር የምፅኣዮ።
24
እቲ ኻህን ድማ ነቲ ኽንዲ በደል ዝስዋእ ጡበት በጊዕን ሓደ ሲሶ ሊትሮ ዘይትን ይውሰድ እሞ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር እናወዝወዝካ ኸም ዝቐርብ መስዋእቲ ገይሩ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር የወፍዮ።
25
ነቲ ኽንዲ በደል ዝስዋእ ጡበት በጊዕ ከዓ ይሕረዶ። እቲ ኻህን ድማ ኻብ ደም እቲ ኽንዲ በደል ዝስዋእ ጡበት በጊዕ ወሲዱ፥ ነቲ ዝነፅህ ሰብ የማነይቲ መስቘር እዝኑን ዓባይቶ የማነይቲ ኢዱን ዓባይቶ የማነይቲ እግሩን ይቕብኣዮ።
26
እቲ ኻህን ድማ ኻብቲ ዘይቲ ኣብ ግናዕ ፀጋመይቲ ኢዱ የፍስስ።
27
እቲ ኻህን ከዓ ኻብቲ ኣብ ፀጋመይቲ ኢዱ ዘሎ ዘይቲ ብየማነይቲ ኣፃብዕቱ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሸውዓተ ሻዕ ይንፀግ።
28
ኣብ ልዕሊ ደም እቲ ኽንዲ በደል ዝስዋእ ጡበት በጊዕ ዝተቐብአ ቦታ፥ እቲ ኻህን ነቲ ዝነፅህ ሰብ ካብቲ ኣብ ኢዱ ዘሎ ዘይቲ ኣብ የማነይቲ መስቈር እዝኑን ኣብ ዓባይቶ የማነይቲ ኢዱን ኣብ ዓባይቶ የማነይቲ እግሩን ይቕብኣዮ።
29
እቲ ኻህን ነቲ ኣብ ኢዱ ዝተረፈ ዘይቲ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ምእንቲ ኸስተስርየሉ ኣብ ርእሲ እቲ ዝነፅህ ሰብ የፍስሶ።
30
ከም ዓቕሙ ኸዓ ሓንቲ ኻብ ባሪቶ፥ ወይ ሓንቲ ኻብ ርግቢ ይሰውእ።
31
ምስቲ መስዋእቲ እኽሊ፥ ከም ዓቕሙ፥ ሓንቲ ኽንዲ ሓጢኣት እትስዋእ፥ ሓንቲ ድማ ንዝቃፀል መስዋእቲ እትኸውን ይሰውእ። እቲ ኻህን ከዓ ነቲ ዝነፅህ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር የስተስርየሉ።
32
ብዛዕባ እቲ ሕማም ለምፂ ዘለዎ እሞ ንምንፃሁ ዘድሊ ስሩዕ መስዋእቲ ኸቕርብ ዓቕሚ ንዘይብሉ ሰብ፥ ሕጉ እዙይ እዩ።
33
እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴን ንኣሮንን ከምዙይ በሎም፦
34
ናብቲ ኣነ ንርስቲ ዝህበኩም ምድሪ ከነዓን ምስ ኣተኹም እሞ ኣብታ ዝወረስኩምዋ ሃገር ናብ ሓንቲ ገዛ ሕማም ለምፂ እንተ ሰደድኩ፥
35
ሽዑ እቲ በዓል ገዛ ናብቲ ኻህን መፂኡ “ኣብ ገዛይ ከም ሕማም ለምፂ ዝመስል ሪአ” ኢሉ ይንገሮ።
36
እቲ ኻህን ድማ ነቲ ምልክት ሕማም ክርኢ ምስ መፀ፥ ገና ናብታ ገዛ እንተይኣተወ፥ ኣብ ገዛ ዘሎ ዅሉ ኣቑሑ ምእንቲ ኸይረክስ፥ ነታ ገዛ ጥራሓ ኽገብርዋ ይኣዝዝ። ድሕሪዙይ ነታ ገዛ ኽምርምራ ይእቶ።
37
ነቲ ምልክት ሕማም ድማ ይመርምሮ። እንሆ ኸዓ፥ እቲ ምልክት ሕማም ኣብ መንደቕ እታ ገዛ ቝፅል ዝበለ ወይ ቅይሕ ዝበለ ጕድጕድ ኢሉን፥ ካብቲ መንደቕ ዓሚቑን እንተ ተርኣየ፥
38
ሽዑ እቲ ኻህን ካብታ ገዛ ናብ ኣፍ ደገ ይውፃእ፤ ነታ ገዛ ኸዓ ንሸውዓተ መዓልቲ ይዕፀዋ።
39
በታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ተመሊሱ ድማ ይመርምራ፤ እንሆ ኸዓ እቲ ሕማም ኣብ መንደቕ እታ ገዛ ሰፊሑ እንተ ተርኣየ፥
40
እቲ ኻህን ምልክት ሕማም ለምፂ ዘለዎም ኣእማን ኣውፂኦም ናብ ወፃኢ ኸተማ፥ ናብ ዝረኸሰ ቦታ ኽድርብይዎም ይኣዝዝ።
41
እታ ገዛ ድማ ውሽጣ ብምልእታ ትተሓኸኽ፤ እቲ ሕካኽ መሬት ከዓ ናብ ወፃኢ ኸተማ፥ ናብ ዝረኸሰ ቦታ ይጐሓፍ።
42
ክንዲ እቲ ዘውፅእዎ ኣእማን ድማ ኻልእ ኣእማን ወሲዶም ይተክእዎ። ካልእ መሬት ወሲዶም ከዓ ነታ ገዛ ይለቕልቕዋ።
43
ነቲ ኣእማን ምስ ኣውፅእዎ፥ እታ ገዛ ድማ ምስ ተሓኸኸትን ምስ ተለቕለቐትን፥ እቲ ምልክት ሕማም መሊሱ እንተ ተርእዩ፥
44
እቲ ኻህን ኣትዩ ይመርምራ። እንሆ ኸዓ፥ እቲ ሕማም ኣብታ ገዛ ሰፊሑ እንተ ተርኣየ፥ ኣብታ ገዛ ዝባላዕ ለምፂ እዩ እሞ፥ እታ ገዛ ርኽስቲ እያ።
45
ነታ ገዛ ድማ እምናን ዕንፀይታን፥ ኵሉ ሓመዳን ኣፍሪሶም፥ ናብ ወፃኢ ኸተማ ናብ ዝረኸሰ ቦታ ይጕሓፍዎ።
46
በተን እታ ገዛ እትዕፀወለን ኵለን መዓልቲታት ዝኣተዋ ሰብ ድማ፥ ክሳዕ ምሸት ዝረኸሰ ይኸውን።
47
ኣብታ ገዛ ዝደቀሰ ወይ ዝበልዐ ኸዓ ኽዳውንቱ ይሕፀብ።
48
እቲ ኻህን ክምርምር እንተ ኣተወ፥ እንሆ ኸዓ፥ እታ ገዛ ምስ ተለቕለቐት፥ እቲ ሕማም ኣብታ ገዛ ኸም ብሓድሽ እንተ ዘይተርእዩ፥ እቲ ሕማም ሓውዩ እዩ እሞ፥ እታ ገዛ ንፅህቲ ምዃና እቲ ኻህን ይንገር።
49
እታ ገዛ እትነፅሀሉ ድማ ኽልተ ዒፍን ዕንፀይቲ ፅሕድን ውፁእ ቀይሕ ፈትልን ስምዕዛን ይውሰድ፤
50
ነታ ሓንቲ ዒፍ ኣብ ልዕሊ እቲ ኻብ ፈልፋሊ ዝተቐድሐ ማይ ኣብ ዘለዎ ኣቕሓ መሬት፥ ገይሩ ይሕረዳ።
51
ነቲ ዕንፀይቲ ፅሕድን ስምዕዛን ውፁእ ቀይሕ ፈትልን፥ ነታ ብህይወታ ዘላ ዒፍን ወሲዱ፥ ኣብ ደም እታ ዝተሓርደት ዒፍን ኣብቲ ፈልፋሊ ማይን ጠሚዑ ነታ ገዛ ሸውዓተ ሻዕ ይንፀገላ።
52
ነታ ገዛ እውን ብደም እታ ዒፍን በቲ ፈልፋሊ ማይን በታ ብህይወታ ዘላ ዒፍን ብዕንፀይቲ ፅሕድን ብስምዕዛን ብውፁእ ቀይሕ ፈትልን ገይሩ የንፅሃያ።
53
ነታ ብህይወታ ዘላ ዒፍ ድማ ናብ ወፃኢ ኸተማ ንበረኻ ኽትከይድ ይስደዳ። ነታ ገዛ የስተስርየላ፤ ንሳ ኸዓ ንፅህቲ ትኸውን።
54
ንዅሉ ዓይነት ሕማም ለምፅን ንዕንፍሩርን፥
55
ኣብ ክዳን ኮነ ኣብ ገዛ ንዝወፅእ ሕማም ለምፅን፥
56
ንሕበጥን ንሽሕርን ንፃዕዳ ብሩህ ብሮት፥ ዝምልከት ሕጊ እዙይ እዩ።
57
ዝረኽሰላ መዓልትን ዝነፅሀላ መዓልትን ዘፍልጥ ሕጊ ሕማም ለምፂ እዙይ እዩ።
← Chapter 13
Chapter 15 →