bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Judges 19
Judges 19
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
በቲ ዘመን እቱይ ኣብ እስራኤል ንጉስ ኣብ ዘይነበረሉ እዋን፥ ኣብ ኰረብታታት ኤፍሬም የመና ኣብ ዝረሓቐ ቦታ ዝቕመጥ ሓደ ሌዋዊ ሰብኣይ ነበረ። ንሱ ኻብ ቤተ ልሔም ናይ ይሁዳ ሰበይቲ ወሰን ኣእተወ።
2
እታ ሰበይቲ ወሰኑ ግና ኣብ ልዕሊኡ ኣመንዘረት፤ ሓዲጋቶ ድማ ናብ እንዳቦኣ ናብ ቤተ ልሔም ናይ ይሁዳ ኸደት፤ ኣብኡውን ኣርባዕተ ወርሒ ተቐመጠት።
3
እቲ ሰብኣያ ምስኣ ዕርቂ ደልዩ ናብ ገዛኡ ኽመልሳ ናብኣ ክኸይድ ተልዓለ። ኣሰራ ተኸቲሉውን ከደ። ሓሽከሩን ክልተ ኣእዱግን ከዓ ምስኡ ነበሩ። ንሳውን ናብ ገዛ ኣቦኣ ኣእተወቶ፤ ኣቦ እታ ሰበይቲ ምስ ረአዮውን ተሓጒሱ ተቐበሎ።
4
እቲ ሓሙኡ፥ ኣቦ እታ ሰበይቲ ግዲ ስለ ዝበሎ ድማ ሰለስተ መዓልቲ ምስኡ ተቐመጠ። ይበልዑን ይሰትዩን፥ ኣብኡውን ይሓድሩ ነበሩ።
5
ብራብዐይቲ መዓልቲ ኣንጊሆም ተስኡ፤ እቲ ሌዋዊ ድማ ክኸይድ ተልዓለ። ኣቦ እታ ሰበይቲ፥ ንሰብኣይ ጓሉ፥ “ቍራስ እንጀራ በሊዕኻ ሰውነትካ ኣበርቲዕኻ፥ ብድሕሪኡ ትኸይድ” በሎ።
6
ክልቲኦም ድማ ኮፍ ኢሎም ብሓደ በልዑን ሰተዩን። ኣቦ እታ ሰበይቲ ኸዓ ነቲ ሰብኣይ “በይዛኻ ንሎሚ ለይቲ ተሓጒስካ ሕደር” በሎ።
7
እቲ ሰብኣይ ግና ክኸይድ ተስአ፤ እቲ ሓሙኡ ግዲ ምስ በሎ ኸዓ፥ መሊሱ ኣብኡ ሓደረ።
8
ብሓምሸይቲ መዓልቲ ድማ ክኸይድ ኣንጊሁ ተስአ። ኣቦ እታ ሰበይቲ ኸዓ “በይዛኻ ሰብነትካ ኣበርትዕ፤ ምድሪ ኽሳዕ ዝደግስ ፅናሕ” በሎ፤ ክልቲኦም ድማ በልዑ።
9
እቲ ሰብኣይ ምስታ ናይ ወሰን ሰበይቱን ሓሽከሩን ክኸይድ ምስ ተልዓለ፥ ሓሙኡ፥ ኣቦ እታ ሰበይቲ፥ “እንሆ፥ እቲ መዓልቲ ኽዓርብ ቀሪቡ እዩሞ ሕደር፤ ልብኻውን ይተሓጐስ፤ ፅባሕ ድማ ናብ ገዛኻ ኽትከይድ ኣንጊህኹም መንገድኹም ትጅምሩ” በሎ።
10
እቲ ሰብኣይ ግና በታ ለይቲ እቲኣ ኽሓድር ስለ ዘይደለየ ተሲኡ ኸደ፤ ኢየሩሳሌም ናብ ዝተብሃለት ኣብ መንፅር ኢያቡስ ከዓ በፅሐ። እተን ክልተ ፅዑናት ኣእዱግን እታ ናይ ወሰን ሰበይቱን ድማ ምስኡ ነበራ።
11
ኣብ ኢያቡስ ምስ በፅሑ፥ ምድሪ መስያ ነበረት እሞ፥ እቲ ሓሽከር ንጐይታኡ “በይዛኻ ነዓ፥ ናብዛ ኸተማ ኢያቡሳውያን ኣግሊስና ኣብኣ ንሕደር” በሎ።
12
ጐይታኡ ኸዓ “ከተማ ደቂ እስራኤል ናብ ዘይኮነት ኣይንኣቱን ኢና። ናብ ገባዖን ደኣ ንሕለፍ” በሎ።
13
ነቲ ሓሽከሩ ድማ “ነዓናይ፥ ናብ ሓንቲ ኻብዘን ቦታታት እዚኣተን ንቕረብ እሞ ኣብ ገባዖን ወይ ኣብ ራማት ንሕደር” በሎ።
14
ሓሊፎም ድማ ኸዱ፤ ኣብ ጥቓ ገባዖን፥ ኣብ ምድሪ ብንያም፥ እንተለዉ ፀሓይ ዓረበቶም።
15
ኣብ ገባዖን ኣትዮም ክሓድሩ ናብኣ ኣግለሱ፤ ምስ ኣተዉ ኸዓ፥ ኣብ ኣደባባይ እታ ኸተማ ተቐመጡ፤ ኣብ ገዛኡ ኸሕድሮም ዝተቐበሎም ሰብ ግና ኣይነበረን።
16
እንሆ ድማ፥ ኣብ ማሕረስ ዝወዓለ ሓደ ሽማግለ ሰብኣይ ኣጋ ምሸት መፀ። እዝ ሰብኣይ እዙይ ከዓ ኻብ ኰረብታታት ኤፍሬም መፂኡ፥ ወሰንተኛ ኾይኑ፥ ኣብ ገባዖን ይቕመጥ ነበረ። ሰብ እታ ቦታ ግና ብንያማውያን ነበሩ።
17
ዓይኑ ቘላሕ እንተበለ ኸዓ ነቲ ሓላፊ መንገዲ ሰብኣይ ኣብ ኣደባባይ እታ ኸተማ ተቐሚጡ ረአዮ። እቲ ሽማግለ ሰብኣይ ከዓ፥ “ናበይ እትኸይድ ኢኻ? ኻበይከ መፂእኻ?” በሎ።
18
ንሱ ድማ “ንሕና ኻብ ቤተ ልሔም ናይ ይሁዳ ዝመፃእና ኢና፤ ናብ ኰረብታታት ኤፍሬም ናብ ማዕዶ እንሓልፍ ኢና፤ ንሕና ካብኡ ኢና፤ ናብ ቤተ ልሔም ናይ ይሁዳ ኸዓ ኬድና ኔርና፤ ሕዚ ድማ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ንኸይድ ኣለና፤ ኣብ ገዛኡ ዘሕድረና ሰብ ግና ስኢንና።
19
ነእዱግና ዝኸውን ሓሰርን ጥረን፥ ንኣይን ነዛ ኣገልጋሊትካን ነዝ ምሳና ዘሎ ኣገልጋልን ዝኸውን እንጀራን ወይንን ኣለና፤ ዝጐድለና ነገርውን የለን” በሎ።
20
እቲ ሽማግለ ሰብኣይ ድማ “ሰላም ምሳኻ ይኹን፤ ግዳስ ኣብዝ ኣደባባይ ደኣ ኣይትሕደር እምበር፥ ኵሉ እትደልዮ ኽህበካ እየ” በሎ።
21
ናብ ገዛኡ ኣእትዩ ኸዓ፥ ነተን ኣእዱግ ዝብላዕ ሃበን፤ ኣእጋሮም ተሓፂቦም ከዓ በልዑን ሰተዩን።
22
እቶም ኣጋይሽ ከምዙይ ኢሎም ክሕጐሱ እንተለዉ፥ እንሆ ብዕሉጋት ሰባት እታ ኸተማ፥ ነታ ገዛ ኸበብዋ፤ ነቲ ማዕፆ ብሓይሊ እናወቕዑ ኸዓ ነቲ በዓል ገዛ ሽማግለ ሰብኣይ፥ “ነዝ ኣብ ገዛኻ ኣትዩ ዘሎ ሰብኣይ ክንፈልጦስ፥ ኣውፅኣዮ” ኢሎም ተዛረብዎ።
23
እቲ በዓል ገዛ ሰብኣይ፥ ናብኣቶም ወፂኡ “ኣሕዋተይ! ኣይፋልኩምን፥ በይዛኻትኩም ክፉእ ኣይትግበሩ፤ እዝ ሰብኣይ እዙይ ኣብ ገዛይ ካብ ኣተወስ፥ እዝ ነውሪ እዙይ ኣይትግበሩ።
24
እንሆ፥ ድንግል ጓለይን ናይ ወሰን ሰበይቱን፥ ንኣኣተን ከውፅአልኩም፤ ከም ዝደለኹም ግበሩወን፤ ኣብዝ ሰብኣይ እዙይ ግና ኸምዙይ ዝበለ ነውሪ ነገር ኣይትግበሩ” በሎም።
25
እቶም ሰባት ግና ኽሰምዕዎ ኣይደለዩን። ሽዑ እቲ ሰብኣይ ነታ ናይ ወሰን ሰበይቱ ሒዙ ናብኣቶም ናብ ደገ ኣውፅኣ። ንሳቶም ከዓ፥ ምልእቲ ለይቲ ኽሳዕ ዝወግሕ ኣሕሰርዋ። ኣጋ ወጋሕታ ምስ ኮነ ኽትከይድ ሰደድዋ።
26
ክወግሕ ምስ ጀመረ፥ እታ ሰበይቲ ናብቲ ጐይታኣ ዘለዎ ኣፍ ደገ ቤት እቲ ሰብኣይ መፂኣ፥ ክሳዕ ፀሓይ እትበርቕ ኣብኡ ወዲቓ ነበረት።
27
እቲ ሰብኣያ ጊሓት ተሲኡ ማዕፆ እታ ቤት ከፈተ፤ መንገዱ ክኸይድውን ወፀ፤ እንሆ፥ እታ ናይ ወሰን ሰበይቱ፥ ኣብ ደገ እታ ቤት ወዲቓ፥ ኣእዳዋ ኸዓ ኣብቲ ድርኵዂት ዘርጊሓ ነበረት።
28
ንሱ ድማ “ተስኢ ንኺድ” በላ፤ ንሳ ግና ሞይታ ስለ ዝነበረት ኣይመለሰትሉን። ሽዑ እቲ ሰብኣይ ኣብ ኣድጉ ፅዒንዋ፥ ተልዒሉ ናብ ቦታኡ ኸደ።
29
ኣብ ገዛኡ ምስ ኣተወ፥ ካራ ወሲዱ ነታ ናይ ወሰን ሰበይቱ ሒዙ በቲ መፈላለዪ ኣዕፅምታ ኣብ ዓሰርተ ኽልተ ቝራፅ ቘራሪፁ፥ ናብ ኵላ ምድሪ እስራኤል ሰደዶ።
30
ኵሉ ነዙይ ዝረኣየ ኸዓ “ደቂ እስራኤል ካብ ምድሪ ግብፂ ኻብ ዝወፁላ መዓልቲ ኽሳዕ ሎሚ ኸምዙይ ዝመሰለ ኾይኑን ተርእዩን ኣይፈልጥን። ስለዙይ ሕሰቡሉን ምኸሩሉን፤ ተነጋገሩሉን” በለ።
← Chapter 18
Chapter 20 →