bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Judges 11
Judges 11
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ገለዓዳዊ ዮፍታሔ፥ ወዲ ሓንቲ ኣመንዝራ ሰበይቲ፥ ሓያል ጅግና ነበረ። ገለዓድ ድማ ንዮፍታሔ ወለደ።
2
ሰበይቲ ገለዓድ ድማ ኣወዳት ወለደትሉ። ንሳቶም ምስ ዓበዩ ኸዓ፥ ንዮፍታሔ “ንስኻ ወዲ ኻልእ ሰበይቲ ኢኻ እሞ፥ ኣብ ቤት ኣቦና ኣይትወርስን ኢኻ” ኢሎም ሰጐጕዎ።
3
ሽዑ ዮፍታሔ ኻብ ቅድሚ ኣሕዋቱ ሃደመ፤ ኣብ ምድሪ ጦብ ድማ ተቐመጠ። ናብ ዮፍታሔ ኸዓ ዘይረብሑ ዓመፀኛታት ሰባት ተኣከቡ፤ ሰዓብዎውን።
4
ድሕሪ ቑሩብ ኣዋርሕ ከዓ፥ ደቂ ኣሞን ምስ እስራኤል ተዋግኡ።
5
ደቂ ኣሞን ምስ እስራኤል ክዋግኡ እንተለዉ፥ እቶም ዓበይቲ ደቂ ገለዓድ ንዮፍታሔ ኻብ ምድሪ ጦብ ከምፅእዎ ኸዱ።
6
“ምስ ደቂ ኣሞን ክንዋጋእ ኢና እሞ ነዓ ሓለቓና ኹን” በልዎ።
7
ዮፍታሔ ድማ ንዓበይቲ ገለዓድ፥ “ንስኻትኩምዶ ኣይኮንኩምን ዝፀላእኹምንን፥ ካብ ቤት ኣቦይ ዝሰጐጕኩምንን? ሕዚ ደኣ ምስ ጨነቐኩም ከመይ ኢልኩም ናባይ ትመፁ?” በሎም።
8
እቶም ዓበይቲ ገለዓድ ንዮፍታሔ “እወ፥ ግና ምሳና ኼድካ ንደቂ ኣሞን ክትዋጋእ እሞ ንዅልና ሰብ ገለዓድ ሓለቓና ኽትከውን ስለ ዝደለና ኢና ሕዚ ናባኻ ዝተመለስና” በልዎ።
9
ዮፍታሔ ኸዓ ንዓበይቲ ገለዓድ “ምስ ደቂ ኣሞን ክዋጋእ ናብ ዓደይ እንተ መሊስኩምኒ፥ እግዚኣብሄርውን ንኣኣቶም ኣብ ኢደይ እንተ ሃበኒ፥ ሽዑ ኣነዶ ሓለቓኹም ክኸውን እየ?” በሎም።
10
እቶም ዓበይቲ ገለዓድ ድማ ንዮፍታሔ “እወ፥ እግዚኣብሄር ምስክርና እዩ፤ ከም ቃልካ ኽንገብር ኢና” ኢሎም መለሱሉ።
11
ሽዑ ዮፍታሔ ምስቶም ዓበይቲ ገለዓድ ከደ፤ እቶም ህዝቢ ድማ ኣብ ልዕሊኣቶም ሓለቓን መራሕን ገበርዎ። ዮፍታሔ ድማ ዅሉ እቲ ዘረባኡ ኣብ ምፅጳ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ተዛረበ።
12
ዮፍታሔ ናብ ንጉስ ደቂ ኣሞን፥ “ናባና መፂእኻ ንሃገርና እትዋግኣስ፥ ምሳና እንታይ ኣለካ?” ኢሉ ልኡኻት ሰደደሉ።
13
እቲ ንጉስ ደቂ ኣሞን ድማ ንልኡኻት ዮፍታሔ፦ “እስራኤል ካብ ግብፂ ኽወፅእ እንተሎ፥ ነታ ምድረይ ካብ ኣርኖን ክሳዕ ያቦቅን ክሳዕ ዮርዳኖስን ወሲዱለይ እዩ እሞ፥ ሕዚ ምድረይ ብሰላም ምለሱለይ” በሎም።
14
ዮፍታሔ ድማ ናብ ንጉስ ደቂ ኣሞን መሊሱ ልኡኻት ሰዲዱ፥
15
ከምዙይ በሎ፦ “ዮፍታሔ ኸምዙይ ይብል ኣሎ፦ እስራኤል ምድሪ ሞኣብን ምድሪ ደቂ ኣሞንን ኣይወሰደን።
16
እስራኤል ካብ ግብፂ ምስ ወፀ ብምድረ በዳ ኣቢሉ ኽሳዕ ባሕሪ ኤርትራ ኸደ፤ ናብ ቃዴስ ድማ መፀ።
17
ሽዑ ደቂ እስራኤል ናብ ንጉስ ኤዶምያስ ልኡኻት ሰዲዶም፦ ‘በይዛኻ ብምድርኻ ኣሕልፈና’ በልዎ። ንጉስ ኤዶምያስ ግና ኣይፈቐደን። ናብ ንጉስ ሞኣብ ከዓ ለኣኹ፤ ንሱውን ኣበየ እሞ፥ ደቂ እስራኤል ኣብ ቃዴስ ተቐመጡ።
18
“ሽዑ ብምድረ በዳ ኸይዶም፥ ንምድሪ ኤዶምያስን ንምድሪ ሞኣብን ዞርወን፥ ናብ ምብራቕ ምድሪ ሞኣብ መፂኦም ከዓ፥ ኣብ ማዕዶ ኣርኖን ሰፈሩ። ኣርኖን ወሰን ሞኣብ ስለ ዝነበረ፥ ናብ ማዕዶ ወሰን ሞኣብ ኣይሓለፉን።
19
“ደቂ እስራኤል ከዓ ናብ ሴዎን ንጉስ ኣሞራውያን፥ ናብ ንጉስ ሓሴቦን፥ ልኡኻት ሰዲዶም፥ ‘በይዛኻ ኽሳዕ እታ ቦታና እንበፅሕ ብምድርኻ ኣሕልፈና’ በልዎ።
20
ሴዎን ግና ንደቂ እስራኤል ስለ ዘይኣመኖም ብወሰኑ ኽሓልፉ ኣይደለየን። ኵሉ ህዝቡ ኣኪቡ ኸዓ ኣብ ያሃፅ ሰፈረ፤ ምስ እስራኤል ድማ ተዋግአ።
21
“እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከዓ ንሴዎንን ንዅሉ ህዝቡን ኣብ ኢድ ደቂ እስራኤል ኣሕሊፉ ሃቦም፤ ንሳቶም ድማ ሰዓርዎም፤ ሽዑ ደቂ እስራኤል ነታ ኣሞራውያን ዝነበርዋ ምድሪ፥ ብምልእታ ወረስዋ።
22
ካብ ኣርኖን ክሳዕ ያቦቅ፥ ካብ ምድረ በዳ ኸዓ ኽሳዕ ዮርዳኖስ፥ ኵሉ ወሰን ኣሞራውያን ወረሱ።
23
“ሕዚ ድማ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ንኣሞራውያን ካብ ቅድሚ ህዝቡ እስራኤል ሰጒጉዎም እዩ። ንስኻ ደኣ እንታዋይ ኢኻ ኽተሕድገና እትደሊ?
24
ንስኻ እቲ ኸሞሽ ኣምላኽካ ዝሃበካ ውረስ፤ ንሕና ኸዓ ኸምኡ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ዝሃበና ኽንወርስ ኢና።
25
ሕዚ ኸዓ ንስኻ ኻብ ባላቅ ወዲ ሴፌር ንጉስ ሞኣብዶ ትበልፅ ኢኻ? ንሱ ምስ ደቂ እስራኤልዶ ተባኢሱ እዩ? ወይ ምስኣቶምዶ ተዋጊኡ እዩ?
26
ደቂ እስራኤል ኣብ ሓሴቦንን ኣብ ዓድታታን፥ ኣብ ዓሮዔርን ኣብ ዓድታታን፥ ኣብ ጥቓ ኣርኖን ዘለዋ ዅለን ከተማታትን ሰለስተ ሚእቲ ዓመት ተቐሚጦምወን እዮም። ስለ ምንታይ ደኣ በቲ ዘመን እቱይ ዘይወሰድኩምዎም?
27
ኣነስ ኣይበደልኩኻን፥ ንስኻ ግና ንኣይ ብምውጋእኻ ኽፉእ ትገብረኒ ኣለኻ። እቲ ፈራዲ እግዚኣብሄር ደኣ ኣብ መንጎ ደቂ እስራኤልን ኣብ መንጎ ደቂ ኣሞንን ሎሚ ይፍረድ።”
28
እቲ ንጉስ ደቂ ኣሞን ግና ነቲ ዮፍታሔ ዝለኣኸሉ ቓል ኣይሰምዖን።
29
ሽዑ መንፈስ እግዚኣብሄር ናብ ልዕሊ ዮፍታሔ መፀ እሞ፥ ብገለዓድን ብምናሴን ኣቢሉ ብምፅጳ ናይ ገለዓድ ሓለፈ፤ ካብ ምፅጳ ናይ ገለዓድ ከዓ ምስ ደቂ ኣሞን ክዋጋእ ሓለፈ።
30
ዮፍታሔ ድማ ንእግዚኣብሄር፦ “ንደቂ ኣሞን ኣብ ኢደይ እንተ ሂብካንስ፥ ካብ ደቂ ኣሞን ብደሓን ምስ ተመለስኩ፥ እቲ ኽቕበለኒ ኢሉ ኻብ ገዛይ ዝወፅእ፥ ንእግዚኣብሄር ዝቃፀል መስዋእቲ ገይረ ኸቕርቦ እየ” ኢሉ ተመባፅዐ።
32
ሽዑ ዮፍታሔ ምስ ደቂ ኣሞን ክዋጋእ ናብኣቶም ገስገሰ፤ እግዚኣብሄርውን ንኣኣቶም ኣብ ኢዱ ኣሕሊፉ ሃቦ።
33
ካብ ዓሮዔር ክሳዕ ሚኒት ዕስራ ኸተማታት ደምሰሰ፤ ክሳዕ ኣቤል ከራሚም ድማ ብብርቱዕ ውግእ ሰዓሮም። ደቂ ኣሞን ከዓ ኣብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ተዋረዱ።
34
ዮፍታሔ ድማ ናብ ምፅጳ ናብ ገዛኡ ምስ መፀ፥ ጓሉ ብኸበሮን ብስዕስዒትን ክትቅበሎ ወፀት። ሓንቲ ንሳ ጥራሕ እያ ውላዱ፥ ብዘይ ንሳ ወዲ ወይ ጓል ኣይነበሮን።
35
ንኣኣ ምስ ረአያ ኸዓ ኽዳውንቱ ቐዲዱ “ኣየ ጓለይ፥ ንእግዚኣብሄር መብፅዓ ኣትየሉ እየ፤ ክመልሶ ኸዓ ኣይክእልን እየ እሞ፥ የመና ኣዋረድክኒ ኣጨነቕክኒ እውን” በላ።
36
ንሳ ድማ “ኣቦይ፥ እግዚኣብሄር ኣብቶም ደቂ ኣሞን ፀላእትኻ ሕነ ኻብ ፈደየልካ፥ ንእግዚኣብሄር ከዓ መብፅዓ ኻብ ገበርካስ፥ ከምቲ ኻብ ኣፍካ ዝወፀ መብፅዓ ፈፅም።
37
ግና ኻብዙይ ከይደ ናብ እምባታት እናዞርኩ ምስተን ብፆተይ ኮይነ ንድንግልናይ ክልተ ወርሒ ኽበኪ ፍቐደለይ” በለቶ።
38
ንሱ ኸዓ ንኽልተ ወርሒ ኽትከይድ ፈቐደላ። ሽዑ ንሳ ምስ ብፆታ ኸይዳ ኣብ እምባታት ኮይና ንድንግልናኣ በኸየት።
39
እቲ ኽልተ ወርሒ ምስ መልአ፥ ናብ ኣቦኣ ተመለሰት፤ ከምቲ ተመባፂዕዎ ዝነበረ መብፅዓኡ ድማ ፈፀመ። ንሳ ሰብኣይ ዘይትፈልጥ ድንግል ነበረት።
40
በዝ ምኽንያትዙይ እዩ ድማ ኻብቲ ጊዜ እቱይ ጀሚሩ ኣብ እስራኤል ልማድ ኮይኑ፥ ኣጓላት እስራኤል ንጓል ገለዓዳዊ ዮፍታሔ ብምዝካር በብዓመቱ እናወፃ ናይ ኣርባዕተ መዓልቲ ሓዘን ዝገብራላ።
← Chapter 10
Chapter 12 →