bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Joshua 10
Joshua 10
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ንጉስ ኢየሩሳሌም ኣዶኒፄዴቅ፥ ኢያሱ ንጋይ ከም ዝሓዛን ፈፂሙ ኸም ዘጥፍኣን፥ ከምቲ ንኢያሪኮን ንንጉሳን ዝገበሮ፥ ከምኡ ድማ ንጋይን ንንጉሳን ከም ዝገበረ ሰምዐ። እቶም ሰብ ጊብዓውን ምስ እስራኤል ሰላም ከም ዝገበሩን፥ ኣብ ማእኸሎምውን ከም ዝነብሩን ሰምዐ።
2
ጊብዓ ከም ሓንቲ ኻብተን ከተማታት ነገስታት ዓባይ ከተማ ስለ ዝነበረት፥ ካብ ጋይ እኳ እትዓቢ ስለ ዝነበረት፥ ኵሎም ሰባውን ጀጋኑ ስለ ዝነበሩ፥ ሰብ ኢየሩሳሌም የመና ፈርሑ።
3
ስለዙይ ንጉስ ኢየሩሳሌም ኣዶኒፄዴቅ፥ ናብ ሆሃም ንጉስ ኬብሮንን፥ ናብ ጲርኣም ንጉስ ያርሙትን፥ ናብ ያፊዓ ንጉስ ላኪሶን፥ ናብ ዳቤር ንጉስ ኣዶላምን ልኢኹ፥
4
“ገባዖን ምስ ኢያሱን ምስ ደቂ እስራኤልን ተዓሪቓ እያ እሞ፥ ክንዋግኣ ናባይ ደይብኩም ሓግዙኒ” በሎም።
5
ሽዑ ሓሙሽቲኦም ነገስታት ኣሞራውያን፥ ንጉስ ኢየሩሳሌም፥ ንጉስ ኬብሮን፥ ንጉስ ያርሙት፥ ንጉስ ላኪሶ፥ ንጉስ ኣዶላም፥ ምስ ኵሎም ሰራዊቶም ተኣኪቦም ወፁ፤ ንገባዖን ክወግእዋ ኸበብዋ።
6
ሰብ ገባዖን ድማ ናብ ኢያሱ ናብቲ ሰፈር ናብ ጌልገላ ልኢኾም “ንባሮትካ ንምርዳእ ኢድካ ኣይትመልስ፤ እቶም ኣብ ደጕዓ ዝነብሩ ነገስታት ኣሞራውያን ኵሎም ክዋግኡና ተኣኪቦም ኣለዉ እሞ ቐልጢፍካ ናባና ደይብ፤ ኣድሕነና፤ ርድአናውን” በልዎ።
7
ሽዑ ኢያሱን፥ ምስኡ ዝነበሩ ዅሎም ፅኑዓትን ሓያላትን ካብ ጌልገላ ወፁ።
8
እግዚኣብሄር ድማ ንኢያሱ፥ “ኣብ ኢድካ ኣሕሊፈ ሂበዮም ኣለኹ፤ ካብኣቶም ሓደ ሰብ እኳ ዝቃወመካ የለንሞ፥ ኣይትፍርሓዮም” በሎ።
9
ኢያሱ ኸዓ ኻብ ጌልገላ ተልዒሉ፥ ምሉእ ለይቲ ኽግስግስ ሓዲሩ፥ ብድንገት መፆም።
10
እግዚኣብሄርውን ኣብ ቅድሚ እስራኤላውያን ኣደንገፆም። ኣብ ገባዖንውን ብዓብዪ መውቃዕቲ ወቕዖም፤ ብመንገዲ ዓቐበት ቤትሖሮንውን ኣሳጐጎም፤ ክሳዕ ዓዜቃን ክሳዕ ማቄዳን ከዓ ወቕዖም።
11
ካብ እስራኤል ሃዲሞም፥ ኣብቲ መውረዲ ቤትሖሮን እንትወርዱ ኽሳዕ ዓዜቃ ዝበፅሑ፥ እግዚኣብሄር ካብ ሰማይ ዓበይቲ ደንጐላታት በረድ ኣውረደሎምሞ ሞቱ። ካብቶም ደቂ እስራኤል ብሰይፊ ዝቐተልዎም፥ እቶም ብደናጉል በረድ ዝሞቱ ይበዝሑ።
12
ሽዑ በታ እግዚኣብሄር ንኣሞራውያን ኣብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ኣሕሊፉ ዝሃበላ መዓልቲ፥ ኢያሱ ንእግዚኣብሄር ተዛረቦ። ኣብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ድማ ኸምዙይ በለ፦ “ኣብ ልዕሊ ገባዖን ፀሓይ ትቑም፤ ኣብ ለሰ ኤሎውን፥ ወርሒ ትቑም።”
13
ሽዑ እቲ ህዝቢ ንፀላእቱ ኽሳዕ ዝስዕሮም፥ ፀሓይ ቆመት፤ ወርሒውን ደው በለት። እዙይ ኣብ መፅሓፍ ያሻር ተፅሒፉ ዘሎዶ ኣይኮነን? እታ ፀሓይ ኣብ ማእኸል ሰማይ ደንጐየት፤ ኣስታት ምሉእ ሓደ መዓልቲ ንምዕራብ ኣይቀልጠፈትን።
14
እግዚኣብሄር ንእስራኤል ተዋጊኡሎም እዩ እሞ፥ ቃል ሰብ ዝሰምዐላ ኸምታ መዓልቲ እቲኣ ዝበለት፥ ቅድሚኣ ኾነ ድሕሪኣ ኣይነበረትን።
15
ኢያሱ ምስ ኵሎም ደቂ እስራኤል ናብቲ ሰፈር ናብ ጌልገላ ተመለሰ።
16
እቶም ሓሙሽተ ነገስታት ድማ ሃዲሞም ኣብ በዓቲ ማቄዳ ተሓብኡ።
17
ንኢያሱ ኸዓ “እቶም ሓሙሽተ ነገስታት ኣብ በዓቲ ማቄዳ ተሓቢኦም ተረኺቦም ኣለዉ” ኢሎም ነገርዎ።
18
ኢያሱ ድማ “ናብ ኣፍ እቲ በዓቲ ዓበይቲ ኣእማን ኣንከራርዉ፤ ዝሕልውዎም ሰባት ከዓ ግበሩ።
19
ንስኻትኩም ግና ኣይትደንጕዩ፤ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ንፀላእትኹም ኣብ ኢድኩም ሂቡኩም እዩ እሞ፥ ኣሳጕጉዎም። ነቶም ብድሕሪት ዘለዉ ድማ ቕተልዎም፤ ናብ ከተማታቶም ከይኣትዉ ኸልክልዎም” በሎም።
20
ኢያሱን ደቂ እስራኤልን ብዓብዪ ውቅዒት ወቕዕዎም፤ ምውቃዖም ምስ ፈፀሙውን እቶም ካብኣቶም ሃዲሞም ዘምለጡ ናብተን ዝተዓረዳ ኸተማታት ምስ ኣተዉ፥
21
ኵሉ እቲ ህዝቢ ድማ ናብቲ ኢያሱ ዘለዎ ናብ ሰፈር ናብ ማቄዳ ብሰላም ተመለሰ። ንሓደ ኻብ ደቂ እስራኤል ደፊሩ ዝተዛረቦ ሓደ እኳ ኣይነበረን።
22
ሽዑ ኢያሱ “ነቲ ኣፍ በዓቲ ኽፈትዎ፤ ነቶም ሓሙሽተ ነገስታት ካብቲ በዓቲ ኣውፂእኹም ናባይ ኣምፅእዎም” በለ።
23
ከምኡ ድማ ገበሩ፤ ነቶም ሓሙሽተ ነገስታት፥ ንንጉስ ኢየሩሳሌም፥ ንንጉስ ኬብሮን፥ ንንጉስ ያርሙት፥ ንንጉስ ላኪሶ፥ ንንጉስ ኣዶላም፥ ካብቲ በዓቲ ኣውፂኦም ናብኡ ኣምፅእዎም።
24
ነቶም ነገስታት ናብ ኢያሱ ምስ ኣውፅእዎም፥ ኢያሱ ንዅሎም ሰብ እስራኤል ፀውዖም፤ ነቶም ምስኡ ኸይዶም ዝነበሩ ኣሕሉቕ እቶም ተዋጋእቲ ድማ “ቅረቡ እሞ ኣእጋርኩም ኣብ ክሳውዲ እዞም ነገስታት እዚኣቶም ግበሩ” በሎም። ቀሪቦም ድማ ኣእጋሮም ኣብ ክሳውዶም ገበሩ።
25
ኢያሱ ድማ “እግዚኣብሄር ነቶም እትዋግእዎም ኵሎም ፀላእትኹም ከምዙይ ክገብሮም እዩ እሞ ኣይትፍርሑን ኣይትደንግፁን፥ ፅንዑን ትብዑን” በሎም።
26
ድሕሪዙይ ወቒዖም ቀተልዎም፤ ኣብ ልዕሊ ሓሙሽተ ኣእዋም ድማ ሰቐልዎም፤ ክሳዕ ምሸት ከዓ ኣብተን ኣእዋም ተሰቒሎም ፀንሑ።
27
ኣጋ ዓራርቦ ፀሓይ ብትእዛዝ ኢያሱ፥ ካብተን ኣእዋም ኣውሪዶም ናብቲ ተሓቢኦምሉ ዝነበሩ በዓቲ ደርበይዎም። ክሳዕ ሎሚ ኣብቲ ኣፍ በዓቲ፥ ዓበይቲ ኣእማን ተገይሩ ኣሎ።
28
ኢያሱ ድማ በታ መዓልቲ እቲኣ ንማቄዳ ሓዛ፤ ንኣኣን ንንጉሳን ከዓ ብስሕለት ሰይፊ ወቕዐ፤ ንኣኣቶምን ኣብኣ ንዘለዉ ዅሎም ሰባትን፥ ሓደ እኳ እንተየትረፈ፥ ፈፂሙ ኣጥፍኦም። ከምቲ ንንጉስ ኢያሪኮ ዝገበሮ፥ ንንጉስ ማቄዳውን ከምኡ ገበሮ።
29
ኢያሱ፥ ምስኡውን ኵሎም ደቂ እስራኤል፥ ካብ ማቄዳ ናብ ሊብና ሓለፉ፤ ንሊብና ኸዓ ወግእዋ።
30
እግዚኣብሄር ድማ ንኣኣን ንንጉሳን ኣብ ኢድ እስራኤል ኣሕሊፉ ሃባ። ንኣኣን ኣብኣ ንዘለዉ ዅሎም ሰባትን፥ ሓደ እኳ እንተየትረፉ፥ ብስሕለት ሰይፊ ወቕዑ። ከምቲ ኣብ ንጉስ ኢያሪኮ ዝገበሮ ኣብ ንጉስ ልብናውን ገበረ።
31
ኢያሱ ምስ ኵሉ ህዝቢ እስራኤል ኮይኑ ኻብ ሊብና ናብ ላኪሶ ሓለፉ እሞ ኸበብዋ፤ ወግእዋውን።
32
እግዚኣብሄር ንላኪሶ ኣብ ኢድ እስራኤል ኣሕሊፉ ሃባ፤ ብኻልአይቲ መዓልቲ እውን ሓዝዋ፤ ከምቲ ዅሉ ንሊብና ዝገበርዎ፥ ንኣኣን ኣብኣ ንዘለዉ ዅሎም ሰባትን ከዓ ብስሕለት ሰይፊ ቐተልዎም።
33
ሽዑ ሆራም ንጉስ ጌዝር ንላኪሶ ኽረድኣ ወፀ፤ ኢያሱ ድማ ንእኡን ንህዝቡን፥ ሓደ እኳ እንተየትረፈ ቐተሎም።
34
ኢያሱ ምስ ኵሎም ደቂ እስራኤል ኮይኑ ኻብ ላኪሶ ናብ ኣዶላም ሓለፈ፤ ከበብዋ፤ ወግእዋውን።
35
በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ሓዝዋ፥ ብስሕለት ሰይፊ እውን ወቕዕዋ። ኢያሱ በታ መዓልቲ እቲኣ ኸምቲ ዅሉ ኣብ ላኪሶ ዝገበሮ፥ ኣብኣ ንዝነበሩ ሰባት ፈፂሙ ኣጥፍኦም።
36
ኢያሱ፥ ምስ ኵሎም ደቂ እስራኤል ኮይኑ፥ ካብ ኣዶላም ናብ ኬብሮን ደዪቦም ተዋግእዋ፤ ሓዝዋውን።
37
ምስ ሓዝዋ ድማ፥ ንኣኣን ንንጉሳን ንዅለን ከተማታታን ኣብኣ ንዘለዉ ዅሎም ሰባትን ብስሕለት ሰይፊ ቐተልዎም። ከምቲ ዅሉ ኣብ ኣዶላም ዝገበሮ፥ ሓደ እኳ ኣየትረፈን፤ ንኣኣን ኣብኣ ንዘለዉ ዅሎም ሰባትን ስለ ዝወቕዖም ፈፂሙ ኣጥፍኦም።
38
ኢያሱ ምስ ኵሎም ደቂ እስራኤል ተመሊሱ ንዳቤር ተዋግኣ።
39
ንኣኣን ንንጉሳን ንዅለን ከተማታታን ሓዘ፤ ብስሕለት ሰይፊ ድማ ቐተሎም። ኣብ ዳቤር ንዘለዉ ዅሎም ሰባት ሓደ እኳ እንተየትረፈ ፈፂሙ ኣጥፍኦም። ከምቲ ኣብ ኬብሮን ዝገበሮ፥ ከምቲ ኣብ ሊብናን ኣብ ንጉሳን ዝገበሮ፥ ኣብ ደቢርን ንጉሳንውን ከምኡ ገበረ።
40
በዝ ኸምዙይ ኢያሱ ንዅላ እታ ምድርን፥ ነቶም ኣብ ደጕዓን ደቡብን ቈላን ጎቦታትን ዝነበሩ ዅሎም ነገስታት ቀተሎም። ሓደ እኳ ኣየትረፈን፤ ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ዝኣዘዞ፥ እስትንፋስ ንዘለዎ ዅሉ ፈፂሙ ኣጥፍኦ።
41
ከምኡ ድማ ኢያሱ ኻብ ቃዴስ በርኔ ኽሳዕ ጋዛ፥ ንዅላ ሃገር ጎሶምን ክሳዕ ገባዖን ወቕዖም።
42
እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ንእስራኤል ይዋግአላ ስለ ዝነበረ፥ ኢያሱ ነዞም ኵሎም ነገስታት እዚኣቶምን ንምድሮምን ብሓደ ጊዜ ሓዘ።
43
ድሕሪዙይ ኢያሱን ህዝቢ እስራኤልን ናብቲ ሰፈር ናብ ጌልገላ ተመለሱ።
← Chapter 9
Chapter 11 →