bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Judges 21
Judges 21
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ደቂ እስራኤል “ካባና ሓደ እኳ ጓሉ ንብንያማዊ ኣየመርዕዋ” ኢሎም ኣብ ሚፅጳ ተመሓሒሎም ነበሩ።
2
እቶም ህዝቢ ድማ ናብ ቤቴል መፁ። ኣብኣ ኸዓ ኽሳዕ ምሸት ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ተቐመጡ፤ ድምፆም ዓው ኣቢሎም ድማ ብርቱዕ ብኽያት በኸዩ።
3
“ኦ እግዚኣብሄር! ኣምላኽ እስራኤል፥ ሎሚ ኻብ እስራኤል ሓደ ነገድ ክጐድልስ፥ ስለ ምንታይ እዩ ኣብ እስራኤል እዙይ ዝኾነ?” ድማ በሉ።
4
ንፅባሒቱ ኸዓ ኣንጊሆም ተስኡ፤ ኣብኡ መሰውኢ ነዲቖም ድማ ዝቃፀል መስዋእትን መስዋእቲ ምስጋናን ኣቕረቡ።
5
ደቂ እስራኤል ድማ፦ “ናብ እግዚኣብሄር ናብ ምፅጳ ዘይድይብ ብርግፅ ይቀተል” ኢሎም ፅኑዕ ማሕላ ምሒሎም ነበሩ እሞ “ካብ ኵሎም ነገድ እስራኤል ናብቲ ጉባኤ፥ ናብ እግዚኣብሄር ዘይደየበ መን እዩ?” ኢሎም ጠየቑ።
6
ደቂ እስራኤል ከዓ በቲ ኣብ ልዕሊ ኣሕዋቶም ደቂ ብንያም ዝተፈፀመ ተናሲሖም “ሎሚ ኻብ እስራኤል ሓደ ነገድ ጠፍአ።
7
ንሕና ኻብ ኣጓላትና ኣንስቲ ኸይንህቦም ብእግዚኣብሄር ምሒልና ኢና እሞ፥ እዞም ተሪፎም ዘለዉ፥ ኣንስቲ ኽረኽቡስ፥ እንታይ ንግበረሎም?” በሉ።
8
“ካብ ነገዳት እስራኤል ናብ እግዚኣብሄር፥ ናብ ምፅጳ ዘይደየበ መን እዩ?” ኢሎም ከዓ ጠየቑ። እንሆ ኸዓ ኻብ ኢያቢስ ገለዓድ ናብ ሰፈር፥ ናብታ ጉባኤ ሓደ እኳ ዝመፀ ኣይነበረን።
9
እቲ ህዝቢ ምስ ተቘፀረ እንሆ፥ ካብቶም ኣብ ኢያቢስ ገለዓድ ዝነብሩ፥ ሓደ እኳ ኣይነበረን።
10
ሽዑ እቲ ጉባኤ ዓሰርተ ኽልተ ሽሕ ካብ ጀጋኑ ሰባት ናብኣ ሰዲዶም “ኬድኩም ነቶም ኣብ ኢያቢስ ገለዓድ ዝነብሩ ምስ ኣንስትን ህፃናትን ብስሕለት ሰይፊ ቕተልዎም።
11
ክትቀትሉ እንተለኹም ከዓ፥ ንዅሉ ተባዕታይን ንዅለን ምስ ተባዕታይ ዝደቀሳ ኣንስትን ቅተሉ” ኢሎም ኣዘዝዎም።
12
ካብቶም ኣብ ኢያቢስ ገለዓድ ዝነብሩ፥ ምስ ተባዕታይ ደቂሰን ዘይፈልጣ፥ ኣርባዕተ ሚእቲ ደናግል ኣጓላት ረኸቡ። ንሳቶም ከዓ ንኣኣተን ናብ ሰፈር፥ ናብታ ኣብ ምድሪ ከነዓን ዘላ ሴሎ ኣምፅእወን።
13
ኵሎም እቶም ኣብ ጉባኤ ዝነበሩ ህዝቢ ናብቶም ኣብ ኰዅሒ ሪሞን ዝነበሩ ደቂ ብንያም ልኢኾም “ንተዓረቕ” ኢሎም ቃል ሰላም ነገርዎም።
14
በታ ጊዜ እቲኣ ደቂ ብንያም ተመለሱ። ደቂ እስራኤል ከዓ ነተን ኣብ ኢያቢስ ገለዓድ ብህይወት ዝሓደግወን ኣንስቲ ሃብዎም፤ ግና ኣይኣኸላኦምን።
15
እቶም ህዝቢ ድማ፥ እግዚኣብሄር ኣብ ነገዳት እስራኤል ፍልልይ ስለ ዝገበረ፥ በቲ ንደቂ ብንያም ዝረኸቦም ተናስሑ።
16
እቶም ዝተኣከቡ ዓበይቲ ኸዓ “ኣንስቲ ኻብ ብንያም ጠፊአን እየን እሞ፥ እዞም ተሪፎም ዘለዉ ኣንስቲ ኽረኽቡስ እንታይ ንግበር?” በሉ።
17
“ካብ እስራኤል ሓደ ነገድ ፈፂሙ ኸይጠፍእ፥ እዞም ካብ ብንያም ተሪፎም ዘለዉ፥ ሓድጊ ኸም ዝህልዎም ይኹኑ።
18
እንተ ኾነ ንሕና ደቂ እስራኤል ‘እቲ ንብንያም ሰበይቲ ዝህብ ርጉም ይኹን’ ኢልና ምሒልና ስለ ዝነበርና፥ ካብ ኣጓላትና ኣንስቲ ኽንህቦም ኣይንኽእልን ኢና” ድማ በሉ።
19
“ሕዚ ኸዓ ኣብታ ንቤቴል ብሰሜና፥ ነታ ኻብ ቤቴል ንሴኬም እተድይብ መንገዲ ብምብራቓ፥ ንለቦና እውን ብደቡባ ኣብ ዘላ ሴሎ፥ በዓል እግዚኣብሄር በብዓመቱ ይግበር እዩ” በሉ።
20
ንደቂ ብንያም ከዓ ኸምዙይ ኢሎም ኣዘዝዎም፦ “ኬድኩም ኣብ ኣታኽልቲ ወይንታት ተሓብኡ።
21
እንሆ ኸዓ፥ እተን ኣጓላት ሴሎ እናሳዕስዓ እንትወፃ ምስ ረአኹም፥ ካብቲ ኣታኽልቲ ወይንታት ወፂእኹም፥ ካብተን ኣጓላት ሴሎ ሓሓንቲ ዘርፉ፤ ናብ ምድሪ ብንያም ከዓ ኺዱ።
22
ኣቦታተን ወይ ኣሕዋተን ኣባና ኽጠርዑ እንተ መፁ ድማ ‘ኣብቲ ውግእ ንነፍሲ ወከፍ ሰበይቲ ስለ ዘይረኸብናሉ፥ በይዛኻትኩም፥ ነዘን ኣጓላትኩም ሃቡ። ንስኻትኩም ንኣኣተን ብፍታው ኣይሃብኩምዎምን እሞ በደልቲ ኣይትኾኑን ኢኹም’ ክንብሎም ኢና።”
23
ደቂ ብንያም ከዓ ኸምኡ ገበሩ። ካብተን ዝስዕስዓ ዝነበራ ዘሪፎም፥ ከምቲ ቝፅሮም ኣንስቲ ወሰዱ። ከይዶም ከዓ ናብ ርስቶም ተመለሱ። ከተማታት ሰሪሖም ድማ ኣብኣተን ተቐመጡ።
24
ደቂ እስራኤል ከዓ በታ ጊዜ እቲኣ ነናብ ዓሌቶምን ነናብ ነገዶምን ነናብ ርስቶምን ተመለሱ።
25
በቲ ዘመን እቱይ ኣብ እስራኤል፥ ንጉስ ኣይነበረን። ነፍሲ ወከፍ እቲ ቕኑዕ ኾይኑ ዝተርኣዮ ይገብር ነበረ።
← Chapter 20