bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Judges 13
Judges 13
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ደቂ እስራኤል ድማ መሊሶም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበሩ፤ እግዚኣብሄር ከዓ ኣርብዓ ዓመት ናብ ኢድ ፍልስጥኤማውያን ኣሕሊፉ ሃቦም።
2
ማኑሄ ዝስሙ ሰብኣይ በዓል ፆርዓ፥ ካብ ዓሌት ዳን ነበረ። ሰበይቱ ኸዓ መኻን ነበረት።
3
መልኣኽ እግዚኣብሄር ድማ ነታ ሰበይቲ ተገሊፁ ኸምዙይ በላ፦ “እንሆ መኻን ስለ ዝኾንኪ ኣይወለድክን፤ ግና ኽትጠንሲ፥ ወዲውን ክትወልዲ ኢኺ።
4
እምበኣር ካብ ሕዚ ወይንን ካልእ ዘስክር መስተን ከይትሰትዪ፤ ርኹስ ዝኾነ ዅሉውን ከይትበልዒ ተጠንቀቒ።
5
ምስ ወለድኪ እቲ ቘልዓ ኻብ ዝውለድ ጀሚሩ ናይ እግዚኣብሄር ናዝራዊ ክኸውን እዩ እሞ፥ ኣብ ልዕሊ ርእሱ መላፀ ኣይሓልፎን፤ ንሱ ንደቂ እስራኤል ካብ ኢድ ፍልስጥኤማውያን ከድሕኖም ክጅምር እዩ።”
6
ሽዑ እታ ሰበይቲ ናብ ሰብኣያ ኸይዳ “ሓደ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ናባይ መፀ፤ ትርኢቱውን ከም ትርኢት መልኣኽ እግዚኣብሄር የመና ዘፍርሕ ነበረ። ካበይ ከም ዝኾነ ኣነ ኣይጠየቕክዎን፤ ንሱውን ስሙ ኣይነገረንን።
7
ግና ‘ክትጠንሲ ወዲውን ክትወልዲ ኢኺ፤ እቲ ቘልዓ ኻብ ዝጥነስ ጀሚሩ ኽሳዕ ዕለተ ሞቱ ናይ እግዚኣብሄር ናዝራዊ ክኸውን እዩ እሞ፥ ወይንን ካልእ ዘስክር መስተን ኣይትስተዪ፤ ርኹስ ዝኾነውን ኣይትብልዒ’ ኢሉኒ” ኢላ ነገረቶ።
8
ማኑሄ ድማ ንእግዚኣብሄር “ኦ ጐይታ! እቲ ዝለኣኽካዮ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ፥ ነቲ ዝውለድ ቈልዓ ኸመይ ጌርና ኸም እነዕብዮ ኽነግረናስ፥ በይዛኻ መሊሱ ይምፅአና” ኢሉ ለመነ።
9
እግዚኣብሄር ድማ ቓል ማኑሄ ሰምዐ፤ እታ ሰበይቲ ኣብ በረኻ ኮፍ ኢላ እንተላ፥ እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር መሊሱ መፀ፤ ሰብኣያ ማኑሄ ግና ምስኣ ኣይነበረን።
10
እታ ሰበይቲ ድማ ብጕያ ናብ ሰብኣያ ኸይዳ “እቲ ሓደ መዓልቲ መፂኡኒ ዝነበረ ሰብኣይ፥ እንሆ ተገሊፁለይ” ኢላ ነገረቶ።
11
ማኑሄ ኸዓ ተሲኡ ደድሕሪ ሰበይቱ ኸደ፤ ናብቲ ሰብኣይ መፂኡ ድማ “ነዛ ሰበይቲ ዝተዛረብካያ ንስኻ ዲኻ?” በሎ። ንሱ ኸዓ፥ “እወ፥ ኣነ እየ” በሎ።
12
ማኑሄ ድማ “እዝ ቓልካ ምስ ተፈፀመ፥ ስርዓት እቲ ቘልዓ እንታይ እዩ? እንገብረሉኸ እንታይ እዩ?” ኢሉ ጠየቖ።
13
እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ድማ ንማኑሄ “እታ ሰበይቲ፥ ካብቲ ዅሉ ዝነገርክዋ ትጠንቀቕ።
14
ካብ ወይኒ ኻብ ዝርከብ ኵሉ ኣይትብላዕ፤ ወይንን ካልእ ዘስክር መስተን ኣይትስተ፤ ኵሉ ርኹስ ዝኾነውን ኣይትብላዕ፤ ኵሉ እቲ ዝኣዘዝክዋ ድማ ትሓሉ” በሎ።
15
ማኑሄ ድማ ነቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር “ማሕስእ ኣዳሊና ኽሳዕ እንቕርበልካ በይዛኻ ፅናሕ” በሎ።
16
እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ድማ ንማኑሄ “እንተ ፀናሕኹውን ምግብኻ ኣይበልዕን እየ። ዝቃፀል መስዋእቲ ኽትገብር እንተ ደሊኻ ድማ፥ ንእግዚኣብሄር ኣቕርበሉ” በሎ። ማኑሄ ግና መልኣኽ እግዚኣብሄር ምዃኑ ኣይፈለጠን ነበረ።
17
ማኑሄ ድማ ነቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር “እቲ ቓልካ ምስ ተፈፀመ፥ ምእንቲ ኽነኽብረካስ፥ ስምካ መን እዩ?” በሎ።
18
እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ከዓ፥ “ስለ ምንታይ ስመይ እትጥይቐኒ? ስመይ ‘መስተንክር’ እዩ” በሎ።
19
ማኑሄ ድማ ማሕስእን መስዋእቲ ብልዕን ወሲዱ፥ ኣብ ልዕሊ ኰዅሒ ንእግዚኣብሄር ኣቕረበ። ሽዑ ማኑሄን ሰበይቱን እናረአዩ እቲ መልኣኽ ተኣምራት ገበረ።
20
እቲ ሃልሃልታ ኻብቲ መሰውኢ ናብ ሰማይ ክድይብ እንተሎ፥ እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር በቲ ውሽጢ ሃልሃልታ መሰውኢ ዓረገ። ማኑሄን ሰበይቱን እዙይ ምስ ረአዩ፥ ብገፆም ናብ ምድሪ ተደፍኡ።
21
እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ድማ ንማኑሄን ንሰበይቱን ድሕሪኡ ኣይተርኣዮምን። ሽዑ ማኑሄ ንሱ መልኣኽ እግዚኣብሄር ከም ዝኾነ ፈለጠ።
22
ማኑሄ ድማ ንሰበይቱ “ንእግዚኣብሄር ርኢናዮ ኢና እሞ፥ ብርግፅ ክንመውት ኢና” በላ።
23
እታ ሰበይቱ ግና “እግዚኣብሄር ክቐትለና እንተ ዝደልስ፥ ዝቃፀል መስዋእትን መስዋእቲ እኽልን ካብ ኢድና ኣይምተቐበለን፤ እዝ ዅሉውን ኣይመርአየናን፤ ከምዙይ ዝበለ ነገር ድማ በዝ ጊዜ እዙይ ኣይመስምዐናን” በለቶ።
24
እታ ሰበይቲ ወዲ ወለደት፤ ሶምሶን ኢላ ኸዓ ሰመየቶ። እቲ ቘልዓ ድማ ዓበየ፤ እግዚኣብሄርውን ባረኾ።
25
ኣብ ሰፈር ዳን ኣብ መንጎ ፆርዓን ኤሽታዖልን እንተሎ ድማ፥ መንፈስ እግዚኣብሄር ከነቓቕሖ ጀመረ።
← Chapter 12
Chapter 14 →