bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Leviticus 12
Leviticus 12
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦
2
ንደቂ እስራኤል ከምዙይ በሎም፦ ሰበይቲ እንተ ጠነሰት፥ ወዲ ኸዓ እንተ ወለደት፥ ከምቲ ናይ ወርሒ ፅገኣ ንሸውዓተ መዓልቲ ዝረኸሰት ትኸውን።
3
ብሻምነይቲ መዓልቲ ድማ እቲ ህፃን ስጋ ቝልፈቱ ይገረዝ።
4
ካብ ምፍሳስ ደማ ኽሳዕ እትነፅህ ሰላሳን ሰለስተን መዓልቲ ትፅናሕ። መዓልቲታት ምንፅሃ ኽሳዕ ዝውዳእ ቅዱስ ነገር ኣይትንካእ፤ ናብ መቕደስ እውን ኣይትእቶ።
5
ጓል እንተ ወለደት ግና፥ ከምቲ ብእዋን ፅገኣ ንኽልተ ሰሙን ርኽስቲ ትኹን፤ ካብ ምፍሳስ ደማ ኽሳዕ እትነፅህ ኸዓ ስሳን ሽዱሽተን መዓልቲ ትፅናሕ።
6
ወዲ ወይ ጓል ወሊዳ መዓልቲታት ምንፅሃ ምስ ኣኸለ፥ ንዝቃፀል መስዋእቲ፥ ዓመት ዝገበረ ጡበት በጊዕ፥ ምእንቲ ሓጢኣት ዝስዋእ ርግቢ ወይ ባሪቶ፥ ናብ ኣፍ ደገ እቲ መራኸቢ ድንኳን ናብቲ ኻህን ተምፅእ።
7
ንሱ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር የቕርቦ፤ ሓጢኣታ ድማ የስተስርየላ፤ ንሳ እውን ካብ ምፍሳስ ደማ ኽትነፅህ እያ። እታ ወዲ ወይ ጓል ዝወለደት ሰበይቲ እትነፅሀሉ ስርዓት እዙይ እዩ።
8
ንጡበት በጊዕ ዝኣክል ኣብ ኢዳ እንተ ዘይረኸበት ግና፥ ክልተ ባሪቶ ወይ ክልተ ርግቢ፥ ሓንቲ ንዝቃፀል መስዋእቲ፥ ሓንቲ ኸዓ ምእንቲ ሓጢኣት እትስዋእ ተምፅእ። እቲ ኻህን ድማ ሓጢኣታ የስተስርየላ፤ ንሳ ኸዓ ኽትነፅህ እያ።
← Chapter 11
Chapter 13 →