bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Judges 20
Judges 20
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ሽዑ ዅሎም ደቂ እስራኤል ወፁ። እቲ ማሕበርውን ካብ ዳን ክሳዕ ቤርሳቤህን ካብ ምድሪ ገለዓድንውን ከም ሓደ ሰብ ኮይኖም፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣብ ምፅጳ ተኣከቡ።
2
ኣሕሉቕ ኵሉ ህዝብን ካብ ኵሎም ነገዳት እስራኤልን ሰይፊ ዝተዓጠቑ ዅሎም ኣርባዕተ ሚእቲ ሽሕ ኣጋር ኣብቲ ጉባኤ ህዝቢ እግዚኣብሄር ቆሙ።
3
ደቂ ብንያም ድማ፥ ደቂ እስራኤል ንምፅጳ ኸም ዝደየቡ ሰምዑ። ደቂ እስራኤል ከዓ “እዝ ኽፉእ ነገር እዙይ ከመይ ኢሉ ኸም ዝኾነ ንገሩና” በልዎም።
4
ሽዑ እቲ ሌዋዊ፥ ሰብኣይ እታ ዝተቐተለት ሰበይቲ፥ ከምዙይ ኢሉ መለሰሎም፦ “ኣነን እታ ናይ ወሰን ሰበይተይን ኣብ ገባዖን ናይ ብንያም ክንሓድር መፃእና።
5
እቶም ሰብ ገባዖን ድማ ተልዓሉኒ፤ ኣብታ ዘአተኹዋ ገዛ ብለይቲ ኸበቡኒ፤ ክቐትሉኒ ኸዓ ሓሰቡ፤ ነታ ናይ ወሰን ሰበይተይ ዓመፅዋሞ ሞተት።
6
ኣነ ኸዓ፥ ኣብ እስራኤል ከምዙይ ዝበለ ሓጢኣትን ነውርን ስለ ዝገበሩ፥ ነቲ ሬሳኣ ወሲደ ቘራረፅክዎ እሞ ናብ ኵላ ምድሪ እስራኤል ሰደድክዎ።
7
ኣቱም ኣብዙይ ዘለኹም ደቂ እስራኤል ምኽርኹምን ውሳነኹምን ሃቡ” በሎም።
8
ኵሉ እቲ ህዝቢ ብሓደ ኾይኑ፦ “ካባና ሓደ እኳ ናብ ድንኳኑ ኣይኺድ፤ ሓደ እኳ ናብ ገዛኡ ኣይመለስ።
9
ሕዚ ግና ንገባዖን ከምዙይ ክንገብራ ኢና፦ ዕፃ ኣውዲቕና ኣብ ልዕሊኣ ንደይብ።
10
ስንቂ ዝወስዱ ኻብ ኵሎም ነገድ እስራኤል፥ ካብ ሚእቲ ዓሰርተ፥ ካብ ሽሕ ከዓ ሚእቲ፥ ካብ ዓሰርተ ሽሕውን ሽሕ ሰብኣይ ንውሰድ። እቶም ዝዋግኡ ኸዓ ነታ ኣብ ምድሪ ብንያም ዘላ ገባዖን፥ ኣብ እስራኤል ነውሪ ስለ ዝገበረት ዝግብኣ ኽፈድይዋ እዮም” በለ።
11
ኵሎም ሰብ እስራኤል ድማ ኸም ሓደ ሰብ ኮይኖም ኣብታ ኸተማ ተኣከቡ።
12
ነገዳት እስራኤል ድማ ናብ ኵሉ ነገድ ብንያም፦ “እዝ ኣባኻትኩም ዝተፈፀመ ኽፉእ ነገር እንታይ እዩ?
13
ሕዚ ኸዓ ነቲ ኽፉእ ካብ እስራኤል ክነርሕቖስ፥ ነቶም ኣብ ገባዖን ዘለዉ ርኹሳት ሰባት ክንቀትሎም ሃቡና” ኢሎም ሰባት ለኣኹ። እቶም ደቂ ብንያም ግና ቓል ኣሕዋቶም ደቂ እስራኤል ክሰምዑ ኣይደለዩን።
14
ከካብ ከተማታቶም ናብ ገባዖን ተኣከቡ እሞ ምስ ደቂ እስራኤል ክዋግኡ ወፁ።
15
በታ መዓልቲ እቲኣ ኻብ ከተማታት ዝወፁ ደቂ ብንያም፥ ብዘይ እቶም ኣብ ገባዖን ዝነብሩ ሸውዓተ ሚእቲ ሕሩያት ሰባት፥ ዕስራን ሽዱሽተን ሽሕ ሰይፊ ዝሓዙ ሰባት ነበሩ።
16
ካብ ኵሉ እዝ ህዝቢ እዙይ ብፀጋማይ ኢዶም ወንጪፎም ንሓንቲ ፀጕሪኳ ዘይስሕቱ ሸውዓተ ሚእቲ ምሩፃት ሰባት ነበሩ።
17
ደቂ እስራኤል ድማ፥ ብዘይ ነገድ ብንያም፥ ኣርባዕተ ሚእቲ ሽሕ ሰይፊ ዝሓዙ ሰባት ነበሩ። እዚኣቶም ኵሎም ተዋጋእቲ ሰባት ነበሩ።
18
ደቂ እስራኤል ተሲኦም ናብ ቤቴል ደየቡ፤ “ምስ ደቂ ብንያም ንምውጋእ ካባና መን ቅድም ይደዪበልና?” ኢሎም ንእግዚኣብሄር ጠየቕዎ። እግዚኣብሄር ከዓ “ይሁዳ ይቐድም” በሎም።
19
ደቂ እስራኤል ንፅባሒቱ ኣንጊሆም ተሲኦም ደየቡ እሞ ኣብ መንፅር ገባዖን ሰፈሩ።
20
ሰብ እስራኤል ምስ ደቂ ብንያም ክዋግኡ ወፁ፤ ኣብ ጥቓ ገባዖን ድማ ተሰለፉ።
21
ደቂ ብንያም ከዓ ኻብ ገባዖን ወፂኦም በታ መዓልቲ እቲኣ ኻብ እስራኤል ዕስራን ክልተን ሽሕ ሰባት ቀቲሎም ኣብ ምድሪ ኣውደቑሎም።
22
ደቂ እስራኤል ድማ ንስንሳቶም ተጠናኺሮም ኣብታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ተሰሊፎምላ ዝነበሩ ቦታ መሊሶም ተሰለፉ።
23
ደቂ እስራኤል ከዓ ደዪቦም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክሳዕ ምሸት ብኽይ ወዓሉ። ንእግዚኣብሄር ድማ፦ “መሊስናዶ ምስ ኣሕዋትና ደቂ ብንያም ውግእ ክንገጥም?” ኢሎም ጠየቕዎ። እግዚኣብሄር ከዓ “እወ፥ ኣብ ልዕሊኣቶም ደይቡ” በሎም።
24
ደቂ እስራኤል ድማ በታ ኻልአይቲ መዓልቲ ምስ ደቂ ብንያም ክዋግኡ ቐረቡ።
25
ደቂ ብንያም ከዓ ኻልአይቲ መዓልቲ ኽዋግእዎም ካብ ገባዖን ደየቡሞ፥ መሊሶም ካብ ደቂ እስራኤል ዓሰርተ ሸሞንተ ሽሕ ሰባት ቀቲሎም ኣብ ምድሪ ኣውደቑሎም። እዚኣቶም ኵሎም ሰይፊ ዝሓዙ ተዋጋእቲ ነበሩ።
26
ሽዑ ዅሎም ደቂ እስራኤልን ኵሉ ህዝብን ናብ ቤቴል ደዪቦም በኸዩ። በታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ተቐሚጦም ክሳዕ ምሸት ፆሙ። ዝቃፀል መስዋእትን መስዋእቲ ድሕነትን ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣቕረቡ።
27
ንእግዚኣብሄር ከዓ ጠየቕዎ። በታ ጊዜ እቲኣ ታቦት ኪዳን ኣምላኽ ኣብኡ ነበረ።
28
ፊንሃስ ወዲ ኣልኣዛር ወዲ ኣሮን ከዓ ኣብ ቅድሚኡ የገልግል ነበረ። “መሊስናዶ ኸም ብሓድሽ ምስ ኣሕዋትና ደቂ ብንያም ክንዋጋእ ክንድይብ ወይ ክንሓድጎም?” ኢሎም ጠየቕዎ። እግዚኣብሄር ድማ “ፅባሕ ኣብ ኢድኩም ክህበኩም እየ እሞ ደይብኩም፥ ተዋግእዎም” በሎም።
29
ደቂ እስራኤል ከዓ ንገባዖን ኣብ ዙርያኣ ሕቡእ ደጀን ኣንበሩላ።
30
ብሳልሰይቲ መዓልቲ ድማ ደቂ እስራኤል ናብ ደቂ ብንያም ደየቡ፤ ከምተን ቀዳሞት ጊዜያት ኣብ ቅድሚ ገባዖን ተሰለፉ።
31
እቶም ደቂ ብንያም ድማ ነቲ ህዝቢ ኽዋግእዎ ኻብታ ኸተማ ስዒቦም ወፁ። ኣብተን ክልተ መንገዲ፥ ኣብታ ንቤቴል ኣቢላ እተድይብን፥ ኣብታ ንበረኻ ገባዖን እትወስድን፥ ከምተን ቀዳሞት ጊዜያት ነቲ ህዝቢ ኽወቕዕዎን ክቐትልዎን ጀመሩ፤ ካብ ደቂ እስራኤል ድማ ሰላሳ ዝኾኑ ሰባት ቀተሉ።
32
ደቂ ብንያም “ከምቲ ናይ ቅድም ንስዕሮም ኣለና” በሉ፤ ደቂ እስራኤል ግና “ካብ ከተማ ናብ መንገድታት ክንስሕቦምስ ንህደም ደኣ” በሉ።
33
ኵሎም ሰብ እስራኤል ከዓ ኻብ ቦታኦም ተሲኦም ኣብ በዓል ታማር ተሰለፉ። እቲ ሕቡእ ዝነበረ ናይ እስራኤል ጦር ድማ ኻብታ ቦታኡ ኻብ ምዕራብ ገባዖን ወፀ።
34
ካብ ኵሉ እስራኤል ዝተሓርዩ ዓሰርተ ሽሕ ሰባት ንገባዖን ሓደጋ ኣውደቑላ፤ እቲ ውግእ ኸዓ በርትዐ፤ ደቂ ብንያም ግና ኽፉእ ከም ዝበፅሖም ኣይፈለጡን።
35
እግዚኣብሄር ድማ ንደቂ ብንያም ኣብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ከም ዝሰዓሩ ገበሮም። በታ መዓልቲ እቲኣ ደቂ እስራኤል ዕስራን ሓሙሽተን ሽሕን ሓደ ሚእትን ሰባት ቀተሉ። እዚኣቶም ኵሎም ሰይፊ ዝሓዙ ተዋጋእቲ ነበሩ።
36
ደቂ ብንያም ከዓ ኸም ዝተስዓሩ ረአዩ። ደቂ እስራኤል በቲ ኣብ ገባዖን ዘንበርዎ ሕቡእ ጦር ስለ ዝተኣማመኑ ንደቂ ብንያም ረሓቑሎም።
37
እቶም ሕቡኣት ተዋጋእቲ ድማ ብጕያ ናብ ገባዖን ጥሒሶም ኣትዮም፥ ንህዝቢ እታ ኸተማ ብስሕለት ሰይፊ ወድእዎም።
38
ደቂ እስራኤል ካብታ ኸተማ ብርቱዕ ትኪ ኸም ዝለዓል ክገብሩ ምስቶም ዝተሓብኡ ተዋጋእቲ ተሰማሚዖም ነበሩ።
39
ደቂ እስራኤል ትኪ ምስ ረአዩ ኽዋግኡ ገፆም መለሱ። ደቂ ብንያም ከዓ “ብርግፅ ከምቲ ቐዳማይ ውግእ ተስዒሮም እዮም” በሉ እሞ ኽወቕዕዎምን ክቐትልዎምን ጀመሩ። ካብ ደቂ እስራኤል ከዓ ሰላሳ ዝኾኑ ሰባት ሞቱ።
40
እቲ ምልክት፥ በቲ ዓምዲ ትኪ፥ ካብታ ኸተማ ኽዓርግ ምስ ጀመረ፥ ደቂ ብንያም ንድሕሪኦም ግልፅ እንተ በሉ፥ እንሆ ኻብ ኵላ እታ ኸተማ ሃልሃልታ ንሰማይ ይዓርግ ነበረ።
41
ሽዑ ደቂ እስራኤል ገፆም መለሱ፤ ሰብ ብንያም ከዓ ጥፍኣቶም ከም ዝበፅሐ ረአዩ እሞ ተሸበሩ።
42
ስለዙይ ካብ ቅድሚ ሰብ እስራኤል ብመንገዲ ምድረ በዳ ኣቢሎም ሃደሙ፤ እቲ ዂናት ግና እግሪ እግሮም ሰዓቦም። እቶም ካብ ከተማታት ዝወፁ ድማ ኣማእኺሎም ቀተልዎም።
43
ንደቂ ብንያም ከቢቦም ብወገን ምብራቕ ፀሓይ ክሳዕ መንፅር ገባዖን ኣሳጐጕዎም፤ ኣርኪቦምውን ወድእዎም።
44
ካብ ሰብ ብንያም ድማ ዓሰርተ ሸሞንተ ሽሕ ሰባት ወደቑ። እዚኣቶም ኵሎም ከዓ ጀጋኑ ሰባት ነበሩ።
45
ተመሊሶም ድማ ንምድረ በዳ ኣቢሎም ናብ ኰዅሒ ሪሞን ሃደሙ። እስራኤላውያን ግና ኻብኣቶም ኣብ መንገድታት ሓሙሽተ ሽሕ ሰባት ቀተሉ። ክሳዕ ጊድዖም ስዒቦምውን ክልተ ሽሕ ሰባት ቀተሉ።
46
እቶም በታ መዓልቲ እቲኣ ኻብ ደቂ ብንያም ዝወደቑ ዅሎም፥ ሰይፊ ዝሓዙ ዕስራን ሓሙሽተን ሽሕ ሰባት ኮኑ። እዚኣቶም ኵሎም ጀጋኑ ሰባት ነበሩ።
47
ሽዱሽተ ሚእቲ ሰባት ግና ንምድረ በዳ ኣቢሎም ናብ ኰዅሒ ሪሞን ሃደሙ፤ ኣብኡ ኸዓ ኣርባዕተ ወርሒ ተቐመጡ።
48
ሰብ እስራኤል ድማ ናብቶም ዝተረፉ ደቂ ብንያም ተመሊሶም፥ ንሰብን ከፍትን ንዅሉ ዝረኸብዎን፥ ብስሕለት ሰይፊ ቐተሉ። ንዝረኸብወን ኵለን ከተማታትውን ብሓዊ ኣባርዕወን።
← Chapter 19
Chapter 21 →