bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Judges 18
Judges 18
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
በቲ ዘመን እቱይ ኣብ እስራኤል ንጉስ ኣይነበረን። ነገድ ዳን ድማ ኽሳዕ እታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ መንጎ ነገዳት እስራኤል ብፅሒት ርስቲ ኣይነበሮምንሞ፥ በቲ ዘመን እቱይ ዝነብሩሉ ርስቲ ይደልዩ ነበሩ።
2
ሽዑ እቶም ደቂ ዳን፥ ነታ ምድሪ ኽስልሉን ክምርምሩን፥ ካብ ዓሌቶም፥ ሓሙሽተ ሓያላት ሰባት፥ ካብ ፆርዓን ካብ ኤሽታዖልን፥ “ኬድኩም ነታ ምድሪ ሰልዩዋ” ኢሎም ሰደድዎም። ንሳቶም ከዓ ናብ ኰረብታታት ኤፍሬም፥ ናብ ቤት ሚካ መፁ፤ ኣብኣውን ሓደሩ።
3
ኣብኡ እንተለዉ ነቲ መንእሰይ ሌዋዊ ብኣዘራርባኡ ፈለጥዎ እሞ ናብኡ ኣግሊሶም፥ “ናብዙይ መን ኣምፅአካ? ኣብዙይከ እንታይ ትገብር ኣለኻ? ኣብዙይከ እንታይ ኣለካ?” በልዎ።
4
ንሱ ድማ ሚካ ኸምዙይን ከምዙይን ገበረለይ። “ቈፀረኒውን፤ ኣነ ኸዓ ኻህን ኮንኩሉ” በሎም።
5
ንሳቶም ድማ “እዛ እንኸዳ ዘለና መንገዲ እትቐንዐና እንተ ኾይና ኽንፈልጥስ፥ በይዛኻ ንእግዚኣብሄር ጠይቐልና” በልዎ።
6
እቲ ኻህን ድማ “እዛ እትኸድዋ ዘለኹም መንገዲ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር እያሞ ብሰላም ኪዱ” በሎም።
7
እቶም ሓሙሽተ ሰባት ከዱ፤ ናብ ሌሳ ድማ ኣተዉ፤ እቲ ኣብኣ ዘሎ ህዝቢ ተኣማሚኑ ኸም ሲዶናውያን ብህድኣትን ብሰላምን ከም ዝቕመጥ ረአዩ። ዘሸግሮምን ዝገዝኦምን ኣይነበረን። ንሳቶም ካብ ሲዶናውያን ርሒቖም፥ ካብ ኵሉ ሰብ ተፈልዮም ንበይናቶም ይነብሩ ነበሩ።
8
ናብ ፆርዓን ኤሽታዖልን፥ ናብ ኣሕዋቶም ምስ መፁ እቶም ኣሕዋቶም እንታይ ወረ ሒዝኩም ኣለኹም በልዎም።
9
ንሳቶም ከዓ “እታ ምድሪ የመና ፅብቕቲ ኸም ዝኾነት ርኢናያ ኣለና። ተልዓሉ ኣብ ልዕሊኣቶም ንደይብ። ንስኻትኩምከ ስቕ ዲኹም እትብሉ? ንምኽያድ፥ ኣቲኹምውን ነታ ምድሪ ንምውራስ ሸለል ኣይትበሉ።
10
ኣብኣ ምስ በፃሕኹም ነቲ ኣምላኽ ኣብ ኢድኩም ዝሃበኩም፥ ተኣማሚኑ ዝነብር ህዝብን የመና ገፋሕ ምድርን ክትረኽቡ ኢኹም። ንሳ ኣብ ምድሪ ኻብ ዘሎ ዅሉ ዝጐድላ ዘይብላ ምድሪ እያ” በልዎም።
11
ሽዑ ኻብ ዓሌት ደቂ ዳን ሽዱሽተ ሚእቲ ሰብኡት ኣፅዋር ውግእ ተዓጢቖም ካብ ፆርዓን ካብ ኤሽታዖልን ተልዓሉ።
12
ደዪቦም ከዓ ኣብ ቅርያት የዓሪም ናይ ይሁዳ ሰፈሩ። ስለዙይ እታ ብምዕራብ ቅርያት የዓሪም ዘላ ቦታ ኽሳዕ ሎሚ ሰፈር ዳን ትብሃል ኣላ።
13
ካብኣ ንዀረብታታት ኤፍሬም ሓሊፎም፥ ናብ ቤት ሚካ ኸዱ።
14
ሽዑ እቶም ንሃገር ሌሳን ክስልሉ ኸይዶም ዝነበሩ ሓሙሽተ ሰባት ነቶም ኣሕዋቶም፥ “ኤፉድን ተራፊምን፥ ዝተፀርበ ምስልን ዝፈሰሰ ምስልን ኣብዘን ገዛውቲ እዚኣተን ከም ዘሎዶ፥ ትፈልጡ? ሕዚ ድማ እትገብርዎ ፍለጡ” ኢሎም ተዛረብዎም።
15
ናብቲ ኣብ እንዳ ሚካ ዝነብር መንእሰይ ሌዋዊ ኣግሊሶም ብዛዕባ ጥዕናኡ ጠየቕዎ።
16
እቶም ኣፅዋር ውግእ ዝተዓጠቑ ሽዱሽተ ሚእቲ ሰባት ደቂ ዳን ኣብ ኣፍ ደገ ደው ኢሎም ነበሩ።
17
እቲ ኻህን ምስቶም ኣፅዋር ውግእ ዝተዓጠቑ ሽዱሽተ ሚእቲ ሰባት ኣብ ኣፍ ደገ ደው ኢሉ እንተሎ፥ እቶም ነታ ሃገር ክስልሉ ኸይዶም ዝነበሩ ሓሙሽተ ሰባት፥ ናብታ ቤት ኣማልኽቲ ደዪቦም ነቲ ዝተፀርበ ምስልን ነቲ ኤፉድን ተራፊምን ነቲ ዝፈሰሰ ምስልን ወሰድዎ።
18
እዚኣቶም ናብ ቤት ሚካ ኣትዮም ነቲ ዝተፀርበ ምስልን ነቲ ኤፉድን ንምስሊ ተራፊምን ነቲ ዝፈሰሰ ምስልን ምስ ወሰዱ፥ እቲ ኻህን “እንታይ ትገብሩ ኣለኹም?” በሎም።
19
ንሳቶም ከዓ “ስቕ በል፤ ኢድካ ኣብ ኣፍካ ግበር። የግዳስ ንዓናይ ምሳና ኺድ፤ ኣቦን ካህንን ድማ ኹነና። ናይ ሓደ ቤተ ሰብ ካህን ካብ ምዃን፥ ናይ ሓደ ነገድ እስራኤል ካህን ምዃንዶ ኣይሕሽን?” በልዎ።
20
ሽዑ እቲ ኻህን ብልቡ ተሓጐሰ፤ ነቲ ኤፉድን ንምስሊ ተራፊምን ነቲ ዝተፀርበ ምስልን ሓዘ፤ ብማእኸል እቲ ህዝቢ እውን ከደ።
21
ንሳቶም ከዓ ዘይሮም ከዱ፤ ደቆምን እንስሳኣቶምን ኵሉ ዘለዎም ሃብትን ቀቅድሚኣቶም ገበሩ።
22
ካብ ቤት ሚካ ምስ ረሓቑ ኸዓ እቶም ጐረባብቲ ቤት ሚካ ዝነበሩ ሰባት ብኣውያት ተኣኪቦም ንደቂ ዳን ኣርከብዎም።
23
ንደቂ ዳን ድማ ፀውዕዎም። ደቂ ዳን ከዓ ገፆም መሊሶም ንሚካ “ብኣውያት ሰብካ እትእክብ እንታይ ኴንካ ኢኻ?” በልዎ።
24
ንሱ ድማ “ንስኻትኩም፥ ነቶም ዝገበርክዎም ኣማልኽተይን ነቲ ኻህንን ሒዝኩም ትኸዱ ኣለኹም፤ ከመይ ኢልኩም ‘እንታይ ኴንካ ኢኻ’ እትብሉኒ? እንታይዶ ተሪፉኒ እዩ?” በሎም።
25
እቶም ደቂ ዳን ከዓ “ደሞም ዝፈልሖም ሰባት ከይዋግኡኻ እሞ፥ ንነፍስኻን ነፍሲ ቤተ ሰብካን ከይተጥፍእስ ድምፅኻ ኣብ ማእኸል ኣይተስምዕ” በልዎ።
26
እቶም ደቂ ዳን ድማ መንገዶም ከዱ። ሚካ ኸዓ ኻብኡ ኸም ዝሕይሉ ምስ ረአየ፥ ናብ ገዛኡ ተመለሰ።
27
ንሳቶም ድማ ነቲ ሚካ ዝገበሮ ምስልታትን ነቲ ምስኡ ዝነበረ ኻህንን ሒዞም ናብቲ ሃዲኡን ተኣማሚኑን ዝነብር ዝነበረ ህዝቢ፥ ናብ ሌሳ ኸዱ። ብስሕለት ሰይፊ ድማ ቐተልዎም፥ ነታ ኸተማ ኸዓ ብሓዊ ኣባርዕዋ።
28
ህዝቢ ሌሳ ኻብ ሲዶና ርሑቓት ስለ ዝነበሩ፥ ምስ ካልእ ሰብ ድማ ርክብ ስለ ዘይነበሮም ዘድሕኖም ኣይነበረን። ሌሳ ከዓ ኣብቲ ኣብ ቤትሮዖብ ዘሎ ለሰ ዝተሰርሐት ከተማ ነበረት። ደቂ ዳን ከዓ ነታ ኸተማ ኸም ብሓድሽ ሰሪሖም ተቐመጥዋ።
29
ብስም እቲ ንያእቆብ ዝተወልደሉ ኣቦኣቶም ዳን፥ ስም እታ ኸተማ ዳን ኢሎም ሰመይዋ። ቅድም ግና ስም እታ ኸተማ ሌሳ ይበሃል ነበረ።
30
እቶም ደቂ ዳን ድማ ነቲ ፅሩብ ምስሊ ኽሰግዱሉ ኣቖምዎ። ክሳዕ እታ ሃገር ዝተትሓዘትላ መዓልቲ፥ ዮናታን፥ ወዲ ጌርሳም ወዲ ሙሴ፥ ንሱን ዘርኡን ንነገድ ደቂ ዳን ካህናቶም ኮይኖም የገልግልዎም ነበሩ።
31
እታ ቤት እግዚኣብሄር ኣብ ሴሎ ኽሳዕ ዝነበረትሉ ዅሉ ዘመን፥ ነቲ ሚካ ዝገበሮ ፅሩብ ምስሊ ንኣኣቶም ኣቚሞምዎ ነበሩ።
← Chapter 17
Chapter 19 →