bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Leviticus 13
Leviticus 13
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴን ንኣሮንን ከምዙይ በሎም፦
2
ሰብ ኣብ ቈርበቱ ሕበጥ ወይ ሽሕር ወይ ዙዕታ እንተ ወፆ፥ ሕማም ለምፂ ከዓ እንተ ኾነ፥ ናብ ካህን ኣሮን ወይ ካብቶም ደቁ ኻህናት ናብ ሓደ የምፅእዎ።
3
እቲ ኻህን ድማ ነቲ ኣብ ቈርበቱ ዘሎ ቝስሊ ይመርምሮ፤ ኣብቲ ቝስሊ ዘላ ፀጕሪ ፃዕድያ እንተ ፀንሐት፥ እቲ ቝስሊ ኸዓ ኻብ ቈርበቱ ጐድጒዱ እንተ ተርኣየ፥ ሕማም ለምፂ እዩ። እቲ ኻህን ምስ መርመሮ፥ ዝረኸሰ ምዃኑ ይንገር።
4
እቲ ኣብ ቈርበቱ ዘሎ ዙዕታ እንተ ፃዕደወ፥ ካብቲ ቘርበቱ ኸዓ ዓሚቑ እንተ ዘይተርኣየ፥ ፀጕሩ እውን እንተ ዘይፃዕደወ፥ እቲ ኻህን ነቲ ቝሱል ሸውዓተ መዓልቲ ንበይኑ ይዕፀዎ።
5
ኣብታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ኸዓ እቲ ኻህን ይመርምሮ፤ እንሆ ድማ እቲ ቝስሊ ኸምቲ ዝነበሮ እንተ ፀንሐ፥ ኣብቲ ቘርበቱውን እንተ ዘይሰፊሑ፥ እቲ ኻህን መሊሱ ንሸውዓተ መዓልቲ ንበይኑ ይዕፀዎ።
6
ኣብታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ድማ እቲ ኻህን መሊሱ ይመርምሮ፤ እንሆ ኸዓ፥ እቲ ቝስሊ እንተ ፋሕሸወ፥ ኣብቲ ቘርበትውን እንተ ዘይሰፊሑ፥ እቲ ቝስሊ ሽሕር እዩ እሞ፥ እቲ ኻህን ንፁህ ምዃኑ ይንገር፤ እቲ ቝሱል ከዓ ኽዳውንቱ ሓፂቡ ይንፃህ።
7
ግና እቲ ኻህን “ንፁህ እዩ” ኢሉ ምስ ነገረሉ እቲ ሽሕር ኣብ ቈርበቱ እንተ ሰፍሐ፥ ንኻልኣይ ጊዜ ኣብ ካህን ይመርመር።
8
እቲ ኻህን ድማ ይመርምሮ፤ እንሆ ኸዓ እቲ ሽሕር ኣብቲ ቘርበት ሰፊሑ እንተ ፀንሐ፥ ንሱ ሕማም ለምፂ እዩ፤ ሽዑ ዝረኸሰ ምዃኑ እቲ ኻህን ይንገር።
9
ሕማም ለምፂ ቘርበት ዘለዎ ዝኾነ ሰብ ናብ ካህን የምፅእዎ።
10
እቲ ኻህን ድማ ይመርምሮ፤ እንሆ ኸዓ፥ ኣብ ቈርበቱ ፃዕዳ ሕበጥ እንተ ሃልዩዎ፥ ነቲ ፀጕሪ ኸዓ እንተ ኣፃዕደዎ፥ ኣብቲ ሕበጥ ድማ ቘርበቱ ቐይሕ ስጋ መሲሉ እንተ ፀንሐ፥
11
ንሱ ነባር ሕማም ለምፂ እዩ፤ ዝረኸሰ ምዃኑ እቲ ኻህን ይንገር። ቀደሙውን ረኺሱ እዩሞ ኣይዕፀዎ።
12
እቲ ሕማም ለምፂ እናሰፍሐ እንተ ኸደ፥ ነቲ ቝሱል እቲ ኻህን ክሪኦ ኽሳዕ ዝኽእል ካብ ርእሱ ኽሳዕ እግሩ ንኹሉ ቘርበቱ እንተ ኸደኖ፥
13
ሽዑ እቲ ኻህን ይመርምሮ፤ እንሆ ኸዓ ንብዘሎ ሰብነቱ ሕማም ቈርበት እንተ ኸደኖ፥ ሽዑ እቲ ቝሱል ከም ዝነፅሀ እቲ ኻህን ይንገር። ኵሉ ሰብነቱ ፃዕድዩ እዩ እሞ ንሱ ንፁህ እዩ።
14
በታ ቘርበቱ ቐይሕ ስጋ መሲሉ ዝተርኣየላ መዓልቲ ግና ረኺሱ እዩ።
15
እቲ ኻህን ቈርበቱ ቐይሕ ስጋ ምምሳሉ ምስ ረአየ ዝረኸሰ ምዃኑ ይንገር። እቲ ቘርበቱ ቐይሕ ስጋ እንተ መሲሉ፥ ንሱ ረኺሱ እዩ፤ ንሱ ሕማም ለምፂ እዩ።
16
እቲ ቘርበቱ ቐይሕ ስጋ ዝመስል ዝነበረ ናብ ፃዕዳ እንተ ተለወጠ ግና፥ ናብ ካህን ይምፃእ።
17
እቲ ኻህን ድማ ይመርምሮ፤ እንሆ ኸዓ፥ እቲ ቝስሉ እንተ ፃዕደወ፥ ሽዑ እቲ ኻህን፥ እቲ ቝሱል ንፁህ ምዃኑ ይንገር፤ ንሱ ንፁህ እዩ።
18
ኣብ ቈርበቱ ዝሓወየ ቝስሊ ዘለዎ ሰብ እንተ ሃልዩ፥
19
ኣብቲ በሰላ ኸዓ ፃዕዳ ሕበጥ ወይ ብሩህ ቅይሕ ዝበለ ፃዕዳ ዙዕታ እንተ ወፆ፥ ሽዑ ናብ ካህን ይቕረብ።
20
እቲ ኻህን ድማ ይመርምሮ፤ እንሆ ኸዓ ኻብቲ ቘርበት ጐድጒዱ እንተ ተርኣየ፥ ፀጕሩ ኸዓ ፃዕድዩ እንተ ፀንሐ፥ ሽዑ ዝረኸሰ ምዃኑ እቲ ኻህን ይንገር፤ ንሱ ኣብ በሰላ ዝወፀ ሕማም ለምፂ እዩ።
21
እቲ ኻህን እንተ መርመሮ እሞ፥ እንሆ ኸዓ፥ ኣብኡ ፃዕዳ ፀጕሪ እንተ ዘይሃልያ እቲ ቘርበት እውን እንተ ዘይጐድጒዱ፥ ከምኡ ድማ እንተ ፋሕሸወ፥ ሽዑ እቲ ኻህን ሸውዓተ መዓልቲ ይዕፀዎ።
22
ኣብቲ ቘርበት እንተ ሰፍሐ ድማ፥ ንሱ ሕማም ለምፂ እዩ። ሽዑ ዝረኸሰ ምዃኑ እቲ ኻህን ይንገር።
23
እቲ ፃዕዳ ብሩህ ብሮት እንተይሰፍሐ ኣብቲ ዘለዎ እንተ ቖይሙ ግና፥ ንሱ በሰላ ቝስሊ እዩ፤ ንፁህ ምዃኑ ኸዓ እቲ ኻህን ይንገር።
24
ሓደ ሰብ ኣብ ቈርበቱ ንዳድ ሓዊ እንተ ሃልይዎ እሞ ኣብቲ ቘርበቱ ዝተልሓሰ ንዳድ ሓዊ ቕይሕ ዝበለ ፃዕዳ ወይ ፃዕዳ ብሩህ ብሮት እንተ ወፆ፥
25
እቲ ኻህን ይመርምሮ፤ እንሆ ኸዓ፥ እቲ ኣብ ፃዕዳ ብሩህ ብሮት ዘሎ ፀጕሪ እንተ ፃዕደወ፥ ካብቲ ቘርበት ከዓ ጐድጒዱ እንተ ተርኣየ፥ ንሱ ኣብቲ በሰላ ሓዊ ዝወፀ ሕማም ለምፂ እዩ። ዝረኸሰ ምዃኑ ድማ እቲ ኻህን ይንገር፤ እዙይ ሕማም ለምፂ እዩ።
26
ግና እቲ ኻህን እንተ መርመሮ፥ ኣብቲ ብሩህ ዙዕታ ድማ ፃዕዳ ፀጕሪ እንተ ዘየለ፥ እቲ ቘርበት ከዓ እንተ ዘይጐድጒዱ፥ ከምኡ እውን እንተ ፋሕሸወ፥ እቲ ኻህን ሸውዓተ መዓልቲ ይዕፀዎ።
27
ኣብታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ኸዓ ይመርምሮ፤ ኣብ ቈርበቱ ሰፊሑ እንተ ተርኣየ፥ ሕማም ለምፂ እዩ እሞ ዝረኸሰ ምዃኑ እቲ ኻህን ይንገር።
28
እቲ ብሩህ ዙዕታ ኣብቲ ዘለዎ እንተ ቖይሙ፥ ኣብ ቈርበት እውን እንተ ዘይሰፊሑ፥ ወይ ድማ እንተ ፋሕሽዩ ግና፥ እዙይ ብሓዊ ነዲዱ ዝሓበጠ እዩ። በሰላ ሓዊ ስለ ዝኾነ ኸዓ እቲ ኻህን ንፁህ ምዃኑ ይንገር።
29
ንሓደ ሰብኣይ ወይ ንሓንቲ ሰበይቲ፥ ኣብ ርእሱ ወይ ኣብ መንከሱ ቝስሊ እንተ ወፆ፥
30
እቲ ኻህን ነቲ ቝስሊ ይመርምሮ፤ እንሆ ኸዓ፥ ካብቲ ቘርበት ጐድጒዱ እንተ ተርኣየ፥ ቀጢንን ብጫን ፀጕሪ ድማ እንተ ሃልይዎ፥ ንሱ ዕንፍሩር እዩ፤ ኣብ ርእሲ ወይ ኣብ መንከስ ዝወፅእ ተላጋቢ ሕማም እዩ። ሽዑ ዝረኸሰ ምዃኑ እቲ ኻህን ይንገር።
31
እቲ ኻህን ነዝ ቝስሊ እዙይ ምስ መርመሮ እሞ ኻብቲ ቘርበት ዓሚቑ እንተ ዘይተርእዩ፥ ፀሊም ፀጕሪ ድማ እንተ ዘይብሉ፥ እቲ ኻህን ነቲ ቝስሊ ዘለዎ ሰብ ሸውዓተ መዓልቲ ይዕፀዎ።
32
ኣብ ሻውዐይቲ መዓልቲ ድማ እቲ ኻህን ነቲ ቝስሊ ይመርምሮ፤ እንሆ ኸዓ፥ እቲ ዕንፍሩር እንተ ዘይሰፊሑ፥ ብጫ ፀጕሪ እውን እንተ ዘይብሉ፥ እቲ ዕንፍሩር ከዓ ኻብቲ ቘርበት ዓሚቑ እንተ ዘይተርእዩ፥
33
እቲ ሰብ ይላፀ፤ ነቲ ዕንፍሩር ዘለዎ ሰብነቱ ግና ኣይላፅዮ፤ እቲ ኻህን ድማ ነቲ ዕንፍሩር ዘለዎ መሊሱ ሸውዓተ መዓልቲ ይዕፀዎ።
34
ኣብ ሻውዐይቲ መዓልቲ ኸዓ እቲ ኻህን ነቲ ዕንፍሩር ይመርምሮ፤ እቲ ዕንፍሩር ኣብ ቈርበት እንተ ዘይሰፊሑ፥ ካብቲ ቘርበት እውን ዓሚቑ እንተ ዘይተርእዩ፥ እቲ ኻህን ንፁህ ምዃኑ ይንገር፤ እቲ ሰብ ከዓ ኽዳውንቱ ይሕፀብ እሞ ይንፃህ።
35
ግና እቲ ኻህን “ነፂሁ እዩ” ኢሉ ምስ ነገረሉ፥ እቲ ዕንፍሩር ኣብቲ ቘርበት እንተ ሰፊሑ፥
36
እቲ ኻህን ይመርምሮ። እንሆ ድማ እቲ ዕንፍሩር ኣብ ቈርበት እንተ ሰፊሑ፥ እቲ ኻህን ብጫ ፀጕሪ እንተ ሃልዩዎ ኢሉ ኣይድለ፤ ንሱ ቐደሙውን ዝረኸሰ እዩ እሞ።
37
እቲ ዕንፍሩር ኣብቲ ዘለዎ ቖይሙ፥ ኣብኡ እውን ፀሊም ፀጕሪ በቝሉ እንተ ረአየ ግና፥ ሓውዩ እዩ፤ ንሱ ንፁህ እዩ፤ እቲ ኻህን ድማ ንፁህ ምዃኑ ይንገር።
38
ንሓደ ሰብኣይ ወይ ንሓንቲ ሰበይቲ ኣብ ቈርበቱ ፃዕዳ ብሩህ ብሮት እንተ ወፆ፥
39
እቲ ኻህን ይመርምሮ፤ እንሆ ኸዓ፥ እቲ ኣብ ቈርበቱ ዘሎ ፃዕዳ ብሩህ ብሮት ፍሕሽው ዝበለ ፃዕዳ እንተ ኾይኑ፥ እዙይ ኣብ ቈርበት ዝወፀ ተውሳስ እዩ እሞ፥ ንሱ ንፁህ እዩ።
40
ሰብ ፀጕሪ ርእሱ እንተ ተመልጠ፥ ናይ ምንኳዕ እዩ እሞ፥ ንሱ ንፁህ እዩ።
41
ርእሱ ብወገን ቅድሚት እንተ ተመልጠ ድማ፥ ምብራሕ እዩ እሞ፥ ንሱ ንፁህ እዩ።
42
ኣብ ነዃዑ ወይ ኣብ በራሑ ቕይሕ ዝበለ ፃዕዳ ቝስሊ እንተ ወፆ፥ ንሱ ኣብ ነዃዑ ወይ ኣብ በራሑ ዝወፀ ሕማም ለምፂ እዩ።
43
እቲ ኻህን ድማ ይመርምሮ፤ እንሆ ኸዓ፥ እቲ ኣብ ነዃዑ ወይ ኣብ በራሑ ዘሎ ሕበጥ ቍስሊ፥ ከምቲ ናይ ሕማም ለምፂ ቕይሕ ዝበለ ፃዕዳ ኾይኑ እንተ ተርእይዎ፥
44
እቲ ሰብ ሕሙም ስለ ዝኾነ ረኺሱ እዩ። ኣብ ርእሱ ቝስሊ ስለ ዘለዎ ኸዓ እቲ ኻህን ዝረኸሰ ምዃኑ ይንገረሉ።
45
እቲ ሕማም ለምፂ ዘለዎ ሰብ ክዳኑ ቕዱድ ይኹን፤ ርእሱ ኸዓ ይቀላዕ፤ ከንፈሩ እውን ይኽደን፤ “ዝረኸስኩ እየ፤ ዝረኸስኩ እየ” እናበለ ኸዓ ዓው ኢሉ ይናገር።
46
ሕማም ለምፂ ክሳዕ ዘለዎ ዝረኸሰ ይኹን፤ ረኺሱ እዩ እሞ ንበይኑ ይቀመጥ፤ መንበሪኡ ኸዓ ኣብ ወፃኢ ሰፈር ይኹን።
47
ኣብ ክዳን ድማ፥ ኣብ ክዳን ፀጕሪ ወይ ኣብ ክዳን ሃሪ ኣብ ቅጥኒ ወይ ኣብ ፋእሚ ናይ ሃሪ ወይ ናይ ፀጕሪ፥ ወይ ኣብ ቈርበት ወይ ኣብ ዝኾነ ኻብ ቈርበት ዝተሰርሐ ነገር፥ ሕማም ለምፂ እንተ ሃልይዎ፥
49
እቲ ሕማም ድማ ኣብ ክዳን ወይ ኣብ ቈርበት ወይ ኣብ ቅጥኒ ወይ ኣብ ፋእሚ ወይ ኣብ ዝኾነ ኣቕሓ ቘርበት፥ ቍፅል ወይ ቅይሕ እንተበለ፥ ንሱ ሕማም ለምፂ እዩ እሞ፥ ኣብ ካህን ይረአ።
50
እቲ ኻህን ከዓ ነቲ ሕማም ይመርምሮ፤ ነቲ ሕማም ዘለዎ ሰብ ድማ ሸውዓተ መዓልቲ ይዕፀዎ።
51
በታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ድማ ነቲ ሕማም ይመርምሮ። እቲ ሕማም ኣብ ክዳን ወይ ኣብ ቅጥኒ ወይ ኣብ ፋእሚ ወይ ኣብ ቈርበት፥ ንዝኾነ ስራሕ ካብ ቈርበት ኣብ ዝተሰርሐ ነገር እንተ ሰፍሐ፥ በላዒ ሕማም ለምፂ እዩ እሞ፥ ንሱ ረኺሱ እዩ።
52
እቲ ሕማም ዘለዎ ዝኾነ ኽዳን፥ ወይ ቅጥኒ ወይ ፋእሚ፥ ናይ ፀጕሪ እንተ ኾነ ወይ ናይ ሃሪ ወይ ዝኾነ ኣቕሓ ቘርበት በላዒ ሕማም እዩ እሞ ብሓዊ ይቃፀል።
53
ግና እቲ ኻህን ምስ መርመሮ፥ እቲ ሕማም ኣብ ክዳን ወይ ኣብ ቅጥኒ ወይ ኣብ ፋእሚ ወይ ኣብ ዝኾነ ኣቕሓ ቘርበት ሰፊሑ እንተ ዘይተርእዩ፥
54
ነቲ ሕማም ዘለዎ ነገር ክሓፅብዎ እቲ ኻህን ይኣዝዝ፤ መሊሱ ድማ ንሸውዓተ መዓልቲ ንበይኑ ይዕፀዎ።
55
እቲ ሕማም ዘለዎ ነገር ምስተሓፅበ ድማ፥ እቲ ኻህን ይመርምሮ፤ እንሆ ኸዓ እቲ ሕማም ዘለዎ ነገር ሕብሩ እንተ ዘይለዊጡ፥ እንተ ዘይሰፍሐ እኳ፥ ንሱ ረኺሱ እዩ። እቲ ሕማም ብውሽጢ ይኹን ብደገ እንተ ሃልዩ እቲ ነገር ብሓዊ የቃፅሎ።
56
እቲ ኻህን ምስ መርመሮ፥ እንሆ ኸዓ፥ እቲ ዝሓመመ ነገር ድሕሪ ምሕፃቡ እንተ ፋሕሺዩ፥ ካብቲ ኽዳን ወይ ካብቲ ቘርበት፥ ወይ ካብቲ ቕጥኒ ወይ ካብቲ ፋእሚ ይቕደዶ።
57
ኣብቲ ኽዳን ወይ ኣብቲ ቕጥኒ ወይ ኣብቲ ፋእሚ ወይ ኣብ ዝኾነ ኣቕሓ ቘርበት ገና እንተ ተርእዩ፥ ይሰፍሕ እዩ ዘሎ እሞ ነቲ ሕማም ዘለዎ ነገር ብሓዊ የቃፅሎ።
58
እቲ ንስኻ እትሓፅቦ ኽዳን፥ ወይ ቅጥኒ ወይ ፋእሚ ወይ ዝኾነ ቘርበት፥ ሕማሙ እንተ ኸደሉ፥ ክልተሻዕ ይተሓፀብ፤ ንፁህ ድማ ይኸውን።
59
ኣብ ክዳን ፀጕሪ ወይ ኣብ ክዳን ሃሪ ወይ ኣብ ቅጥኒ፥ ወይ ኣብ ፋእሚ፥ ወይ ኣብ ዝኾነ ብቘርበት ዝተሰርሐ ኣቕሓ፥ ዘሎ ሕማም ለምፂ፥ ንፁህ ምዃኑ ወይ ዝረኸሰ ምዃኑ ንምንጋር ዘኽእለካ ሕጊ እዙይ እዩ።
← Chapter 12
Chapter 14 →