bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Joshua 8
Joshua 8
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
እግዚኣብሄር ድማ ንኢያሱ “ኣይትፍራሕ፥ ኣይትደንግፅ። ተዋጋእቲ ዝኾኑ ሰባት ውሰድ፤ ደይብ እሞ ንጋይ ውግኣያ። ረአ፤ ኣነ ንንጉስ ጋይን ንህዝቡን ንኸተማኡን ንሃገሩን ኣሕሊፈ ኣብ ኢድካ ሂበካ ኣለኹ።
2
ከምቲ ንኢያሪኮን ንንጉሳን ዝገበርካዮም፥ ንጋይን ንንጉሳን ድማ ኸምኡ ኽትገብሮም ኢኻ። ምርኮኣን ጥሪታን ግና ንኣኻትኩም ውሰድዎ። ብድሕሪ እታ ኸተማ ኸዓ ሕቡእ ደጀን ግበር” በሎ።
3
ኢያሱ ድማ ምስ ኵሎም እቶም ተዋጋእቲ ሰባት ኮይኑ ንጋይ ክወግኣ ተስአ። ሰላሳ ሽሕ ሓያላት ጀጋኑ ሰባት ሓርዩ ድማ ኸምዙይ ኢሉ ኣዚዙ ብለይቲ ሰደዶም።
4
“ርአዩ፤ ነታ ኸተማ ብድሕሪኣ ሕቡእ ደጀን ግበሩላ፤ ካብታ ኸተማ እምብዛ ኣይትርሓቑ። ኵልኻትኹም ከዓ ተዳሊኹም ፅንሑ።
5
ኣነን እቲ ምሳይ ዘሎ ዅሉ ህዝብን ድማ፥ ናብታ ኸተማ ኽንፅጋዕ ኢና። ከምቲ ናይ ቀዳማይ ክዋግኡና ምስ ወፁ፥ ካብ ቅድሚኣቶም ክንሃድም ኢና።
6
ሽዑ ‘ከምቲ ናይ ቀዳማይ ካብ ቅድሜና ይሃድሙ ኣለዉ’ ኽብሉ እዮም፤ ወፂኦም ምእንቲ ኽስዕቡና ኻብታ ኸተማ ኽሳዕ እነርሕቖም፥ ካብ ቅድሚኣቶም ክንሃድም ኢና።
7
ንስኻትኩም ድማ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ነታ ኸተማ ኣብ ኢድኩም ኣሕሊፉ ኽህበኩም እዩ እሞ፥ ካብቲ ዝተሓባእኹምሉ ወፂእኹም ነታ ኸተማ ሓዝዋ።
8
ነታ ኸተማ ምስ ሓዝኩምዋ ድማ፥ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ ብሓዊ ኣባርዕዋ፤ እንሆ ኣዚዘኩም ኣለኹ” ኢሉ ሰደዶም።
9
ንሳቶም ከዓ ናብታ ዝሕብኡላ፥ ኣብ መንጎ ቤቴልን ጋይን ከይዶም፥ ኣብ ወገን ምዕራብ ጋይ ተሓብኡ። ኢያሱ ግና በታ ለይቲ እቲኣ ኣብ ማእኸል ህዝቢ ሓደረ።
10
ኢያሱ ድማ ኣንጊሁ ተስአ፤ ነቲ ህዝቢ ኣሰሊፉ ኸዓ፥ ምስ ዓበይቲ እስራኤል ቀቅድሚ እቲ ህዝቢ ናብ ጋይ ደየበ።
11
እቲ ምስኡ ዝነበረ ዅሉ ተዋጋኢ ህዝቢ እውን ደየበ፤ ቀሪቦም ከዓ ናብ መንፅር እታ ኸተማ መፂኦም፥ ብሰሜን ጋይ ሰፈሩ። ኣብ መንጎኡን ኣብ መንጎ ጋይን ከዓ ለሰ ነበረ።
12
ኣስታት ሓሙሽተ ሽሕ ሰባት ወሲዱ፥ ኣብ መንጎ ቤቴልን ጋይን ብምዕራብ እታ ኸተማ ሕቡእ ደጀን ገይሩ ኣንበሮም።
13
ንዅሉ እቲ ህዝቢ፥ ነቲ ብሰሜን እታ ኸተማ ዝነበረ ዅሉ ጭፍራን ነቶም ብምዕራብ እታ ኸተማ ዝነበሩ ሕቡኣቱን ከምኡ ኣስፈርዎም፤ ኢያሱ ኸዓ በታ ለይቲ እቲኣ ናብ ማእኸል እቲ ለሰ ኸደ።
14
ናይ ጋይ ንጉስ እዙይ ምስ ረአየ፥ ንሱን ሰብ እታ ኸተማን ቀልጢፎም ኣንጊሆም ተስኡ እሞ፥ በቲ ዝተወሰነ ጊዜ ንእስራኤል ክወግእዎም ናብ ቅድሚ እቲ ዓረባ ወፁ። ብድሕሪ እታ ኸተማ ሕቡእ ሓይሊ ኸም ዘሎ ግና ኣይፈለጡን ነበሩ።
15
ኢያሱን ኵሎም እስራኤልን ከዓ፥ ኣብ ቅድሚኣቶም ከም ዝተስዓሩ መሲሎም ብመንገዲ ምድረ በዳ ሃደሙ።
16
ሽዑ ኣብታ ኸተማ ዝነበሩ ዅሎም ህዝቢ፥ ከሳጕጉዎም ተፀውዑ፤ ንኢያሱ ድማ ኣሳጎጕዎ፤ ካብታ ኸተማ ኸዓ ኸም ዝርሕቑ ገበርዎም።
17
ኣብ ጋይን ኣብ ቤቴልን ደድሕሪ እስራኤል ክስዕብ ዘይወፀ ሰብ ኣይነበረን። ነታ ኸተማ ብኽፍትታ ሓዲጎምዋ፥ ደድሕሪ እስራኤል ሰዓቡ።
18
እግዚኣብሄር ድማ ንኢያሱ “ነታ ኸተማ ጋይ ኣብ ኢድካ ኽህበካ እየ እሞ፥ ነቲ ኣብ ኢድካ ዘሎ ዂናት ናብኣ ኣቢልካ ዘርግሓዮ” በሎ። ኢያሱ ኸዓ ነቲ ኣብ ኢዱ ዝነበረ ዂናት ናብታ ኸተማ ኣቢሉ ዘርግሖ።
19
ንሱ እዙይ ምስ ገበረ እቶም ተሓቢኦም ዝነበሩ፥ ቀልጢፎም ካብቲ ዝተሓብኡሉ ቦታ ወፂኦም ጐየዩ፤ ነታ ኸተማ ድማ ኣትዮም ሓዝዋ፤ ቀልጢፎምውን ብሓዊ ኣባርዕዋ።
20
እቶም ናይ ጋይ ሰባት፥ ንድሕሪኦም ግልፅ እንተ በሉ፥ እንሆ ትኪ ኻብታ ኸተማ ንሰማይ ክወፅእ ረአዩ። ሽዑ ናብዙይ ኮነ ናብቱይ ክሃድሙ ኣይከኣሉን። እቶም ንምድረ በዳ ኣቢሎም ዝሃደሙ ህዝቢ እስራኤል ናብኣቶም ኣቢሎም ተመሊሶም ነበሩሞ።
21
ኢያሱን ኵሎም እስራኤልን፥ እቶም ተሓቢኦም ዝነበሩ ተዋጋእቲ ነታ ኸተማ ኸም ዝሓዝዋ፥ ትኪ እታ ኸተማውን ንላዕሊ ኸም ዝወፀ ምስ ረአዩ፥ ተመለሱ እሞ፥ ንህዝቢ ጋይ ቀተልዎም።
22
እቶም ካልኦትውን ካብ ከተማ ናብኣቶም ወፁ። ሽዑ እዚኣቶም በዙይ፥ እቲኣቶም ከዓ በቱይ ስለ ዝኸበብዎም፥ ደቂ ጋይ ኣብ ማእኸል ደቂ እስራኤል ኮኑ። ደቂ እስራኤል ድማ፥ ካብ ህዝቢ ጋይ ሓደኳ እንተየምለጦም ቀተልዎም።
23
ንንጉስ ጋይ ከዓ ብህይወቱ እንተሎ ሒዞም ናብ ኢያሱ ኣምፅእዎ።
24
እስራኤል ነቶም ኵሎም ደቂ ጋይ ኣብቲ ዘሳጕጉዎም ዝነበሩ ግራውትን ምድረ በዳን ቀቲሎም ምስ ወድኡ፥ ደቂ ጋይ ከዓ ዅሎም ብስሕለት ሰይፊ ምስ ወደቑ፥ ሽዑ ዅሎም ብዘለዉ ደቂ እስራኤል ናብ ጋይ ተመለሱ እሞ፥ ነቶም ህዝባ ብስሕለት ሰይፊ ወቕዕዎም።
25
እቶም በታ መዓልቲ እቲኣ ዝወደቑ ደቂ ጋይ፥ ካብ ሰብኣይን ካብ ሰበይትን፥ ኵሎም ዓሰርተ ኽልተ ሽሕ ነፍሲ ኾኑ።
26
ኢያሱ ድማ ዅሎም ደቂ ጋይ ክሳዕ ዝጠፍኡ፥ ነታ ዂናት ዝዘርግሐት ኢዱ ኣይመለሳን።
27
እስራኤል ከዓ ኸምቲ እግዚኣብሄር ንኢያሱ ዝኣዘዞ፥ ጥሪትን ምርኮ እታ ኸተማን ጥራሕ ማሪኾም ንባዕላቶም ወሰዱ።
28
ኢያሱ ንኸተማ ጋይ ብሓዊ ኣባራዓ፤ ክሳዕ ሎሚ ኸዓ ንዘለኣለም ኵምሪ ዑና ገበራ።
29
ንንጉስ ጋይ ድማ ኽሳዕ ምሸት ኣብ ኦም ሰቐሎ፤ ፀሓይ ምስ ዓረበት ከዓ፥ ኢያሱ ነቲ ሬሳኡ ኻብ ኦም ከውርድዎ ኣዘዘ፤ ኣብ ኣፍ ደገ እታ ኸተማውን ደርበይዎ። ኣብ ልዕሊኡ ድማ እቲ ኽሳዕ ሎሚ ዘሎ ዓብዪ ጨቝላ እምኒ ጨቈሉላ።
30
ሽዑ ኢያሱ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፥ ኣብ እምባ ጌባል መሰውኢ ሰርሐ።
31
ከምቲ ባርያ እግዚኣብሄር ሙሴ ንደቂ እስራኤል ዝኣዘዞም፥ ከምቲ ኣብ መፅሓፍ ሕጊ ሙሴውን ተፅሒፉ ዘሎ፥ መሰውኢ ኻብ ዘይተወቕረ፥ ሓፂን ዘይነኽኦ ኣእማን ነበረ፤ ኣብ ልዕሊኡውን ንእግዚኣብሄር ዝቃፀል መስዋእቲ ኣቕረቡ፤ መስዋእቲ ምስጋናውን ሰውኡ።
32
ነቲ ሙሴ ዝፀሓፎ ሕጊ ኸዓ ኢያሱ ኣብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ኣብቲ ኣእማን ፀሓፎ።
33
ኵሎም ደቂ እስራኤልን ዓበይትን ኣሕሉቕን ፈረድትን ምስኣቶም ዝነብሩ ባዕዳንን ኣብ መንፅር እቶም ታቦት ቃል ኪዳን እግዚኣብሄር ዝፆሩ ሌዋውያን ካህናት ብየማኖምን ብፀጋሞምን ደው በሉ። እቲ ህዝቢ ድማ ፍርቁ ብወገን እምባ ገሪዛን፥ ፍርቁ ድማ ብወገን እምባ ጌባል ቆመ። እዙይ ከዓ ኸምቲ ባርያ እግዚኣብሄር ሙሴ፥ ህዝቢ እስራኤል ክባረኹ እንተለዉ ዝኣዘዞም ገበረ።
34
ድሕሪዙይ ኢያሱ ንዅሉ ቓል ሕጊ፥ ነቲ በረከትን መርገምን፥ ከምቲ ዅሉ ኣብ መፅሓፍ ሕጊ ተፅሒፉ ዘሎ ኣንበቦ።
35
ኢያሱ ድማ ንዅሎም ደቂ እስራኤልን ንኣንስቶምን ህፃናቶምን፥ ነቶም ኣብ ማእኸሎም ዝነብሩ ባዕዳንን፥ ነቲ ሙሴ ዝኣዘዞ ሕጊ ብምሉኡ ኣንበበሎም እምበር፥ ሓደ ቓል እኳ ኣይሓደገን።
← Chapter 7
Chapter 9 →