bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Joshua 9
Joshua 9
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
እቶም ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ፥ ኣብ ደጕዓን ቈላን፥ ኣብ ገምገም እቲ ዓብዪ ባሕርን ብወገን ሊባኖስን ዝነብሩ ዅሎም ነገስታት እዙይ ሰምዑ። ንሳቶም ከዓ ነገስታት ኬጢያውያንን ኣሞራውያንን ከነዓናውያንን ፈሪዛውያንን ሔዋውያንን ኢያቡሳውያንን ነበሩ።
2
እዚኣቶም ምስ ኢያሱን ምስ እስራኤልን ክዋግኡ ብሓደ ኾይኖም ተኣከቡ።
3
ሰብ ጊብዓ ከዓ እቲ ኢያሱ ኣብ ኢያሪኮን ኣብ ጋይን ዝገበሮ ምስ ሰምዑ፥
4
ተንኰል ገበሩ፤ ልኡኻት መሲሎም፥ ዝኣረጉ ለቛቱን፥ ቅዳድን ዝተለገበ ሓርቢ ወይንን ኣብ ኣእዱጎም ፀዓኑ።
5
ዝተለገበ ኣሳእን ኣብ ኣእጋሮም ገይሮም፥ ብላይ ክዳውንቲውን ተኸዲኖም ከዱ። እቲ ዝሰነቕዎ እንጀራ ድማ ዝነቐፀን ዝሰበበን ነበረ።
6
ኢያሱ ሰፊርዎ ናብ ዘሎ ናብ ጌልገላ ኸይዶም ከዓ፥ ንእኡን ንሰብ እስራኤልን “ካብ ርሑቕ ሃገር ዝመፃእና ኢና፥ ሕዚ ድማ ምሳና ኺዳን እተዉ” በልዎም።
7
ሰብ እስራኤል ከዓ ንሔዋውያን “ምናልባሽ ኣብ ማእኸልና እትነብሩ ኸይትኾኑ፥ ከመይ ጌርና ምሳኻትኩም ቃል ኪዳን ክንኣቱ?” በልዎም።
8
ንኢያሱ ኸዓ “ንሕና ሓሻኽርካ ኢና” በልዎ። ኢያሱ ግና “እንታዎት ኢኹም? ካበይከ መፂእኹም?” በሎም።
9
ንሳቶም ከዓ “ንሕና ብዛዕባ እግዚኣብሄር ኣምላኽካን ብዛዕባ እቲ ኣብ ግብፂ ዝገበሮ ዅሉን ሰሚዕና ኻብ ርሑቕ ሃገር ዝመፃእና ኢና።
10
እቲ ነቶም ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ዝነበሩ ኽልተ ነገስታት ኣሞራውያን፥ ንሴዎን ንጉስ ሓሴቦንን፥ ነቲ ኣብ ኣስታሮት ዝነበረ ዓግ ንጉስ ባሳንን፥ ዝገበሮ ዅሉ ድማ ሰሚዕና ኢና።
11
እቶም መራሕትናን ኣብ ሃገርና ዝነብሩ ዅሎም ህዝብን ከዓ ኸምዙይ በሉና፦ ‘ስንቂ ንመንገድኹም ተማሊእኹም ክትቅበልዎም ኪዱ። ንሕና ሓሻኽርኩም ኢና፥ ሕዚ ኸዓ ቓል ኪዳን እተዉልና በልዎም’ በሉና።
12
ረአዩ፥ እንጀራና በታ ናባኻትኩም ክንመፅእ ካብ ኣባይትና ዝወፃእናላ መዓልቲ ትኩስ ነይሩ፤ ሕዚ ግና እንሆ፥ ነቒፁን ሰቢቡን ኣሎ።
13
ኣሕርብትና ብሓድሹ እንተሎ ዝመላእናዮ እንሆ ተቐዲዱ፥ ክዳውንትናን ኣሳእናን ድማ ብራሕቒ መንገዲ በልዩ” በልዎ።
14
ሽዑ እቶም ሰብ እስራኤል ካብቲ ስንቆም ወሲዶም ረአዩ፤ ፍቓድ እግዚኣብሄር ግና ኣይጠየቑን።
15
ኢያሱ ድማ ምስቶም ሰብ ጊብዓ ሰላም ገበረ፤ ብህይወት ክሓድጎም ከዓ ቃል ኺዳን ኣተወሎም። ኣሕሉቕ እስራኤልውን መሓሉሎም።
16
ምስኣቶም ቃል ኪዳን ምስ ኣተዉ፥ ብድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ኣብ ጥቓኦም ዝነብሩ ጐረባብቶም ምዃኖም፥ ሰምዑ።
17
ደቂ እስራኤል ድማ ኻብቲ ዝነበርዎ ተልዒሎም ብሳልሰይቲ መዓልቲ ናብተን ጊብዓን ከፌራን ቤኤሮትን ቂርያት የዓሪምን ዝበሃላ ኸተማታቶም በፅሑ።
18
እቶም ሹመኛታቶም ብስም እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ምሒሎምሎም ስለ ዝነበሩ ግና፥ ደቂ እስራኤል ኣይቀተልዎምን። ኵሉ እቲ ህዝቢ ኸዓ ኣብ ልዕሊ እቶም ሹመኛታት ኣጕረምረመ።
19
እቶም ሹመኛታት ዅሎም ድማ ንዅሉ እቲ ህዝቢ “ንሕና ብእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ምሒልናሎም ኢና፤ ስለዙይ ሕዚ ክንነኽኦም ኣይንኽእልን ኢና።
20
ብዛዕባ እቲ ዝመሓልናሎም ማሕላ መዓት ከይወርደናስ እዙይ ንግበረሎም፤ ብህይወትውን ንሕደጎም በልዎም።
21
እቶም ኣሕሉቕ ብህይወት ይንበሩ በልዎም፤ ከም ዝተናገርዎምውን ንዅሉ ህዝቢ ቘረፅቲ ዕንፀይትን ቀዳሕቲ ማይን ኮኑ።”
22
ኢያሱ ድማ ንሰብ ጊብዓ ናብኡ ፀዊዑ “ኣብ ጥቓና እናሃለኹምስ ‘ንሕና ኻባኻትኩም እምብዛ ርሑቓት ኢና’ ብምባል ስለ ምንታይ ኣታለልኩምና?
23
ሕዚ ድማ ንስኻትኩም ርጉማት ኢኹም፤ ካባኻትኩምውን ንቤት ኣምላኸይ ቈረፅቲ ዕንፀይትን ቀዳሕቲ ማይን ዝኾነ ባርያ ንዘለኣለም ኣይጠፍእን” በሎም።
24
ንሳቶም ድማ ንኢያሱ “እቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ንሙሴ ባርያኡ ዅላ እዛ ምድሪ እዚኣ ኽህበኩም፥ ኣብዛ ሃገር ንዝነብሩ ዅሎም ከዓ ኻብ ቅድሜኹም ከጥፍኦም ከም ዝኣዘዞ፥ ሰሚዕና ኢና። ስለዙይ ኣብ ቅድሜኹም ንነፍስና የመና ስለ ዝፈራሕና ኢና እዝ ነገር እዙይ ዝገበርና።
25
ሕዚ ድማ እንሆ፥ ኣብ ኢድካ ኢና፤ ንኣና ድማ ኽትገብሮ ፅቡቕን ቅኑዕን መሲሉ ዝተርኣየካ ግበረና” ኢሎም መለሱሉ።
26
ኢያሱ ኻብ ኢድ ደቂ እስራኤል ኣናገፎም፤ ንሳቶምውን ኣይቀተልዎምን።
27
ኢያሱ ኸዓ፥ በታ መዓልቲ እቲኣ ኣብታ ዝሓረያ ቦታ ነቲ ማሕበርን ንመሰውኢ እግዚኣብሄርን ቘረፅቲ ዕንፀይትን ቀዳሕቲ ማይን ገበሮም። ንሳቶምውን ኣብታ እግዚኣብሄር ንቤቱ ዝሓረያ ቦታ ኽሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ቘረፅቲ ዕንፀይትን ቀዳሕቲ ማይን ኮይኖም ኣለዉ።
← Chapter 8
Chapter 10 →