bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Judges 14
Judges 14
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ሶምሶን ናብ ተምና ወረደ፤ ኣብ ተምና ኸዓ ኻብ ኣጓላት ፍልስጥኤማውያን ሓንቲ ጓል ረአየ።
2
ተመሊሱ ድማ ነቦኡን ንኖኡን “ኣብ ተምና ሓንቲ ፍልስጥኤማዊት ጓል ሪአ ኣለኹ እሞ፥ ሕዚ ንኣኣ ኣመርዕዉኒ” ኢሉ ነገሮም።
3
ኣቦኡን እኖኡን ድማ “ካብቶም ዘይግሩዛት ፍልስጥኤማውያን ሰበይቲ ኽተእቱ እትኸይድስ፥ ኣብ ኣዝማድካን ኣብ ህዝብናንዶ ጓል ስኢንካ ኢኻ?” በልዎ። ሶምሶን ከዓ ነቦኡ “ብዓይነይ ባህ ኢላትኒ እያሞ፥ ንኣኣ ደኣ ኣምፅኡለይ” በሎ።
4
ኣቦኡን እኖኡን ግና፥ እግዚኣብሄር ምስ ፍልስጥኤማውያን ክዋጋእ ምኽንያት ይደሊ ነበረ እሞ፥ እዙይ ካብኡ ኸም ዝኾነ ኣይፈለጡን ነበሩ። በታ ጊዜ እቲኣ ኸዓ ፍልስጥኤማውያን ንእስራኤል ይገዝእዎም ነበሩ።
5
ሽዑ ሶምሶንን ኣቦኡን እኖኡን ናብ ተምና ወረዱ፤ ናብቲ ኣብ ተምና ዘሎ ኣታኽልቲ ወይኒ ምስ በፅሐ ድማ፥ ሽደን ኣንበሳ እናጓዘመ መፆ።
6
መንፈስ እግዚኣብሄር ከዓ ኣብኡ ወረደ፤ ኣብ ኢዱ ዝኾነ መሳርሒ እንተይሓዘ፥ ንማሕስእ ከም ዝሰላልዕዎ ሰላልዖ። እቲ ዝገበሮ ግና ነቦኡ ኾነ ንኖኡ ኣይነገሮምን።
7
ወሪዱ ድማ ነታ ጓል ተዛረባ፤ የመናውን ባህ በለቶ።
8
ድሕሪ ቑሩብ መዓልቲ ኸዓ ኽምርዓዋ ተመለሰ፤ ነቲ ገምቢ ኣንበሳ ኽርኢውን ኣግለሰ። እንሆ ድማ ኣብቲ ገምቢ ኣንበሳ፥ ዕስለ ንህብን መዓርን ነበረ።
9
በእዳዉ ወሲዱ ኸዓ ፈቐዶ መንገዲ እናበልዐ ኸደ፤ መፂኡ ድማ ነቦኡን ንኖኡን መዓር ሃቦም፤ ንሳቶምውን በልዑ። ነቲ መዓር ካብ ገምቢ ኣንበሳ ኸም ዝወሰዶ ግና ኣይነገሮምን።
10
ኣቦኡ ድማ ነታ ጓል ክሪኣ ወረደ፤ እቶም መናእሰይ ከምኡ ይገብሩ ነበሩሞ፥ ሶምሶን ኣብኡ ድግስ ደገሰ።
11
ምስ ረአይዎ ድማ፥ ምስኡ ዝኾኑ ሰላሳ ኣዕርኽቲ ኣምፅኡሉ።
12
ሶምሶን ከዓ ንኣኣቶም “ኣነ ሕንቅሕንቅሊተይ ክነግረኩም እየ እሞ፥ ንእኡ በዘን ሸውዓተ መዓልቲ ናይዝ ድግስ ትርጕሙ ገሊፅኩም እንተ ነጊርኩምኒ፥ ሰላሳ ሃሪ ቐሚሽን ሰላሳ ቕያር ክዳንን ክህበኩም እየ።
13
ክትነግሩኒ እንተ ዘይክኢልኩም ግና፥ ንስኻትኩም ንኣይ ሰላሳ ሃሪ ቐሚሽን ሰላሳ ቕያር ክዳንን ክትህቡኒ ኢኹም” በሎም። ንሳቶም ከዓ “ክንሰምዖስ ነቲ ሕንቅሕንቅሊተይካ ንገረና” በልዎ።
14
ሽዑ ንሱ “ካብቲ በላዒ መብልዕ፥ ካብቲ ሓያል ድማ ጥዑም ወፀ” በሎም። ንሳቶም ከዓ ነቲ ሕንቅሕንቅሊተይ ብሰለስተ መዓልቲ ኽነግርዎ ኣይከኣሉን።
15
ብራብዐይቲ መዓልቲ ኸዓ ንሰበይቲ ሶምሶን “ንሰብኣይኪ ትርጉም እቲ ሕንቅሕንቅሊተይ ክነግረና ሓባብልዮ፤ እንተ ዘይኮነ ንኣኽን ንስድራ ኣቦኽን ብሓዊ ኽነቃፅለኩም ኢና፤ ክትገፉና ዲኹም ዝፀዋዕኹምና?” በልዋ።
16
ሽዑ ሰበይቲ ሶምሶን “ትፀልአኒ ኢኻ፤ ንህዝበይ ዝነገርካዮም ሕንቅሕንቅሊተይ፥ ንኣይ ትርጕሙ ኣይገለፅካለይን ኢኻ እሞ፥ ኣይትፈትወንን ኢኻ” እናበለት ኣብ ቅድሚኡ ትበኪ ነበረት። ንሱ ድማ ንኣኣ “እንሆ፥ ነቦይን ንኖይን እኳ ዘይገለፅኩሎምስ፥ ንኣኺዶ ኽገልፀልኪ እየ?” በላ።
17
ንሳ ኸዓ በተን ሸውዓተ መዓልቲ ድግሶም ኣብ ቅድሚኡ ኾይና በኸየት። ንሳ ስለ ዘጨነቐቶ፥ በታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ትርጕሙ ገለፀላ፤ ንሳ ድማ ትርጉም እቲ ሕንቅሕንቅሊተይ ንደቂ ዓዳ ገለፀትሎም።
18
እቶም ደቂ እታ ኸተማ ኸዓ በታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ፀሓይ እንተይዓረበት፥ “ካብ መዓር ዝጥዕምስ እንታይ ኣሎ? ካብ ኣንበሳ ዝሕይልከ መን ኣሎ?” ኢሎም መለሱሉ። ሶምሶን ድማ፦ “ብኣርሐይ እንተ ዘይትሓርሱስ፥ ነዝ ሕንቅሕንቅሊተይ ኣይምፈለጥኩምዎን ኔርኩም” በሎም።
19
መንፈስ እግዚኣብሄር ከዓ ናብ ሶምሶን መፀ፤ ናብ ኣስቀሎና ወሪዱ ድማ፥ ካብኣቶም ሰላሳ ሰባት ቀተለ፤ ንኣኣቶም ገፊፉ ድማ፥ ነቶም ትርጉም ሕንቅሕንቅሊተይ ዝገለፁሉ እቲ ቕያር ክዳውንቲ ሃቦም። በዙይ ኰርዩ ናብ እንዳ ኣቦኡ ኸደ።
20
እታ ሰበይቲ ሶምሶን ከዓ ነቲ ኻብቶም ዝተሓባበሩ ኣዕርኽቱ ንሓዲኦም ኮነት።
← Chapter 13
Chapter 15 →