bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Judges 12
Judges 12
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ሰብ ኤፍሬም ድማ ሰራዊቶም ኣኽቲቶም ፈለግ ዮርዳኖስ ተሳጊሮም ናብ ፃፎን መፁ። ንዮፍታሔ ኸዓ “እቲ ምስ ደቂ ኣሞን ክትዋጋእ ክትሓልፍ እንተለኻስ፥ ምሳኻ ኽንከይድ ንኣና ዘይፀዋዕኻና ስለ ምንታይ ኢኻ? ንገዛኻ ኣብ ልዕሌኻ ብሓዊ ኽነንድዳ ኢና” በልዎ።
2
ዮፍታሔ ድማ “ኣነን ህዝበይን ምስ ደቂ ኣሞን ኣብ ብርቱዕ ፀብኢ እንተለና፥ ምስ ፀዋዕኩኹም፥ ካብ ኢዶም ኣየድሓንኩምንን።
3
ከም ዘይተድሕኑኒ ምስ ፈለጥኩ ድማ ንህይወተይ እንተየናሕሰኹ ናብ ደቂ ኣሞን ሓለፍኩ፤ እግዚኣብሄር ከዓ ንኣኣቶም ኣብ ኢደይ ኣሕሊፉ ሃበኒ። ስለ ምንታይከ ሎሚ ኽትዋግኡኒ መፃእኹም?” በሎም።
4
ዮፍታሔ ድማ ንዅሎም ሰብ ገለዓድ ኣኽቲቱ ምስ ሰብ ኤፍሬም ተዋግአ። ደቂ ኤፍሬም ከዓ፥ “ኣቱም ሰብ ገለዓድ ካብ ኤፍሬምን ካብ ምናሴን ዝኸዳዕኹም ኢኹም” ይብልዎም ነበሩ እሞ፥ እቶም ሰብ ገለዓድ ንሰብ ኤፍሬም ተዋግእዎም።
5
ገለዓዳውያን ነተን ደቂ ኤፍሬም ክሳገሩለን ዝኽእሉ መሳገሪታት ፈለግ ዮርዳኖስ ሓዝወን፤ ሓደ ኻብቶም ዝሃደሙ ደቂ ኤፍሬም “ኣሕልፉኒ” እንተ በሎም፥ “ኤፍሬማዊ ዲኻ?” ኢሎም ይጥይቕዎ፤ ንሱ ኣይፋለይን እንተበለ ኸዓ፥
6
ንሳቶም “እስኪ ‘ሺቦለት’ በል” በልዎ። ንሱ ኸዓ ኸምኡ ኣፅርዩ ምዝራብ ስለ ዘይኽእል “ሲቦለት” በለ፤ ሽዑ ሒዞም ኣብ መሳገሪታት ዮርዳኖስ ሓረድዎ። በታ ጊዜ እቲኣ ኻብ ሰብ ኤፍሬም ኣርብዓን ክልተን ሽሕ ተቐተሉ።
7
ዮፍታሔ ድማ ንእስራኤል ሽዱሽተ ዓመት ፈረደ። ድሕሪዙይ እቲ ገለዓዳዊ ዮፍታሔ ሞተ፤ ካብ ከተማታት ገለዓድ ኣብ ሓንቲ ኸተማ ድማ ተቐበረ።
8
ድሕሪ ዮፍታሔ ኸዓ ኢብፃን በዓል ቤተ ልሔም ንእስራኤል ፈራዲ ኾነ።
9
ንሱ ሰላሳ ኣወዳትን ሰላሳ ኣጓላትን ነበርዎ፤ ነቶም ኣወዳቱ ኻብ ዘይዓሌቱ ኣጓላት ኣምፅአሎም። ከምኡውን ነተን ኣጓላቱ ናብ ዘይዓሌቱ ሃበን። ንደቂ እስራኤል ከዓ ሸውዓተ ዓመት ፈረዶም።
10
ኢብፃን ሞተ፤ ኣብ ቤተ ልሔም ድማ ተቐበረ።
11
ብድሕሪኡ ኸዓ ኤሎን ዛብሎናዊ ዓሰርተ ዓመት ንደቂ እስራኤል ፈረደ።
12
ኤሎንውን ሞተ፤ ኣብ ኤሎን ኣብ ምድሪ ዛብሎን ድማ ተቐበረ።
13
ድሕሪኡ ድማ ዓብዶን፥ ወዲ ሂሌል በዓል ጲርዓቶን፥ ንእስራኤል መርሖም።
14
ንሱ ኸዓ ኣብ ልዕሊ ሰብዓ ኣእዱግ ዝቕመጡ ኣርብዓ ደቅን ሰላሳ ደቂ ደቅን ነበርዎ። ንደቂ እስራኤል ድማ ሸሞንተ ዓመት ፈረደ።
15
ዓብዶን፥ ወዲ ሂሌል በዓል ጲርዓቶንውን ሞተ፤ ኣብ ጲርዓቶን ምድሪ ኤፍሬም፥ ኣብ ኰረብታታት ኣማሌቃውያን ድማ ተቐበረ።
← Chapter 11
Chapter 13 →