bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Judges 5
Judges 5
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
በታ መዓልቲ እቲኣ ዲቦራን ባርቅ ወዲ ኣቢኒኤምን እዝ መዝሙር እዙይ ዘመሩ፦
2
“መራሕቲ ኣብ እስራኤል ስለ ዝመርሑ፥ እቲ ህዝቢ ድማ ባዕሉ ብፍቓዱ ነፍሱ ስለ ዝሃበ፥ ንእግዚኣብሄር ኣመስግንዎ።
3
ኣቱም ነገስታት ስምዑ፤ ኣቱም ሹመኛታትውን ፅን በሉ፤ ኣነ ንእግዚኣብሄር ክዝምረሉ እየ፤ ንኣምላኽ እስራኤል ንእግዚኣብሄር፥ ክቕነየሉ እየ።
4
ኦ ጐይታ! ኻብ ሴይር ምስ ወፃእኻ፥ ካብ በረኻ ኤዶምያስ ድማ ምስ ከድካ፥ ምድሪ ኣንቀጥቀጠት፤ ሰማያትውን ኣንጠብጠቡ፤ ደመናታት ድማ ማዮም ኣንጠብጠቡ።
5
እምባታት ካብ ገፅ እግዚኣብሄር ዝተልዓለ መኸኹ፤ እዝ ሲና ኸዓ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ተነቓነቐ።
6
ብዘመን ሰሜጋር ወዲ ዓናት፥ ብዘመን ኢያዔል መንገድታት ተቛረፁ፤ ሓለፍቲ መንገዲ ድማ ብጥውይዋይ መንገዲ ኸዱ።
7
ኣቲ ዲቦራ ንስኺ ኽሳዕ እትትስኢ፥ ኣብ እስራኤል እኖ ዄንኪ ኽሳዕ እትትስኢ፥ ሓያላት ኣብ እስራኤል ወሓዱ፤ ሃለቑውን።
8
ሓደስቲ ኣማልኽቲ ሓረዩ፤ ሽዑ ውግእ ኣብ ኣፍ ደጌታት ኮነ፤ ኣብቶም ኣርብዓ ሽሕ እስራኤላውያን ከዓ ዋልታ ኾነ፥ ኲናት ኣይተርኣየን።
9
ልበይ ምስቶም ኣብ ማእኸል ህዝቢ ፈትዮም ርእሶም ዝወፈዩ፥ ምስቶም መራሕቲ እስራኤል እዩ፤ ንእግዚኣብሄር ኣመስግንዎ።
10
ኣቱም ኣብ ልዕሊ ፀዓዱ ኣእዱግ እትቕመጡ፥ ኣቱም ኣብ ወለሽ ምንፃፍ እትቕመጡ፥ ኣቱም ሓለፍቲ መንገዲውን ብዛዕባኡ ተዛረቡ።
11
ካብ ደሃይ ቀስተኛታት ርሒቖም፥ ኣብ መንጎ ጋብላታት ኣብኡ ግብርታት ፅድቂ እግዚኣብሄር፥ እቲ ኣብ እስራኤል እተገብረ ግብርታት ፅድቂ ኣሕሉቕ ድማ ይንገሩ፤ ብድሕሪኡ ህዝቢ እግዚኣብሄር ናብ ኣፍ ደገታት ወረዱ።
12
ተስኢ! ዲቦራ ተስኢ! ተስኢ! ተስኢ! መዝሙር ዘምሪ፤ ባርቅውን ተስእ! ኣታ ወዲ ኣቢጊኤም፥ ምሩኻትካ ማርኽ።
13
ሽዑ እቶም ዝተረፉ፥ ናብቶም ሓያላቱን ናብ ህዝቡን ወረዱ፤ እግዚኣብሄርውን ምእንታይ ኣብ ልዕሊ ሓያላት ወረደ።
14
ኣብ ኣማሌቅ ሱር ዝነበሮም ካብ ኤፍሬም ወረዱ፤ ድሕሬኻ ብንያም ኣብ ማእኸል ህዝብታትካ፥ ኣሕሉቕ ከዓ ኻብ ማኪር፥ ካብ ዛብሎንውን ብበትሪ ገዛኢ ዝሓዙ ወረዱ።
15
ሹመኛታት ይሳኮርውን ምስ ዲቦራ ነበሩ፤ ይሳኮርውን ከም ባርቅ ነበረ፤ ቀልጢፎም ደድሕሪኡ ናብቲ ለሰ ጐየዩ፤ ኣብ ጥቓ ሩባታት ሮቤል፥ ብዙሕ ምምንታእ ልቢ ነበረ።
16
ስለ ምንታይከ ፋፃ መጓሰ ኽትሰምዕ፥ ኣብ ማእኸል ደምበታት ኣባጊዕ ኮፍ በልካ? ኣብ ጥቓ ሩባታት ሮቤል፥ ዓብዪ ናይ ልቢ ምርምር ነበረ።
17
ገለዓድ ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ተቐመጠ፤ ዳንከ ስለ ምንታይ ኣብ ውሽጢ መራኽብ ተረፈ? ኣሴር ኣብ ገምገም ባሕሪ ተቐመጠ፤ ኣብ ወደባቱ ኸዓ ዓረፈ።
18
ዛብሎን ንነፍሱ ንሞት ዝወፈየ ህዝቢ እዩ፤ ንፍታሌምውን ኣብቲ በረኽቲ በረኻ ኸምኡ ገበረ።
19
ነገስታት መፂኦም ተዋግኡ፤ ኣብ ታዕናክ፥ ኣብ ማያት መጊዶ፥ ነገስታት ከነዓን ተዋግኡ፤ ግና ምርኮ ብሩር ኣይወሰዱን።
20
ከዋኽብቲ ኻብ ሰማይ ተዋግኡ፤ ብኣካይዳኦምውን ምስ ሲሳራ ተዋግኡ።
21
እቲ ኻብ ጥንቲ ዝተፈለጠ ፈለግ ቂሶን፥ ፀራሪጉ ወሰዶም፤ ኦ ነፍሰይ! ብሓይሊ ንቕድሚት ገስግሲ።
22
ካብ ብርትዐ እቶም ዝጋልቡ ሓያላት ዝተልዓለ፥ ሸኰና እቶም ኣፍራስ ከዓ ደርጓዕጓዕ በለ።
23
መልኣኽ እግዚኣብሄር፥ ‘ንሜሮዝ ርገሙ፤ ንእግዚኣብሄር ኣብ ማእኸል ሓያላት ንምርዳእ፥ ንእግዚኣብሄር ንምሕጋዝ ኣይመፁንሞ፥ ነቶም ኣብኣ ዝነብሩ ሰባት አዐሪኹም ርገምዎም’ በለ።
24
ኢያዔል፥ ሰበይቲ ሔቤር ቄናዊ፥ ካብ ኣንስቲ ብርኽቲ ትኹን፤ ኣብ ውሽጢ ድንኳን ካብ ዘለዋ ኣንስቲ ብርኽቲ ትኹን።
25
ንሱ ማይ ለመነ፥ ግና ፀባ ሃበቶ፤ ብመስተዪ ኽቡራት ገይራ፥ ርግኦ ኣቕረበትሉ።
26
ኣእዳዋ ናብ ሽኻል ወሰደት፤ የማነይቲ ኢዳውን ናብ መዶሻ ሰራሕተኛ ገበረት፤ ንሲሳራ ድማ ብመዶሻ ወቕዐቶ፤ ኣብ ርእሱ ሸኸለትሉ፤ ጕንዲ እዝኑ ኣንኲላ ጐድአቶ።
27
ኣብ መንጎ ኣእጋራ ተደፊኡ ወዲቑ ሞተ፤ ለጥውን በለ፤ ኣብ መንጎ ኣእጋራ ቝልዕፅ ኢሉ ወደቐ፤ ኣብቲ ዝተቘልዐፀሉ፥ ኣብኡ ወዲቑ ሞተ።
28
ኣብ መስኰት ኮይና ጠመተት፤ እኖ ሲሳራ በቲ ዓይኒ ርግቢ ኾይና ዓው ኢላ ፀውዐት፤ ‘ሰረገላኡ ስለ ምንታይ ምምፃእ ደንጐየ? ስለ ምንታይከ ድምፂ መንኰራዅር ሰረገላኡ ደሓረ?’ በለት።
29
እተን ብልሓተኛታት ወይዘራዝራ መለሳላ፤ ንሳውን ንርእሳ ኸምዙይ ኢላ መለሰት፤
30
‘ምርኮዶ ረኺቦም ኣይኮኑን? ተኻፊሎምከ የለዉንዶ? ምርኮ ንነፍሲ ወከፍ ሰብኣይ፥ ሓሓንቲ ወይ ከክልተ ቘናጁ፥ ምርኮ ንሲሳራ ዝተፈላለየ ዝሕብሩ ኽዳውንቲ፥ ዝተፈላለየ ዝሕብሩ ጥሉፍ ክዳውንቲ፥ ንኽሳድ ዝኸውን ብኽልተ ወገኑ ዝተጠልፈ ኽዳውንቲዶ ኣይረኸቡን?’
31
ኦ እግዚኣብሄር! ኵሎም ፀላእትኻ ኸምኡ ይጥፍኡ፤ እቶም ዝፈትዉኻ ግና፥ ከም ፀሓይ፥ ከምቲ ፀሓይ ብሓይላ ኽትወፅእ እንተላ ዝኸውን።” ብድሕሪኡ እታ ሃገር ነርብዓ ዓመት ዝኣክል ዓረፈት።
← Chapter 4
Chapter 6 →