bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Judges 6
Judges 6
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ደቂ እስራኤል ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ስራሕ ገበሩ። እግዚኣብሄር ከዓ ንሸውዓተ ዓመት ኣብ ኢድ ምድያማውያን ኣሕሊፉ ሃቦም።
2
ደቂ እስራኤል መግዛእቲ ምድያማውያን ስለ ዝበርትዖም፥ ኣብቲ ኣብ እምባታት ዘሎ ጐዳጕድን በዓትታትን ኣብ እምባታትን መሕብኢ ገበሩ።
3
ደቂ እስራኤል ዘርኢ ምስ ዘርኡ፥ ምድያማውያን ምስ ኣማሌቃውያንን ምስቶም ደቂ ምብራቕን ኮይኖም ይመፅዎም ነበሩ።
4
ኣብኣቶም ሰፊሮም ከዓ ኽሳዕ እቲ ንጋዛ ዘእቱ፥ ፍረ እታ ምድሪ የጥፍኡ ነበሩ፤ ምግቢ ኾነ በጊዕ፥ ብዕራይ ኮነ ኣድጊ ኣብ እስራኤል ኣይሓድጉን ነበሩ።
5
ንሳቶም ምስ ከፍቶምን ድንኳናቶምን ይድይቡ ነበሩ፤ ምብዛሖምውን ከም ኣንበጣ ነበረ። ንሳቶምን ኣግማሎምን ቍፅሪ ዘይብሎም ነበሩ እሞ፥ ነታ ሃገር ከጥፍእዋ ይኣትዉ ነበሩ።
6
ህዝቢ እስራኤል ብምድያማውያን ብዙሕ ተሸገሩ፤ ናብ እግዚኣብሄር ከዓ ጠርዑ።
7
ደቂ እስራኤል ብሰንኪ ምድያማውያን ናብ እግዚኣብሄር ምስ ጠርዑ ኸዓ፥
8
እግዚኣብሄር ንደቂ እስራኤል ሓደ ነቢይ ሰደደሎም። ንሱ ድማ “እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ‘ኣነ ኻብ ምድሪ ግብፂ ኣውፃእኹኹም፤ ካብቲ ዝነበርኩምዎ ባርነት ኣናገፍኩኹም፥
9
ካብ ኢድ ግብፃውያንን ካብ ኢድ ኵሎም ገፋዕትኹምን ኣድሓንኩኹም፤ ንኣኣቶም ካብ ቅድሜኹም ሰጒጐውን ምድሮም ሃብኩኹም።
10
ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ፤ ንኣማልኽቲ እቶም ንስኻትኩም ሃገሮም ወሪስኩምዎም ዘለኹም ኣሞራውያን ኣይትፍርሕዎም ኢለኩም ነይረ፤ ንስኻትኩም ግና ቓለይ ኣይሰማዕኹምን’ ” በሎም።
11
መልኣኽ እግዚኣብሄር ድማ መፂኡ ኣብ ትሕቲ እታ ኣብ ዖፍራ ዘላ ናይ ኢዮኣስ ኣቢዔዝራዊ፥ ዓባይ ኦም ተቐመጠ። ወዱ ጌዴዎን ድማ ኻብ ምድያማውያን ክሓብእ፥ ስርናይ ኣብ መፅመቝ ወይኒ ይዘብጥ ነበረ።
12
ንእኡ ድማ መልኣኽ እግዚኣብሄር ተርኣዮ፤ “ኣታ ፅኑዕ ሓያል ሰብ፥ እግዚኣብሄር ምሳኻ እዩ” በሎ።
13
ጌዴዎን ድማ “ኣየ ጐይታ! እግዚኣብሄር ምሳና እንተ ዝህሉስ እዝ ዅሉ ስለ ምንታይ ረኸበና? እቲ ኣቦታትና ‘እግዚኣብሄር ካብ ግብፂ ኣውፂኡና’ እናበሉ ዝነገሩና ተኣምራቱኸ ኣበይ ኣሎ? ሕዚ ግና እግዚኣብሄር ሓዲጉናስ፥ ናብ ኢድ ምድያማውያን እኳ እንሆ ኣሕሊፉ ሂቡና ኣሎ” በሎ።
14
ሽዑ እግዚኣብሄር ናብኡ ግልፅ ኢሉ “እንሆ ኣነ እልእኸካ ኣለኹ፤ በቲ ዘለካ ሓይሊ ድማ ኼድካ ንእስራኤል ካብ ኢድ ምድያማውያን ኣድሕኖም” በሎ።
15
ንሱ ድማ “ጐይታይ! እንሆ ዓሌተይ ካብ ነገድ ምናሴ እቲ ዝሓመቐ እዩ፤ ኣነውን ካብ ቤት ኣቦይ ዝነኣስኩ እየ፤ ንእስራኤል ደኣ ኸመይ ገይረ ኸድሕኖም እኽእል?” በሎ።
16
እግዚኣብሄር ከዓ “ኣነ ምሳኻ ክኸውን እየ እሞ፥ ንምድያማውያን ከም ንሓደ ሰብ ጌርካ ኽትስዕሮም ኢኻ” በሎ።
17
ጌዴዎን ከዓ “ኣብ ቅድሜኻ ሞገስ እንተ ደኣ ረኺበስ፥ እትዛረበኒ ዘለኻ ንስኻ ኸም ዝኾንካ ምልክት ኣርእየኒ በሎ፤
18
ናባኻ ተመሊሰ መስዋእተይ ኣብ ቅድሜኻ ኽሳዕ ዘቕርበልካ፥ በይዛኻ፥ ካብዙይ ኣይትኺድ” በሎ። ንሱ ድማ “ክሳዕ እትምለስ፥ ክፀንሐካ እየ” በሎ።
19
ሽዑ ጌዴዎን ኣትዩ ሓደ ማሕስእ ሓሪዱ ኣዳለወ፤ ዓሰርተ ኺሎ ግራም ሕሩጭ ወሲዱውን ቅጫ ሰንከተ፤ ነቲ ስጋ ኣብ ሰፍኢ፥ ነቲ መረቕውን ኣብ ቍራዕ ገበሮ። ኣምፂኡ ድማ ኣብ ትሕቲ እታ ዓባይ ኦም ኣቕረበሉ።
20
እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ከዓ “ነቲ ስጋን ነቲ ቕጫን ኣብዝ ኰዅሒ፥ እዙይ ኣንብሮ፤ ነቲ መረቕውን ኣብ ልዕሊኡ ኣፍስሶ” በሎ። ከምኡ ድማ ገበረ።
21
ሽዑ እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ጫፍ እታ ኣብ ኢዱ ዝነበረት ዘንጊ ሰዲዱ ነቲ ስጋን ቅጫን ነኽኦ እሞ ኻብቲ ኰዅሒ ሓዊ ወፂኡ፥ ነቲ ስጋን ቅጫን በልዖ፤ እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ድማ ኻብ ኣዒንቱ ተሰወረ።
22
ሽዑ ጌዴዎን ንሱ መልኣኽ እግዚኣብሄር ከም ዝኾነ ፈለጠ። ጌዴዎን ከዓ ደንጊፁ፥ “ኦ እግዚኣብሄር ኣምላኽ! ንመልኣኽካ ገፅ ንገፅ ሪአዮ እየሞ ወይለይ” በለ።
23
እግዚኣብሄር ድማ “ሰላም ንኣኻ ይኹን፤ ኣይዞኻ ኣይትፍራሕ፤ ኣይትመውትን ኢኻ” በሎ።
24
ሽዑ ጌዴዎን ኣብኡ ንእግዚኣብሄር መሰውኢ ሰርሐ፤ “እግዚኣብሄር ሰላም እዩ” ኢሉ ኸዓ ሰመዮ። ንሱ ኽሳዕ ሎሚ ኣብቲ ናይ ኣቢዔዝራውያን ዖፍራ ኣሎ።
25
በታ ለይቲ እቲኣ እግዚኣብሄር ንጌዴዎን “እቲ ሸውዓተ ዓመት ዝገበረ ናይ ኣቦኻ ኻልኣይ ዝራብዕ ውሰድ፥ ነቲ ኣቦኻ ንጣዖት በዓል ዝስውአሉ መሰውኢ ኣፍርሶ፤ ነቲ ኣብ ጥቓኡ ዘሎ ናይ ጣዖት ኣስታሮት ምስሊ ኸዓ ቝረፆ።
26
ኣብ ልዕሊ እዝ ዕርዲ እዙይ ድማ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ መሰውኢ ኸም ስርዓቱ ጌርካ ስራሕ፤ ነቲ ኻልኣይ ዝራብዕ ከዓ በቲ እትቘርፆ ዕንፀይቲ ናይ ምስሊ ጣዖት ኣስታሮት ጌርካ ዝቃፀል መስዋእቲ ኣቕርብ” በሎ።
27
ሽዑ ጌዴዎን ካብ ኣገልገልቱ ዓሰርተ ሰባት ወሲዱ ኸምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ ገበረ። ግና ብመዓልቲ ኸይገብሮ፥ ንቤት ኣቦኡን ንሰብ እታ ኸተማን ስለ ዝፈርሐ፥ ብለይቲ ገበሮ።
28
ንፅባሒቱ ሰባት እታ ኸተማ ኣንጊሆም ምስ ተስኡ፥ እቲ መሰውኢ ጣዖት በዓል ፈሪሱ፥ እቲ ምስሊ ጣዖት ኣስታሮት ኸዓ ተቘሪፁ፥ እቲ ኻልኣይ ዝራብዕውን ኣብቲ ተሰሪሑ ዝነበረ መሰውኢ ተሰዊኡ ረኸብዎ።
29
ንስንሳቶም ድማ “እዝ ነገር እዙይ ዝገበረ መን እዩ?” ተበሃሃሉ። ሓቲቶምን መርሚሮምን ድማ “እዝ ነገር እዙይ ጌዴዎን ወዲ ኢዮኣስ እዩ ዝገበሮ” በሉ።
30
ናይታ ኸተማ ሰባት ንዮኣስ “ወድኻ መሰውኢ ጣዖት በዓል ኣፍሪሱ፤ ነቲ ኣብ ጥቓኡ ዝነበረ ምስሊ ጣዖት ኣስታሮት ድማ ቘሪፁ እዩ እሞ፥ ክንቀትሎ ኣውፅኣዮ” በልዎ።
31
ኢዮኣስ ከዓ ነቶም ክቃወምዎ ዝተስኡ ዅሎም “ንበዓልዶ ኽትማጐቱሉ ኢኹም፥ ወይ ከዓ ኽተድሕንዎዶ ደሊኹም? እቲ ኽማጐተሉ ዝደሊ፥ ምድሪ እንተይወግሐት ይቀተል፤ ንሱ ኣምላኽ እንተ ኾይኑስ፥ ነቲ መሰውኢኡ ዘፍረሰሉ ሰብ ባዕሉ ይማጐቶ” በሎም።
32
ስለዙይ ኢዮኣስ በታ መዓልቲ እቲኣ “በዓል፥ ነቲ መሰውኢኡ ዘፍረሰሉ ሰብ ባዕሉ ይማጐቶ” ኢሉ ንጌዴዎን “ይሩበዓል” ኢሉ ሰመዮ።
33
ሽዑ ዅሎም ምድያማውያንን ኣማሌቃውያንን ደቂ ምብራቕን ብሓደ ተኣከቡ፤ ንፈለግ ዮርዳኖስ ተሳጊሮም ድማ ኣብ ለሰ ኢይዝራኤል ሰፈሩ።
34
መንፈስ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ጌዴዎን ወረደ። ንሱ መለኸት ነፊሑ ንኣቤዔዝራውያን ፀውዖም፤ ተኣኪቦም ከዓ ሰዓብዎ።
35
ናብ ኵሉ ነገድ ምናሴ ድማ ልኡኻት ሰደደ፤ ንሳቶምውን ከቲቶም ሰዓብዎ። ናብ ነገዳት ኣሴርን ዛብሎንን ንፍታሌምን ድማ ልኡኻት ሰደደ፤ ንሳቶምውን ክቕበልዎም ወፁ።
36
ጌዴዎን ድማ ንእግዚኣብሄር “ንእስራኤል ብኢደይ ክተድሕኖም እንተ ዄንካ፥
37
እንሆ እምበኣር፥ ኣነ ነዝ ቝሩፅ ፀምሪ እዙይ ኣብዝ ዓውዲ ኣንብሮ ኣለኹ። ኵላ ምድሪ ንቕፅቲ፥ ኣብዝ ፀምሪ እዙይ ጥራሕ ከዓ ኣውሊ እንተ ኾነ፥ ሽዑ ኸምቲ ዝበልካዮ፥ ንእስራኤል ብኢደይ ከም እተድሕኖ እፈልጥ” በሎ።
38
ከምኡ ድማ ኾነ። ንፅባሒቱ ኣንጊሁ ተሲኡ፥ ነቲ ፀምሪ ፀሞቖ፤ ካብቲ ፀምሪ ኸዓ ሒላብ ምሉእ ማይ ኣውፅአ።
39
ጌዴዎን ድማ ንኣምላኽ “ሓደ ሻዕ ክዛረብ፥ ኣይትቈጥዐኒ፤ በቲ ፀምሪ ሓደሻዕ ክፍትን ፍቐደለይ። እምበኣርከስ እቲ ፀምሪ ጥራሕ ንቑፅ ይኹን፤ ኣብ ኵላ ምድሪ ድማ ኣውሊ ይኹን” በሎ።
40
ኣምላኽ ድማ በታ ለይቲ እቲኣ ኸምኡ ገበረ፤ እቲ ፀምሪ ጥራሕ ንቑፅ ኮነ፤ ኣብ ኵላ ምድሪ ግና ኣውሊ ኾነ።
← Chapter 5
Chapter 7 →