bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Judges 9
Judges 9
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ኣቢሜሌክ ወዲ የሩበዓል ድማ ናብ ሴኬም ናብ ኣኮታቱ ኸይዱ፥ ንኣኣቶምን ንዅሎም እቶም ዓሌት ኣቦ እኖኡን ከምዙይ በሎም፦
2
“በይዛኻትኩም ንዅሎም ሰብ ሴኬም፥ ‘ኣየናይ ይሕሸኩም? ደቂ ጌዴዎን ብሰብዓኦም ክገዝኡኹምዶ ወይ ከዓ ሓደ ሰብኣይ ክገዝአኩም ይሕሸኩም?’ ኢልኩም ጠይቕዎም፤ ኣነ ኸዓ ናይ ስጋኹም ቍራፅ ናይ ዓፅምኹም ፍላፅ ከም ዝኾንኩ ዘክሩ” በሎም።
3
እቶም ኣኮታቱ ኸዓ ዅሉ እዝ ነገርዙይ ብዛዕባኡ ኣብ እዝኒ ዅሎም ሰብ ሴኬም ተናገሩ። ንሳቶምውን “ንሱ ሓውና እዩ” ኢሎም ልቦም ናብ ኣቢሜሌክ ከም ዝዝምብል ገበሩ።
4
ካብ ቤት በዓል በሪትውን ሰብዓ ቕርሺ ብሩር ሃብዎ፤ ብእኡ ገይሩ ኸዓ ዝስዕብዎ ዘይረብሑ ዓመፀኛታት ሰባት ቈፀረሉ፤ ንሳቶምውን ተኸተልዎ።
5
ናብ ገዛ ኣቦኡ ናብ ኤፍራታ መፂኡ ነቶም ደቂ ጌዴዎን ሰብዓ ኣሕዋቱ፥ ኣብ ልዕሊ ሓደ እምኒ ሓረዶም። ኢዮኣታም እቲ ንእሽተይ ወዲ ጌዴዎን ግና፥ ተሓቢኡ ስለ ዝነበረ፥ ኣምለጠ።
6
ኵሎም ሰብ ሴኬምን ኵሎም ቤት ሚሎንን ተኣከቡ፤ ከይዶም ከዓ ንኣቢሜሌክ ኣብ ጥቓ እቲ ኣብ ሴኬም ዘሎ ዝምለኽ ዓብዪ ኦም፥ ኣንገስዎ።
7
ንኢዮኣታም እዙይ ምስ ነገርዎ፥ ናብ ርእሲ እምባ ገሪዛን ከይዱ ደው በለ፤ ድምፁ ዓው ኣቢሉ ኸዓ ኸምዙይ በሎም፦ “ኣቱም ሰብ ሴኬም፥ እግዚኣብሄር ክሰምዐኩምስ ስምዑኒ።
8
ሓደ መዓልቲ፥ ኣእዋም ኣብ ልዕሊኣቶም ንጉስ ከንግሱ ኸዱ እሞ፥ ነውልዕ፥ ‘ኣብ ልዕሌና ንገስ’ በልዎ።
9
“እቲ ኣውሊዕ ግና ‘ኣባኻትኩም ምእንቲ ኽነግስስ ነቲ እግዚኣብሄርን ሰባትን ዝኸብሩሉ ዘይተይ ምሃብዶ ኽሓድግ እየ?’ በሎም።
10
“ሽዑ እቶም ኣእዋም ንበለስ፦ ‘ንስኻ ነዓ እሞ ኣብ ልዕሌና ንገስ’ በልዎ።
11
“እቲ በለስ ግና፥ ‘ከይደ ኣብ ልዕሊ ኣእዋም ክነግስ ኢለስ፥ ነቲ ጥዑምን ፅቡቕን ፍረይ ምሃብዶ ኽሓድግ እየ?’ በሎም።
12
“እቶም ኣእዋም ድማ ንወይኒ ‘ንስኻ ነዓ እሞ ኣብ ልዕሌና ንገስ’ በልዎ።
13
“እቲ ወይኒ ኸዓ ‘ኣብ ልዕሌኹም ክነግስ ክብልስ፥ እቲ ንእግዚኣብሄርን ንሰባትን ዘሕጕስ ወይነይ ምሃብዶ ኽሓድግ እየ?’ በሎም።
14
“ኣብ መወዳእታ ድማ ዅሎም ኣእዋም ንዓሻዅ ቈጥቋጥ፥ ‘ንስኻ ነዓ እሞ ኣብ ልዕሌና ንገስ’ በልዎ።
15
“እቲ ኣሻዅ ቈጥቋጥ ድማ፥ ‘ብሓቂ ንኣይ ቀቢእኹም ኣብ ልዕሌኹም ክተንግሱኒ እንተ ደኣ ደሊኹምስ፥ ኣብ ፅላለይ ኣፅልሉ፥ እንተ ዘይኮነ ድማ ኻብቲ ኣሻዅ ቈጥቋጥ ሓዊ ይውፃእ እሞ ነቲ ፅሕድታት ሊባኖስ የቃፅሎ’ ”
16
ኢዮኣታም ከዓ ቐፂሉ “ብሓቅን ብቕንዕናን ዲኹም ንኣቢሜሌክ ዘንገስኩምዎ? ንይሩበዓልን ንቤተሰቡን ከም ግብሪ ኢዱ ዲኹም ዝፈደኹምዎ?
17
ኣቦይ ምእንታኻትኩም ተዋግአ፤ ካብ ኢድ ምድያማውያን ከድሕነኩምውን ነፍሱ ንሞት ኣሕሊፉ ንምሃብ ድልዊ ነበረ።
18
ንስኻትኩም ግና ሎሚ ኣብ ልዕሊ ቤት ኣቦይ ተልዓልኩም። ንብሰብዓኦም ደቁ ድማ ኣብ ልዕሊ ሓደ እምኒ ቐተልኩምዎም፤ ሓውኩም ስለ ዝኾነ ኸዓ ንኣቢሜሌክ ወዲ እታ ኣገልጋሊት ኣቦይ ኣብ ሴኬም ኣንገስኩምዎ።
19
እምበኣር በዛ መዓልቲ እዚኣ ንጌዴዎንን ንገዛኡን ብሓቅን ብቕንዕናን ጌርኩም ንኣቢሜሌክ እንተ ደኣ ኣንጊስኩምዎ ዄንኩም፥ ብእኡ ተሓጐሱ፤ ንሱውን ብኣኻትኩም ይተሓጐስ።
20
እንተ ዘይኮነ ኻብ ኣቢሜሌክ ሓዊ ይውፃእ እሞ ንሰብ ሴኬምን ንቤት ሚሎንን የቃፅል። ካብ ሰብ ሴኬምን ካብ ቤት ሚሎን ከዓ ሓዊ ይውፃእ እሞ ንኣቢሜሌክ የቃፅሎ” በሎም።
21
ኢዮኣታም ከዓ ንሓዉ ኣቢሜሌክ ስለ ዝፈርሐ ካብኡ ሃዲሙ ኸደ፤ ኣብ ብኤር ድማ ተቐመጠ።
22
ኣቢሜሌክ ኣብ እስራኤል ሰለስተ ዓመት ገዝአ።
23
ኣምላኽ ከዓ ኣብ መንጎ ኣቢሜሌክን ሰብ ሴኬምን ክፉእ መንፈስ ሰደደ እሞ ንኣቢሜሌክ ከድዕዎ።
24
እዙይ ዝኾነ እቲ ኣብቶም ሰብዓ ደቂ ጌዴዎን ዝተገብረ ግፍዕን ምፍሳስ ደምን ምእንቲ ኽፍደ፥ እቲ ዝቐተሎም ሓዎም ኣቢሜሌክን እቶም ኣብ ምቕታል ኣሕዋቱ ዝደገፍዎ ሰብ ሴኬምን፥ ምእንቲ ኽቕፅዑ እዩ።
25
እቶም ሰብ ሴኬም ድማ ኣብ ርእሲ እምባታት ሕቡእ ደጀን ኣንበሩሉ። ንሳቶም ከዓ ንዅሎም ነቶም ብእኡ ዝሓልፉ ሰባት ይኸትሩ ነበሩ፤ ነዙይ ድማ ኣቢሜሌክ ሰምዐ።
26
ገዓል ወዲ ኣቤድን ኣሕዋቱን ድማ መፂኦም ናብ ሴኬም ኣተዉ፤ ሰብ ሴኬም ከዓ ኣብ ገዓል እምነት ኣሕደሩ።
27
ናብ ገራሁ ድማ ወፈሩ፤ ወይኖም ቈሪፆም ከዓ ፀመቑ፤ ናይ ሓጐስ በዓልውን ገበሩ፤ ናብ ቤት ኣምላኾም ኣትዮም ድማ በልዑን ሰተዩን፤ ንኣቢሜሌክውን ፀረፍዎ።
28
ገዓል ወዲ ኣቤድ ድማ ኸምዙይ በለ፦ “ንሕና ሰብ ሴኬም እንግዝኦስ ኣቢሜሌክ መን እዩ? ዜቡል ዝበሃል ሹም ዝሕግዞ ወዲ ጌዴዎንዶ ኣይኮነን? ንስኻትኩምስ ንሰብ ኤሞር ኣቦ ሴኬም ደኣ ተገዝኡ። ንሕና ንኣቢሜሌክ እንታይ ኢልና ንግዝኦ?
29
እዝ ህዝቢ እዙይ ኣብ ትሕቲ ኢደይ እንተ ዝኸውን ነይሩ፥ ንኣቢሜሌክ መሳጐጕክዎ ነይረ፤ በለ። ንኣቢሜሌክ ከዓ ‘ሰራዊትካ ኣብዚሕኻ ውፃእ’ በሎ።”
30
ሹም እታ ኸተማ ዜቡል፥ ዘረባ ገዓል ወዲ ኣቤድ ምስ ሰምዐ ተቘጥዐ።
31
ናብ ኣቢሜሌክ ከዓ ብምስጢር ከምዙይ ኢሉ ልኡኻት ሰደደ፦ “ገዓል ወዲ ኣቤድን ኣሕዋቱን እንሆ ናብ ሴኬም ኣትዮም ነዛ ኸተማ ኣብ ልዕሌኻ ኽትዕምፅ የለዓዕሉዋ ኣለዉ።
32
ሕዚ ኸዓ፥ ንስኻን እቲ ምሳኻ ዘሎ ህዝብን ብለይቲ ተሲእኹም፥ ኣብ በረኻ ኣድብዩ።
33
ፅባሕ ፀሓይ ክትበርቕ እንተላ ኣንጊህኹም ተስኡ እሞ ነዛ ኸተማ ሓደጋ ኣውድቑላ። እንሆ ኸዓ፥ ንሱን ምስኡ ዘሎ ህዝብን ምስ መፁኻ ኢድካ ኸም ዝረኸበት ግበሮም” በሎ።
34
ድሕሪዙይ ኣቢሜሌክን እቲ ምስኡ ዝነበረ ህዝብን ብለይቲ ተሲኦም ኣርባዕተ ኽፍሊ ኾይኖም ኣብ ጥቓ ሴኬም ኣድበዩ።
35
ገዓል ወዲ ኤቤድ ድማ ወፂኡ፥ ኣብ ኣፍ ደገ እታ ኸተማ ደው በለ፤ ኣቢሜሌክ ከዓ ምስቲ ምስኡ ዝነበረ ህዝቢ ኻብቲ ዘድበየሉ ተስአ።
36
ገዓል ድማ ነቲ ህዝቢ ምስ ረአየ፥ ንዜቡል “እንሆ ህዝቢ ኻብ ርእሲ ጎቦታት ይወርዱ ኣለዉ” በሎ። ዜቡል ከዓ “ንኣኻ ሰብ መሲሉ ዝረአየካ ዘሎ ፅላሎት እምባታት እዩ” በሎ።
37
ገዓል ድማ መሊሱ “እንሆ ኻብ ማእኸል እታ ሃገር ህዝቢ ይወርዱ ኣለዉ፤ ሓደ ኽፍሊ ኸዓ ብመንገዲ እታ ዓባይ ኦም ጠንቈልቲ ኣቢሉ ይመፅእ ኣሎ” ኢሉ ተዛረበ።
38
ሽዑ ዜቡል “እቲ ንሕና እንግዝኦስ ኣቢሜሌክ መን እዩ? ዝበልካሉ፥ ኣፍካ ሕዚ ደኣ ኣበይ ኣሎ? እዙይ እቲ ዝነዓቕካዮ ህዝቢዶ ኣይኮነን? እምበኣር ሕዚ ወፂእኻ ተዋግኣዮ” በሎ።
39
ገዓል ድማ ንሰብ ሴኬም መሪሕዎም ወፀ እሞ ምስ ኣቢሜሌክ ተዋግአ።
40
ኣቢሜሌክ ግና ኣሳጐጎም እሞ ኻብ ቅድሚኡ ሃደሙ፤ ክሳዕ ደገ እታ ኸተማ ኸዓ ብዙሓት ተወጊኦም ወደቑ።
41
ኣቢሜሌክ ድማ ኣብ ኣሩማ ተቐመጠ፤ ዜቡል ከዓ ንገዓልን ነሕዋቱን ኣብ ሴኬም ከይቕመጡ ኣሳጐጎም።
42
ንፅባሒቱ ኸዓ እቲ ህዝቢ ናብ ገራሁኡ ወፈረ፤ እዙይ ድማ ንኣቢሜሌክ ነገርዎ።
43
ነቲ ምስኡ ዝነበረ ህዝቢ ወሲዱ ኸዓ ኣብ ሰለስተ ሰራዊት መቐሎ፤ ኣብ በረኻ ኸዓ ሕቡእ ደጀን ኣንበረ። እንሆ ድማ እቲ ህዝቢ ኻብ ከተማ ኽወፅእ ምስ ረአየ ተሲኡ ቐተሎም።
44
ኣቢሜሌክን እቶም ምስኡ ዝነበሩ ሰራዊትን ጐይዮም ኣብ ኣፍ ደገ እታ ኸተማ ደው በሉ። እቶም ክልተ ኽፍሊ ሰራዊት ከዓ ጐይዮም ነቶም ኣብ ገራሁ ዝነበሩ ዅሎም ወድእዎም።
45
ኣቢሜሌክ ከዓ በታ መዓልቲ እቲኣ ነታ ኸተማ ብምልእታ ተዋግኣ፤ ነታ ኸተማ ሒዙ ድማ ኣብኣ ንዝነበረ ህዝቢ ቐተለ። ነታ ኸተማ ኣፍሪሱ ኸዓ ጨው ዘርአላ።
46
ኵሎም እቶም ኣብ ግንቢ ሴኬም ዝነበሩ እዙይ ምስ ሰምዑ፥ ናብ ቤት ኤልብሪት ኣተዉ።
47
ኵሎም እቶም ኣብ ግንቢ ሴኬም ዝነበሩ ሰባት ከም ዝተኣከቡ ኣቢሜሌክ ሰምዐ።
48
ሽዑ ኣቢሜሌክን እቲ ምስኡ ዝነበረ ዅሉ ህዝብን ናብ እምባ ሰልሞን ደየቡ። ኣቢሜሌክ ድማ ብኢዱ ማሕፀ ወሲዱ ሓደ ጨንፈር ኦም ቈረፀ፤ ኣልዒሉ ኸዓ ኣብ ማእገሩ ገበሮ። ነቶም ምስኡ ዝነበሩ ህዝቢ “ከምቲ ኣነ እንትገብሮ ዝረአኹምዎ ንስኻትኩምውን ቀልጢፍኩም ከምኡ ግበሩ” በሎም።
49
ስለዙይ ኵሉ እቲ ህዝቢ ነፍሲ ወከፍ ጨጨንፈሩ ቘረፀ፤ ንኣቢሜሌክ ስዒቦም ድማ ኣብቲ ዕርዲ ኣንበርዎ፤ ነቲ ዕርዲ ኸዓ ኣብ ልዕሊኣቶም ኣንደድዎ። ኵሎም ኣብ ግንቢ ሴኬም ዝነበሩ ሰባት ድማ ኣስታት ሽሕ ሰብኡትን ኣንስትን ሞቱ።
50
ኣቢሜሌክ ቀፂሉ ናብ ቴቤስ ከደ፤ ንኣኣ ኸዓ ኣኽቢቡ ሓዛ።
51
ኣብ ማእኸል እታ ኸተማ ድማ ፅኑዕ ግንቢ ነበረ፤ ኵሎም ሰብ እታ ኸተማ፥ ሰብኡትን ኣንስትን፥ ናብኡ ሃደሙ፤ ኣብ ውሽጡውን ተዓፀዉ፤ ናብ ናሕሲ እቲ ግንቢ ኸዓ ደየቡ።
52
ኣቢሜሌክ ድማ ናብቲ ግንቢ ቀሪቡ ተዋግአ፤ ብሓዊ ኸንድዶ ኸዓ ናብ ኣፍ ደገ እቲ ግንቢ በፅሐ።
53
ሓንቲ ሰበይቲ ድማ ኣብ ልዕሊ ርእሲ ኣቢሜሌክ መዲድ ደርብያ ናላኡ ጨፍለቐቶ።
54
ሽዑ ነቲ ኣፅዋሩ ዝስከመሉ ጐበዝ ቀልጢፉ ፀዊዑ፥ “ሰበይቲ ቐቲላቶ ኸይብሉንስ፥ ሰይፍኻ መዚዝካ ቕተለኒ” በሎ። እቲ ጐበዝ ከዓ ወግኦ እሞ ሞተ።
55
ሰብ እስራኤል ኣቢሜሌክ ከም ዝሞተ ምስ ረአዩ ነናብ ቤቶም ከዱ።
56
ኣቢሜሌክ ነቶም ሰብዓ ኣሕዋቱ ብምቕታሉ፥ ክንዲ እቲ ነቦኡ ኽፉእ ዝገበሮ፥ ኣምላኽ ከምዙይ ገይሩ ናብኡ መለሰሉ።
57
ኵሉ እቲ ኽፍኣት ሰብ ሴኬም ድማ፥ ኣምላኽ ናብ ርእሶም መለሰሎም። እቲ መርገም ኢዮኣታም ወዲ ጌዴዎን ከዓ ኣብ ረርእሶም በፅሐ።
← Chapter 8
Chapter 10 →