bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Judges 16
Judges 16
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ሶምሶን ድማ ናብ ጋዛ ኸደ፤ ኣብኣ ኸዓ ሓንቲ ኣመንዝራ ሰበይቲ ረአየ እሞ ናብኣ ኣተወ።
2
ንሰብ ጋዛ ኸዓ “ሶምሶን ኣብዙይ ኣሎ” ኢሎም ነገርዎም። ንሳቶም ድማ ኸበብዎ፥ ኣብ ደገ እታ ኸተማ ኸዓ ምሉእ ለይቲ ኣድብዮም ተፀበይዎ። “ምስ ወግሐ ኽንቀትሎ ኢና” ኢሎም ድማ ምሉእ ለይቲ ሓለውዎ።
3
ሶምሶን ከዓ ኽሳዕ ፍርቂ ለይቲ ደቀሰ። ፍርቂ ለይቲ ምስ ኮነ ድማ፥ ተሲኡ ነቲ መዓፁ ደገ እታ ኸተማ ምስ ክልተ ልዳውቱን ምስ መሸጐሪኡን ፈነቓቒሉ፥ ኣብ ማእገሩ ገይሩ ናብ ርእሲ እቲ ኣብ መንፅር ኬብሮን ዘሎ ጎቦ ኣደየቦ፤ ኣብኡውን ኣንበሮ።
4
ድሕሪዙይ ከዓ ኣብ ለሰ ሾሬቅ ደሊላ ዝስማ ሰበይቲ ፈተወ።
5
እቶም ሹመኛታት ፍልስጥኤማውያን ድማ ናብኣ ኸይዶም “ኣሲርና ኽነድክሞስ ከመይ ጌርና ኸም እነሰንፎ፥ እቲ ዓብዪ ሓይሉውን ብምንታይ ምዃኑ ኽትፈልጢ ሓባብልዮ፤ ንሕና ኸዓ ነፍሲ ወከፍና ሽሕን ሚእትን ቅርሺ ብሩር ክንህበኪ ኢና” በልዋ።
6
ደሊላ ድማ ንሶምሶን፦ “እዝ ዓብዪ ሓይልኻ ብምንታይ ምዃኑ፥ ብምንታይ እንተ ኣሰሩኻኸ ትደክም? በይዛኻ ንገረኒ” በለቶ።
7
ሶምሶን ድማ “ብሸውዓተ ሓድሽ ዘይነቐፀ ርሑስ ምራን እንተ ኣሰሩኒ እደክም፤ ከም ማንም ሰብ ከዓ እኸውን” በላ።
8
ሽዑ እቶም ሹመኛታት ፍልስጥኤማውያን ሸውዓተ ሓድሽ ዘይነቐፀ ርሑስ ምራን ኣምፅኡላ እሞ ብእኡ ኣሰረቶ።
9
ኣብ ውሻጠኣ ሕቡኣት ሰባት ኣቐሚጣ ነበረት እሞ “ሶምሶን፥ ፍልስጥኤማውያን እንሆ መፂኦምኻ!” በለቶ። ሽዑ ነቲ ምራውንቲ፥ ሓዊ ዝነኽኦ ፈትሊ ኸም ዝብተኽ፥ ብትኽትኽ ኣበሎ። እቲ ሓይሉ ብምንታይ ምዃኑ ድማ ኣይተፈለጠን።
10
ደሊላ ኸዓ ንሶምሶን “እንሆ፥ ኣላጊፅካለይ፥ ነቲ ሓቂውን ኣይነገርካንን፤ ሕዚ እውን ብምንታይ ከም እትእሰር፥ በይዛኻ ንገረኒ” በለቶ።
11
ንሱ ድማ “ዝኾነ ስራሕ ብዘይ ተሰርሐሉ ሓድሽ ገመድ ኣፅኒዖም እንተ ኣሰሩኒ እደክም፥ ከም ኵሉ ሰብ ከዓ እኸውን” በላ።
12
ደሊላ ድማ ሓድሽ ገመድ ወሲዳ ንሶምሶን ብእኡ ኣሰረቶ። “ሶምሶን! ፍልስጥኤማውያን እንሆ መፂኦምኻ!” በለቶ። እቶም ሕቡኣት ሰባት ከዓ ኣብቲ ውሻጠ ነበሩ። ንሱ ግና ኻብ ቀላፅሙ ኸም ፈትሊ በተኾ።
13
ደሊላ ኸዓ ንሶምሶን “ክሳዕ ሕዚ ኣላጊፅካለይ፤ እቲ ሓቂውን ኣይነገርካንን፤ ብምንታይ ከም እትእሰር እንዶ ንገረኒ” በለቶ። ንሱ ኸዓ “ነቲ ሸውዓተ ጕንጉን ፀጕሪ ርእሰይ፥ ምስ ቅጥኒ እንተ ኣለምክዮ፥ ኣብ ሽኻል ማእለማ ኸዓ እንተ ኣሰርክዮ፥ ከም ኵሉ ሰበይ ድኹም እኸውን” በላ።
14
ሶምሶን ምስ ደቀሰ፥ ደሊላ ነቲ ዝተቘነነ ፀጉሪ ርእሱ ምስቲ ቕጥኒ ጐንጐነቶ፤ ኣብ ሽኻል ኣሲራ ድማ፥ “ሶምሶን! እንሆ ፍልስጥኤማውያን መፂኦምኻ!” በለቶ። ንሱ ድማ ኻብ ድቃሱ ተበራቢሩ፥ ነቲ ሽኻል ማእለማ ነቓቐሎ፤ ነቲ ቕጥኒ ድማ በታተኾ።
15
ንሳ ኸዓ ሶምሶን “ልብኻ ምሳይ ዘየለስ ከመይ ጌርካ ኢኻ ‘እፈትወኪ እየ’ እትብለኒ ዘለኻ? ሰለስተ ሻዕ ኣታሊልካኒ፤ እዝ ዓብዪ ሓይልኻ ብምንታይ ምዃኑውን ኣይነገርካንን” በለቶ።
16
ኵሉ መዓልቲ ብዘረባኣ ምስ ኣትከረቶ፤ ነፍሱ ኽሳዕ ሞት ተጨነቐት።
17
ኵሉ ናይ ልቡ ኸዓ ገለፀላ “ኣነ ኻብ ከርሲ እኖይ ጀሚረ ንኣምላኽ ዝተወፈኹ ናዝራዊ እየ እሞ ርእሰይ ተላፅየ ኣይፈልጥን፤ ስለዙይ እንተ ተላፀኹ፤ ሓይለይ ይደክም፤ ከም ኵሉ ሰብ ከዓ ድኹም እኸውን” በላ።
18
ደሊላ ድማ ዅሉ ናይ ልቡ ኸም ዝገለፀላ ምስ ፈለጠት ነቶም ሹመኛታት ፍልስጥኤማውያን ልኢኻ፥ “ኵሉ ናይ ልቡ ገሊፁለይ እዩ እሞ ሕዚ ንዑ” ኢላ ፀውዐቶም። ሽዑ እቶም ሹመኛታት ፍልስጥኤማውያን እቲ ገንዘብ ሒዞም ናብኣ መፁ።
19
ንሳ ኸዓ ኣብ ኣብራኻ ኣደቀሰቶ፤ ሓደ ሰብኣይ ፀዊዓ ድማ ነቲ ሸውዓተ ጕንጉን ርእሱ ኣላፀየቶ፤ ክተዋርዶውን ጀመረት፤ ንሱ ኸዓ ኽደክም ጀመረ፤ ሓይሉውን ካብኡ እናተፈለየ ኸደ።
20
“ሶምሶን፥ ፍልስጥኤማውያን እኒሀዉ መፂኦምኻ!” በለቶ። ንሱ ድማ ኻብ ድቃሱ ተበራበረ፤ እግዚኣብሄር ከም ዝሓደጎ ስለ ዘይፈለጠ ኸዓ፥ ከም ቀደሙ፥ “ተቓሊሰ ኽወፅእ እየ” ኢሉ ሓሰበ።
21
እቶም ፍልስጥኤማውያን ግና ሒዞም ኣዒንቱ ጐጥጐጥዎ። ኣብ ጋዛ ኣውሪዶም ድማ ብሞቕሕ ነሃስ ኣሰርዎ፤ ኣብቲ ቤት እሱራት ከዓ ይጥሕን ነበረ።
22
ግና ምስተላፀየ ፀጕሪ ርእሱ ኸም ብሓድሽ ክበቍል ጀመረ።
23
እቶም ሹመኛታት ፍልስጥኤማውያን ከዓ “ኣምላኽና ንሶምሶን ፀላኢና ኣብ ኢድና ሂቡና” ኢሎም ንዳጎን ኣምላኾም ብዙሕ መስዋእቲ ኽስውኡን ክሕጐሱን ተኣከቡ።
24
እቶም ህዝቢ ንሶምሶን ምስ ረአይዎ ድማ “ነቲ ንሃገርና ዘጥፍአን ንብዙሓት ካባና ዝቐተለን ፀላኢና፥ ኣምላኽና ኣብ ኢድና ሂቡና” ኢሎም ንኣምላኾም ኣመስገኑ።
25
ልቦምውን የመና ምስ ተሓጐሰ “ንሶምሶን፥ ኣብ ቅድሜና ኽፃወት ፀውዕዎ” በሉ። ንሶምሶን ከዓ ኻብ ቤት ማእሰርቲ ኣምፅእዎ፤ ኣብ ቅድሚኣቶም ኮይኑውን ይፃወት ነበረ፤ ኣብ መንጎ ኣዕምዲ ኸዓ ደው ኣበልዎ።
26
ሶምሶን ድማ ነቲ ብኢዱ ሒዙ ዝመርሖ ቘልዓ “ነቲ ኣዳራሽ ፆይሮም ዘለዉ ኣዕምዲ ሒዘ ኽፅግዖምስ በይዛኻ ናብኣቶም ኣፀግዐኒ” በሎ።
27
እቲ ኣዳራሽ ድማ ብሰብኡትን ኣንስትን መሊኡ ነበረ። እቶም ሹመኛታት ፍልስጥኤማውያንውን ኵሎም ኣብኡ ነበሩ። ሶምሶን ክፃወት እንተሎ ድማ ኣብ ልዕሊ ናሕሲ ኾይኖም ዝሪኡ ኣስታት ሰለስተ ሽሕ ሰብኡትን ኣንስትን ነበሩ።
28
ሶምሶን ከዓ “ኦ እግዚኣብሄር! ኦ ጐይታ! በይዛኻ ዘክረኒ፤ ኣታ ኣምላኸይ፥ ንፍልስጥኤማውያን ሕዚ ሕነ እዘን ክልቲአን ኣዒንተይ ክፈድዮምስ፥ በይዛኻ ንሓደ ጊዜ ጥራሕ ሓይሊ ሃበኒ” ኢሉ ናብ እግዚኣብሄር ተማህለለ።
29
ሽዑ ሶምሶን ነቶም ነቲ ገዛ ዝፆሩ ኽልተ ናይ ማእኸል ኣዕምዲ፥ ነቲ ሓደ ብየማኑ ነቲ ሓደ ኸዓ ብፀጋሙ ሓዞ።
30
ሶምሶን ድማ፦ “ነፍሰይ ምስ ፍልስጥኤማውያን ትሕለፍ” ኢሉ ብምሉእ ሓይሉ ነቲ ኣዕምዲ ደፍኦ፤ እቲ ኣዳራሽ ድማ ኣብ ልዕሊ እቶም ሹመኛታትን፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብኡ ዝነበረ ዅሉ ህዝብን ወደቐ። ካብቶም ብህይወቱ እንተሎ ዝቐተሎም እቶም ብሞቱ ዝቐተሎም ምዉታት በዝሑ።
31
ሽዑ ኣሕዋቱን ኵሎም ስድራ ኣቦኡን ወሪዶም ሬሳኡ ሒዞም ደየቡ፤ ኣብ መቓብር ኣቦኡ ማኑሄ ኣብ መንጎ ፆርዓን ኤሽታዖልን ቀበርዎ። ሶምሶን ንደቂ እስራኤል ዕስራ ዓመት ፈረደ።
← Chapter 15
Chapter 17 →