bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Judges 7
Judges 7
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ንፅባሒቱ ድማ ይሩበዓል፥ ዝተብሃለ ጌዴዎንን፥ እቲ ዅሉ ምስኡ ዝነበረ ህዝብን ኣንጊሆም ተስኡ፤ ኣብ ጥቓ ዓይኒ ማይ ሓሮድ ከዓ ሰፈሩ። ሰፈር ምድያም ድማ ብወገን ሰሜኖም ኣብ ኰረብታ ሞሬ፥ ኣብቲ ጥቓ ለሰ ነበረ።
2
እግዚኣብሄር ከዓ ንጌዴዎን “ኣነ ንምድያም ኣብ ኢዶም ኣሕሊፈ ኽህቦም እየ፤ እንተ ኾነ እዞም ምሳኻ ዘለዉ ህዝቢ እምብዛ ስለ ዝበዝሑ ‘ብሓይልና ኢና ዝደሓንና’ ኢሎም ክዕበዩ እዮም።
3
እምበኣር ሕዚ ነቶም ህዝቢ ‘ካብ ፍርሓት ዝተልዓለ ዅሉ ራዕዲ ዝሓዞ ኻብ እምባ ገለዓድ ይመለስ’ ኢልካ ኣብ እዝኖም ኣውጀሎም” በሎ። ሽዑ ኻብቶም ህዝቢ ዕስራን ክልተን ሽሕ ተመለሱ፤ ዓሰርተ ሽሕ ከዓ ተረፉ።
4
እግዚኣብሄር ድማ ንጌዴዎን “እዝ ህዝቢ ገና ብዙሕ እዩ፤ ናብ ማይ ኣውርዶም እሞ፥ ኣብኡ ኽፈትኖም እየ። እቲ ኣነ ‘እዙይ ምሳኻ ይኺድ’ ዝብለካ፥ ንሱ ምሳኻ ይኺድ፥ እቲ ‘ምሳኻ ኣይኺድ’ ዝብለካ ዅሉ ኸዓ፥ ምሳኻ ኣይኺድ” በሎ።
5
ሽዑ ጌዴዎን ነቲ ህዝቢ ናብ ማይ ኣውረዶ፤ እግዚኣብሄር ድማ ንጌዴዎን “ነቲ ኸም ኣሳትያ ኸልቢ ብመልሓሱ ማይ ዝሰቲ ንበይኑ ፍለዮ፤ ነቲ ብብርኩ ተንበርኪኹ ዝሰቲውን ከምኡ ንበይኑ ፍለዮ” በሎ።
6
ኵሎም እቶም ብኢዶም ሓፊኖም ማይ ዝሰተዩ ኸዓ ሰለስተ ሚእቲ ሰባት ኮኑ። እቶም ዝተረፉ ህዝቢ ግና ማይ ክሰትዩ፥ ብብርኮም ተምበርከኹ።
7
እግዚኣብሄር ድማ ንጌዴዎን “በዞም ብኢዶም ሓፊኖም ዝሰተዩ ሰለስተ ሚእቲ ሰባት ከድሕነኩም እየ፤ ንምድያማውያን ከዓ ኣብ ኢድኩም ኣሕሊፈ ኽህበኩም እየ። እቲ ዝተረፈ ህዝቢ ግና ነፍሲ ወከፍ ነናብ ዓዱ ይመለስ” በሎ።
8
ሽዑ ጌዴዎን ነቶም ስንቅን መለኸትን ዝወሰዱ ሰለስተ ሚእቲ ሰብ ወሲዱ፥ ነቶም ዝተረፉ ዅሎም ህዝቢ እስራኤል ነናብ ድንኳኖም ሰደዶም። ሰፈር ምድያማውያን ድማ ኣብ ትሕቲኡ ኣብቲ ለሰ ነበረ።
9
በታ ለይቲ እቲኣ እግዚኣብሄር ንጌዴዎን “ንምድያም ኣብ ኢድካ ሂበካ እየ እሞ፥ ተሲእኻ ናብቲ ሰፈሮም ውረድ።
10
ንበይንኻ ምውራድ እንተ ፈሪሕኻ ግና ምስ ፉራ ሓሽከርካ ዄንካ ናብቲ ሰፈር ውረድ።
11
እቲ ዝዛረብዎ ስማዕ፤ ብድሕሪኡ ናብቲ ሰፈር ንምውራድ ኢድካ ኽትተብዕ እያ” በሎ። ሽዑ ጌዴዎን ምስ ሓሽከሩ ፉራ፥ ናብ ጥቓ እቶም ኣብ ሰፈር ተሰሊፎም ዝነበሩ ወረደ።
12
ምድያማውያንን ኣማሌቃውያንን ኵሎም ደቂ ምብራቕን ብዝሖም ከም ኣንበጣ ዝኾኑ ኣብቲ ለሰ ሰፊሮም ነበሩ። ኣግማሎም ከዓ ኽቝፀራ ዘይኽእላ፥ ኣብ ወሰን ባሕሪ ኸም ዘሎ ሑፃ ብዙሓት ነበራ።
13
ጌዴዎን ምስ መፀ፥ እንሆ ሓደ ሰብ ንብፃዩ ኸምዙይ እናበለ ሕልሙ ይነግሮ ነበረ፦ “ሕልሚ ሓሊመ፥ እንሆ ኸዓ፥ ሓንቲ ጠረሾ ስገም ናብ ሰፈር ምድያም እናንከራረወት መፂኣ ነቲ ድንኳን ወቕዐት፤ እቲ ድንኳን ድማ ንላዕሊ ኣቢሉ ተገልቢጡ ወደቐ።”
14
እቲ ብፃዩ ድማ “እዙይ ሰይፊ ናይቲ እስራኤላዊ ጌዴዎን ወዲ ኢዮኣስ እዩ፤ ካልእ ኣይኮነን፤ ኣምላኽ ንምድያምን ንዅሉ ሰፈሮምን ኣብ ኢዱ ኣሕሊፉ ሂብዎ እዩ” በሎ።
15
ጌዴዎን፥ እዝ ሕልሚ እዙይን ትርጕሙን ምስ ሰምዐ፥ ሰገደ። ድሕሪዙይ ናብ ሰፈር እስራኤል ተመሊሱ “እግዚኣብሄር ንሰፈር ምድያም ኣብ ኢድኩም ኣሕሊፉ ሂቡኩም እዩ እሞ ተስኡ” በሎም።
16
ነዞም ሰለስተ ሚእቲ ሰባት ድማ ኣብ ሰለስተ ኽፍሊ መቐሎም፤ ኣብ ኢድ ኵሎም ከዓ መለኸትን ጥራሑ ሳርማን፥ ኣብ ውሽጢ እቲ ሳርማታትውን ሽግ ሃቦም።
17
ከምዙይ ድማ በሎም፦ “ንኣይ ረአዩ፤ ኣነ ዝገብሮ ኸዓ ግበሩ። እንሆ፥ ከዓ ኣነ ናብ ወሰን ሰፈሮም ምስ በፃሕኹ፥ ከምቲ ኣነ ዝገብሮ ግበሩ።
18
ኣነ ምስቶም ምሳይ ዘለዉ ዅሎም ኮይነ መለኸት ምስ ነፋሕኹ፥ ንስኻትኩምውን ኣብ ኵሉ ዙርያ እቲ ሰፈር መለኸታትኩም ንፍሑ ‘ንእግዚኣብሄርን ንጌዴዎንንውን’ በሉ” በሎም።
19
ኣብ መጀመርታ ሓለዋ ፍርቂ ለይቲ፥ ዘብዐኛታት ምስ ተለወጡ ሽዑ ንሽዑ ጌዴዎንን እቶም ምስኡ ዝነበሩ ሚእቲ ሰባትን፥ ናብቲ ጥቓ ሰፈር በፅሑ። መለኸት ከዓ ነፍሑ፤ ነቲ ኣብ ኣእዳዎም ዝነበረ ሳርማታትውን ሰበርዎ።
20
እቶም ዝተረፉ ኽልተ ኽፍልታት ድማ መለኸቶም ነፍሑ፤ ነቲ ሳርማታትውን ሰበርዎ፤ ኵሎም ከዓ ብፀጋማይ ኢዶም መብራህቲ ሓዙ፤ ምእንቲ ኽነፍሑ፥ ከዓ ብየማነይቲ ኢዶም መለኸት ሓዙ፤ ዓው ኢሎም ድማ “እዙይ ኲናት እግዚኣብሄርን ጌዴዎንን እዩ” በሉ።
21
ነፍሲ ወከፎም ከዓ ኣብ ሰስፍራኦም ኣብ ዙርያ እቲ ሰፈር ደው በሉ። ሽዑ ዅሎም እቶም ሰራዊት ምድያም እናእወዩ ሃደሙ።
22
እቶም ሰለስተ ሚእቲ ድማ መለኸት ምስ ነፍሑ፥ እግዚኣብሄር ነቶም ሰራዊት ምድያም ንስንሳቶም ብሰይፊ ኸም ዝቃተሉ ገበሮም። እቲ ሰራዊት ድማ ናብ ፀረራ ኣቢሉ ኽሳዕ ቤትሺጣ፥ ክሳዕ እታ ኣብ ገምገም ኣቤል መሖላ ዘላ ጣባት ሃደመ።
23
ደቂ እስራኤል ድማ ኻብ ንፍታሌምን ካብ ኣሴርን ካብ ኵሉ ምናሴን ተኣኪቦም ንምድያማውያን ደድሕሪኣቶም ስዒቦም ኣሳጐጕዎም።
24
ጌዴዎን ድማ “ንምድያም ክትዋግእዎም ውረዱ፤ ነቲ ማያት ክሳዕ ቤትባራን ዮርዳኖስን ድማ ሓዝዎ” ኢሉ ናብ ኵሉ ዀረብታታት ኤፍሬም ልኡኻት ሰደደ። ሽዑ ዅሎም ሰብ ኤፍሬም ተኣኪቦም ነቲ ማያት ክሳዕ ቤትባራን ዮርዳኖስን ሓዝዎ።
25
ንኽልቲኦም ሹመኛታት ምድያም፥ ንሔሬብን ንዜብን፥ ድማ ማረኽዎም እሞ፥ ንሔሬብ ኣብ ኰዅሒ ሔሬብ ቀተልዎ። ንዜብውን ኣብ መፅመቝ ወይኒ ዜብ ቀተልዎ፤ ንምድያማውያን እውን ኣሳጐጕዎም። ንርእሲ ሔሬብን ዜብን ግና ናብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ናብ ጌዴዎን ኣምፅእዎ።
← Chapter 6
Chapter 8 →