bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Judges 8
Judges 8
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ሰብ ኤፍሬም ድማ “እቲ ምስ ምድያማውያን ክትዋጋእ ኽትከይድ እንተለኻስ ስለ ምንታይ ዘይፀዋዕኻና? ንምንታይከ ኸምዙይ ገበርካና?” በልዎ። ኣበርቲዖምውን ተፃልእዎ።
2
ንሱ ድማ “እቲ ኣነ ዝገበርክዎ ምስቲ ናታትኩም ክነፃፀር እንተሎ ኣብ ቍፅሪ ዝኣቱ ኣይኮነን፤ ደሓር ከዓ ኻብ ምህርቲ ወይኒ ኢይዝራኤልስ ቀሪም ዘለላ ኤፍሬምዶ ኣይሐይሽን?
3
ኣምላኽውን ነቶም ሹመኛታት ምድያም፥ ንሔሬብን ንዜብን፥ ኣብ ኢድኩም እዩ ኣሕሊፉ ዝሃበኩም፤ ኣነ ድኣ ምስ እዙይ ዝወዳደር እንታይ ሰሪሐ?” ሽዑ እዝ ዘረባዙይ ምስ ተዛረቦም፥ ቍጥዓኦም ሃድአ።
4
ጌዴዎንን እቶም ምስኡ ዝነበሩ ሰለስተ ሚእቲ ሰባትን ናብ ፈለግ ዮርዳኖስ መፁ፤ ተሳገርዎውን። ደኺሞም እኳ እንተ ነበሩ ንፀላእቶም የሳጕጉዎም ነበሩ።
5
ንሰብ ሱኮት ከዓ “ኣነ ደድሕሪ ዛብሄልን ስልማናን፥ ነገስታት ምድያም፥ ስዒበ ኣሳጕጎም ኣለኹ፤ እዞም ዝስዕቡኒ ዘለዉ ህዝቢ ድማ ደኺሞም እዮም እሞ፥ በይዛኻትኩም እንጀራ ሃብዎም” በሎም።
6
እቶም ሹመኛታት ሱኮት ግና “ንሰራዊትካ እንጀራ ኽንህቦምስ፥ ኢድ ዛብሄልን ስልማናንዶ ሕዚ ኣብ ኢድካ እየን?” በልዎ።
7
ጌዴዎን ከዓ “እግዚኣብሄር ንዛብሄልን ንስልማናን ኣብ ኢደይ ኣሕሊፉ ምስ ሃበኒ፥ ንኣኻትኩም ብእሾዅ በረኻን ብዳንዴርን ክገርፈኩም እየ” በሎም።
8
ካብኡ ጵኒኤል ናብ ዝበሃል ቦታ ደየቡ፤ ንኣኣቶም ከዓ ኸምኡ ኢሉ ተዛረቦም። እቶም ሰብ ጵኒኤል ድማ ኸምቲ ናይ ሰብ ሱኮት ገይሮም መለሱሉ።
9
ንሱውን ንሰብ ጵኒኤል ከዓ፥ “ብሰላም ምስ ተመለስኩ፥ ነዝ ግንቢ እዙይ ከፍርሶ እየ” በሎም።
10
ዛብሄልን ስልማናን፥ ምስ ሰራዊቶም ኣብ ቀርቀር ነበሩ፤ እቶም ካብ ኵሉ ሰራዊት ሰብ ምብራቕ ዝመፁ ኣስታት ዓሰርተ ሓሙሽተ ሽሕ ዝኾኑ ተሪፎም ነበሩ። እቶም ወዲቖም ዝነበሩ ድማ ሚእትን ዕስራን ሽሕ ሰይፊ ዝመዝዙ ሰባት ነበሩ።
11
ጌዴዎን ድማ ብመንገዲ እቶም ኣብ ምብራቕ ኖባን ዮግበሃን ኣብ ድንኳን ሃዲኦም ናብ ዝነብሩ ሰራዊት ደዪቡ፥ ነቲ ኣብ ሰፈር ዘሎ ሰራዊት ኣዘንጊዑ ወቕዖ።
12
ዛብሄልን ስልማናን ከዓ ሃደሙ፤ ንሱ ግና ደድሕሪኣቶም ሰዓበ፤ ንኽልቲኦም ነገስታት ምድያም፥ ንዛብሄልን ስልማናን ድማ ማረኾም፥ ንዅሉ ሰራዊቶምውን ኣሸበሮ።
13
ጌዴዎን ወዲ ኢዮኣስ ካብ ውግእ፥ ብዓቐበት ሔረስ ኣቢሉ ተመለሰ።
14
ካብ ሰብ ሱኮት ንሓደ መንእሰይ ሒዙ ጠየቖ፤ ንሱ ኸዓ ስም ናይ ሰብዓን ሸውዓተን ናይ ሱኮት ሹመኛታትን ዓበይቲ ሰባትን ፀሓፈሉ።
15
ናብ ሰብ ሱኮት መፂኡ ድማ “ነቶም ዝደኸሙ ሰብካ እንጀራ ኽንህቦምስ፥ ኢድ ዛብሄልን ኢድ ስልማናን ሕዚ ኣብ ኢድካ ድዩ? ኢልኩም ዘባጨኹምለይስ፥ ዛብሄልን ስልማናን እኒሀዉ” በሎም።
16
ነቶም ዓበይቲ እታ ኸተማ ሒዙ ንሰብ ሱኮት ብእሾዅ በረኻን ዳንዴርን ገይሩ ገረፎም።
17
ንግንቢ ጵኒኤልውን ኣፍረሶ፤ ንሰብ እታ ኸተማ ኸዓ ቐተሎም።
18
ንዛብሄልን ንስልማናን ድማ “እቶም ኣብ ታቦር ዝቐተልኩምዎም ሰባት ከመይ ዝበሉ ነበሩ?” ኢሉ ጠየቖም። ንሳቶም ከዓ “ከማኻ ዝበሉ ነበሩ፤ ንኣኻውን ይመስሉ ነበሩ። ነፍሲ ወከፍ መልክዖምውን መልክዕ ደቂ ንጉስ ይመስል ነበረ” ኢሎም መለሱሉ።
19
ንሱ ኸዓ “ኣሕዋተይ ደቂ እኖይ እኮ እዮም ነይሮም፤ እግዚኣብሄር ህያው እዩ፤ ብህይወት እንተ እትሓድግዎም ኔርኩም ኣይምቐተልኩኹምን ነይረ” በሎም።
20
ንዮቴር በዅሪ ወዱ “ተሲእኻ ቕተሎም” በሎ። እቲ ወዱ ግና ንእሽተይ ነበረ እሞ፥ ስለ ዝፈርሐ ሰይፊ ኣይመዘዘን።
21
ሽዑ ዛብሄልን ስልማናን “ሓይሊ ሰብ ከም ሰብነቱ እዩ እሞ፥ ንስኻ ተሲእኻ ቕተለና” በልዎ። ጌዴዎን ከዓ ተሲኡ ንዛብሄልን ስልማናን ቀተሎም፤ እቲ ኣብ ክሳድ ኣግማሎም ዝነበረ ዳቋታት ከዓ ወሰደ።
22
ሽዑ ደቂ እስራኤል ንጌዴዎን፥ “ካብ ኢድ ምድያም ኣድሒንካና ኢኻ እሞ ንስኻን ወድኻን ወዲ ወድኻን ግዝኡና” በልዎ።
23
ጌዴዎን ከዓ “ኣነስ ኣይገዝአኩምን፤ ወደይውን ኣይገዝአኩምን፤ እግዚኣብሄር ደኣ ይግዛእኹም” በሎም።
24
እስማኤላውያን ስለ ዝነበሩ ናይ ወርቂ ኵትሻ ነበሮምሞ፥ ጌዴዎን “ኵልኻትኩም ካብቲ ዝማረኽኩምዎ ኵትሻኹም ንኽትህቡኒ እልምነኩም ኣለኹ” በሎም።
25
ንሳቶም ከዓ “ብፍቓድና ንህበካ” በልዎ። ነፀላ ድማ ዘርግሑ፤ ነፍሲ ወከፍ ከዓ እቲ ዝማረኾ ቐለበታት ናብኡ ደርበየ።
26
ብዘይ እቲ ኣብ ነገስታት ምድያም ዝነበረ ድሪን ኵትሻን ግምጃ ኽዳውንትን፥ ብዘይ እቲ ኣብ ክሳውዲ ኣግማሎም ዝነበረ ዳቋታት፥ እቲ ዝለመኖ ቐለበታት ወርቂ ሚዛኑ ዳርጋ ዕስራ ኪሎ ግራም ኮነ።
27
ጌዴዎን ድማ ንእኡ ኤፉድ ገይሩ፥ ኣብ ከተማኡ ኣብ ኤፍራታ ኣንበሮ። ኵሉ እስራኤል ከዓ ደድሕሪኡ ስዒቡ ኣመንዘረሉ። እዙይ ከዓ ንጌዴዎንን ንቤተሰቡን መፈንጠር ኮነ።
28
ምድያም ከዓ ኣብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ተዋረዱ፤ መሊሶምውን ርእሶም ኣየልዓሉን። እታ ሃገር ድማ ብዘመን ጌዴዎን ኣርብዓ ዓመት ዕረፍቲ ረኸበት።
29
ይሩበዓል ኢዮኣስ ከዓ ኸይዱ ኣብ ገዛኡ ተቐመጠ።
30
ንሱ ድማ፥ ብዙሓት ኣንስቲ ነበራኦ እሞ፥ ካብ ሕቈኡ ዝተወለዱ ሰብዓ ኣወዳት ነበርዎ።
31
እታ ኣብ ሴኬም ዝነበረት ሰበይቲ ወሰኑ ድማ ወዲ ወለደትሉ፤ ስሙ ኸዓ ኣቢሜሌክ ኢሉ ሰመዮ።
32
ጌዴዎን ወዲ ኢዮኣስ ዕድመ ፀጊቡ ሞተ፤ ኣብታ ናይ ኣቢዔዝራውያን ዖፍራ ኣብ መቓብር ኣቦኡ ኢዮኣስ ከዓ ተቐበረ።
33
ጌዴዎን ምስ ሞተ፥ ደቂ እስራኤል ተመሊሶም ደድሕሪ በዓሊም ስዒቦምውን ኣመንዘሩ። ንበዓልብሪት ከዓ ኣምላኾም ገበርዎ።
34
ደቂ እስራኤል ነቲ ኻብ ኢድ እቶም ኣብ ዙርያኦም ዝነብሩ ዅሎም ፀላእቶም ዘድሓኖም እግዚኣብሄር ኣምላኾም ኣይዘከርዎን።
35
ንቤት ይሩበዓል ንጌዴዎን ከምቲ ንሱ ንእስራኤል ዝገበረሎም ኵሉ ፅቡቕ ነገር፥ ዝኾነ ሞሳ እኳ ኣይመለሱሉን።
← Chapter 7
Chapter 9 →