bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Judges 15
Judges 15
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ድሕሪ ቑሩብ መዓልቲ ዓፂድ ስርናይ ምስ ኮነ፥ ሶምሶን ማሕስእ ሒዙ ንሰበይቱ ኽጥይቓ ኸደ፥ “ናብ ሰበይተይ ናብ ሕልፍኚ ኽኣቱ እደሊ ኣለኹ” ድማ በለ፤ ኣቦኣ ግና ኽኣቱ ኣይፈቐደሉን።
2
ኣቦኣ ኸዓ “ፈፂምካ ዝፀላእኻያ መሲሉንስ ንዓርክኻ ኣመርዕየያ እየ፤ ሕዚ ግና ኽንዲ ኽንዳኣ ነታ ኻብኣ እትፅብቕ ንእሽተይ ሓፍታ ኣእትዋ” በሎ።
3
ሶምሶን ከዓ “ድሕሪ ደጊም ኣነ ንፍልስጥኤማውያን ክፉእ እንተ ፈደኽዎም፥ በደል የብለይን” በሎም።
4
ሶምሶን ድማ ኸይዱ ሰለስተ ሚእቲ ውኻርያ ሓዘ፤ ከክልተ ውኻርያ ገይሩ ኸዓ ጭራ ምስ ጭራ ኣታሓሒዙ ኣሰረን፤ ኣብ ማእኸለን ኣብ መንጎ ጭራአን ድማ ሓደ ሽግ ገበረለን።
5
ነቲ ሽጋት ብሓዊ ኣቃፂሉ ኸዓ ናብ ማእኸል ዝሩእ ፍልስጥኤማውያን ሰደደን፤ ኵልሳሳትን ዘይዕፁድ እኽልን ኣትክልቲ ወይንን ኣውሊዕን ከዓ ነደደ።
6
ሽዑ ፍልስጥኤማውያን “እዙይ ዝገበረ መን እዩ?” ኢሎም ጠየቑ። “እቲ ቲምናታዊ ሰብኣይ፥ ሰበይቱ ወሲዱ ንዓርኩ ስለ ዝሃቦ፥ ሶምሶን ሰብኣይ ጓሉ እዩ” ኢሎም መለሱሎም። እቶም ፍልስጥኤማውያን ድማ ደዪቦም፥ ንኣኣን ነቦኣን ብሓዊ ኣቃፀልዎም።
7
ሶምሶን ከዓ “እምበኣር እዙይ ካብ ገበርኩም፥ ኣነ ኸዓ ገና ኣፀቢቐ ሕነ እንተይፈደኹ ኣይሓድገኩምን እየ” በሎም።
8
ብጭከና ወቒዑ ኸዓ ወድኦም፤ ወሪዱ ድማ ኣብ በዓቲ ኰዅሒ ዔጣም ተቐመጠ።
9
ሽዑ ፍልስጥኤማውያን ደዪቦም ኣብ ይሁዳ ሰፈሩ፤ ንሌሒ ኸዓ ወረርዋ።
10
ሰብ ይሁዳ ድማ “ስለ ምንታይ ክትዋግኡና ናባና ደየብኩም?” በልዎም። ንሳቶም ከዓ “ንሶምሶን ክንኣስሮ፥ ከምቲ ዝገበረና ድማ ኽንገብሮ ኢና ዝደየብና” በልዎም።
11
ሽዑ ኻብ ይሁዳ ሰለስተ ሽሕ ሰባት ናብ በዓቲ ኰዅሒ ዔጣም ወረዱ፤ ንሶምሶን ከዓ፥ “ፍልስጥኤማውያን ከም ዝገዝኡናዶ ኣይትፈልጥን ኢኻ? እዝ ዝገበርካና ደኣ እንታይ እዩ?” በልዎ። ንሱ ኸዓ “ኸምቲ ዝገበሩኒ እየ ዝገበርክዎም” በሎም።
12
ንሳቶም ከዓ “ኣሲርና ናብ ኢድ ፍልስጥኤማውያን ክነሕልፈካ ኢና ዝወረድና” በልዎ። ሶምሶን ድማ “እምበኣር ንስኻትኩም ከም ዘይትቐትሉኒ መሓሉለይ” በሎም።
13
ንሳቶም ከዓ “ኣይፋልናን፥ ኣፅኒዕና ኣሲርና ደኣ ናብ ኢዶም ክነሕልፈካ ኢና እምበር፥ ምቕታልስ ኣይንቐትለካን ኢና” በልዎ። ብኽልተ ሓድሽ ገመድ ኣሲሮም ድማ ኻብቲ ኰዅሒ ኣውፅእዎ።
14
ናብ ሌሒ ምስ ቀረበ ኸዓ፥ እቶም ፍልስጥኤማውያን ዕልል እናበሉ ተቐበልዎ። መንፈስ እግዚኣብሄር ድማ ናብ ልዕሊኡ ወረደ፤ እቲ ኣብ ቀላፅሙ ዝነበረ ገመዳት ከዓ ሓዊ ኸም ዝበልዖ ፈትሊ እንጣጢዕ ኾነ። እቲ መእሰሪኡ መኺኹ ኸዓ ኻብ ኣእዳዉ ወደቐ።
15
ሓድሽ ምንጋጋ ኣድጊ ረኸበ፤ ብእኡ ገይሩ ድማ ሽሕ ሰባት ቀተለ።
16
ሶምሶን ከዓ “ብምንጋጋ ኣድጊ ሬሳ ኣብ ልዕሊ ሬሳ ዀመርኩ፤ ብምንጋጋ ኣድጊ ሽሕ ሰባት ቀተልኩ” በለ።
17
እዙይ ምስ በለ፥ ነቲ ምንጋጋ ኣድጊ ደርበዮ፥ ነታ ቦታ ድማ ራማትሌሒ ኢሉ ሰመያ።
18
ሶምሶን ከዓ የመና ፀምአ እሞ “እዝ ዓብዪ ምድሓን እዙይ ንባርያኻ ሃብካ፤ ሕዚ ኸዓ ብፅምኢ ማይ ክመውት፥ ኣብ ኢድ እቶም ዘይግሩዛትውን ክወድቕ ድየ?” ኢሉ ናብ እግዚኣብሄር ለመነ።
19
ሽዑ እግዚኣብሄር ነታ ኣብ ሌሒ ዝነበረት ዓማቝ ቦታ ሰንጠቓ፤ ካብኣ ድማ ማይ ወፀ። ምስ ሰተየ ድማ ሓይሉ ተመለሰ እሞ ሓወየ። ስለዙይ ስማ ዓይንሃቆሬ ኢሉ ሰመያ፤ ንሳ ኽሳዕ ሎሚ ኣብ ሌሒ ኣላ።
20
ሶምሶን ብዘመን ፍልስጥኤማውያን ንደቂ እስራኤል ዕስራ ዓመት መርሖም።
← Chapter 14
Chapter 16 →