bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Leviticus 11
Leviticus 11
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴን ንኣሮንን ከምዙይ በሎም፦
2
ንደቂ እስራኤል ከምዙይ በልዎም፦ ካብ ኵሎም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ህይወት ዘለዎም፥ እትበልዕዎም እንስሳታት እዚኣቶም እዮም፦
3
ካብ እንስሳ፥ ፅፍሩ ዝተሰንጠቐ፥ ሸዀናኡ ድማ ዝተመቐለ፥ ኵሉ ዘመዅስዕ ዘበለ ብልዑ።
4
ዘመዅስዕ ኾይኑ ሸዀናኡ ዘይተሰንጠቐ፥ ሸዀናኡ ስንጡቕ ኮይኑ፥ ዘየመዅስዕ እንስሳ ግና ኣይትብልዑ፤ ግመል ተመዅስዕ እያ፤ ሸዀናኣ ግና ስንጡቕ ኣይኮነን እሞ፥ ንሳ ንኣኻትኩም ርኽስቲ እያ።
5
ጊሐውን ተመዅስዕ እያ፤ ሸዀናኣ ግና ስንጡቕ ኣይኮነን እሞ፥ ንሳ ንኣኻትኩም ርኽስቲ እያ።
6
ማንቲለ ተመዅስዕ እያ፤ ሸዀናኣ ግና ስንጡቕ ኣይኮነን እሞ፥ ንሳ ንኣኻትኩም ርኽስቲ እያ።
7
ሓሰማ ሸዀናኣ ስንጡቕ እዩ፤ ግና ኣይተመዅስዕን እያ እሞ፥ ንሳ ንኣኻትኩም ርኽስቲ እያ።
8
እዚኣተን ንኣኻትኩም ርኹሳት እየን እሞ፥ ስጋአን ኣይትብልዑ፤ ገምበንውን ኣይትንክኡ።
9
ካብቶም ኣብ ማይ፥ ኣብ ባሕርን ኣብ ሩባታትን ዝነብሩ፥ ክንፍን ቅረፍትን ዘለዎም ኵሎም ብልዑ።
10
ግና ኻብ ኵሉ ኣብ ውሽጢ ማይ ዝወሳወስን፥ ኣብ ማይ ካብ ዝነብር ህይወት ዘለዎን፥ ኵሉ ኣብ ባሕርን ኣብ ሩባን ዘሎ ኽንፍን ቅረፍትን ዘይብሉ፥ ንኣኻትኩም ርኹስ ይኹን።
11
ፈንፍንዎም፤ ስጋኦም ኣይትብልዑ፤ ንገምቢኦምውን ኣይትንክእዎ።
12
ኵሉ ኣብ ማይ ዘሎ ኽንፍን ቅረፍትን ዘይብሉ፥ ንኣኻትኩም ርኹስ ይኹን።
13
ካብ ኣዕዋፍ ድማ ፍንፉናት ዝኾና ዘይብልዓ፥ እትፍንፍንወን እዚኣተን እየን፦ ንስሪ፥ ገድገደ፥ ወሓጥ ዓሳ፥
14
ሽላ፥ ሊሎ በብዓይነቱ፥
15
ኵሉ ዃዅ በብዓይነቱ፥
16
ሰገን፥ ጕጓ፥ ሮብራ፥ ተገዳር ሓረስታይ በብዓይነቱ።
17
ንእሽተይ ጕጓ፥ ሓሓት፥ ዓባይ ጕጓ፥
18
ቀራን ጕጓ፥ ቀያሕ ሓሓት፥ ኣሞራ፥
19
ራዛ፥ ሰብ ፀራድ በብዓይነቱ፥ ተምብሃረጆ፥ ምንኪዕ።
20
በራሪ ዘይኮነ በርባዕተ መሓውር ዝኸይድ ኵሉ ለመም ዝብል ንኣኻትኩም ርኹስ እዩ።
21
ግና ኻብ ዝበርር ኣርባዕተ መሓውር ካብ ዘለዎ ዅሉ ለመም ዝብል ኣብ ልዕሊ እግሩ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ዝነጥረለን ክልተ ሰለፍ ዘለዋኦ ብልዑ።
22
ካብኣቶም እትበልዕዎም እዚኣቶም እዮም፦ ፋንጣ በብዓይነቱን ኣንበጣ በብዓይነቱን ኵብኩብታ በብዓይነቱን ጎደባ በብዓይነቱን።
23
ኵሉ ኣርባዕተ መሓውር ዘለዎ ዝንቀሳቐስ፥ ኵሉ ኻልእ ነፋሪ ለመም ዝብል ግና ንሱ ንኣኻትኩም ፍንፉን እዩ።
24
እዚኣቶም እዮም ዘርክሱኹም፤ ነፍሲ ወከፍ ገምቦም ዝነኽአ ኽሳዕ ምሸት ዝረኸሰ ይኸውን።
25
ነፍሲ ወከፍ ገምቢኦም ዘልዓለ ኸዓ፥ ክዳኑ ይሕፀብ፤ ክሳዕ ምሸት ድማ ዝረኸሰ ይኸውን።
26
ኵሉ እንስሳ ሸዀና ዘለዎ እሞ ፈፂሙ ዘይተሰንጠቐን ዘየመዅስዕን፥ ንኣኻትኩም ዝረኸሰ ይኹን፤ ኵሉ ዝነኽኦውን ዝረኸሰ ይኸውን።
27
በርባዕተ መሓውር ካብ ዝኸዱ ዅሎም እንስሳ፥ ብግናዕ ኢዶም ዝኸዱውን፥ ንሳቶም ንኣኻትኩም ርኹሳት እዮም። ኵሉ ገምቦም ዝነኽአውን ክሳዕ ምሸት ዝረኸሰ ይኸውን።
28
ኵሉ ገምቦም ዘልዓለ ድማ ኽዳኑ ይሕፀብ፤ ክሳዕ ምሸት እውን ዝረኸሰ ይኸውን። እዚኣቶም ንኣኻትኩም ርኹሳት እዮም።
29
ኣብ ምድሪ ለመም ካብ ዝብሉ ለመምታ ድማ እዚኣቶም ንኣኻትኩም ርኹሳት ይኹኑ፤ ፍሒራ፥ ኣንጭዋ፥ ሓማት-ተመን፥ በብዓይነቱ፥
30
ጠበቕ፥ ጭንቝራዕ፥ ጐብየ፥ ምጭልቚት፥ ነፋሒቶ።
31
ካብ ኵሉ ለመም ዝብል እዚኣቶም ንኣኻትኩም ርኹሳት ይኹኑ። ምስ ሞቱ፥ ዝነኽኦም ኵሉ ኽሳዕ ምሸት ዝረኸሰ ይኸውን።
32
ካብዚኣቶም ምስ ሞተ ዝወደቖ፥ ዝኾነ ዝስርሖ ኣቕሓ፥ ብዕንፀይቲ ዝተሰርሐ ኣቕሓ ኾነ፥ ወይ ክዳን፥ ወይ ጕኖ፥ ወይ ከረጢት፥ ረኺሱ እዩ እሞ ናብ ማይ ይእቶ፤ ክሳዕ ምሸት ድማ ዝረኸሰ ይኸውን፤ ብድሕሪኡ ድማ ይነፅህ።
33
ኣብ ዝኾነ ኣቕሓ መሬት፥ ካብዚኣቶም ኣብ ውሽጡ ዝወደቖ ኸዓ ኣብ ውሽጡ ዘሎ ዅሉ ዝረኸሰ ይኹን፤ ነቲ ኣቕሓ ድማ ስበርዎ።
34
ኣብ ዝኾነ ዝብላዕ ኻብቲ ዝረኸሰ ኣቕሓ መሬት ማይ እንተ ፈሰሶ፥ እቲ ምግቢ ርኹስ እዩ። በዝ ከምዙይ ዝበለ ኣቕሓ ዝስተ ዅሉ መስተ እውን ርኹስ እዩ።
35
ካብ ገምቢ እዚኣቶም ዝወደቖ ዅሉ ነገር ዝረኸሰ እዩ፤ ኣብ እቶን ወይ ኣብ ምድጃ እንተ ወዲቑ ድማ እቲ እቶን ኮነ እቲ ምድጃ ይፍረስ።
36
ነቲ ገምቢ ዝነኽአ ዅሉ ይረክስ፤ ዓይኒ ማይ ወይ ማይ ዝዓቘሮ ሓፅቢ ግና ንፁህ እዩ።
37
ካብ ገምቦም ሓደ ኣብ ዝዝራእ ዘርኢ እንተ ወደቐ ኸዓ፥ ንሱ ንፁህ እዩ።
38
ኣብ ልዕሊ እቲ ዘርኢ ማይ እንተ ፈሰሶ እሞ ኻብቲ ገምቦም እንተ ወደቖ ግና ንኣኻትኩም ዝረኸሰ እዩ።
39
ካብቶም ንመብልዕ ዝኾኑኹም እንስሳ እንተ በኸተ፥ እቲ ነቲ ገምቡ ዝነኽአ ኽሳዕ ምሸት ዝረኸሰ ይኸውን።
40
ካብቲ ገምቡ ዝበልዐ ኸዓ ኽዳኑ ይሕፀብ፤ ክሳዕ ምሸት ድማ ዝረኸሰ ይኸውን። ነቲ ገምቡ ዘልዓሎ እውን ክዳኑ ይሕፀብ፤ ክሳዕ ምሸት ድማ ዝረኸሰ ይኸውን።
41
ኵሉ ኣብ ምድሪ ለመም ዝብል ከዓ ፍንፉን እዩ፤ ስለዙይ ኣይበላዕ።
42
ኣብ ልዕሊ ምድሪ ለመም ዝብል ኵሉ ለመምታ፥ ብኸብዱ ዝኸይድ ኮነ በርባዕተ መሓውር ዝኸይድ፥ ወይ ብዙሕ ኣእጋር ዘለዎ ዅሉ፥ ፍንፉን እዩ እሞ፥ ኣይትብልዕዎ።
43
በቶም ለመም ዝብሉ ዅሎም ንሰብነትኩም ኣይተርክሱ፤ ብኣኣቶም ከይትረኽሱ ርእስኹም ኣይተርክሱ።
44
ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ እሞ ተቐደሱ። ኣነ ቅዱስ እየ እሞ፥ ቅዱሳን ኩኑ። ኣብ ምድሪ ብዝወሳወስ ኵሉ ለመም ዝብል ሰብነትኩም ኣይተርክሱ።
45
ኣምላኽኩም ክኸውን ኢለ ኻብ ምድሪ ግብፂ ዘውፃእኹኹም፥ ኣነ እግዚኣብሄር እየ። ኣነ ቅዱስ እየ እሞ፥ ንስኻትኩምውን ቅዱሳን ኩኑ።
46
ኣብ መንጎ ርኹስን ንፁህን ኣብ መንጎ ዝብላዕን ዘይብላዕን ፍጡር ፈሊኹም ምእንቲ ኽትፈልጡ ብዛዕባ እንስሳን ኣዕዋፍን ኣብ ማይ ዝወሳወስ ህይወት ዘለዎ ዅሉ እንስሳን፥ ኣብ ምድሪ ለመም ዝብል ኵሉ እንስሳን፥ ዘሎ ሕጊ እዙይ እዩ።
← Chapter 10
Chapter 12 →