bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Leviticus 16
Leviticus 16
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ድሕሪ ሞት እቶም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ምስ ቀረቡ ዝሞቱ፥ ክልተ ደቂ ኣሮን፥ እግዚኣብሄር ንሙሴ ተዛረቦ።
2
እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦ ኣነ ብደመና ኣብ ልዕሊ መኽደን መስተስረዪ ክረአ እየ እሞ፥ ከይመውትስ ንሓውካ ኣሮን ኣብ ውሽጢ መጋረጃ፥ ናብ ቅድስተ ቅዱሳን፥ ናብ ቅድሚ እቲ ኣብ ልዕሊ ታቦት ዘሎ፥ መኽደን መስተስረዪ፥ ኣብ ዝኾነ ጊዜ ኸይኣቱ ንገሮ።
3
ኣሮን ናብ ቤተ መቕደስ ክኣቱ እንተሎ፥ ምእንቲ ሓጢኣት ዝስዋእ ሓደ ዝራብዕ፥ ንዝቃፀል መስዋእቲ ዝኸውን ከዓ ሓደ ማጕላ ሒዙ ይእቶ።
4
እቲ ናይ ሃሪ ቅዱስ ቀሚሽ ይልበስ፤ ናይ ሃሪ ስረ ኸዓ ኣብ ልዕሊ ሰብነቱ ይዕጠቕ፤ ናይ ሃሪ ቕናት ድማ ይተዓጠቕ፤ ናይ ሃሪ መጠምጠምያ እውን ኣብ ርእሱ ይጠምጥም። እዙይ ቅዱስ ኣልባስ እዩ እሞ ሰብነቱ ብማይ ተሓፂቡ ይልበሶ።
5
ካብ ደቂ እስራኤል ድማ ምእንቲ ሓጢኣት ዝስውኡ ኽልተ ዲበላ፥ ንዝቃፀል መስዋእቲ ዝኸውን እውን ሓደ ማጕላ ይውሰድ።
6
ኣሮን ከዓ ነቲ ምእንቲ ሓጢኣቱ ዝስዋእ ዝራብዕ የቕርቦ፤ ንባዕሉን ንስድራኡን ድማ የስተስሪ።
7
ነቶም ክልተ ዲበላታት ወሲዱውን ኣብ ኣፍ ደገ እቲ መራኸቢ ድንኳን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ደው የብሎም።
8
ኣሮን ድማ ሓደ ዕፃ ንእግዚኣብሄር፥ ሓደ ዕፃ ኸዓ ንዝልቀቕ ክኸውን ነቶም ክልተ ዲበላታት ዕፃ የውድቐሎም።
9
ነቲ ብዕፃ ንእግዚኣብሄር ዝበፅሐ ጤል የቕርቦ እሞ ኽንዲ ሓጢኣት ይሰውኣዮ።
10
እቲ ብዕፃ፥ ንምልቃቕ ዕፃ ዝበፅሖ ጤል ግና ንምልቃቕ ናብ ምድረ በዳ ኽስደድ፥ ንኸስተስርየሉ ብህይወቱ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር የቕርቦ።
11
ኣሮን ከዓ ነቲ ምእንቲ ሓጢኣቱ ዝስዋእ ዝራብዕ የቕርቦ፤ ሓሪዱ ድማ ንባዕሉን ንቤተሰቡን የስተስሪ።
12
ካብቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዘሎ መሰውኢ ፅንሃህ ምሉእ ጓህሪ ይውሰድ፤ ካብቲ ዝተኣረየን ዝደቐቐን ምዑዝ ዕጣን ከዓ ብኽልተ ኢዱ ሓፊኑ ወሲዱ ናብ ውሽጢ መጋረጃ የእትዎ።
13
ከይመውት ድማ፥ ነቲ ኣብ ልዕሊ እቲ ታቦት ዘሎ ሓጢኣት ዝስረየሉ መኽደን ትኪ ዕጣን ምእንቲ ክኽውሎ፥ ነቲ ዕጣን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣብቲ ሓዊ የትክኮ።
14
ካብ ደም እቲ ዝራብዕ ወሲዱ ድማ፥ ናብቲ ሓጢኣት ዘስትስረየሉ መኽደን ብወገን ምብራቑ በፃብዕቱ ይንፀግ፤ ኣብ ቅድሚ እቲ ሓጢኣት ዝስትስረየሉ መኽደን እውን ካብቲ ደም ሸውዓተ ሻዕ በፃብዕቱ ይንፀግ።
15
ነቲ ምእንቲ ሓጢኣት ህዝቢ ዝስዋእ ዲበላ ድማ ይሕረዶ፤ ነቲ ደሙ ኸዓ ናብ ውሽጢ መጋረጃ የእትዎ። በቲ ደሙ እውን ከምቲ ብደም እቲ ዝራብዕ ዝገበሮ ይግበር፤ ኣብ ልዕሊ እቲ ስርየት ሓጢኣት ዝርከበሉ መኽደንን ኣብ ቅድሚኡን ይንፀጎ።
16
ደቂ እስራኤል ዝኾነ ሓጢኣት እንተ ገበሩ፥ ካብ ርኽሰቶምን ካብ በደሎምን ዝተልዓለ ነቲ መቕደስ የስተስርየሉ፤ ነቲ ምስኣቶም ኣብ ማእኸል ርኽሰቶም ዘሎ መራኸቢ ድንኳን ድማ ኸምኡ ይግበረሉ።
17
ኣሮን ንምስትስራይ ናብ ቅድስተ ቅዱሳን ክኣቱ እንተሎ፥ ንባዕሉን ንስድራኡን ንብዘሎ ህዝቢ እስራኤልን ኣስተስርዩ ኻብኡ ኽሳዕ ዝወፅእ ሓደ ሰብ ናብቲ መራኸቢ ድንኳን ኣይእቶ።
18
ናብቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዘሎ መሰውኢ ወፂኡ ንእኡ የንፅሃዮ። ካብ ደም እቲ ዝራብዕን ካብ ደም እቲ ዲበላን ወሲዱ ድማ ኣብ ልዕሊ ኣቕርንቲ መሰውኢ ብዙርያኡ ይግበረሉ።
19
ካብቲ ደም ከዓ በፃብዕቱ ሸውዓተ ሻዕ ኣብ ልዕሊኡ ይንፀግ፤ ካብ ርኽሰት ደቂ እስራኤል ድማ የንፅሃዮን ይቐድሶን።
20
ንመቕደስን ነቲ መራኸቢ ድንኳንን ንመሰውእን ኣንፂሁ ምስ ወድአ ኸዓ፥ ነቲ ብህይወቱ ዘሎ ዲበላ የቕርቦ።
21
ኣሮን ድማ ኽልቲኡ ኢዱ ኣብ ርእሲ እቲ ብህይወት ዘሎ ዲበላ የንብር እሞ፥ ንዅሉ ኽፍኣት ደቂ እስራኤልን ንዅሉ በደሎምን ንዅሉ ሓጢኣቶምን ኣብ ልዕሊኡ ይናዘዝ፤ ኣብ ርእሲ እቲ ዲበላ ከዓ የፁሮ፤ በቲ ነዙይ ዝተመደበ ኢድ ሰብኣይ ገይሩ ድማ ንምድረ በዳ ይውሰዶ።
22
እቲ ዲበላ ከዓ ንዅሉ ኽፍኣቶም ኣብ ልዕሊኡ ፆይሩ ናብ ፅምዊ ቦታ ይኺድ፤ እቲ ሰብኣይ ድማ ንበረኻ ይልቀቆ።
23
ኣሮን ድማ ናብቲ መራኸቢ ድንኳን ይእቶ፤ ነቲ ናብ ቅድስተ ቅዱሳን ክኣቱ እንተሎ ለቢስዎ ዝነበረ ብሃሪ ዝተሰርሐ ኣልባስ እውን የውፅኣዮ፤ ኣብኡ ኸዓ ይሕደጎ።
24
ኣብቲ ቅዱስ ቦታ ኾይኑ ድማ፥ ሰብነቱ ብማይ ይተሓፀብ፤ ናይ ቅድም ክዳውንቱ ኸዓ ይከደን። ወፂኡ ድማ ነቲ ዝቃፀል መስዋእቱን ነቲ ዝቃፀል መስዋእቲ ህዝብን ይሰውእ፤ ንባዕሉን ንህዝብን ከዓ የስተስሪ።
25
እቲ ምእንቲ ሓጢኣት ዝቐርብ መስዋእቲ ስብሒ ድማ ኣብ ልዕሊ እቲ መሰውኢ የቃፅሎ።
26
ነቲ ንምልቃቕ ዝኸውን ዲበላ ዝወሰደ ሰብ ከዓ ኽዳውንቱ ይሕፀብ፤ ሰብነቱ እውን ብማይ ይተሓፀብ፤ ድሕሪዙይ ድማ ናብ ሰፈር ይእቶ።
27
ነቶም ክንዲ መስዋእቲ ሓጢኣት ዝተሰውኡ ዝራብዕን ዲበላን፥ ደሞም ንስርየት ሓጢኣት ናብ መቕደስ ዝኣተወ፥ ናብ ወፃኢ ሰፈር የውፅእዎም፤ ቈርበቶምን ስጋኦምን ፈርሶምን ከዓ ብሓዊ የቃፅልዎ።
28
እቲ ዘቃፀሎም ሰብ ድማ ኽዳውንቱ ይሕፀብ፤ ሰብነቱ እውን ብማይ ይተሓፀብ፤ ድሕሪዙይ ናብ ሰፈር ይእቶ።
29
እዝ ዝስዕብ ሕጊ ንዘለኣለም ዝነብር ሕጊ ይኹንኩም፦ በታ ዓስረይቲ መዓልቲ ናይታ ሻውዐይቲ ወርሒ ወዲ ዓዲ ኾነ ወይ ኣብ ማእኸልኩም ዝቕመጥ ስደተኛ፥ ኵልኹም ንርእስኹም ኣጨንቕዋ፤ ሓደ እኳ ስራሕ ኣይትስርሑ።
30
በታ መዓልቲ እቲኣ ንፁሃት ምእንቲ ኽትኮኑ፥ ናይ ሓጢኣት መስተስረዪ ኽግበረልኩም እዩሞ፥ ካብ ኵሉ ሓጢኣትኩም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክትነፅሁ ኢኹም።
31
እዛ መዓልቲ ንኣኻትኩም ሰንበት ዕረፍቲ እያ እሞ ርእስኹም ኣዋርዱ፤ እዙይ ንሓዋሩ ዝነብር ሕጊ እዩ።
32
እቲ ኽንዲ ኣቦኡ ኻህን ክኸውን ዝተቐብአን ዝተቐደሰን ሰብ፥ ስርየት ሓጢኣት ዘስተስሪ ይኹን። ብሃሪ ዝተገብረ ቅዱስ ኣልባስ ይልበስ እሞ፥
33
ነቲ ቕድስተ ቅዱሳንን፥ ነቲ መራኸቢ ድንኳንን፥ ነቲ መሰውእን የንፅሃዮ፤ ንኻህናትን ንዅሎም ህዝቢ እስራኤልን ድማ የስተስርየሎም።
34
እዙይ ንዘለኣለም ዝነብር ሕጊ እዩ፤ ደቂ እስራኤል ካብ ኵሉ ሓጢኣቶም ዝነፅሁሉ ስርዓት፥ ኣብ ዓመት ሓደ ሻዕ ይገበር። ሙሴ ኸዓ ኸምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ገበረ።
← Chapter 15
Chapter 17 →