bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Judges 10
Judges 10
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ድሕሪ ኣቢሜሌክ ከዓ፥ ቶላ ወዲ ፎሖ፥ ወዲ ዱዲ፥ ካብ ነገድ ይሳኮር፥ ንእስራኤል ከድሕን ተስአ። ንሱ ኣብ ኰረብታታት ኤፍሬም ኣብ ሳምር ይቕመጥ ነበረ።
2
ንደቂ እስራኤል ከዓ ዕስራን ሰለስተን ዓመት ፈረደ፤ ሞተውን፥ ኣብ ሳምር ከዓ ተቐበረ።
3
ድሕሪኡ ድማ ገለዓዳዊ ኢያኢር ተስአ፤ ንደቂ እስራኤል ከዓ ዕስራን ክልተን ዓመት ፈረደ።
4
ንሱ ኣብ ልዕሊ ሰላሳ ኣእዱግ ዝቕመጡ፥ ሰላሳ ደቂ ነበርዎ፤ ኣብ ምድሪ ገለዓድ ዘለዋ ሰላሳ ኸተማታት ከዓ ይገዝኡ ነበሩ። ንሳተን ክሳዕ ሎሚ ዓድታት ኢያኢር ይበሃላ ኣለዋ።
5
ኢያኢር ምስ ሞተ ኸዓ ኣብ ቃሞን ተቐበረ።
6
ደቂ እስራኤል መሊሶም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ግብሪ ገበሩ፤ በዓሊምን ኣስታሮትን ንዝበሃሉ ባዕዳን ኣማልኽትን፥ ከምኡውን ንኣማልኽቲ ሶርያን ንኣማልኽቲ ሲዶንን ንኣማልኽቲ ሞኣብን ንኣማልኽቲ ደቂ ኣሞንን ንኣማልኽቲ ፍልስጥኤማውያንን ኣምለኹ፤ ንእግዚኣብሄር ግና ሓደግዎ፤ ናብኡ ምስጋድውን ገደፍዎ።
7
ሽዑ ቝጥዓ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ደቂ እስራኤል ነደደ፤ ናብ ኢድ ፍልስጥኤማውያንን ናብ ኢድ ደቂ ኣሞንን ከዓ ኣሕሊፉ ሃቦም።
8
ንሳቶም ከዓ በታ ዓመት እቲኣ ንደቂ እስራኤል ኣጨነቑዎምን ኣሳቐይዎምን። ነቶም ኣብ ማዕዶ ፈለግ ዮርዳኖስ፥ ኣብታ ኣብ ገለዓድ ዘላ ምድሪ ኣሞራውያን ንዝነብሩ ዅሎም ደቂ እስራኤል ድማ ዓሰርተ ሸሞንተ ዓመት ኣጨኒቖም ገዝእዎም።
9
ከምኡውን ደቂ ኣሞን ምስ ይሁዳን ምስ ብንያምን ምስ ቤት ኤፍሬምን ክዋግኡ ናብ ዮርዳኖስ ተሳገሩ እሞ፥ ደቂ እስራኤል የመና ጨነቖም።
10
ሽዑ ደቂ እስራኤል “ንኣኻ ንኣምላኽና ሓዲግና ንኣማልኽቲ በዓሊም ኣምሊኽና ኢና እሞ፥ በዲልና ኢና” ኢሎም ናብ እግዚኣብሄር ኣእወዩ።
11
እግዚኣብሄር ድማ ንደቂ እስራኤል ከምዙይ በሎም፦ “ግብፃውያንን ኣሞራውያንን ኣሞናውያንን ፍልስጥኤማውያንን ሲዶናውያንን ኣማሌቃውያንን ማኦናውያንን ምስ ኣጨነቑኹም፥ ናባይ ተማህለልኩም እሞ ኻብ ኣእዳዎም ኣድሓንኩኹም።
13
ንስኻትኩም ግና ንኣይ ሓዲግኩም ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኣምለኽኩም፤ ስለዙይ ድሕሪ ደጊም ኣየድሕነኩምን እየ።
14
ብጊዜ መከራኹም ከድሕኑኹምስ ናብቶም ዝሓረኹምዎም ኣማልኽቲ ደኣ ኼድኩም ተማህለሉ።”
15
ደቂ እስራኤል ድማ ንእግዚኣብሄር “በይዛኻ በዛ መዓልቲ እዚኣ ደኣ ኣድሕነና እምበር፥ በዲልና ኢና፤ ንስኻ ኸምቲ ዝሐይሽ ኮይኑ ዝተርአየካ ደስ ዝበለካ ግበረና” በልዎ።
16
ሽዑ ነቶም ባዕዳን ኣማልኽቲ ኻብ ማእኸሎም ኣወገዱ፤ ንእግዚኣብሄርውን ኣምለኹ። እግዚኣብሄር ከዓ ንመከራ እስራኤል ክፅመም ኣይከኣለን።
17
ደቂ ኣሞን ድማ ተፀዋዊዖም ክዋግኡ ኣብ ገለዓድ ሰፈሩ፤ ደቂ እስራኤልውን ተኣኪቦም ኣብ ምፅጳ ሰፈሩ።
18
ሹመኛታት ህዝቢ ገለዓድ ድማ ንስንሳቶም “እቲ ምስ ደቂ ኣሞን ውግእ ዝጅምር ሰብኣይ መን እዩ? ንሱ ነቶም ኣብ ገለዓድ ዝነብሩ ዅሎም ሓለቓ ይኹኖም” ተበሃሃሉ።
← Chapter 9
Chapter 11 →