bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Judges 17
Judges 17
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ኣብ ኰረብታታት ኤፍሬም ሚካ ዝበሃል ሰብኣይ ነበረ።
2
ንኖኡ ድማ “ሽሕን ሚእትን ቅርሺ ብሩር ምስ ተወስደኪ፥ ነቲ ዝወሰደልኪ ሰብ ኣነ ብእዝነይ እናሰማዕኹኺ ረጊምክዮ፤ እቲ ብሩር እንሆ ምሳይ ኣሎ፤ ኣነ እየ ዝወሰድክዎ” በላ። እኖኡ ኸዓ “ወደይ፥ እግዚኣብሄር ይባርኽካ” በለቶ።
3
እቲ ወዳ ነቲ ሽሕን ሚእትን ቅርሺ ብሩር ንኖኡ መለሰላ። እኖኡ ኸዓ “እዝ ብሩር እዙይ ንእግዚኣብሄር ወፍየዮ ኣለኹ፤ ዝተፀርበን ዝፈሰሰን ምስሊ መግበሪ ክኸውን እዩ፤ ሕዚ ኸዓ እንሆ እመልሰልካ ኣለኹ” በለቶ።
4
ንሱ ኸዓ እቲ ብሩር ንኖኡ መለሰላ፤ እኖኡ ድማ ኽልተ ሚእቲ ቕርሺ ብሩር ወሲዳ ነንጠረኛ ሃበቶ። እቲ ኣንጠረኛ ኸዓ ነቲ ብሩር ዝተፀርበ ምስልን ዝፈሰሰ ምስልን ገበሮ። እቲ ምስሊ ድማ ኣብ ቤት ሚካ ነበረ።
5
እዝ ሚካ ዝበሃል ሰብኣይ፥ ቤት ኣማልኽቲ ነበሮ፤ ኤፉድን ተራፊምን ድማ ገበረ፤ ንሓደ ኻብ ደቁ ኸዓ ኻህኑ ክኸውን ቀደሶ።
6
በታ ጊዜ እቲኣ ኣብ እስራኤል ንጉስ ኣይነበረን እሞ ነፍሲ ወከፍ ቅኑዕ ኾይኑ ዝተርኣዮ ይገብር ነበረ።
7
ሓደ ሌዋዊ መንእሰይ ኣብ ቤተ ልሔም ናይ ይሁዳ ነበረ። ንሱ ወሰንተኛ ኾይኑ ምስ ደቂ ይሁዳ ይቕመጥ ነበረ።
8
እቲ ሰብኣይ ዝቕመጠሉ ቦታ ንምድላይ፥ ካብ ቤተ ልሔም ናይ ይሁዳ ወፀ። ንቕድሚኡ ክኸይድ እንተሎ፥ ኣብ ኰረብታታት ኤፍሬም ናብ ቤት ሚካ መፀ።
9
ሚካ ድማ “ካበይ ዝመፃእኻ ኢኻ?” ኢሉ ጠየቖ። ንሱ ድማ “ኣነ ኻብ ቤተ ልሔም ናይ ይሁዳ ዝመፃእኹ ሌዋዊ እየ። ዝቕመጠሉ ቦታ ንምድላይ እኸይድ ኣለኹ” በሎ።
10
ሚካ ኸዓ፥ “ምሳይ ተቐመጥ እሞ ኣቦን ካህንን ኩነኒ፤ ኣነ ድማ ንዓመት ዓሰርተ ቕርሺ ብሩርን ዝግባእ ኽዳውንትን ቀለብን ክህበካ እየ” በሎ። ሽዑ እቲ ሌዋዊ ኣተወ፤
11
ምስቲ ሰብኣይ ክቕመጥ ድማ ፈተወ። እቲ መንእሰይ ከዓ ኸም ሓደ ኻብ ደቁ ኾኖ።
12
ሚካ ድማ ነቲ ሌዋዊ ቐደሶ፤ ንሱ ኻህኑ ኾነ፤ ኣብ ገዛኡ ኸዓ ተቐመጠ።
13
ሚካ ድማ፥ “ሌዋዊ ካህን ስለ ዘለኒ እግዚኣብሄር ፅቡቕ ከም ዝገብረለይ ሕዚ ፈለጥኩ” በለ።
← Chapter 16
Chapter 18 →